Basic

'ጽምብል ዝኽሪ 30 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፡ ለንደን'

Posted by: Yared Tesfay

Date: Tuesday, 18 February 2020

ጽምብል ዝኽሪ 30 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፡ ለንደን - 'ፈንቅል ንልምዓት 2020' 

ዝኽሪ 30 ዓመታት ስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ ከተማ ለንደን፡ ሰንበት 16 ለካቲት 2020፡ "ፈንቅል ንልምዓት" ብዝብል ቴማ ብድምቀት ተኸቢሩ።

እዚ ብኮማዊ-ውዳበ ሰሜን-ለንደን ዝተወደበ ጽምብል፡ ክቡር ኣምባሳደር ኣብ ዓ/ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ካልኦት ሓለፍቲ ሚሽን፡ ኣብ ኩሉ ክፍላ ዕድመ ዝርከቡ ብኣማእት ዝቑጸሩ ዜጋታትን ዝተረኽቡሉ ብልዑል ድምቀት ተዘኪሩ።

ኣቦ መንበር ኣዳላዊት ኮሚተ፡ ኣቶ ሙሴ በራኺ፡ ንተሳተፍቲ መርሓባ ብምባል፡ ጽምብል ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ቅያዊ ስርሒት ፈንቅል ንምውዳብ፡ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ሰሜን ለንደን ንዝተነብረላ ክብሪ ኣመስጊኑ። እዚ ህጻናትን መንእሰያትን ማእከል ዝገበረ በዓል'ዚ፡ ተረከብቲ ሕድሪ ዉሉድና፡ ኣብ ቅያን ጅግንነትን ህዝብን ሰውራን ኤርትራ፡ መረዳእታ ንምስፋሕ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ብወገኑ፡ ንማሕበረኮም ኤርትራውያን ሰሜን ለንደንን ኩሎም ነዚ ውራይ ንምዕዋትን ኣበርክቶ ዝገበሩ ምስጋና ብምቕራብ መደርኡ ኸፊቱ። ኣስዒቡ፡ ስርሒት ፈንቅል በሪ መሉእ ሓርነት ዘርሓወ፡ መርኣያ ፍጹም ጽንዓት፡ ብልሓት፡ ትብዓትን ጅግንነትን ተጋዳላይን መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ኮይኑ፡ ሒደት መወዳድርቲ ዘለዎ ፍሉይ ሕላገት ህዝቢ ኤርትራን'ዩ ኢሉ። ቅያታት ትማሊና፡ ሎሚ ንምርሓሎም ክብርታትን ናይ ጽባሕና ፍኖትን ገይርና፡ ነዚ ብረዚን ጽንዓተ-መኸተ ኣቲናዮ ዘሎና መድርኽ ሰላም፡ ራህዋ ብዝሃንጽ ልምዓት ክንድርዖ ምእንቲ ኩልና ክንዓጥቕ ኣዘኻኺሩ።

ኣምባሳደር ኣብዚ ረዚን ኣጋጣሚ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ስፖርትን ኮማዊ ንጥፈታትን ፍሉይ ውጽኢት ንዘመዝገቡ መንእሰያትን ህጻናትን፡ ምስክር ወረቐት ዓዲሉ። 

እቲ ምሸት ካብ ዘአንገዶም መሳጢ መደባት ሓደ፡ ወግዒ ምቑራጽ ምቁር ህብስቲ (ቶርታ) ኮይኑ፡  ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዕጥቂ ብዝተጋደሉ ሓርበኛታት ዝተዓጀበ'ዩ ነይሩ።

ብተመሳሳሊ፡ ሸውሃት ዓበይትን ነኣሽቱን ተሳተፍቲ ከምወትሩ ዘዕገበን ጎሮሮ ዘተርከሰን ቀረብ መግብን መስተን ብወሓለታት ቀሪቡ።

ጽምብል ስርሒት ፈንቅል ዓመተ-2020 ኣብ ከተማ ለንደን፡ ዝተፈላለዩ ስነጥበባዊ ስርሓት፡ መዝሙር ሕጻናት፡ ግጥምታትን ወኒ ዝቕስቅስ ሙዚቃን ዜማን አአንጊዱ ኣምስዩ። ድምጻውያን፡ ሃይለኣብ ሰላሊዓ፡ ክፍሎም ጀብጀብ፡ ዑቕባይ መስፍንን ካልኦትን ምስ ሙዚቀኛታት ድሙቕ ጓይላ ኣቕሪቦም። 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events