Basic

*** ግርምቢጥ *** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ) - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Sunday, 04 August 2019

*** ግርምቢጥ ***
ሓደን ንህንጸታ ፥ደም እንዳተሓልበ
ዘይንቡር ምንባሩ፥ ሕሰም ከይጸብጸበ
ሓኾት ንሕውየታ ፥ ረሓጽ እንዳንጠብጠበ
ሞሳ ለፋዕትኡ ፣ካሕሳ ኳ ዘይተጸበ

      ሓደን ኣብ ምቾት ፥ ገንዘቡ እንዳገሓጠ
ኣብ ጥጥሑ መዳቕሶ፣ ኣብ ሳሎን ዘራጠጠ
ኣማሪጹ ኣጋይጹ ፥ከብዲ ምላሽ እንዳበለዐ
ማይ ቀጠነ እንተበለ "ስ ፥ ግርምቢጥ ብደዐ

       ሓደን ብጥሙዩ ፥ከብዱ ብሕልጉ
ገጹ ጸምልዩ ፥ ሃገር ጽባሕ ከገምጁ
ባኒ ቋሪፉ ኣብ ቲ፥ ድፋዕ ካናለ
ሃየንታ ዶ ኣይኮነን፥ ሕንቁቕ ይኣክል እንተበለ
       
       ስግንጢር ዶ ኮይኑ ኣድግን ፥ናብ ውሻጠ ከልብን ንመግሃጫ
ሓምሓም እምኒ ሰበረ ፥ዕዋል ድሙ ንጓል ነብሪ ሓንፊጣ
ግርምቢጥ ዘበኑ ፥ጻጸ ንሓርማዝ ክሕንግር
ሓደን ደም ድፋጭኡ ይወጽእ ፥ሓደን ልዕሊ ሰራሒ ክምድር
          
     ተሓጓሚ ከሎ ፥ተሓዚ እንተኣጥረጦ
ድሙ ነነብሪ ፥እንተሓንፈጦ
ንኣንበሳ ፥ካብ ተለወ ወጠጦ
ቀላይ ፥ንባሕሪ እንተንቀላወጦ 

       ሓደን ኣብ ዝጥዕሞ፥ ሓኪሉ ዝኾብለለ
ኮር ተገልበጥ ዶ ኣይኮነን፥ብዓስዓስ ተማረረ
ንሱ እኳ ዘለዎ ፣ዶባቱ ዘጽነዐ ዘየጉረምረመ
ስግንጢር ዶ ክንብሎ ፣ ምስ እዝኑ ዝጸመመ

        ሓደን ሕድሪ ኮይንዎ፥መብጽዓ ከየዕበረ
ልግዐ ንእስነቱ መኒኑ፣ ሓለዋ ጸኒሑ ዲጋ ዝወፈረ
ትማሊ ብቀይሕ ደሙ ፥ሎሚ ብጨው ረሃጹ 
ግርምቢጥ ዶ ኮይኑ ፣ ደማሙ ከጓይያ ኣናጹ

       ስግንጢር ዶ ክንብሎ፥ኩቦ ምጥሒሉ
ክብደቱ ፎኺሱ ፥እምኒ ጸምበለል ኢሉ
ሓሰር ንሓዊ ኣንዲዱ ፥ ጎብየ ክጎይይ ልዕሊ ማንቲለ 
ኣብ በዓቲ መድያ ሓኪሉ  ፣ብጉርምርም ቃና ኣፈጨለ

        ንሱ እኳ ፥መብረ ዘይተጸበየ 
ኣብ ትማሊ ጸገም ፥ንሎሚ ራህዋ ዝረኣየ
መርፍእን ፈትልን ኣላጊቡ ፣ ሕንሳሱ ኣተኣኻኺሉ
ግርምቢጥ ዶ ኮይኑ ፣ ፈተው ነብሱ ይኣክል ምበሉ

        ሓደን ዕድመ መርዓ፥ ደርዓ ዕድመ ንእስነቱ ኣብልዩላ 
ሃገር ከውሕስ ፥ዳባታ ብዓጽመ ደሙ ክኽልላ
ሓደን  ጥማራ ዶላራት፣ክምእርር ዓዲ ጓና ዝተቕመጠ
ስግንጢር ግርምቢጥ ኮር ተገልበጥ ፥ ድሙን ንበረኻ ኣንጭዋ ንውሻጠ

     ግርምቢጥ ፥ኮር ተገልበጥ ኮይኑ
ግኑስ ምዕይዕይ እንተበለ፥ ኣብ ቃሬዛ ኮይኑ
ሰቡ ገዲፉ ምስ ጓኖት፥ዝውርውር ኣሻኽ ልሳኑ
ሽንፋእ ነጺግና፥ ልሕቲት ዶ ምዕጣኑ

        ቴማን ዜማን ፥ጥበብ ህዝቢ ዘዕኮኾ
ሕጂ እንተዋጠየ፤ መልሓሰ ዒደር ዓኮ
ጉራማይለ ዕሮርባይ ፥ ዘይብሉ ኣሳሕኮ
ግርምቢጥ ንዘዕበበዮ ክንዲሞሳ ፥ዝጥበር ብቑንጣሮ ዕማኾ
      
        ግርምቢጥ ኮይኑ ፥ማይ ንዓቕብ
ንዕስበት ቀልመጻ፥ናብ ሰብ ዲጂታል ዘብዘብ
 ስሒሉ ንዝመልመለ ፥ክንዲ ጻምኡ ትሙጉሶ 
ማይ ቀጢኑካ ክትመሓዞ፥ምስ ዞም ዕሰ ምሶ

        ግርምቢጥ ገለን ዕድመ ንእስነታ፣ንሃገር  ከርቲታ
ገለን ተንቀላውጥ፥ትልቕልቕ ገዛ እንዳማታ
ዕሙር ዳሳ ተሓሲማ ፣ንጉንዖ ትኳቦ ምጽወታ
ስግንጢር ዶ ክንብሎ፥ምሳር ካብ ኣተወት ኣብ ዘይላዕታ

    ዓወት ንሓፋሽ
      ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)
       ጀርመን
      2019


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events