Basic

****ወዲ ኣፎም*** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 12 April 2019

****ወዲ ኣፎም***
 ኣንታ ጽኑዕ ማእገር
ተሳካሚ ረዚን ጾር
ደረታ ኣብጺሕካያ ዛ ሃገር
ንስኻ"ስ ክበር ደኣ ንበር

        ጠረብረብ ኣቢልካዮም፥ዘይሰብ ቅዱስ ኪዳን
ሓየት! ዘይንዓኻ ፥ንመን ይግበኦ ኒሻን
ማንም እኳ ዝሰቅል ዘውዲ፥ዘራጥጣ ኣብ ዝፋን
ኖቬል ሰላም ሽልማቱ፥ ኣማን ብኣማን

       ተተልበቦ እንበር ፥ጻማኻ እንደኣሉ
ልዕሊ ፍርቂ ዘመን፥ ዘጓሕ ዝበልካሉ
ንሱ ዶ ዓቢዩካ፥ ኣንታ ጽኑዕ መትከሉ
ንስኻን ትሽለም ፣ንሶም ይኽንበሉ

      ግዜ ሃዲንዎም ፥ ዘገምታኻ ርእዩ
ህዱእ ስጉምኻ፥ ካዕበት እንዶ ፈድዩ
እቶም ዝሓርቀሙ፥ኮራርምቶም ረጊፉ
ኣረብሪብካዮም ዓቃል፥ ንዕርብርብ ኣንካ ሃተፉ

       እቶም ዝፈርዱኻ ፥ባዕሎም ክፍረዱ
ብዘናኸስዎ መጋርያ ፥ከምከሰል ክነዱ
ብዓቕልን ትዕግስትን ፥ክትብል ንሶም ክዓብዱ
እንሆ ፋርሰይ ቀውዕኻ፥በጺሑ ናብ ማዕጺዱ

       ኣርሓ ኣርሓታት ፥ከቶዘይዳነ 
ደለይቲ ሕሰምካ ፥በሊዕዎም ቁንቁነ
ገለን ናብ ማሕቡሳ ፥ገለን ናብ ቃሬዛ
ገለን ረማዕ ካብ ዝፋና ፥ገለን ተገኒዛ

          ጸባ ሰቲና ፥ፈሪዱና ሓያል ግዜ
ካሕሳ ጽማመ ተፈዲና ፥ ንሶም ናብ ንዛዜ
ጠረብረብ ኣቢልካዮም፥ ናሕ ኢሎም ክነዓዉ
ንስኻ ትሽለም ፋርሰይ፥ ንሶም ይመሓዉ
         
       ወዲ ኣፎም

         ዓወት ንሓፋሽ
 ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) /  ጀርመን
           11/4/2019


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events