Basic

መግለጺ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 01 September 2020

መግለጺ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን

ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነጠበ- መቐይሮ ዝኾኑ ሓሙሽተ ኣውራ ፍጻመታት ከነለሊ ንኽእል። እቲ ብባሕቲ መስከረም 1961 ዝጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ ንናጽነት፡ ታሪኻዊ ውጽኢት፡ ናይቲ ብምምስራት ግዝኣት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝጀመረ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝቐጸለ፡ ብድሌት ኣመሪካ ዝተበየነ ቑላዕ ፈደረሽንን ንሱ ዘስዓቦ ምልሓቕ ብኢትዮጵያን ዝሓቘፈ ጉዕዞ ታሪኽ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ፍልቀት’ዚ፡ ባሕቲ መስከረም ንሰንሰለታዊ ታሪኽ ባዕዳዊ ወራራትን ግዝኣትን ዕብለላን ብምብታኽ፡ ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ክውስን ናብ ግሁድ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሰጋገረላ ነጥበ መቐይሮ እያ። እዛ ዕለት’ዚኣ፡ ነቲ ኣብ 1940ታት ተወሊዱ፡ ብምምስራት ቀጽሪ ናጽነትን ጋዜጣኡ “ሓዳስ ኤርትራ”ን፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ህላዌኡ ዘግሃደ፡ ኣብ 1950ታት ብምንቅስቓስ ሰራሕተኛታትን ተማሃሮን ዓበይቲ ኣድማታቶምን ዝተወከለ፡ ብምምስራት ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ – ማሕበር ሸውዓተ) ንቕድሚት ዝሰጐመ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ቃልሲ ዘሰጋገረት ትእምርቲ እያ።

 ቅድሚ ባሕቲ መስከረም ዝነበረ መድረኻት፡ ህዝቢ ኤርትራ ግዙእን ግዳይን ኮይኑ ታሪኹ ብኻልኦት ዝሓየሉ መንግስታት ዝተወሰነሉ ምዕራፋት እዩ ነይሩ። ምስ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ንምውሳን፡ ጎይታ ዕድሉን ሃገሩን፡ ብዓል-ቤት ታሪኹን መጻኢኡን ንምዃን ቈሪጹ ተላዒሉ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ዘይክኣል ዝተባህለ ገድሊ፡ ድሕሪ ናይ ኣማኢት ኣሽሓት ሓርበኛታትን ህዝቢን መስዋእቲ፡ ስደትን ምምዝባልን፡ ከቢድ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ብርሰትን ምቊልቋልን ብኽነት ዕድላትን ድማ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሱ ተኣማሚኑን ተሞርኲሱን ዘካየዶ ዘይብገር ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ቃልሲ፡ ብረፈረንደምን ናጽነትን ብቕያዊ ዓወት ተዛዚሙ።

 እዚ ነዊሕ ቃልሲ’ዚ፡ በቲ ኣብ መንጎ ግዳማውን ውሽጣዊን ሓይልታት ዝነበረ ዝምድናን ሚዛን ሓይልን ሓድሕድ ምጽልላውን ዝድረኽ እዩ ነይሩ። ኣብ መስርሕ ከኣ፡ ሚዛን ሓይሊ ብደፋእታ እናተቐየረ፡ ውሽጣዊ ዓቕሚ ብቓልሲ እናተዋህለለ፡ መጀመርታ ነቲ ግዳማዊ ሓይሊ ክብድሆ፡ ስዒቡ ክዳረጎ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ክስዕሮ ክኢሉ። ኣብዚ 30 ዓመታት ዝወሰደ መስርሕ’ዚ፡ ኤርትራውያን፡ ብግዳም ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ በብእብረ ዘጽንዕዎ ርእሰ ሓያላን ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን እናመከትና፡ ብውሽጢ ከኣ ነቲ ምንጪ ድሕረትን ተራፍነትን ድኻምን ዝኾነ ከፋፋልን ጎታትን ጸቢብን ኣተሓሳስባ፡ ዝምድናታትን ተግባራትን ብምቅላስን ብምድኻምን፡ ውሽጣዊ ዓቕምታትና ንምህናጽን ምምዕባልን ኩሉ ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊን ስነኣእምሮኣዊን ጸጋታትና ኣጐሳጒስና፡ ብብቕዓት ወዲብናን ኣስሚርናን፡ ቅኑዕ ስነሓሳባዊን ፖለቲካዊን መስመር ዘማዕበለ ብቑዕ ሃገራዊ ውድብን ሓያል ሓርነታዊ ሰራዊትን ክንሃንጽን ነቲ ዘይክኣል ዝተባህለ ቃልሲ ክንዕወተሉን ክኢልና ኢና። ተሞኲሮና ፍትሓዊ ቃልሲ ዝዕወት፡ ዓወቱ ብታሪኻዊ ጽሕፍቶ ግድን ስለዝኾነ ዘይኮነ፡ ንዓወት ዘብቅዖ ቅኑዕ መስመርን ስትራተጂን ዝወነነ፡ ኣብ ጽኑዕ ደገፍን ርድየትን ተሳታፍነትን ህዝቢ ዝተመስረተ ናይ ውፉያት ሓርበኛታት ውዳበ ምስ ዝህሉ ምዃኑ እዩ ኣግሂዱ።

 ዓወት ሃገራዊ ሓርነታዊ ሰውራና ኣብ ሓደ እዋን መዛዘምን መጀመርታን እዩ ነይሩ። ሓርነታዊ ሰውራና ታሪኻዊ ብቕዓቱን ዕምቈቱን ዘየካትዕ ኮይኑ፡ መቐጸልታኡ ዝኾነ ምህናጽ ሃገርን ግድላቱን ድማ፡ ብቕዓት፡ ዓቕሚን ጸጋታትን ዝሓትት ወለዶታት ዘሳትፍ መስርሕ እዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሱ ዝዀስኰሶ ብቕዓትን ክብርታትን ዓጢቑ ዘበገሶ ህንጸት ሃገር፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ትስፉዉ ኣንፈት ክሕዝ’ዩ ተራእዩ። እንተኾነ፡ ‘ናጽነት ኤርትራ ንስትራተጂያዊ ረብሓታትና ኣየገልግልን’ዩ’ ኢሎም ዝኣምኑ ሓይልታት፡ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዘመን ጀሚሮም መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ንምድቋስ ተረባሪቦም ከይኣክል፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጽንዓትን መሰታ ዘይርከቦ ጅግንነትን ኣኽሊል ናጽነት ድሕሪ ምድፍኡ እውን፡ ኣስተርሕዩ ሃገሩ ከይሃንጽን ከየማዕብልን፡ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ዘይመልአ ግዜ፡ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ህንጸት ሃገር ንምዝራግ ዝዕላማኡ፡ ካብ ቅሉዕ ወተሃደራዊ ወራር ክሳብ ኩለንተናዊ እገዳ ዘጠቓለለ ዝተፈላለየ ግሁድን ስውርን ሽርሒታት ብምፍጻም፡ ጀሆ ናይ ቅልውላዋት ኮይኑ ንኽትሓዝ ዳግም ንነዊሕ ዓመታት ተረባሪቦም።

 የግዳስ ተጻብኦታቶም ምስናይ ጻዕቁን ዓይነታቱን፡ ትሕቲ ብቕዓትን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ማህሰይቲ ኣየውርደን እኳ እንተዘይተባህለ፡ ነቲ ዝተሃቀነ ዕላማታት ኣይወቕዐን። በዚ ዝተጠቕሰ ፍሉጥ ምኽንያታት ግና፡ ምህናጽ ሃገር ማዕረ ልዑል ትጽቢትናን ጥሙሕናን ተወፋይነትናን ምስ ባህግና ዝዳረግ ከምዘይነበረ ርዱእ እዩ። ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝሓለፈቶ ዝተወሳሰበ መድረኽ፡ ናጻ ህላወኣ ንምውሓስ፡ ግዳማዊ ወራርን መሰነይታኡ ካልእ ተጻብኦታትን እናመከተት፡ ሰረታት ምህናጽ ሃገር ንምንዳቕ ከይተሓለለት ብጽፍራ ኣትኪላ መኪታ እያ። ናጻን ቅኑዕን መስመርና ዓቂብና፡ ብናይ ኣቋራጭ ፍትሓት ከይሰዳዕና፡ ናብ ነባሪ መዓርፎ እናማዕደና፡ ካብ ረብሓ ሓፋሽ ህዝቢን ሃገርን ፈልከት ከይበልና ብጽንዓት ስለእተቓለስና ድማ ንኹሉ ብድሆታት ድሕሪ ናጽነትን እውን ብዓወት ክንሰግሮ በቒዕና ኣለና።

 ናጽነትና እምበኣር ትርጉሙን ክብሩን በቲ ዝተኻየደ ሓርነታዊ ቃልሲን ዝተኸፍሎ መስዋእቲን ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ንምሕላዉን ንምህናጹን ዘካየድናዮ ከቢድ ቃልሲን መስዋእቲን እውን ዝተመን እዩ። ከም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብዚ ዳግማይ ገድሊ እውን ብጽንዓትን መስዋእቲን ስዒርና ስለዝወጻእና ድማ፡ ኣብ ድርዂኺት ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምትሕግጋዝን በጺሕና ኣለና። እዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ መድረኽ እውን እንተኾነ ናይ ባዕሉ ብድሆታትን ግድላትን ክህልዎ ግድን እዩ። ታሪኽ ዘየቋርጽ መስርሕ ከም ምዃኑ መጠን፡ ሓድሽ ታሪኽ ብምስራሕ እዩ ቀጻልነቱ ዝረጋገጽ። በዚ ድማ፡ ነቲ ወለዶታት ዝተጋደልሉን ዝተሰውኡሉን ብሉጽ ባህግታት ከተርዊ፡ ከይሰልከየት እትቃለስ ፍትሒን ራህዋን ዝሰፈና ስልጥንቲ ኤርትራ ንምውሓስ ንሕሉፍ ታሪኽና ከም መሰረትን መወከሲን ወሲድና ኣብ ነዊሕ መስርሕ ዝተዀስኰሰ ክብርታት፡ ዕላማታት፡ መትከላት፡ ዓቕምን ብቕዓትን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ መድሕን ዝኸውን ብቑዕን ማዕባልን ሃገራዊ ትካላት ክንሃንጽ ኣለና። ህዝባዊ ግንባር፡ ማእከል ስሕበት ሃገራዊ ፖለቲካ ኮይኑ ምቕጻሉን ምድልዳሉን ከኣ፡ ንምህናጽ ኣብ ፍትሕን ማዕርነትን ደሞክራሲን ዝሰረተ ድልዱል ፖለቲካዊ ስርዓት ወሳኒ እዩ።

 ብልዑል ተስፋ ዝጀመረ ጉዕዞ ናጻ ኤርትራ ብግዳማዊ ወራርን ተጻብኦታትን ብዙሕ መሰናኽላት ክሰግር ምግዳዱ፡ ዞባዊ ሰላምን ምትሕግጋዝን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ኩነት ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝመጸ ለውጢ ተኣሳሲሩ፡ ዞባና ናብ ሓድሽ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን መድረኽ ይኣቱ ኣሎ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ውዕል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሶማል ዝተኸተመ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ፡ ኤርትራ ንዞባዊ ሰላምን ምትሕብባርን ዘለዋ ዘይቅየር መትከላዊ መርገጺ ዳግም ዘመስከረ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ስጉምቲ እዩ። እዚ ተበግሶታት’ዚ ግን ንባዕሉ ዓቃል ቃልሲ ስለዝሓትት፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ነዚ ሓድሽ ዞባዊ ኩነት ኣብ ድልዱል ሰረት ንምህናጹ ዘይተቘጠበ ጻዕሪ ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ።

 ኣብ ድሮ ኣልማዛዊ እዮቤልዩ ኣብ ዝዝከር ዘሎ መበል 59 ዓመት ልደት ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልስና እምበኣር፡ ባሕቲ መስከረም ከም ኣውደ-ዓመት መብጽዓ መጠን፡ ነቲ መሰረታት ናጻ ሃገራዊ ምዕባለና ዝኾነ ምእንቲ ህዝባዊ ዕላማን ፍትሒን ሰብኣዊ ክብረትን ዝተኻየደ ጽኑዕ ቃልሲን ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእቲን እናዘከርናን እናጸንበልናን፡ ብምህናጽ ስልጥንቲ ኤርትራ ክንድብሶ ሕድሪ ኣሎና። ክንዲ ዝኾነ፡ ኤርትራ ማዕረ’ቲ እተኸፍለላ ክቡር መስዋእቲ፡ ዜጋታታ ብኽብረትን ፍትሒን ዝነብሩላ ዓዲ ራህዋን ማዕርነትን ክትከውን ሕጂን ንመጻኢን ኣብ ርእስና ተኣማሚንና ተመርኲስናን ከይሰልከና ክንጽዕር ኢና። ህ.ግ. ከም ቀደሙ ኣብ ተሳታፍነትን ርድየትን ህዝቢ ኤርትራ ተመስሪቱ፡ ኣብዚ ሓድሽ መድረኽ’ዚ፡ ነቲ ብወራር ዝተዀልፈ ዕድላት ብዝኽሕስ ናህርን ኣድማዕነትን ብምሉእ ዓቕሙ ንምህናጽ ኤርትራ ብምስራሕ፡ ሕድሪ ዝቕበልን ታሪኽ ዝቕጽልን ዝሰርሕን ብቑዕ ተካኢ ወለዶ ብምኹስኳስ፡ ታሪኻዊ ተልእኾኡ ክፍጽም እዩ።

 ሕድሪ ባሕቲ መስከረም ብምህናጽ ስልጥንቲ ኤርትራ ክንፍጽሞ ኢና!

ሰማእታትና ብስራሕ ይደበሱ!

ዓወት ንሓፋሽ!

 ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን

1 መስከረም 2020

ኣስመራ

-----------



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events