Basic

መሳፍንቲ ጉጅለ ህውሓትን ተጠቀምቲ ኮራኹራን ገንዘባዊ መሸንቆቓ ኣብ መወዳእታ ኣብ ክሳዶም ኣትያ።

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 05 October 2020

ኣረሜናዊን ዓሌታውን [Fascist & Ethnic] ጭፍራ ስርዓት ህውሓት ነበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ 27 ዓመታት ኮረሻ መግዛኣታ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ብሓፈሻ ሓሶት ዝመሰረቱ ዘውረደቶ ኣሉታዊ ዕንወትን ስርቅን ዝምታን ጽልእን ምብትታንን ማእለያ ዘይብሉን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ገበን እዩ። ካብቲ ዝፈጸመቶ ብዙሕ ወንጀላት ብውሕዱ ድማ፣

 

  1. 1984 ዓምፈ ብዓቐና ዝተሰፍየን ናታ ጸቢብ መደባታ ዘገልግል ንስርቂን ብዝበዛን ንጭቆናን ምትፍናንን ዘዳርግ [ዘቃልዕ] ስጋብ 100 ዓመታት ናብ ኮረሻ ስልጣን ዘጽንሓ ደደቢታዊ ምስሉይ ቅዋም ኣዳልያን ጽሒፋን ብግዲን ብዘይ ተሳትፎ ኢትዮጵያውያን ብውሑዳት ከምኣ ዝኣመሰሉን ኮራኹራን ከም ዝጸድቕ ብምግባር፣ ኢትዮጵያ ቅድሚኡ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ብሄርን ዓሌትን ቛንቛን ዝሰረቱ ስርዓት ብምምስራት ኣደዳ ሓድሕዳዊ ጽልእን ቅትለትን ጭፍጨፋን ስርቅን ማኣሰርትን ጌሮማ እዮም።

ብህይወት ዘየሎ ናይ ቀደም ጃንዳ ህውሓት ኣቦ ወንበርን ቀዳማይ መራሒ ኢትዮጵያ ነበርን፣ ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ ስርቂ ከምዚ ኢሉ ኔሩ። ንሱ ድማ፣

"ስርቂ ሓደ ሞያ እዩ፣ እንተ ተታሒዝካ ግን ወንጀል እዩ"

ስለዚ ስርዓት ዓሌታዊ ጉጅለ ህውሓት ብሓያሎ ሰረቕቲ ውልቀሰባትን ንዕኡ ዘተባብዑ ሓውሲ ሕጋዊ ትካላትን እዩ ተሰሪቱ ኔሩ ማለት እዩ።

 

  1. 1997 ዓምፈ ዕጡቓት ተቓወምቲ ዓፋር ኢትዮጵያውያን ንምህዳን ብዝብል ምስምስ፣ ኣብ ከባቢ ባዳ ዓዲ ምሩግ ልዑላውነት ኤርትራ ብምግሃስ ኣትያ ከተብቕዕ፣ ብድሕሪኡ ኣውኡ ተኾይጣ ነቲ ምምሕዳር ኣፍሪሳ ብናታ ብምትካእ ዘይመሬታ ገቢታ ኣብ ቁጽጽራ ብምእታው ነበርቲ' ህዝቢ ከም ዝበሳበሱ ጌራ ኣያ።

 

  1. ብድሕሪኡውን ብሽም ምጥራር ዝብል ዘይሕጋዊ ናይ ሸፋቱ ስራሕ ብበይናዊ ኣገባብ ኣብ ባድመን ከባቢኡን ንዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራዉያን ንገዝኦም እናፍረሱን ከብቶም ንብረቶም እናሃገሩን እናሰረቑን ካብኣቶምውን ሓይሎይ እናኣሰሩን እናቐተሉን ከም ዝፈናቐሉን ከም ዝባረሩን ጌሮም ከብቅዑ፣ 1998 ዓምፈ ኩነታት ክዕዘቡን በቲ ዝግበር ዝነበረ ኣረሜናዊ ስጉምትታት ጭፍራ ተሰሚዑዎም ብውሕዱ ደው ንኽብል ምስ ሰበስልጣን ትግራይ ክማየጡ ዝኸዱ ዝነበሩ 8 ገዳይም ተጋደልቲ .... ብምቅንጻል፣ ነቲ ካብ 1998-2000 ዓምፈ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ዝተኻየደ ኣዕናውን ደማውን ውግእን ኣስታት 20 ሽሕ መስዋኣቲ ኤርትራውያንን ሞት 123 ሽሕ ኢትዮጵያውያንን ማኣለያ ዘይብሉ ምፍንቓል ህዝብን ናይ ሰብን ንብረትን ዕንወት ጠንቂ ኮይኖም እዮም።

 

  1. ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ዓለም‘ውን ብሓፈሻ ፍጹም ተገይሩ ዘይፈልጥ ናይ ረግራጓትን ስጋብ ዓጽሞም ዝሰረጸ መርዛም ጽልኢ ዝሰረቱ መግለጺ ዘይርከቦ ነውራምን ጽዩፍን ተግባር፣ ኣብ ልዕሊ‘ቶም ኤርትራ ሓራን ናጻን ንኽትከውን ወርቃዊ ግዜኦምን  ብዝኾነ ዓይነትን መጠንን ዋጋ መተካእታ ዘይብላ እንኮ ኽብርቲ ህይወቶምን ከፊሎም ዝተሰውኡ፣ ምልክት ጥራይ ዘይኮኑስ ባህልን ሰረትን ብሌን ዓይኒን ኩርዓትን ሓበንን ጽንዓትን ተጸዋርነትን ርእሰ-ተኣማንነትን ርእስኻ-ምኽኣልን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፣ መቓብርን ንኽብሮም ዝተሃንጸ ሓወልትን ጀጋኑ ኽቡራት ስዉኣት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምዕናውን፣ ኣዕጽምቶም ናብ ባይታ ብምብታንን ኤርትራዊ መንነት ንምስባርን ንሓዋሩ ንምጥፋእን ፈቲኖሞ ጥራይ ዘይኮነስ 100% ብዝከኣሎም ሰሪሖምሉ ኣዮም።

 

እንተኾነ ግን ሳላ ህዝባዊ መኸተ ጽኑዕ ህዝቢ ኤርትራን ምቕሉል መሪሕነቱን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊቱን ንኤርትራ ንምዕናው ዝካየድ ዝነበረ ኩለንትናዊ መፈንጥራታት ኣረሜናዊት ጭፍራ ህውሓትን ኣጆኺ ኢሎም ስጋብ ኣፍንጭኣ ዘዕጠቕዋን ዘሻድንዋን ዝነበሩ ጎይቶታ ምዕራባውያን ሓይልታትን ብስም „መሰል ደቂ ሰባት“ ተጠሚቖም ብስቓይን ሞትን ግዳያት ደቂ ሰባትን ዝሽቅጡን ማሕፍፉዳኦም ዘሕብጡ ለመንቲ ትካላት ግሉጽን እዉጅን ውዲታትን ሸርሕታትን ኣብ መወዳእታ ፈሺሉ ጥራይ ዘይኮነስ ተሓምሽሹን መኺኑን እዩ።

 

  1. ቅድሚኡ ኣብ ዝሓለፉ መግዛእታውያን ስርዓታት ኢትዮጵያ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ፣ ኣረሜናዊትን መስፍናዊትን [Fascist & Feudalist Rogue Regime] ስርዓት ህውሓት ነበር፣ ንኣስታት 90 ሽሕ ተቐመጥቲ ኢትዮጵያን ዝነበሩ ኤርትራውያንን መበቆሎም ኤርትራ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያንን መዋእሎም ርሂጾምን ሰሪሖምን ዘጥረይዎ መንበሪ ኣባይቶምን ሃብቶምን ገንዘቦምን ትካሎምን [ዝተፈላለየ ካብ ዓበይቲ መመስርሒ ትካላት ስጋብ ዝተሓተ ዱኳናትን ኣቕረብቲ ኣገልግሎትን] ሳንቲም ከይገደፉ ሰሪቖም ከብቕዑ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይዕዘቦም ብለይቲ ጸልማት ከውሊ ጌሮም ካብ መንበሪ ገዝኦም ካብ ጥዑም ድቃሶም ከም ሰራቒ ማዕጾ ሰይሮም ብምእታውን ካብ ፈቐዶ ዝነጥፍሉ ዝነበሩ ዓውደ-ስርሓት እናእረዩ ኣብ ማእሰርቲ ዳጒኖም፣ በቲ ሓደገኛ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ ቅድመ-ግምባራት ናብ ኤርትራ ከም ዝስጎጉ ጌሮሞም እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣደዳ ስቃይን ሕማምን ግዳያት ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ሞትን ኮይኖም እዮም።

 

  1. እዛ ኣረሜናዊት ዘይትሓፍር ጉጅለ ትግራይ፣ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ብሄርን ቀቢላን ከፋፊላ ንምብትታን፣ ኣብ ትግራይ ንኽፉእን መርዛምን ዕላማ መዳጎኒ መደበራት ብምስራሕን ምስንዳኣን [ብምድላው] ኤርትራውያን መንእሰያትን ትሕተ-ዕድመን ካውኡ ሓሊፉ ስድራ-ቤታትን ዕሸላትን ከይተረፉ ናብ ትግራይ ከም ዝግዕዙ ኣዝዩ ጽዑቕ ናይ ሓሶት ወፈራን ግሉጽን እዉጅን ስዉርን ሸርሕታት ብግብርን ኣካይዳ እያ። ብስሞ ኤርትራውያን ብሓሶትን ምድንጋርን ካብ ምዕራባውያን ሓይልታት ጎይቶታ ትልምኖ ዝነበረት ብኣማኢት ምልዮናት ዝቑጸር ኣቕራሽ [ኣማኢት ምልዮናት ዶላራት] እቲ ዝበዝሕ ሰሪቓ ኣብ ጁባኣ ኣእትያ ብምሕባጥን ከብዳ ብምዝፍጣጥን ተተቒማትሉን ገናውን ስጋብ ዕለት ትልኽ ኣብ ትብለሉ ዘላ እዋን ትጥቀመሉ ኣላ። ካብ ሓሊፋ ማኣለያ ዘይብሎም ኣዝማዳ ተጋሩ ብሓሶት ስም ኤርትራውያን ኣተሚቓ ናብ መዳጎኒ መደበራት ኤርትራውያን ኣእትይያ በቲ ቁሩብ-ቑራቦ ንኤርትራውያን ዝምጠው [ዝወሃብ ዝነበረ] ናይ ጥፍኣት ተልእኮ ንዕኦም ቀዳምነት ብምሃብ ናብ ኣሜርካን ኤውሮጳን ብውሑስ መገዲ ብነፈርቲ ከም ዝኸዱ ገይራ እያ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዓሰርተታት እሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን በቲ እኩይ ሸርሒ ህውሓት ኣብ መፈንጥራ ኣትዮም ኣብ መዳጎኒ መደበራት ትግራይ ከም እሱራትን መጣልዒ ረሳሒ ፖለቲካኣን ብዝያዳ ድማ ቀንዲ ንግዲን መሸቐጢን ማእለያ ዘይብሉ ኣታዊ ኣማኢት ኣእላፍ ኣቕራሽን መሳፍንቲ ህውሓትን ኮይኖም ጅሆ ተታሒዞም ይርከቡ።

 

  1. ነቲ 2000 ዓምፈ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ናይ ሰላም ስምምዕን ኣብ ኣልጀርያ ዝተፈረመን ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ግጭት ንሓደ ግዜን ንሓዋሩን ንምፍታሕ ናብ ዓለማዊ ዶብ ቤት ፍርዲ ተመሪሑ እግባይ ዘይበሃሎን ናይ መጨረሽታ ውሳኔ ቀዳም ዕለት 13 ማዝያ 2002 ዓምፈ ዝተዋህበ ውሳነ፣ መስፍናዊት ስርዓት ህውሓት ነበር ነቲ ውሳነ ብትዕቢት ነጺጋ ንኣስታት 16 ዓመታት ብጃህራን ሓሶትን ተዓሚታ ገለ ዝወየኑ ኮራኹር ደቂ ሃገርን ማእለያ ዘይብሎም ኣብ ኤርትራ ዝዓበዩ ተጋሩን ዓሲባ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምውዳቕን ንሕብረተሰብ ኤርትራ ንምብትታንን ብእዉጅ ሰሪሓን ርሂጻን ከተብቕዕ፣ ኣብ መወዳእታ ግን ሳላ ጽኑዕን ዓቃልን ኩለንትናዊ ህዝባዊ መኸት ህዝቢ ኤርትራን ፍቱን መርሓ ቅዲ መንግስቲ ኤርትራን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን እቲ መርዛምን ኣዕናውን ነውራምን ዕላምኣ ፈሺሉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከም ጥርሙስ ተሓማሽሹ ካብ ኮረሻ መግዛእታ ተኸምቢላን ኣብ ባይታ ወዲቓን ምስ ተሰጥሐት፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ርዖኣ ጠቕሊላ ብሃታሃታ ናብ መቐለ ትግራይ ብምህዳም ኣብ ሆተል ኣኽሱም ተወሺባ ከም ደርሆ ፈንጠርጠር እናበለት ኣብ ጻዕረ-ሞት ከም ትበጽሕ ተገይራ እያ………………..

 

ኣብ ዝሓለፈ ገለ ሰሙናት ግን ብዶር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብወያነ ብሓውሲ-ሕጋውን ዘይሕጋውን ከም ድላያ ዝሕተምን ዝዝርጋሕን ዝነበረ ፋይዳ ዘይብሉ ናይ ስርቅን ብዝበዛን ገንዘብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብድንገት ሓድሽ ገንዘብ ብምሕታም፣ እቲ ጭፍራ ካብ ሃብቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ንሕስያ ሰሪቓ ኣኪባቶ ዝበረት ኣማኢት ኣኣላፍ ኣቅራሽ [hundred Billons of Bir] ናብ ዋጋ ዘይብሉ ተራ ሽቓቅ ወረቐት ስለ ዝገበሮ፣ ንግብረ-ሽበራውያን ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብገንዘብ ዓሲባን ኣዋፊራን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ፣ ነቲ ዞባ ድማ ብሓፈሻ ሕንፍሽፍሽ ፈጢራ ኣደዳ ስቓይን ምፍንቓልን ሞትን ጌራ ሰላም ከሊኣቶ ዝነበረት እኩይ ተግባራን ናይ ጽልእን መርዛም መልሓሳን ከም ዝቑረጽ ኣበርክቶ ስለ ዝገብር ብኣዎንታዊ ዝርአ ኣዝዩ ተባዕ ስጉምቲ እዩ።

 

እምበርኣርከስ ጭፍራ ወያነ፣ ኣብ ናይ መወዳእታ ዕርበታን ሞታን ኣትያ፣ ከምዛ ዘኸስተንካያ ደርሆ ርእሳ ምስ ተቆርጸት ፈንጠርጠር ትብል፣ ልክዕ ከምኣ ኮይና ካብ ጽላለ ናብ ዕብዳን ኣምሪሓ ትሕዞን ትሓስቦን ጠፊኡዋ ካብ ሕልሚ ናብ ሃለፍታ ተሰጋጊራ፣ ናይ ግዜ ሕቶ እንተ ዘይኮይኑ እቲ ዘይተርፍ ዕጭኣ መቃብራን ሓመድ-ድበኣን ትጽበ ኣላ!

 

እዚ ' ደሓንኩም፣ ኽቡራት እሕዋትን ኣሓትን!

 

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ጥዑያት ንኽትኮኑን ሰናይ ቀዳመ-ሰንበትን ከተሕልፉን ንኹሉኹም ይምነየልኩም!!!

 

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

https://youtu.be/LRObXbrUi20


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events