ኣስመራ —
ጉጅለ ባህሊ ሰላም ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታትት ኢትዮጵያ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ንምቕራብ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ።
እዚ 62 ኣባላት ዘለዎ ጉጅለ ባህሊ ሰላም፡ገዳይምን ሓደስቲ መንእሰያት ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ጉጅለ ባህሊ ስብሪትን ዝሓቖፈ ኮይኑ ዘመናውን ባህላዊ ደርፍታትን ትልሂታትን ከቅርብ‘ዩ። ካብ 16-21 ለካቲት 2019 ኣብ ከተማታት ባህርዳር፡ኣዳማን ሃዋሳን ከምኡ’ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሚለንየም ኣዳራሽ ሙዚቃዊ ምርኢት ከምዘቕርብ ተፈሊጡ’ሎ።