Basic

ኤርትራ ከም'ዚ "ሓያል በጊዕ"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Wednesday, 10 October 2018

በሉ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ደቀባት ኤርትራ፣ በዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ "ሓያል በጊዕ" ዘርእስታ ተንቀሳቓሲት ስእሊ ተኸየፉ።

ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፣ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ መትሓዚ ዘይብሉ ቀዳድ ቁራብሻ ወይ ገዚፍ ገረወኛ ቤላ-በሎው፣ በለካ-ለኽዓካ ኤርትራስ ኣብዚ እዋን'ዚ ብሳላ ኩለንትናዊ ከቢድ ህዝባዊ መኸተ ብዓወት መሰስ ኢላ ብምውጻእን ምሉእ ክብራን ሓድነታን ልዑላውነታን ብሓያል ቃልሳ ዳግማይ ዓቂባን ብግብሪ ኣመስኪራ ናብ ጉዕዞ ስላምን ብሩህ መጻኢን ኣብ ትምርሸሉ ዘላ ሃዋህው፣ ገለ ኣብቲ መስርሕ ዝኸሰሩን ዝጠፈሹን መታለልትን ተበለጽትን ጸረ-ሰላም ባእታታት፣ ኣብ ውሻጠ ወይ ድማ ኣብ ጉብጥሽ ዘመን ኣምጽኦ መርበብ ሓበሬታ ተሓቢኦም ገሊኦም'ውን ጥምቀት ዘይድልዮ ሓደስቲ ኣስማት ብኢደ-ወነኖም ወሲዶም፣ ያኢ ኤርትራ ወርቂ-ኩትሻ ኣስተሊኒ ወይ ድማ ክዳን ዙርያ ቆጺሮማ ወይ ሓሲቦማስ፣ ኦይ...... ሎሚ ደኣ ኢሳይያስ/ ህግደፍ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሸይጡዋ እንድዩ ሃገር ከይዳ ጠፊኣ......እናበሉ ፎቖዶኡ ካዕቦ-ሙዕሮ መርዛም ዝወጸሉ ጻዕዳ ሓሶት ከም ኩዕሶ እግሪ እናተቐባበሉ መብልዒ እንጌራኦም ጌሮሞ ዘለው፣ በዞም ሃዋርያት ሓሶትን ጥፍኣትን ከይትደናገሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ጸማም ኣእዛንኩም'ውን መጥዉሎም ኢኹም!

በዞም ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ክረክብን ክርህዎን ከሎ ዝበኽዩን ዝሓዙን፣ ህዝቢ ክሽግሮ እንከሎ ዝሕጎሱን ዝጭፍሩን ጥራሕ ዘይኮኑስ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንኽጠሚን ክሽገርን ኣብ ዓጸቦ ክኣቱን ኣብ መወዳእታ ከኣ ደኺሙ ንተጻባእቱ ክምብርከኽን ኢዱ ክህብን ንዓሰርተታት ዓመታት ምስቲ ደመኛ ተጻይና ዝኾነ ሕጂ ግን ዝተዓልወ መስፍናዊን ዓሌታውን ስርዓት ጉጅለ ሕውሓት ተዓሲቦምን ኣብ ፈቐዶ ገበላታት ሓያላት ሃገራትን ትካላተንን ኣናኳኩሑ ዘይሕጋዊ ማዕቀብ ንኽተርርን ንኸይለዓልን ናብ ኤርትራ ኣትዮም ንመንግስቲ ኤርትራ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ከልግሱሎምን ተጎምቢሶም ከምዝለመንዎምን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እዚ ዘይበሃል ስነ-ኣእምሮኣዊ ሽበራን ከቢድ በደልን ከም ዝፈጸሙ......ስጋብ'ዚ ቅድሚ ትማል ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ስኑድ ተዘክሮ እዩ።

ናይዚኦምሲ ካን እኮ ዘገርም እዩ! ሕጂ ኸኣ ነቲ ኹሉ ዝገበሩዎ እከይ ረሲዖም'ሲ ግልብጥ ኢሎም፣ ሓለይቲ ሃገር ክመስሉ ያኢ ኤርትራ በጊዕ ወይ ጤል ኮይናስ ተሸይጣ'ባ ተሓርጃ'ባ ዝብል ሃጠውቀጠውን ኣይብላዕ ኣይስተ ዋጋ ዘይብሉ መጠነ-ሰፊሕ ናይ ሓሶት ወፈራ ገና ተታሕሒዞሞ ይርከቡ።

ለባማት ኣቦታትናን ወራዙት ኣዴታትናን ኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ተመመሳሳሊን ዝምቡዕን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ኣንፈቱ ፍጹም ዝሰሓተን ተግባራት ብሃማትን/ዓያሹን በሶሮታትን እኩይ ኣተሓሳስባን ምስ ዝዕዘቡ "ነክይሉ እንተበልኩዋስ መመሊሳ ትጎስመሉ" ይብሉ።

እዚ "ሓያል በጊዕ" እምበኣር ከም ዋዛ ምስ ቁም-ነገር ወሲድኩም ከም "ሃገርና ኤርትራ" ምልክት እንተርኢኹማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣንጻር ሰለስተ ስርዓታት ኢትዮጵያ ማለት ኣንጻር ሃጸያዊ ስርዓት ሃይለስላሴ-ብኮለኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ዝምራሕ ዝነበረ ፋሽሽታዊ ወትሃደራዊ መንግስቲ -ዓሌታዊን ገባትን መስፍናዊን ስርዓት ህውሓት-ንኹሎም ዓንገልቶምን-ኣንጻር ናይ ሓይልታት ዞባና ተጻባእትን ማለት መሬትናን ርስቲ እንዳቦናን ክዘምቱን ክጎብጦን ንዝመጹ ኩሎም በብሓደን ብእብረን/ብእኩብን ተቓሊሱ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉን ስዒሩዎም እዩ።

ኣማን ብኣማን ኤርትራ="ሓያል በጊዕ"!!!

ዕድመ ነቲ ተቢዑ ዘትብዕ ጸኒዑ ዘጽንዕ ተቓሊሱ ዘቓልስ ጅግናን ዓቃልን ህዝቢ ኤርትራን ምክልኻል ሓይልታቱን!!!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!!!

ክብርን ሞሳን ንጀጋኑ ስንኩላን ተጋደልትናን ንሓርበኛታት ህልዋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

ዓወት ንሓፋሽ!!!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም

 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events