Basic

*** ትንግርቲ "ዛ ዓዲ**** ብብጻይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) - ጀርመን-

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 18 August 2019

*** ትንግርቲ "ዛ ዓዲ****

 ካብቲ ቦኽሪ፥ ክሳብ ሕሳስ ልደ
ብኣኣ ዝዝምር ፥ዓደይ ዝብል ዘዝተወልደ
ካብቲ ኣፈ ዘየጽረየ ፥ ክሳብ ዝሸምገለ
ኣለኹልኪ ዝብላ ዕድለኛ "ያ ኤረ

    ,እቲ ቶኳሲ ፥ኣብ ቅድሚ ዓረር ዝኸየጥ
ኣብ ጋህሪ ዝጥበሰላ ፥ምስ ሞት ዝፋጠጥ
ሩሑ ዝምንነላ ፥ ሂወቱ እንዳተመንዘዐ
እሾኻ ክነቅስ ፥ኳኺቶ ዝምሕወላ ኣምዐ

     ኣብ ሸላ ማሕቡስ ፥ንስኢላ ዝሕየር
ምስጢሩ ዘይህብ ፥ ብኳሬንቲ ዝሕመል
ጽፍሩ እንዳተነቕሰ ብዱጤት፥ወይከ ብጩቕ
ብኹርማጅ ሓለንጊ ፥ንሕልፈት ሂወቱ ዘይበቅቕ

       እታ" ደ ቁራጽ ዕትብታ፥ገዝሚ ሃገር የሕሊፋ
ቡቋልያ ማህጸና ትህብ ፣ንመሬትጉዝጓዛ ምንጻፋ
ሰውራኣ ከተዐውት፥ትምጡ ናይ ኢዳ እግራ ነዲፋ
ትእምርቲ እዛ ሓላል ዓዲ ስ ፥በይኑ ዩ ዘለዎ ሓለፋ

       ምረት ስደት ዘይሓልኮ፥ ክብደት መንብሮ ዘይእግሞ
ደቁ ዘቕጠቐ ጉዕዞ ሰውራ ክዕወት፥ ብጽንዓት ዝዛዘሞ
በረድን ቀዝሕን ተብተብን ዘብዘብን፥ንድሕነት ሃገሩ
ትንግርቲ እዛ ዓዲ ማዕሙቕ ሱሩ፥ጸላእት ዘይፈለጥዎ ምስጢሩ

       ኣብ ኤውሮጳ ይሃሉ ፥ኣብ ኣሜሪካ
ኣውስትራልያ ይሃሉ ፥ ኤሲያ ኣፍሪቃ
ካናዳ ይሃሉ ፥ሃገር መውጽኢት ቃሉ
ሕመረት ኤርትራዊ ፥ሃገራውነት ስሕበት ማእከሉ

       እታ ምቕሊ ዘይትጽበ ፥ሓደ ድሕሪ ሓደ እተስዕብ
ዝርካባ ውላዳ መሪቓ ትልእኽ፥ ሞባእ ርስቲ ትህብ
እቲ መብረ ዘይተጸበየ ኣቦ፣ ውሉዱ ንክብሪ ሃገር ዝጉንዕ
ኤርትራዊ ከብዲ  ለካ ተኣምር ፥"ዩ ጉዳም ክጸንዕ

      ስልማታ ቀንጢጣ ፥ሃገር እትስልም
ማዕተበይ ሃገርይ ትብል፣ ኩሉ ድሕሪ ርስቲ ሪም
ትንግርቲ "ዛ ዓዲ ፥ዘይነጽፍ ምንጪ ውርሲ
ዓለም ዘኣርመማ ፥ገና ዘይረኸበትሉ መልሲ

     ወራር እንተመጸ ፥ቅድመ ግንባር ዝስለፍ
መጋርያ ሓዊ ዝጥበሰላ ፥በጃኣ ዝስየፍ
ተጻብኦ ይደጋገም፥ መኪቱ ዘፍ ዘብል
ንስጥመት ሓድነቱ፥ ዝሕሉ ረዛን ኣክሊል

       ከድዓት ጸይኑ ፎእ ዝብል፥ ዝርገቱ ንዝሓልሙ
ኣብ ዓረ ሓድነቱ ዘጋጩ ፥ሽዋሕ ከምዝብሉ
ኤርትራውነት ማለት፥ ትንግርቲ "ዩ  ረቂቕ ሓይሊ
ዘርኡ ዘየቋርጽ ጽሩይ ሓቒቕ፣ምንጪ ነትዒ ፈልፋሊ

        ዓወት ንሓፋሽ

       ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
        16/8/2019

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events