Basic

*** ኪሕ ኢሉና እዩ *** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ) - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Saturday, 03 August 2019

 *** ኪሕ ኢሉና እዩ***
 
 ዓንቀርና ደይቡ ፥ኣፍንጫና በጺሑ ልዕሊ ልክዕ 
ዒቕ ኢሉና እዩ ሎሚ "ስ፥ ክንደይ ግዜ ደም ክንጎስዕ
ጨው ባዳ ኮይንና ፣  ዘግሑ ምኽኣል ሲኢንናዮ
ምረት ዕሪኡ ከም መዓር  ውሒጥና ፥ ሎሚ ግና ተፊእናዮ

      ክንደይ ግዜ "ሎ ይቕረ፥ ክሳብ መዓስ ክንዝንጋዕ
ምስ ዓጋም  ተጸጊዕካ ፥ከም ቆልቋል ምንባዕ
ረስዕዎ ኣይትበሉና ፥ ከመይ ኣቢልካ እሞ ክርሳዕ
 ገርሂ ልብና ብኣሻኽ ኩናትኩም፥ ክሳብ መዓስ ክትውጋእ 

     ናይ ኣቦና ኮይኑና ፥ ይቕረ ሕድገት
ናይ ኣቦኹም ኮይንኩም፤ ጥልመት ክሕደት
ንሕናን ክንርህርህ ፥ንስኹም ክትተናኾሉ
ኪሕ ኢሉና እዩ ሎምስ ፥ ነድርና ገንፊሉ

       ሰብ ኣድያቦ ፥ሰብ ዓድዋ ሽረ ተንቤን
ሰብ መቐለ ሰብ ራማ ፥ሰብ ዓደርቃይ ሓውዜን
መለሳ ዘይብልኩም፤  ልብኹም ዘይእመን
ውሕጅ ይገፍጥኩም፥ ሺሾ ተካል ዘመን

       ሰላም እንተበልና፥ እከይ ትፍሕሱ
ካብ ትማሊ ገበንኩም፥ ናይ ሎሚ ቢኡሱ
ሰናይ ጉርብትና ክንብል ፥ ሓድነትና ክትሕምሱ
ኪሒ ኢሉና "ዩ ሎምስ፥ ሱርኩም ደኣ ተመንቆሱ

      ሰብ ዓዲ ግራት ሰብ ኣኽሱም ፥ማንታ ልቦም 
ዓራና ወያነ ማለሊት ፥ኩሎም ንሶም
ካብ ንጉሆ ምሸት፥ ዝለዋወጥ መልሓሶም
ወዳኢቶም ትምጻእ፤ ንፍዮ ቲፎ ይልሓሶም

       ሸሓጢት ልሳኖም ፣ምትላል ኣመላ
ጥልመት ዝደጋግሶም፥ ደቂ መሓሊ ኣሉላ
ነጺሃ ዘይትነጽህ ፥ልቦም ሽንፍላ  ንኣመላ
ዒቕ ኢሉና ሎምስ፣ ሽምም በሉ ኣብ ታኼላ

      ዝረሳዕና ዶ መሲልዎም ፥ወሓይዝና ክስምሙ
ናብቲ ዝዕበዮም ዝዓንገሎም ፥ጠበንጃ ክሎግሙ
ዝጓሰይሉ ደንበ ኣግነት፣ ብሓዊ ተሳሂሎም ከባድሙ
ናይ ኣቡኦም ከይተርፍ፥ ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ

        ሕጂ ሕንቕንቕ እንተበሉ ፥ቁጭምጭም
ድነ ሞት ምስ ኣንጸላለወ፥ምስ ተገምገሙ ናብቲ ህጉም
ከብድና መዓስ ይበልዓና፥ከመይ ክንድንግጽ
ቅጭቕ ኣይብለናን፥ ንብዓት ናይ ሐረግጽ

     ቃና ቀይሮም መውጣይ ፥በቲ ሕልቕ ድምጺ
መዋጥር ምስ ኮነ፥ ምስተቓቕሩ ብነውጺ
     ትማሊ ንጥፍኣትና ፥ ገበታ ከም ዘይ ገዓሩ
ኣይንህመል እባ ሎምስ ፥በዞም በሊዖም ኣሉ ሓሳዳት ተጋሩ

      ብነብሰ ምትሓት ዝተሓመሱ፣ጉልሓይ ዞባና
ሰብ እከይ መጋብር፣ምስ ተሸጎጥ ኣብ ጸባብ መድፈና
ኣያ ክንኮኖም ኣያ መሲልዎም ፥ካን ከም ትማሊ
ዒቕ ኢሉና ይኣክል ዝሓለፈ በደል ፣ ጽገብዋ ደኣ ሎሚ

      ዘይቅዱስ ኪዳን፥ ሰንዓ ፎርም ዘራያት ኣጫጪሖም
ብሓሶትን ጸለመን ንእገዳና ፣ መንቅብ ተንኮል ፊሕሶም
ከምዚ ሕጂ ኩርምይ ከይበሉ፥ኣብ ጉብጥሽ መቐለ
መጻወግያ በጢስና ፣ቦሎኽ ምስ በልና ክብልና ይቕረ

      ኪሒ ኢሉና "ዩ ሎምስ ፥ዳግማይ ነይንታለል
ዋጋ ክፋእ መጋብርኩም ፥ቅመስዋ ደኣ መራር ጸበል
እዚ ኳ ብዳጌፋን ብሳንቦ ሳንቦን ፥ጸኒሕኩም ክሳብ ሕጂ
ኩርማጅ ዶ ኣርኪባትልኩም ፥እታ ቀጽስዒት ሓለንጊ

        ኢልናኩም እንዲና ፥ ሰፈር ዕኮት ኣይትተንክፉ
ቆፎና ኣይትንክኡ፥ መርዛም ሕንዚ "ዩ ንህብና እንተተፊኡ
ሕጂ ዶ ይሓይሽ "ሞ፥ ኣብ ሞንጎ ክልተ ከውሒ ከም ካኺታ
ዋጋ ብደዐኹም ጥልመትኩም ፥ተፈዲኹማ ዶ ንምሸታ

       ኣኸለ ደጊም ኪሕ ኢሉና"ዩ 
        ኣብ ኣ ድኣ ተኾርመዩ
        ኣብታ በዓቲ ፥መዓልቲ ዕርበት ተጸበዩ
         ክሳብ ትቕረሙ ተሳሓጉ፥ ኢድ ሽናሒት ጸናሒት "ዩ

        ኣሽናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)
            ጀርመን
           5/1/2019


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events