Basic

ገጽ-መጽሓፍ፡ ናይ ዕንወት ምድረ ገጻት

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Tuesday, 09 October 2018


Cherunnet Tesfazghi
 
"ኣብ ድሕሪ እዞም "ጓኖት ንሃገሮም" ዝኾኑ ናይ ወረ ማሰኛታት ዘሎ መሪሕ ሓሳብ ንመንእሰያት ሃገርና ተስፋ ኣቊሪጽካ ብሞራላዊ ስዕረት ከም ዝጥቅዑ ጌርካ ካብ ሃገሮም ሃጽ ንኽብሉ እዩ።"


እዚ ዕሸል ወለዶ ካብ ሃገሩን ስድርኡን ሪሒቁን ተመዛቢሉን ዘይኑቡር ንኽነብር ተሓርዩ ኣሎ።

ኣብ ድሕሪ እዞም "ጓኖት ንሃገሮም" ዝኾኑ ናይ ወረ ማሰኛታት ዘሎ መሪሕ ሓሳብ ንመንእሰያት ሃገርና ተስፋ ኣቊሪጽካ ብሞራላዊ ስዕረት ከም ዝጥቅዑ ጌርካ ካብ ሃገሮም ሃጽ ንኽብሉ እዩ። እዚ ኹሉ ኣንጻር ሰብኣዊ ሃብትና ዝግበር ዘሎ ኣሉታዊ ዘመተ ንኤርትራ ንምዕናው እንበር ንህግደፍ ምውዳቅ ከም ዘይኮነ ከኣ መብዛሕትኦም ኣንዳዕዲዖም ይፈልጡ እዮም። እዞም ናይ ወረ ማሰኛታት ንዓና ዘይኮነ ነቶም ኤርትራ ግዝእቲ ናቶምን ኣብ ትሕቲኦም ኮይና ክትነብርን ዝምነዩን ዝሰርሑን መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ከገልግሉ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኣብ ክንዲ ንመላኺ ኣተሓሳስባ ንምቅያር ምቅላስ፡ ንሰብኣዊ ሃብትና ምብራስ፣ ኣብ ክንዲ ንሕጋዊ ብጽሒትና ምክልኻል፡ ንማእከልና ዘዐኑ ጸቢብነት (ብሄራዊ ፖለቲክ) ንኽነግስ ጎስጓስ ምግባር፡ መዓልታዊ ንኣመለ ዕንወት ኣጀንድኦም ዝሕግዞም ዝተሰንዐ ወረታት (fake news) ሚሂዞም፡ ንድሕረ ገጻት መርበብ ሓበሬታ መናሃርያኦም ጌይሮም ሓኾት ካብ ዝብሉ ነዊሕ ግዜ ኣሕሊፎም ኣለዉ።

ኤርትራ ብሰንኪ ዜቤታውን ወጻኢ ፖሊሲ መንግስታን ዝኣተወቶ ዲፕሎማስያዊ ኮነ ቁጠባዊ መንቀራቅሮ፡ ትልሚ ኣይሰላም ኣይ ውግእ ጎረባብታን (ኢትዮጵያን ጅቡትን) ዘኸተሎ ሰብኣዊ ዕንወትን፡ ዝተሰናንዐ ብይን ምዕራባዊ እገዳን ዘስዓቦ ቁጠባዊ ብርሰትን ከይኣኽላ፡ ንመንእሰያታ ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሩ ኮይኑ ንለውጥን ስነ ዕብየትን ዝቃለስ፡ ንሃገሩ ገዲፉ ክስደድን ክዘናበልን ምትብባዕ ከም ቅዲ ተታሒዙ ጌና ድሕሪ እዚ ሰላምን ዕርቅን ምስ ጎረባብታ ንኸተስፍን ሓዲሽ ምዕራፍ ኣብ ትረግጸሉ ዘላ ግዜ "እዞም ጓኖት ንሃገሮም" ናህሪ እናወሰኹ፡ ገሊኦም ሃገርካ ተሸይጣ እናበሉ፣ ገሊኦም ንሕቡእ ኣጀንዳ ግዳማውያን እናገልገሉ፣ ገሊኦም ብሽም ናይ ሰላም መዝሙር ንውልቂ ዝንኦም እናሰርሑ፣ ገሊኦም ነቲ ጸቢብ ወገናዊ ዝንባሊኦም መታን ክጠቅሞምን ገሊኦም ከኣ ህግደፍ ጥራይ ኣይተዓወት እንበር ዋላ ኤርትራ ትተሃሰ ዝብሉን፡ ከቢድ ናይ ዕንወት ወፍሪ ኣንጻር መንእሰይና ኣልዒሎም ይሰርሕሉ ኣለዉ።

እዞም "ዝኽደንዎ" ሃናጺ ሓሳባዊ መልእኽቲ ዘይብሎም "ዝጉልበብዎ" ኣፍራሲ ሓሳባዊ መንፈስ ቃሕ ዝብሎም ናይ ወረ ማሰኛታት ኮነ ኢሎም ዝተሰርሑ ዝተማህዙ ስለ ዝኾኑ ዓገብ ኢልና ክንቅይሮም ወይ ከነስምዖም ኣይንኽእልን። ንኸይዕወቱ ግን ዓቢ ናይ ገዛ ዕዮ ኣሎና። ንሱ ከኣ ሰባኣዊ ሃብትና ኣብ ሃገሩ ኮይኑ ንውሽጡ መዚኑን ገምጊሙን ንለውጢ ንኽቃለስን ንቅድሚት ዝርእየሉ ባይታ ንኸጣይስን ብተደጋጋሚ ተስፋ ከይቆረጽና ምኽርን ምዕዶን ምሃብ ጥራይ እዩ።
እዞም ናይ ሓሶት ምድረ ገጻት ኣንጻርና ኣንጻር ክብርታትና እንበር ንረብሓና ዝኸውን ኣጀንዳ ፍጹም ስለ ዘይብሎም ክንህመለሎም የብልናን . . .


ቤተ ቸሩ 
ኣምስተርዳም

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events