Date: Tuesday, 04 February 2020
፡ ንሕውየት፡ ንልምዓት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ኮቨንተሪ ተቃኒዑ"
ኣብ'ቲ ብ 2 ለካቲት 2020 ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያን ሰሜን ኣየርላንድ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማሪያም ኣብ ዝተረክበሉ ካብ መላእ ዓባይ ብሪጣኒያ ካብ 11 ከተማታት ኤርትራዊያ ወከልቲ 40 ውዳቤታት ኣብ ዝተረክብሉ።
ብኣቦ መንበር ሃገራዊ ሽማግለ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ኣብ መክፈቲ እቲ ዋዕላ ኣብ ዘቅረቦ ቃል ንዕላማን መድረካዊ ዕላማ 2ይ ዋዕል ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ ቃል ፥ 2ይ ጉባኤ ሃገራዊ ሽማግለ ዓባይ ብሪጣኒያ ብከቢድ መስዋእቲ ፥ ኣብ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ መዋእልን ዳግመ ንህንጸት ሃገር ተበጊስናሉ ኣብ ዘለና ይሰላሰል ብምህላው ፥ ነቲ ጉባኤ ንምዕዋት ንዝሰርሑ ኣመስጊኑ ፥ ዕውት ዋዕላ ንክከውነሎም ድማ ተመኒዩ።
ኣስዒቡ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ፥ ኣብ ዘቤታዊ መደባት ዕዮ ፥ ህንጸትን ልምዓትን ኣመልኪቱ ፥ ኣብ ምህናጽን ምጽጋንን ምግፋሕን ሓደስቲ ጽርግያታት ፥ ጽዓት ፥ኣገልግሎት ቀረብ ማይን ፥ ንምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ሕርሻን ፥ ምጽጋንን ምህናጽን ምግፋሕ ወደባትን ፥ ምዝዛም ህንጸት ዓበይቲ ዲጋታት ፥ ኣብ ምምዕባል ዓቅሚ ሰብን ፥ ወፍሪ ዜጋታት ናብ ሃገርን ፤ ንምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ብምልኣት ንምርገጋጽ ማሕበራዊ ፍትሒ ዓበይቲ መደባት ህንጸትን ልምዓትን ተበጊሶም ምህላዎም ብዝርዝር መብርሂ ሂቡ።