Basic

(ድምጺ ኣመሪካ ቋ/ ትግርኛ) ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምህላው ሕ/ሃ የጠንቅቕ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 18 February 2019

ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምህላው ሕ/ሃ የጠንቅቕ

ለካቲት 18, 2019  ዊንታ ኪዳነ    ዜና ሮይተርስ


ዋሽንግተን — 

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን (FAO) ኣብ ኤርትራን ኣብ ሱዳንን ዝተራእየ ወራር ኣንበጣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ብቅልጡፍ ይዝርጋሕ ምህላው ብምግላጽ ኣብ ኣእካልን ውሕስነት መግብን ስግኣት ክፈጥር ይክእል’ዩ ክብል የጠንቅቕ።

ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ዝተራእየ ጽቡቕ ዝናብ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣንበጣ ምፍጣሩ፡ ብተወሳኺ ቁጽሪ ዕስለ ኣንበጣን ምንቅስቃሱን ይውስኽ ምህላው ትካል መግብን ሕርሻን ሕ/ሃ (FAO) ወሲኹ የረድእ። ኤርትራ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ነቲ ስግኣት ኣንበጣ ኣቐዲሙ ፈሊጥዎስ ንምክልኻሉ ክዳለወሉ ዝጸንሐ`ዩ ብምባል እቲ መጠንቀቕታ ፋኦ ግዜ ዝሓለፎ ምዃኑ ትገልጽ።

ሓደ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ መፍራቕ ወርሒ ጥሪ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ ከምተራእየን ካልእ’ውን ኣብ ጥቓ ዶብ የመንን ኦማንን ከምዝተራእየ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ደቡባዊ ኢራንን`ውን ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ እቲ ትካል ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ብመሰረት መግለጺ’ቲ ትካል ዝርግሓ’ቲ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ዶብ ህንዲን ፓኪስታን ክበጽሕ ከምዝክእል`ውን ይገልጽ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን በዓልሞያ ምርባሕ ኣንበጣ ኪዝ ክረስማን “ዝቕጽል እዋን ምርባሕ ኣንበጣ ከይጀመረ ንዝርግሐ’ቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምቁጽጻር ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋሕ ኣገዳሲ እዋን’ዩ” ይብል።

ንሱ ብተወሳኺ ነዚ ዝረአ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምቁጽጻር ውጽኢታዊ ዝኾነ ምቁጽጻር ኣብቲ ኣንበጣ ዝፋረየሉ ከባቢታት ሱዳን፡ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ከባቢታት ምክያድ ከምኡ’ውን ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ግንቦት ዘሎ ጻዕቂ ዝናብ ከምዝውሰን ይገልጽ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ጥራይ ኣስታት 85,000 ሄክታር መሬት ጸረ ኣንበጣ ፈውሲ ከምዝተበተነሉ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት ድማ ተመሳሳሊ ስርሒት ኣብ ኣስታት 30,000 ሄክታት መሬት ከምዝተኻየደ ፋኦ ኣፍሊጡ’ሎ።እዚ ስርሒት ኣብ ሱዳን፡ኤርትራ፡ስዑዲ ዓረብን ግብጺን ዝተኻየደ ክከውን ከሎ ተመሳሳሊ ስጉምቲታት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢራን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ምክያዱ እቲ ትካል ይገልጽ።

ኤርትራ ብሚንስተር ዜና ኤርትራ ጌራ ኣብ ዝሓበቶ ምላሽ፡ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ፡ ንስግኣት ዕስለ-ኣንበጣ ኣብ`ቲ ዞባ ኣቐዲሙ ብምግንዛብ ኣብ ምክልኻሉ ኣቐዲሙ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ ክዳለዉሉ ዝጸንሐ ስለ ዝኾነ እዚ ብፋኦ ዝቐረበ ቅድመ-መጠንቀቕታ ግዚኡ ዝሓለወ ኣይኮነን ኢሉ’ሎ።

ሓደ እኹል ኣንበጣ ኣብ ሓደ መዓልቲ 150 ኪ.ሜ ክጉዓዝ ከምዝክእል ሓደ ዕስለ ኣንበጣ ድማ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንዲ 35,000 ሰባት ክምገብዎ ዘክእል እኽሊ ከጥፍእ ከምዝክእል ይግለጽ።

እቲ ዝዓበየ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ 2003-2005 ኣብ ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ምኻኑ ኪስ ክሪዝማን ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግብን ሕርሻን ንምቁጽጻር እዚ ተርእዮ ዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ጆርዳን ኣኼባ ከምዘካይድ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events