Basic

ሓጺር ግብረ-መልሰይ ኣብዚ'ኣ ዛዕባ፡ "ዕርቀ ሰላም ክሳብ ክንድዚ ቀሊል እንተነይሩ፡ ስለምንታይ ኣሽሓት መንእሰያት ጠፊኦም?"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Monday, 13 August 2018

12 ንሓሰ 2018 ዓም ፈረንጂ

 
እዚ ኣርእቲ`ዚ ብመሰረቱ ዶንቆሮን ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣርእስቲ እዩ ኢለ ይግምግም። ቀጺሉ ዝስዕብ ደምዳም ድማ፣ ሃንድስቲ ናይ`ዚ ኣርእስቲ ዶናቑርን ሓላፍነት ዝጎዶሎምን እዮም። ምኽንያቱ ብቐሊሉ ዝመጽእ ሰላም ኮነ ዕርቀ-ሰላም ፍጹም የሎን። ሰውራ ኤርትራ ምስ ጀጋኑ ተጋደልቱ ንሰላም ክደልያን ከምጽኣን ንበረኻ ወፊሩ ን30 ዓመት ብትብዓትን ጅግንነትን ተቓሊሱን ተዋጊኡን ከቢድ ናይ ሂወት መስዋእቲ *ልዕሊ 65 ሽሕ ጀጋኑ ተጋደልቲ* ከፊሉን እዩ። ጅግና ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ደምሲሱ ኣውኡ ከይተሓጽረን እፎይ ኢሉ ከየዕረፈን እግሩ እግሩ ብምስዓብ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ምስ ገለ ኢትዮጵያውያን ውድባት ኮይኑ ኣንጻር ጸላኢ እናተዋግኣን ክቡር መስዋእቲ እናኸፈለን ኣብ ሕምብርቲ ኢትዮጵያ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ንሓዋሩ ሓመድ-ድበ ኣልቢሱን ቀቢሩን እዩ ኣብ መደምደምታ  ሰላም ኣምጺኡዋን ረኺቡዋን።
 
ብድሕሪ ነጻነት`ውን መንግስቲ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዳግመ-ህንጸት ሃገር ተጸሚዶምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፣ እቲ ጠላምን ዓሌታውን ዓማጽን ብህውሓት ዝምራሕ ሰርዓት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምጉባጥ ኣብ ዘበገሶ ቅሉዕን እዉጅን ወራር፣ ህዝብን መንግስቲ ኤርትራን ንሃገሮም ካብ ዓማጽን ወራርን ባዕዲ ንምክልኻልን ንምድሓንን ከቢድ ዳግማይ መስዋእቲ *ኣስታት 20 ሽሕ ተባዓትን ውፉያትን ዕጡቓት * ከፊሎም እዮም። በቲ ጸቢብ ኣረሜናዊ ህውሓት ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ዓውደ-ውግእ ምስ ፈሸለን ምስ ተሳዕረን`ውን ነቲ እግባይ ዘይበሃሎን ናይ መወዳእታ ቀያዲ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ኣህጉራዊ ብይን ተሓሲምዎ ንኤርትራ ከም ሃገር ንምቕሃምን ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንምብትታንን ብእዉጅ ከም ዕላማ ንኣስታት 16 ዓመታት ክሰርሓሉ ጸኒሑን እዩ።
 
ሳላ እቲ ሓቀኛን ነቕ ዘይብልን መትከል መንግስቲ ኤርትራን ጽኑዕን ዓቃልን ህዝቢ ኤርትራን ጀግና ሰራዊት ምክልካል ህዝቢ ኤርትራን ዘካየድዎ ዘይሕለል ቃልስን ዝኸፈልዎ ከቢድ መስዋእትን ድማ ስርዓት ቦኽባኽ ህውሓት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቂዑን ኣብ እንዳ ጐሓፍ ገረወኛ ተጓሒፉን ኣብ ኢትዮጵያ ካልእ መሪሕነት ስለ ዝመጸን ነቲ ኤርትራ ን16 ዓመታት ምእንቲ ሰላም ዝተቓለሰትሉን ከቢድ ኩለንተናዊ መስዋእቲ ዝኸፈለትሉ ብይን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ስለተቐበለ ኣፈናዊ ሃዋህው ሰላም ክመጽእ ክኢሉ እዩ። እምበኣርከስ ሰላም ብዘይ ክቡር ዋጋን ጽንኩር ቃልስን ፍጹም ኣይመጽእን እዩ። ስለዚ እዚ "ዕርቀ ሰላም ክሳብ ክንድዚ ቀሊል እንተነይሩ፡ ስለምንታይ ኣሽሓት መንእሰያት ጠፊኦም?" ዝበልካዮን/ዝበልኩሞን ንሕሱር ሸቐጥን መደናገርን ዘቕረብካዮ/ዘቕረብኩሞን ኣርእስቲ ዕሙት ድንቁርናን ሓላፍነት ዝጐደሎን ኣምር እዩ።
 
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!|
 ክብርን ሞሳን ንጀጋኑ ስንኩላን ተጋደልትናን ንሓርበኛታት ህልዋት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!|
ዓወት ንሓፋሽ!!!
 
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events