Basic

ገጽ-መጽሓፍ፡ “ሕጽርኻ ክተመሳስል፡ ንነዋሕቲ ክተሕጽር ኣለካ” ፍቱን ፍልስፍና ካድራት ወያነ-2ይ ክፋል

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Tuesday, 30 July 2019

 
 
 
 
1ይ ክፋል ናይ`ዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሑፍ ምእንቲ ምሉእ ርድኢት ክትቀስሙ፣ ኣብ`ዚ ዝስዕብ ሰንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ጠዊቕኩም ኣቐዲምኩም ኣምብብዎ ኢኹም።
 

http://dehai.org/dehai/world-news/330753

ማሕሙድ ሳልሕ

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል፡ ብዛዕባ እቲ ካድራት ወያነ ብዛዕባ ወተሃደራዊ እስትራተጂ ህዝባዊ ግንባር ክፈላሰፉ ዘምጽእዎ ተደጋጋሚ ነቐፌታ ኣልዒለ፡ እቲ ብሂል ንነብሰ-ምልዓልን ንምምዳርን ዝመጽእ እምበር ዝኾነ ወተሃደራዊ ስነሞገት ከምዘይብሉ ከብርህ ፈቲነ። ቀንዲ ዝተኸተልክዎ እስትራተጂ ኸኣ ንባህሪ ናይቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ብምግላጽ ነባባይ ናይ ገዛእ ርእሱ መደምደምታ ክገብር ምግዳፉ እዩ ነይሩ። ወያነ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ፈኲስን ስሑውን ህላወ ጸላኢ ዝገጥም ፈኲስን ተንቀሳቓስን ኲናት ይኽተል ነይሩ። ህዝባዊ ግንባር ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ በብመድረኹ እና ጎሃረን እና ዓበየን ዝመጸ ኲናት ዝገጥም በብመድረኹ ዝምዕብል ወተሃደራዊ እስትራተጂ እና ተኸተለ ናብ ናጽነት በጺሑ። ስለ’ዚ፡ ህዝባዊ ግንባር ንወያነ ምኽሪ እንተሃበ ኣይመኽፈኣሉን። ይህብ እውን ነይሩ እዩ። ምኽንያቱ ሻዕብያ በቲ ወያነ ዝኽተሎ ዝነበረ ናይ ደባይን ተንቀስሳቓስን ቅዲ ኲና ሓሊፉ እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ወያነ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ቅድታት ኲናት፡ ከም ተወሳኽትን ደገፍትን እስትራተጂታት ናይቲ ቀንዲ ጾሩ ኮይኑ ዝነበረ ቀዋሚ ኲናት ጌሩ ይጥቀመሎም ነይሩ እዩ። ካድራት ወያነ ግን ብዛዕባ እቲ ዘይበጽሕዎን ዘይፈልጥዎን ቀዋሚ ኩናት ዲስኩር ክህቡ ኣየምሕረሎምን ነይሩ።

 

ዝቕጽል ክፋል ነቲ ኣይተ ይስሃቅ ኣበራ ዝብሎ ዘሎ ኣብ መቓኑ ኣእትየ ክርእዮ እየ። በመጀመርታ ግን ሓፈሻዊ ኣማቲ ሓሳባት፦

 

1. ናይ እስትራተጂ ጉዳይና፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ትግራይን ዝነበረ ኣሰላልፋ ሓይሊ ጸላእን ክብደትን ምረትን ናይቲ ኲናት ዝተፈላለየ ምንባሩ፡ ህወሓት ነቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ውድዓዊ ኩነታት ጸላኢ ዝገጥም ተንቀሳቃስን ደባይን ኲናት የካይድ ነይሩ። ሻዕብያ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ቀንዲ ዓቕሚ ኤትዮጵያ ዝብድህ ወተሃደራዊ እስትራተጂ ይኽተል ነይሩ።
2. ናይ ብቕዓት ደረጃ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ዝበቅዕ እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ድማ ሰውራ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኤርትራ እንዳ ኸበደን እንዳ ተናቅወሐን ዝመጸ ኲናት ዝብድህ ብቕዓታት ሃኒጹ ነይሩ። 
3. ብዛዕባ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ስርሒታት (joint operations)፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ፡ ናይ ኣሰራርሓ ባህሊ ጸገማት ይኹን ናይ ብቕዓት ዘይምዕሩይነት ክርከብ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ። ሰራዊታት ናይ ዝተፈላልያ ሃገራት ናብ ሓደ ዓውደ-ውግእ ቅድሚ ምእታዎም፡ ንብቕዓቶምን ኣሰራርሓኦምን ዘወሃህድ ብዝተፈላለየ ደረጃታት ዝውደብ ልምምዳት (war games) ይገብሩ እዮም። ድሕርኡ እውን ሓባራዊ እዚ ‘ኳ ዝቐውም እንተኾነ፡ እቶም ሰራዊታት ዝነበሮም ምምሕዳራዊ ሰንሰለት ዓቂቦም ኣብ ትሕቲ እቶም ዝፈልጥዎም መራሕቶም ኮይኖም ነናቶም ሽቶታት ተዋሂብዎም ምስቲ ኣብቲ ኲናት ዘሎ ሕብረ-ሰራዊታት ንጋድምን ትኹልን እና ተእሳሰሩን እናተዋሃሃዱን እዮም ስርሖም ዝቕጽሉ። ኣብቲ ናይ ሻድሻይ ወራር ተመክሮ ግን፡ ተጋደልቲ ወያነ ንሓጺር ግዜ ሰንሰለት ምምሕዳራቶም ዓቂቦም ክኾኑ ይኽእሉ እምበር ደሓርሲ ቀልጢፎም እዮም ምስ ሰራዊት ሻዕብያ ዝተሓናፈጹ። እዚ ድማ ምኽንያት ነይርዎ። ንተንቀሳቓስን ደባይን ቅዲ ኲናት ዝረዓመ ሰራዊት ወያነ ኣብ ቀዋሚ ድፋዕ ኣትዩ ክለምዶ ግዜ ይወስደሉ እዩ። በዚ መንጽር እምበኣር፡ ነቲ ካብ ትግራይ ዝመጸ ኣሃዱታት ህወሓት ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሉ ንቡር ወታሃደራዊ ኣሰራርሓ እዩ። ከምቲ ኣቶ ኢሳቕ ዝብሎ፡ ምስ ምትእምማንን ዘይምትእምማንን ዝጽብጸብ ኣይኮነን። ወላ ኣብ ውሽጢ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር እውን ናይ ተመክሮታት ፍልልያት ዝረኣየሉ ግዝያት ነይሩ እዩ። ኣብ ተርግእን ተንቀሳቓስን (maneuvering warfare) ዘድመዓ ኣሃዱታት ነይረን። ካልኦት ድማ ንቀንዲ መሕለፊ ጸላኢ ዝበሃል ቦታታት ገጥ ኣቢለን ናይ ምሓዝን ደብዳብ መዳፍዕን ነፈርትን ዝጻወራን ዓቕልን መከላኸሊ ድፋዓት ኣብ ምስራሕን መከላኸሊ መስመራት ኣብ ምምዕርራይን ተመክሮን ክእለታትን ዘማዕበላ ኣሃዱታት ነይረን። ብወገን ጸላኢ እውን ብተመሳሳሊ ብዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ብቕዓታት ዝተመልመላ ከም ናይ ጎቦታት ውግእ፡ ጸረ-ደባይ ውግእ ናይ ኣየር ወለድ…ኮማንዶ…ወዘተ ነየረን እየን። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተገልጸ ድማ፡ ወተሃደር ብሱሩ ምኩሕ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ግዜ ኣሃዱኡ ልዕሊ ካልኦት ምዃና ናይ ምዝራብ ዝምባለ ኣለዎ።
4. ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን (ብቐንዱ፡ ከተማዊ ትግርኛ) ከምኡ እውን ብገለ-ገለ ክፋላት ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ ናይ ምንዕዓቕ ስምዒታት እውን ነጸብራቑ ጸጸኒሑ ይረአ ነይሩ እዩ። ብፍላይ እታ “ኤርትራውያን ይንዕቑና እዮም” ትብል ስምዒት ካብ ትግራይ ተሰኪሞማ ዝመጹ ስለዝኾነት፡ ነቲ ዝጸንሖም ዝንቡዕ ግምታት ዘረጋግጽ ነኣሽቱ ነገራት ክረኽቡ ከለዉ፡ ናብቲ ኣቐዲሞም ዝኣመትዎ መደምደምታ ሸተት ክብሉ ዘቀላጥፍ እዩ ነይሩ (confirmation bias)።

 

• ሓፈሻዊ ጦብላሕታይ ብዛዕባ ተጋደልቲ ወያነ ኣብ ድፋዓት ሳሕል

 

ሀ- ብሓፈሽኡ ተጋደልቲ ወያነ፡ ነቲ ሓድሽ ናይ ቀዋሚ ድፋዓት መዓልታዊ ሂወትን ስልትታትን ውግእን ክርዕሙ ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን፡ ብጅግንነት ድማ ማዕረ ተጋድልቲ ህግ ተዋጊኦምን ተሰዊኦምን። 
ለ- ሓደ-ሓደ ሓለፍትን ካድራትን ወያነ፡ ነቲ ብኣዘዝቲ ሻዕብያ ዝወሃብ ዝነበረ ንሓድነት ኣሃዱታትን ንዕለታዊ ናብራን ዝምልከት ምኽሪ ክሰምዑ ዘጸግሞምን ናይ ምዕባይ ስምዒታት ዘርእዩ ምንባሮምን እዝክር። እቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ምስ ተጋደልቲ ሻዕብያ ቀልጢፉ ተሓዋዊሱን ጽቡቕ ዝምድና ዝነበረ ኮይኑ ይስመዓኒ።
መ- ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ዝተሓዋወሱ ብምንባሮም ምስ ግዜ ዝመጽእ ናይ ባህልን ልምድን ፍልልያት ምንባሩ እዝክር። ሓደ-ሓደ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ተጋደልቲ ሻዕብያ ከም ቀለልቲ ኣስሓቕቲ ዝቑጸሩ ጭርቃናትን ተመሳሰልቲ ደቀቕቲ ነገራትን ንተጋደልቲ ወያነ ዘኹርዩን ዘዛርቡን ኮይኖም ይርከቡ ነይሮም።
ሐ- ናይ መግቢ፡ ክዳን—ወዘተ ጸገማት ነይሮም። ሻድሻይ ወራር ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ግዜ እዩ ተኻይዱ።
ሰ- ኣብ ሓደ ግንባር ወይ ኣሃዱ ክልተ ማዕረ እዚ ክህሉ ኣይክእልን፡ ስለ’ዚ፡ ኩለን ኣሃዱታት ተጋደልቲ ወያነ ኣብ ትሕቲ እዚ ህግ እየን ነይረን፦ መራሕተን ከም ምክትላት መራሕቲ ኣሃዱታት ህግ ኮይኖም ሰሪሖም (ማለት መራሕ ሓይሊ ወያነ ከም ምክትል መራሕ ሓይሊ ናይ’ቲ ናይ ሓባር ኣሃዱ ይኸውን…ወዘተ።
ጉዳይ ተጋዳልይ ገረዝጊሄር ዓንደማርያምን (ውጩ) ናይ ወያነ ይስሃቅ ኣበራን—
ብመጀመርታ ኣብታ ቪድዮ ዘለዋ ነጥብታት፦ 
ኣቶ ይስሃቕ ኣበራ፡ኣዘዝቲ ሻዕብያ ኣብ ተጋደልቲ ወያነ ይጠራጠሩ ከምዝነበሩ፡ ብሕማቕ ዓይኒ ይርእይዎም ከምዝነበሩ፡ ኣዘዝቲ ሻዕብያ ሕማቓት ምዃኖም ንምብራህ ነቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ኣዛዚ ብርጌድ 4 ዝነበረ ተጋዳላይ ስዉእ ውጩ ከም ኣብነት ገይሩ የዕልል።
ኣብታ ቪድዮ ገዲም ተጋዳላይ ወያነ፡ ይስሃቅ ኣበራ፡ ነቲ ኣዛዚኡ ዝነበረ መራሕ ብሪጌድ 4፡ ተጋዳላይ ውጩ ከም “ዓንዛር” ሰብ ይገልጾ፡ ነቲ ኮሚሳር ብሪጌድ 4 ዝነበረ ወዲ ልብሱ እውን ከም “በካዕ” ሰብ ይገልጾ። ካብዚ ኣበሃህላ ጥራይ ኣቶ ይስሃቅ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ከም ዝነበሮ ክንግንዘብ ንኽእል። ሓደ እኹል ሰብ ወይ በዓል ሞያ ንመሳርሕቱ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቃላት ኣይገልጽን (ብሱልን professionalን ኣይኮነን)። ክሳብ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዘብጽህ ወጠጥ እንተነይርዎ ድማ እቲ ጉዳይ ካብቲ ንሱ ዝህበና ዘሎ ዝዓበየ ምንባሩ ክግመት ይከኣል። ምስ ሻዕብያ ኣብ ዝነበረሉ፡ ናይ 1982 ፋይል ናይ ኢሳቅ ኣበራ እንተዝግንጸልስ እንታይ ክንረኽበሉ ምኸኣልና? ብዝኾነ ናብቲ ጉዳይ ክኣቱ። 
1. ኣብዛ ቪድዮ ይኹን ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ቃለ-መጠየቓት፡ ናይ ሓደ ወገን ማለት ናይ ወያነ ዛንታ ጥራይ ንሰምዕ ኣለና። እቲ ካልእ ወገን እንታይ ኮን ምበለ? ኣብዛ ፍልይቲ ጉዳይ እንተ መጸና ድማ ቴፕ ናይ ይስሃቕ ኣበራ ትህሉ ኣይመስለንን። ውጩ ድማ ተሰዊኡ እዩ፡ ብሂወቱ እንተዝህሉ እውን ኣብዚ ቆይቚ ምኣተወ’ዶ> እታ ግናይ ፋይል ኣበራ ድማ ናይ ምኽፋት ግዚኣ ዝኣኸለ ኣይመስለንን። እሞ ብኸመይ ኢና ክነረጋግጾ ንኽእል? 
2. ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥቀመሉ ልሙድ ኣገባባት ኣሎ። 
ሀ. ነቲ ይሳቅ ዝብሎ ዘረጋግጽ ወይ ምስኡ ዝሰማማዕ (ዝገጣጠም) ሓቅታት ኣሎ’ዶ? ማለት እታ ቴፕ እንተትርከብ እሞ ኣቶ ይስሃቕ እንተዘጻውተልና፡ ገምጋም ናይታ ፍልይቲ ውግእ ካብ ኣርካይቭታት፡ ካብ ናብ ዝግበር ዝነበረ መልእኽትታት ረድዮ፡ ዳያሪታት…ወዘተ። እዚ ኹሉ የብልናን።
ለ. እምበኣር፡ እታ ትቕጽል እስትራተጂ፡ እቲ ኣቶ ይስሃቕ ዝብሎ ዘሎ ምስ’ቲ ኣብ ህግ ብፍላይ ድማ ኣብ ብርጌድ 4 ዝነበረ ስርዓት ምምሕዳር ወይ ድማ ምስ ባህሪ እዚ ናይ ውጩ ይጋጠም’ዶ (coherence ኣለዎ’ዶ) ትብል ትኸውን።
ሐ. ቀጺልና እውን፡ “ኣብ ብሪጌድ 4 ዝነበሩ ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት ኣኪብና እንተ ንሓቶም፡ “እቲ ኣቶ ይስሃቕ ዝብሎ ዘሎ ምስ ጠባያት ውጩ ይኸዱ እዮም” ኣብ ዝብል ስምምዕ ምበጽሑ’ዶ?” ዝብል ሕቶ እውን ሓጋዚ እዩ።


ምርግጋጽ ናይቲ ነገር፡ ኣብ ጽዑቕ ኲናት ከሎ ከመይ ኢሉ ቴፕ ክቐድሕ ሓሲቡ እውን ዘገርም እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኩነታት ክሉ ናይ ኣእምሮኻ ጸዓት ኣብቲ ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ እዩ ዘድህብ። ኣብ ጹዕጹዕ ውግእ ከለኻ፡ “ጽባሕ ከይስልበጠኒ ኢልካ ምቕዳሕ” ከየጠራጠረኒ ኣይተረፈን። ምቕዳሕ እውን ዘድልዮ ኣይነበረን። ምኽንያቱ ውጩ ብተለፎን ኣይኮነን ትእዛዛት ዝህብ ዝነበረ። ብቕሉዕ መስመር ራድዮ እዩ ዝራኸቦ ነይሩ። ብደረጃ ብርጌድ ዝግበር ርክባት ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ይኽፈል። ውጩ ምስ ኣዛዚ ግንባርን ምስ መዛንኡ ኣዘዝቲ በራጊድን ዘራኽብ መስመር ክነብሮ ግድን እዩ። ብካልእይ ደረጃ ድማ ምስ መራሕቲ ሰለስቲአን ቦጦሎኒታቱ ዘራኽብ መስመር፡ ሳልሳይ መስመር ድማ ሓፈሻዊ ካሳብ መራሕ ጋንታ ዝበጽሕ። ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ውግእ እታ ሓፈሻዊት መስመር እያ ጫውጫው ትብል። ውጩ ብፍላይ ንይስሃቕ ኣብ ዝህቦ ትእዛዝ ድማ ኩሎም ካልኦት መራሕቲ ቦጦሎኒታት ይሰምዕዎ ኣለዉ። ኣብታ ብሪጌድ ሰለስተ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒታት፡ ሰለስተ ናይ ወያነ ከም ምክትል ዝሰርሑ፡ ሰለስተ ድማ ኮሚሳራት ብጠቕላላ ኣብታ መስመር 9 ሰባት ኣብ መስመር ክህልዉ ተኽእሎ ነይሩ። ወላ ብመስዋእትን መውጋእትን እንተተጓደሉ፡ ኣብታ ጽፍሒ፡ እንተወሓደ ሰለስተ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒታት ክህልዉ እዮም። ግርጭታት ይፍጠር እዩ፡ ይኹን እምበር ታሕተዋይ ኣካል ንላዕለዋይ ኣካል ርኢቶ ጥራይ እዩ ዘቕርብ እምበር፡ ትእዛዝ ክሉ ግዜ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ እያ ትኸይድ። ኣብ ኲናት እምቢ ምባል የለን። ንከምዚ ይስሃቕ ዝበሎ ትእዛዝ ዘይምቅባል (insabordination) ስጋ ብምሕራድን ብስዋን ጸወታን ኣይኮነን ዝፍታሕ። ከም ስርዓት ደድሕሪ ነብሰ-ወከፍ ውግእ ኣብ ዝግበር ገምጋማት እዩ ሰብ ዝፋለጸሉ። ኣብ ውግእ ትእዛዝ ዘይቅበል ሰብ ካብቲ ውግእ ብቕጽበት ኢኻ ትኣልዮ፡ ድሕርኡ ድማ ትተሓሳሰቦ፡ ክሳብ ምርሻን ዝበጽሕ ምትሕስሳብ። መን ደኣ ኮይኑ እዩ ይስሃቕ ኣበራ ብኸምኡ ክግደፍ? ስለ’ዚ፡ ብፍጹም ምስ ኣሰራርሓን ባህልን ሻዕብያን ዘይከይድን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ እውን ርፕ ምቕዳሕ ዘየድልዮን ጉዳይ እዩ። ኢሳቕ ኣበራ ምናልባት ዓዲ ኣርሒቑ መሲሉዎ ይኸውን፡ ግን ተክኖሎጂ’ንዶ የላን!

 

ብተወሳኺ፡ ምስ “ይፈልጡ” ወይ “ይዝክሩ” ዝበልክዎም ኣባላት ብርጌድ 4 ተዘራሪበ እቲ ኣቶ ይስሃቕ ዝብሎ ዘሎ ምስ ቅዲ ኣመራርሓን ጠባይን ውጩ ከምዘይሰማማዕ ነጊሮምኒ። ንኢሳቕ ኣበራ ከምዝዝክርዎ ይኹን እምበር ከምኡ ዓይነት ተዋስኦ ከምዘይዝክሩ ሓቢሮምኒ። ኣነ እውን ካብዚ ንላዕሊ ግዜ ኣንባባይ ክቐትል ኣይደልን’ሞ ናብቲ ዝቕጽል ክንሓልፍ።

 

ብዛዕባይ

 

ኣብቲ ኢሳቕ ኣበራ ነይረዮ ዝብሎ ድፋዓት ነይረ እየ። ኣሃዱና ካብ ክፍልታት ዝተዋጸአ ነይሩ። ካብታ ኢሳቅ ዝጠቕሳ ታባ ተከል ክሳብ ደብር-እመን ዘሎ ድፋዓት ኣጸቢቐ እዝክሮ እየ። ምስ ተጋደልቲ ወያነ እውን ብዘይ ጽቡቕ ዝኽርታት ካልእ የብለይን። እቶም ኣብኡ ዝጸንሑና ተጋደልቲ ብርጌድ 4፡ ነቲ ቦታታት ንነዊሕ ዝተረባረቡሉን፡ ብፍላይ ነቶም ገዛእቲ ቦታታት ብጥንቃቔ ዝጥምትዎም እዮም ነይሮም። ናዓና ነቶም ካብ ክፍልታት ዝከተትና ተጋደልቲ ሻዕብያ እውን ኣብቲ መጀመርታ ቅንያት ዓቢ ቆላሕታ እዮም ዝገብሩልና ነይሮም። ንዓና ኣለይ-መለይ ክብሉ ብዙሓት ጀጋኑ ተጋደልቲ ብርጌድ 4 ተሰዊኦም እዮም። ካብ ሓለፍቶምን ተጋደልቶምን፡ ኣዝዮም ብሉጻት፡ ሓራናት፡ ተጻወትቲ፡ ተዋጋእቲ ተጋደልቲ እዮም ነይሮም ብሪጌድ 4. ድሕሪ እቲ ወራር ድማ ብሰላም ተፋኒናዮም።

 

ኢሳቕ ኣበራ ኣብቲ ዛንትኡ፡ ናይ ቦታታት ኣስማት ምድንጋር ኣለዎ። እዚ ግን ናይ ግዜ ክኸውን ይኽእል። እታ ዝገረመትኒ ግን እታ “ሕሽክብ ዝበሃል ቦታ፡ ድምጺ ወያነ ዝነብሮ” ዝበሎ። እቲ ቦታ ‘ኳ ሕሽክብ ኣይበሃልን። ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ድማጺ ወያነ ዝበሃል ራድዮ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ወያነ ኣብ ድምጺ ሓፍሽ ኤርትራ ግዜ ተዋሂብዎም፡ መደባቶም ይፍንዉ ነይሮም (ኣካባቢ ጎቦ ትሩቕሩቕ ዝነበር ስንጭሮ፡ “ላዕላይ ዓራግ”)።

 

ካልእ እውን ኣብቲ ዝዛረበሉ ዘሎ መጥቃዕቲ ብጸጋማይ ታባ ተከል ክብል ጸኒሑ፡ እንደገና ብዛዕባ ታባ ወዲ ፈንቅል ይዛረብ። ኣብቲ ግንባር ሓደ ሓፈሻዊ መጥቃዕቲ ቀቅድሚ ሻድሻይ ወራር ተገይሩ ነይሩ። ኣብ መንጎ እቲ ወራር እውን ነቲ ጸላኢ ዝገብሮ ዝነበረ ወፍርታት ገዲፍካ ካልኦት ክልተ ጸረመጥቃዕትታት ተገይሩይ ነይሩ። ኢሳቕ ነየናዮም ይዛረብ ከምዘሎ ብሩህ ኣይኮነን። ብዝኾነ ኢሳቕ ንበይኑ ዝኣዘዞ ቀጠና (sector) ኣይነበረን። ምስ መራሕቲ ብርጌድ 4 እዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል።

 

ብዛዕባ ውጩን ወዲ ልብሱን

 

ክልቲኦም ኣዘዝቲ ብሪጌድ 4፡ ብተጋደልቲ ፍቱዋት፡ ተጫረቕትን ተጻወትን ሕዉሳትን ሓለይትን ምዃኖም እቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎም ገሊጾምለይ ኣለዉ። ኣብቲ ውድብ እውን ብኸምኡ እዮም ዝፍለጡ። ክልቲኦም በቲ ንትሕቲኦም ዝነበሩ ኣዘዝቲ ዝህብዎ ዝነበሩ ናይ ስራሕ ናጽነት እዮም ዝፍለጡ። ክልቲኦም በቲ ካብ ታሕቲ፡ ካብቶም ነቲ ከነታት ብቐረባ ዝከታተሉ መራሕቲ ቦጦሎኒታትን ሓይልታትን ዝመጾም ርኢቶታት ናይ ምቕባል ባህሪ ከምዝነበሮም ኣብቲ ግዜ መራሕ ሓይሊ ዝነበረ ሓደ ገዲም ተጋዳላይ ኣዘንቲዩለይ። 


መደምደምታ፡ መራሕ ቦጦሎኒ ወያነ ዝነበረ ይስሃቕ ኣበራ፡ ንትእዛዝ ኣዛዚኡ ውጩ ነጺጉስ ሳዓታት ተጸብዩ ብናይ ገዛእ ርእሱ መደብን ስልትን ነቲ ስራሕ ከም ዝፈጸመ ዝገለጾ ዕሸላዊ ዝምባለ ናይ ነብሰ-ምትርናዕ እንተዘይኮይኑ፡ ሓቂ ዘለዎ ኣይመስልን። እቲ ዝምድረሉ ደሞክራሲ ድማ ኣብ ወተሃደር ኣይሰርሕን እዩ። ወተሃደር ናይ ገዛእ ርእሱ ምምሕዳራዊ ሕግታት (code of conduct) ኣለዎ። እቲ ነገር ግን ካብቲ ወያነ ካብ ዝጅምር “ሻዕብያ ንመሰል ናጽነት ትግራይ ዝነጸገ ብርጅዋዊ ውድብ እዩ” ዝብል ዝነቐለ እምበር ኣብ መንጎ መዓልታዊ ምምሕዳር ወያነን ሻዕብያን ክሳብ ክንድ’ዚ ፍልልያት ስለዝነበረ ኣይኮነን። እቲ ወያነ ንውሽጣዊ ግርጭታት ንምፍታሕ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ካብ ሻዕብያ ዝቀድሖ ኣገባብ እዩ። ካብ ነቐፈታን ዓርሰ-ነቐፈታን ጀሚርካ። ተጋደልቲ ሻዕብያ “ንስኹም ሓለፍትና ዘይትኾኑ” ይብሉና ነይሮም ይብል ኣይተ ይስሃቕ ኣበራ። “መስደምም” ኢለ ጥራይ ክሓልፎ።

ክብሪ ንሰማእታትና

ሓምለ 2019
ተዛርብ ዘላ ቪድዮ፡ https://www.youtube.com/watch?v=cRRcxwoLhlg

*****************************************************************************************

ጅግና ስዉእ ሜጀር ጀነራል ገብረዝግሄር ዓንደማርያም [ውጩ] መን እዩ? ኣብ ሰውራዊ ቃልሱን ወትሃደራዊ ንጥፈታቱን`ከ ከመይ ነበረ? ካብ`ቲ ማእለያ ጀግንነቱ ገለ ቁንጫል ብቓለ-መሕትትን ብዛዕባ ውዕሎ ዛዛሚ ሓርነታዊ ኲናት ዓባይ ደንካልያን ዓሰብን ንህዝቢ ዝሃቦ ኣስተምህሮን ባዕልኹም ደጊምኩም ስምዕዎ። ሓሶት መሳፍንቲ ህውሓት ነቲ ሓቀኛ ጀግንነት ኤርትራውያን ፍጹም ኣይሓኮን እዩ።

ብርሃነ ሃብተማርያም

**********************************************************************************

1. Eritrea- Personal Interview With Late Maj. General Ghebregziabhier Andemariam (Wuchu) About his Childhood And His Life As A Fighter

https://www.youtube.com/watch?v=qvmpH1fYBhA&t=1215s

2. ERi TV Late Maj General Gebregziabher Andemariam (Wuchu) - seminar on the Great Denkalia-Assab Front 1991

https://www.youtube.com/watch?v=6apzIGSMuBI&t=6s

https://www.youtube.com/watch?v=JuYSblfgELg

3. Eritreas war to Freedom in 1988 ,Nadow ez

https://www.youtube.com/watch?v=F25kx10Naw0

4. ሜጀር ጀነራል ገብረዝግሄር ዓንደማርያም ኣብ`ቲ ብስርሒት ፈንቅል ዝፍለጥ ወትሃደራዊ ስርሒት ንሰምሃርን ምጽዋዕን ሓራ ንምውጻእ ብህግሓኤ/ህሰሓኤ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ውግእ ዝተዛረቦ ሓጺር ታሪኻዊ ጥቅስን ኣብ መወዳእታ ድማ ብግብሪ ዝተፈጸመ ጀግንነት!

https://www.youtube.com/watch?v=mGY6mv5Tv6M

ደርፍታት፣

 

1. "ብናይ ደርጊ ፈኸራ ንድሕሪት ነይትምለስ ሰውራ ኤርትራ" ብሙዚቃውን ድምጻውን ስነ-ጥበባውን ሓርበኛ ተኽለ ክፍለማርያም
2. "ሓርበኛ" ብድምጻውን ስነ-ጥበባውን መልኣከ ኣብርሃም ኣብ ግዜ ሰውራ ኤርትራ ዝተደርፈት ዝደገማ
3. "ተሃንዳዲ ሓይሊ መን ከማይ በሃሊ" ብሙዚቃውን ድምጻውን ስነ-ጥበባውን ሓርበኛ ተኽለ ክፍለማርያም

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events