***ናቶም "ሲ እደለ ምኾነ ***
እቲ መቑርስካ ፥ደም ዝወጸ ድፋጭኡ
መዘናኾ "ኮ እዩ ፥ ጽኑዕ ኣብ ዕላምኡ
ናቶም " ሲ እደለ ምኾነ ፥ናትካ ከፊኡ
ምስኦም ከተዳኽር ፥ምስ መረቖም ዝወድኡ
ንሶም እኳ፥ኣይነበሮም ኣይጠፈኦም
ባርነት ዝናፍቑ ፥ ክሑን ዝቐርዓነ ልቦም
ናጽነት ዘየድመጹ ፥ሰመያዊት ዝባንዴርኦም
ንስኻ ኸ ንኡሰይ ፥ ኣይፋልካ ያዕ በሎም
ንሶም"ኳ ፥ብዓል ሕማም ደሓር
ሰብ ድጉል ጽልኢ ፣ በዓል ቀሓር መሓር
ዘበነ ውበ ዝጸመሙ ፣ ሰብ ህርፋነ ሹመት
ግዳይ ክበርኻ "ስ፥ ዓይንኻ ክዕመት
መራጉድቲ ክትከውን ፥ ጠይቂ ሰብ ኣበሳ
መትሓጥእቲ ፥ ክንዲ ሃገር ትድብሳ ትኽሕሳ
ንሶም"ኳ ፥ኣእምርኦም ዝተመዛበለ ዝቖንቆኑ
ናትካ ኸ ጎበዛይ ፥እንታይ እዩ ሽንኑ
ክንዲ ተማሂርካ፥ሂወትካ ትመርሕ ትዓይ
ክንዲ ሰሪሕካ ፥ ለፊዕካ ንዕብየትካ ይጎይይ
ምስቶም ግብዛት ፣ ኣብ ህልኽ ዝተጸምዱ
ጽቡቕ ሃገር ዘይንታዮም ፥ ካን ምስ ዝዓበዱ
መዘናኻ እኮ"ዩ ፥ተኣምር ዝሰርሕ ዘሎ
ናቶም "ሲ እደለ ምኾነ፥ናይቶም ብዓል ዋሎ
ባሕርን ጣሕርን ሰጊርካ ፥ሳህራን ህሮርማን
መጋበርያ ክትከውን ፥ናይቶም ርኹሳት ረሲኣን
ብሽምካ ዝነግዱ
ኣዋሳ ጸኒሖም ፥ደብረዘይቲ ዝዓብዱ
ብዓል ኣምሰሉ ፥ ደሞም ረጊኡ ዝደስከለ
ዕርቃኖም ዝወጹ፥ ሰብ ዉጹእ ጽላለ
ናቶም " ሲ ፥እደለ ምኾነ
ናይ ቶም፥ ዕነ ምነ
እንተ ንስኻ ግና ፥ኣይፋልካን ሕሰበሉ
እንታይ ዓዚሙካ ፥ክትከውን መፍቶ ጉሓላሉ
ዓወት ንሓፋሽ
ኣሸናፊ ኣብርም (ኣሼ)
ጀርመን
6/ 4/ 2019