Basic

(ሚኒስትሪ ዜና) ቃል ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ 20 ሰነ 2019

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 20 June 2019


ቃል ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ 20 ሰነ 2019

ልዕሊ ሰማእታትና ምዝካር ሕድሮም ደጋጊምካ ንምኹላዕ፡ ህዝቢ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ንዘካየዶ ድሙቓ ኣበዓዕላ እዛ ዕዝዝቲ ዕለት፡ ዮሃናን ምስጋናን።

ሰማእታትና ብጅግንነቶምን ብዝኸፈልዎ ክቡር ህይወትን፡ ጸጋታትን ሓይልን እዛ ሃገር ኣራቢሖም ነቲ ዘይመጣጠን ዝመስል ዝነበረ ናይ ጉልበት ምዕሪት፡ ንረብሓ ናጽነት ክውን ጌሮም፡ ድሕሪ ናጽነት'ውን ልዑላውነት ንምርግጋጽ ዳግም ዘረጋገጽዎ ቅያ፡ ኣብ ሃገራዊ ታሪኽ ህላወናን ገስጋስናን መዘና ኣይክርከቦን ኢዩ።

ህይወቶም ዕሩብን ዋጋን ምኽፋል ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘውረስዎ ስርዓተ ክብርታትን ባህልን ንሓይልን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ እናራብሐ ዘዛየዶ ፍናናዊ ጸጋውን ብዋጋ ዘይትመን ኢዩ።

ስለቲ ኣብነታውነቶምን ብግብሪ ምሂሮም ዘውረሱና ክብርታት ከኣ ምስጋናን ክብርን ስለ ዘይኣኽሎም፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ደጊምና መብጽዓና ከነሐድሰሉን ሕልናዊ ግዴታን ሓላፍነትን ኢዩ።

ብኣጋጣሚ ናጽነት በቲ ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት ዝተሰምየ ቴማ ህዝቢ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘቕረቦ ገላጺ መሰናድኦ ከኣ፣ ሓቀኛ ምስክር ናይቲ መብጽዓ'ዩ ኔሩ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ኣብ ኣጋጣሚ በዓል ናጽነት ምስ ውሁብ ዓለማውን ዞባውን ዘቤታውን ኩነታትን ምዕባለታትን ተዛሚዱ ዝርአ ናይ ልምዓታዊ መደባትና መርሓ ጎደና ዝጠመረ 11 ነጥብታት ዝዝከር ኢዩ።

ንቕድሚት ዝጠመተ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዝተኾልፈ ዝተዓንቀፈ ዝተኸስረ ዕድላት ንምምላስ ዝዓለመ ኢዩ። በየናይ ዓቕሚ በየናይ ጸጋታት፡ ብኽንደይ ግዜ፡ በየናይ ብልሓትን ስነ ቅጥዕን፣ ባህርያውን ንዋታን ተክኖሎጅያውን ፊናንስያውን ካልእን ጸጋታትን ኣገዳሲ ተደዳላዪ ልምዓትን ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ጸጋ ሰብ ኢዩ።

ጸጋ ሰብ ብዓይነታዊ ሞያዊ ክእለትን ተመክሮን፡ ብዓይነታዊ ሞያውን ተመክሮን ግን ዝኾኖ ኣሃዝ ወይ ፍቕዲ ይሃልዎ ኣራባሒ ረቛሒ ክህልዎ የድሊ።ተወፋይነት ዝሕመረቱ ስስዐን ርእሰ ፍትወትን ወጊድ ዝበለ ዘይሕለልን ተባላሓትን ጸዓተኛ ብጽፈት ዝተወደበ ጸጋ ሰብ ማለት ኢዩ። ኬድና ኬድና ናብ መበቈል መንነትና ክንምለስ ኣለና ማለት ኢዩ። መበቈል መንነትና ሰማእታትና ዘውረስና ክብርታትን ባህልን'ዩ። 

ሰማእታትና ልዕሊ ኹሉ ንዘልኣለም ይዘከሩ! ዓወት ንሓፋሽ”



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events