Basic

BBC.com: ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ልኡኽ ክትሰድድ ምዃና ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓቢሩ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 21 June 2018

ሰነ 20, 2018 ዓም ፈረንጂ
https://ichef.bbci.co.uk/news/660/cpsprodpb/16078/production/_102123209_mediaitem102123208.png
ናይ ምስሊ መግለጺ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ስዉኣት መደረ እናስምዐ

ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኤርትራ ሃናጺ ዝርርብ ንምክያድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ክትሰድድ ምዃና ሓቢሩ።

ንሱ ረቡዕ ንጉሆ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድሌት ንስኒት ምስ ኤርትራ ሓድሽ ነገር ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምሕባር፤ ነዚ ህዝባዊ ሕርያ "ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት ዝደኸምናሉ ዕላማ ስለ ዝኾነ ብንጥፈት እንጸምደሉ ቀዳምነት ኢዩ" ኢሉ።

"ስለዚ ከኣ ወጻኢ ካብ ዘመተታት ህዝባዊ ርክባትን ዜናዊ ምቅብባልን ንህልዉ ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቆት ንኽንፈልጦን ቀጻሊ ዉጥናት ክንነድፍን ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ነበግስ ኣሎና" ኢሉ።

ኮሚተ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወደግ ብ5 ሰነ ንትግባረ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስን ዉሳነ ኮምሽን ዶብን ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉ ተግባራዊ ንምግባር ከምዝወሰነ ምፍላጡ ዝዝከር ኢዩ።

መንግስቲ ኤርትራ በዚ ጉዳይ ወግዓዊ ምላሽ ከይሃበ እኳ እንተጸንሐ፡ ንመግለጺ ኮሚተ ፈጸዓሚት ስራሕ ኢህወደግ እወታዉን ከቐራርብ ዝኽእልን ምዃኑ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ብተለፎን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ ኔሩ እዩ።

ነዚ መግለፂ ፕረዚደንት ሀገረ ኤርትራ ስዒቡ ድማ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ መልእኽቲ ምስጋና ኣሕሊፉሎ።

ነቶም ካብ ኤርትራ ዝመፁ ልኡኻን ፅቡቕ ኣቀባብላ ከም ዝግበረሎም ድማ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ፍፁም ኣረጋ ኣብ ትዊተር ፅሒፉ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events