Basic

(ሓዳስ ኤርትራ) ሓተታ፥ ሰፊሕ ህዝባዊ ዘተ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 08 April 2019

ሓተታ፥ ሰፊሕ ህዝባዊ ዘተ

ሓዳስ ኤርትራ   8 ሚያዚያ 2019

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ ኩሉ ሚኒስትሪታት፡ ምምሕዳር ዞባታትን ትካላት መንግስቲን፡ ብላዕለዎት መራሕቲ ግንባርን ሰበስልጣን መንግስቲን ካልኦት ሓለፍቲን ዝተመርሐ፡ በብጽፍሑ መላእ ህዝቢ ዝተሳተፎ፡ ኣብ ህልዊ ዞባዊ ምዕባለታትን ኣመታቱን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዘቤታዊ መደባት ፖለቲካን ልምዓትን ዘተኰረ ሰሚናራትን ህዝባዊ ምይይጥን ክካየድ ቀንዩ ኣሎ። 

እዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ዘተ’ዚ፡ ፍሉይነቱ፡ ካብ 1998 ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ዝተሃቀነ ወተሃደራዊ፡ ጸጥታዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ተጻብኦታት፡ ብሓያል መኸተ በርዒኑ፡ ኩሉ ዝተፋሕሰ ተንኰላትን ዝሰረበ ውዲታትን ዕምሩ ኣኽቲሙ፡ ናብ ሓድሽ መዋእል ኣብ እንስጋገረሉ ዘለና ታሪኻዊ ምዕራፍ ይካየድ ምህላው እዩ። ኣቐዲሙ ክግለጽ ከምዝጸንሐ፡ እዚ እንኣትዎ ዘለና መድረኽ፡ ካብቶም ዝሓለፉ መዋእላት ፍልይ ዝበለ፡ ምስናይ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዝተሓላለኸ ብድሆታት፡ ከም ህዝቢን ሃገርን ዝሓሸን ዝዓበየን ዕድላት ንህንጸት ሃገር ሒዝና እንጽንበሮ ዘለና መድረኽ እዩ። ነዚ ብሓያል መኸተና ፈጢርናዮ ዘለና ዕድላት፡ ብግቡእ ክንጥቀመሉን ኣብ ቅድመና ዘሎ ብድሆታት ከም ወትሩ ብብቕዓት ክንገጥሞን ክንሰግሮን ድማ፡ ሕጂ እውን ኣብቲ ፍቱን መስመርናን ራእይናን ዝሰመረ ሓባራዊ መረዳእታን ናይ ኣመለኻኽታ ጥምረትን ወሳኒ እዩ። 

ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ካልእ ህዝቢ ክጻወሮ ዘጸግም ኣዝዩ ፈታኒ ግዳማዊ ተጻብኦ፡ ማለት ካብ ቅሉዕ ወራር ክሳብ ዝተፈላለየ ግሁድን ስውርን ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ሽርሒታት ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናትን መኪቱ እዩ ህላወኡን ቀጻልነቱን ከውሕስ ክኢሉ። ብዙሕ ዋጋን ምጽማምን ድማ ሓቲትዎ። የግዳስ ብመጠን ተጻዋርነቱ፡ ጻማኡ ብቐሊል ዝግመት ኣይነበረን። ልዕሊ ኹሉ፡ ድሕነት ሃገር ምስ ክብረት ኣውሒሱ፡ ነዚ ሓድሽ ዞባዊ ምዕባለታት ኣብ ምፍጣር ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ። በቲ ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት ጀሆ ከይተታሓዘ፡ ብድሩት ጸጋታት ስትራተጂያዊ መደባት ልምዓት ኣብ ምትግባር’ውን ብቐሊል ዘይግመት ገስጋስ ኣመዝጊቡ። ርግጽ’ዩ፡ እዚ ገስጋስ’ዚ ብመንጽር ገዚፍ ጥሙሕናን ሃገራዊ ራእይናን ክጥመት እንከሎ ንእሽቶ እኳ እንተኾነ፡ እዚ ዓወታት’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝኾነ ወገን ከይተጸገዐን ፖለቲካዊ መስመሩን ሕርያኡን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተወን ከይተመሻኸነን፡ ናጽነቱ፡ ልኡላውነቱን ሃገራዊ ክብረቱን ዓቂቡ ዝፈጸሞ ብምዃኑ፡ ብርታዐኡ ከም ህዝቢ፡ ብቕዓቱ ከም ሃገር ደጊሙ ዘጒልሐ ዘሐብን ታሪኽ እዩ። 

ከምዝፍለጥ፡ ቀጥታዊን ክፉትን ዘተ ህዝቢን መሪሕነትን ኣብ መድረኻዊ ጉዳያትን ሕቶታትን፡ ኣብ ፍሉይ ክውንነት ናይዚ ሃገር ተዀስኲሱ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ባህልና እዩ። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ መራሕቲን ካድረታትን፡ ኣብ ተጋደልቲን ሓፋሽ ህዝቢን ብመልክዕ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ዘካየድዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ፖለቲካዊ ምንቕቓሕ፡ ልዑል ናይ ኣረኣእያን ግብርን ሓድነት ብምፍጣር፡ ስሙርን ሓያልን ግንባር ኣብ ምህናጽ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ድሕሪ ናጽነት እውን፡ እዚ ባህሊ’ዚ ኣብ ምክልኻል ልኡላውነትን ህንጸት ሃገርን ወሳኒ ግደ ክጻወት ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ቲ፡ ካብ ፕረዚደንት ጀሚርካ፡ ምስ ኩሎም ሓለፍቲ ኣብ ዝምልከቶም ዓውድታት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን በብግዜኡ ዝካየድ ሰፊሕን ግሉጽን ቃለ-መጠይቓት፡ ሰበስልጣን መንግስቲን ግንባርን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኤርትራውያን ኣብ ዝርከብሉ ሃገራት ወጻኢ ብምንቅስቓስ፡ ብቀጻሊ ህዝባዊ ሰሚናራት እናካየዱ፡ ፖሊሲታትን መደባትን መንግስቲ ዝገልጽሉ፡ ካብ ዜጋታት ዝቐርቡ ሕቶታት ብቐጥታ ዝምልስሉ መድረኽ ካብ ነዊሕ ዝጸንሐን ዝተለምደን እዩ።

እዚ ናይ ሕጂ ሰሚናራት እምበኣር፡ ሓድሽ ዘይኮነ መቐጸልታኡ ኮይኑ፡ ዕላማኡ፡ ህልዊ ዘቤታዊን ከባቢያዊን ምዕባለታት ብምንጻር፡ ህዝቢ ኣብ ሃገራዊ ጉዳዩ ሰፊሕ ኣፍልጦ ሃልይዎ፡ ሱታፌኡ ኣብ ኩሉ መዳያት ከምዝዓዝ ምግባር፡ ዜጋታት ሓሳባቶም ዝገልጽሉን ዝዛተይሉን ናጻ መድረኽ ብምፍጣር፡ ብልጫታት ምዕቃብ፡ ጌጋታት ምትእርራምን ክህሉ ዝኽእል ድኻማት ምፍዋስን እዩ። ከም ወትሩ ድማ፡ እዚ ሓባራዊ ባህጊ ዝሰረቱ ዘተን ምብህሃልን፡ ሃገራዊ ራእይን ዕላማታትናን ደጊሙ ብምጉላሕ፡ ጽሬት መስመርናን ክብርታትናን ንምሕላውን ኣካይዳ ንምቕርዓውን ክጻወቶ ዝኽእል ግደ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን።

ኤርትራዊ ኣብ ዝኾነ ኲርናዕ ናይ ዓለም ይሃሉ፡ ብዛዕባ ምዕባለታትን ብድሆታትን ሃገሩ ዘለዎ ኣፍልጦን መረዳእታን ተቐራራቢ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ሓበራዊ መረዳእታን ንቕሓትን’ዚ፡ ምንጩ እቲ ኣብ ቅንዕናን ክፉትነትን ዝምርኰስ ምቕሉል ርክብ ህዝቢን መራሕቲን እዩ። ክዕቀብን ክስስንን ዘለዎ ፍሉይ ጸጋ ድማ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ብርቱዕ ሃገራዊ ፍቕሩን ብሉጽ ሕብረተሰብኣዊ ክብርታቱን፡ ተወሳኺ ሓይሊ ዝኾኖ ዘሎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ክፉት ዘተን ምብህሃልን ኮይኑ፡ ክዕቅብን መመሊሱ እናተዀለዐ ኪኸይድን ዘለዎ፡ ሓደ ካብ ብሉጻት ሃገራውያን ክብርታትና እዩ። ምኽንያቱ በዚ ባህሊ’ዚ ኢና፡ ሓያል እምነት ኣብ ዕላማ ኰስኲስና፡ ንውሱን ዓቕምና ብዕጽፊታት ኣራብሒና፡ ናብ ደርማስ ሓይሊ ብምቕያር፡ ዓበይቲ ብድሆታት እናስዓርና፡ ወትሩ ብዓወት እንወጽእ። ሕጂ’ውን በዚ ፍቱንን ተዓዋትነቱ ዘመስከረን ፖለቲካዊ ባህሊ’ዚ፡ ኣብ ጎደና ዕብየት እናመረሽና፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ርሕቀት ዘሎ ትስፉው መጻኢ ንምጭባጥ፡ ልምዓታዊ ጉዕዞና ዝያዳ ናህሪን ድርኺትን ክንውስኸሉ የድሊ።




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events