Basic

BBC.com: "ምስ ህዝቢ ትግራይ ይፋትሑ ከምዘለዉ ግልፂ ይኸውን'ሎ"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 17 June 2018

16 ጁን 2018
ህወሓት
Image copyrightTPLF/FB
ናይ ምስሊ መግለጺ
ህወሓት፡ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝብ ትግራይን ዘናፃፀሩ ምንቅስቓሳት ከምዝቃለሶም ኣፍሊጡ

ኢህወዴግ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሃዋህው 'ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት' ኢትዯ ኤርትራ ንከብቅዕ፡ እማመ ውዕል ኣልጀርስ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ምቕባሉ ስዒቡ ንብዙሓት ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ። ህወሓት ግን አከያይዳ እቲ ግንባር ኣይጠዓሞን።

ገዛኢ ውድብ ክልል ትግራይ ህወሓት፡ ኢህወዴግ ኣውፂእዎ ዝነበረ ውሳነ ከምዝቕበሎ ቅድም ኢሉ ገሊፁ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ትግራይ ካብ ዝተፈላለየ ሸነኽ ዝተፈላለዩ ተቓውሞታት ምብርተዖም ስዒቡ፡ ህፁፅ ጉባኤ ብምፅዋዕ ውሳነታት ንክኽልስን ኢህወዴግ ንኽነቅፍን ተገዲዱ እዩ።

እቲ ውድብ ዘውፅኦ በዓል ትሽዓተ ነጥቢ ውሳነ ድማ፡ ኣካትዓይ ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርኢቶ ይገልፁ።

ብፍላይ ድማ ጉዳይ ኢትዮ-ኤርትራን ስምምዕ ኣልጀርስን፣ ዝውውር ትካላት መንግስቲ ናብ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ምስ ዝርከቡ ሓይልታት ምስራሕን፣ ፃውዒት ቃልሲ ኣንፃር፡ ፀረ-ትግራይን ህወሓትን ዝንቀሳቐሱ አካላት ፡ እቲ ውድብ ካብ ሞንጎ ዘውፅኦም ትኹረት ዝሰሓቡ ጉዳያት እዮም።

ምሁር ፖለቲካል ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት መምህር ገብረጀወርግስ ተኽላይ፡ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕዚ'ውን ዝወሰኖ ውሳነ ፖለተካዊ ፅልዋ ከምዘለዎ ይዛረቡ፡ ሓድሽ ውሳነ ከምዘይኮነ ብምግላፅ።

"ኢህወዴግ እቲ ንዓሰርተ ሽድሽተ ዓመታት ዝፀንሐ ውሳነ ኣልጀርስ እዩ ከም ብሓድሽ ፡ ህዝቢ እንከየማኸረ ወሲኑ። ህወሓት እውን ኢህወዴግ ዝወሰኖ ውሳነ ህዝቢ እንከየማኸረ ምቕባሉ እቲ ናይ ኢህወዴግ ግጉይ ውሳነ እዩ ደጊምዎ " ይብሉ፡

ፈለማ እቲ ነዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎ ኣብ ዶብ ዝነብር ህዝቢ ከማኽር ከምዝነበሮ ብምሕባር።

"ዋላ እኳ ኢህወዴግ ህዝቢ እንከየማኸረ ብሃንደበት እንተወሰነ፡ ህወሓት ግና ምእንተ ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት ክብል ምስ ህዝቢ ክመያየጥ ነይርዎ። እዚ ብዘይ ምግባሩ እዩ ተቓውሞታት ዝቕፅል ዘሎ" ይብሉ።

ኣስፋው ገዳሙ
Image copyrightASFAW GEDAMU
ናይ ምስሊ መግለጺ
ኣስፋው ገዳሙ

ንጡፍ ማሕበራዊ መራኸብታት መንእሰይ ኣስፋው ገዳሙ እውን፡ ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ኣልጀርስ እቲ ውድብ ዝወሰኖ ውሳነ ድልየት ህዝቢ ትግራይ ዘየማእኸለ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ፡ እቲ ውድብ ህዝቢ ትፅቢት ካብ ዝገበሮ ወፃኢ ምውሳኑ ትኽክል ከምዘይኾነ ብምኹናን።

"መሰረት ህወሓት ህዝቢ ትግራይ እዩ። ስለዝኾነ ውሳነ እቲ ውድብ ብድሌት ህዝቢ ትግራይ ዝተቓነየ ክኸውን ምተገብአ። ህዝቢ ትግራይ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ነፂግዎ እንከሎ፡ ሓለፍቲ ህወሓት ናይ ህዝቢ ትግራይ ስምዒት፣ ድልየት ኣተሓሳስባን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ውሳነ ኢህወዴግ ክነፅግዎ ነይርዎም" ብምባል ይቃወም።

ጉዳይ ባድመን ኣልጀርስን ተቐቢልና ብፓኬጅ ኢና ንርእዮ ንዝብል ቅዋሙ እቲ ውድብ ፡ ብዝግባእ ግልፂ ኮይኑ መፃኢ ዕድል እቲ ማሕበረሰብ እንታይ ክኸውን ከምዝግባእ ምሕሳብ ከምዘድሊ ኣይተ ገብረጀወርግስ የተሓሳስቡ ።

"ባድመ ናብ ዋጋ ዕዳጋ እትቐርብ ኣይኮነትን" ኣማሓዳሪ ባድመ

ተቓውሞ ህዝቢ ኢሮብ፡ "ህልውናና ክቕፅል እንተኾይኑ ኣብ ክልተ ኣይንምቀልን"

"ምስ ህዝቢ ትግራይ ይፋትሑ ከምዘለዉ ዘርእይ እዩ"

ምሁር ፖለቲካል ሳይንስ ኣይተ ገብረጀወርግስ ኣካይዳን ውሳነን እቲ ውድብ'ውን ምዕሩይነት ከምዘይነበሮ ይገልፁ።

"ሕዚ ድሕሪ ምውሳኖም ድዮም ነቲ ማሕበረሰብ ከማኽርዎ?" እቶም መምህር፡ " እዚ ዝወለዶ ህዝቢ ሕዚ ብቁጠዐ ተቓውምኡ ብሰልፊ እናገለፀ እዩ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝረኣይ ዘሎ ናዕቢ ህዝቢ፡ ብሰላማዊ መንገዲ እንተዘይፈቲሖሞ ናብ ዘይተደለየ ጎንፅን ምቅርሓንን ክወስድ ይኽእል እዩ። ስለዝኾነ ድማ መንግስቲ ናብቲ ህዝቢ ወሪዱ ድሌት ህዝቢ ክርዳእ ይግባእ" ኢሎምና።

"ሓለፍቲ ህወሓት ህዝቢ እናተቓወመ እንከሎ ንብሕቶም እዮም ወሲኖም። ልዕሊ ህዝቢ ግና ክኾኑ ኣይኽእሉን። ህዝቢ እንተዘይተቐቢልዎ ዝፍፀም ነገር የለን።

መራሕቲ ህወሓት ግና ህዝቢ እንከየማኸርካ ምውሳን ልማዶም ስለዝኾነ፡ ሕዚ እውን 'እንታይ ከየምፅኡ' ኢሎም ንበይኖም ወሲኖም፡ እዚ ድማ ምስ ህዝቢ ትግራይ ይፋትሑ ከምዘለዉ ግልፂ ይኸውን ኣሎ።" ክብል ይሕብር ኣይተ ኣስፋው።

ኣባል ኣመራርሓ መድረኽን ኣቦ ወንበር ኦፌዴንን ዶክተር መራራ ጉዲና ድማ፡ እቲ ብህወሓት ዝተውሃበ መግለፂ፡ ካብ ኢህወዴግ ዝተወረሰ እንበር ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን ዝብል ርኢቶ ኣለዎም።

"ሕዚ ህወሓት ሂቡዎ ዘሎ መግለፂ፡ ኣብቲ ውድብ ቅልውላው ስለዘሎ፡ ብጭንቀት ዝተውሃበ እዩ 'ምበር፡ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን" ኢሎምና።

ዶክተር መረራ ጉዲና
Image copyrightAFP
ናይ ምስሊ መግለጺ
ዶክተር መረራ ጉዲና

ህወሓት ምስ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ሓይልታት ክሰርሕ ፃውዒት ምቕራቡ ድማ፡ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣጋጣሚ ብምባል ንብዙሓት ዘዘራበ ጉዳይ ኮይኑ እዩ።

ኣባል ስራሕ ፈፃሚት ውድብ ዓረና ትግራይ: ኣይተ ኪዳነ ኣመነ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ትግራይ ተመሊሶም ዝነበሩ ሕቶታት መንነት ሕዚ እቲ ውድብ ምስ ህዝቡ ብምውጋን መርገፂ ምሓዙ ብቀዳምነት ብእወንታዊ ለውጢ እዩ ዝርእዮ።

ካብዚ ብተፃራሪ፡ እቲ ውድብ "ኣብ ውሽጢን ደገን ምስ ዝርከቡ ሓይልታት ክሰርሕ" ምባሉ ግና ተግባራውነት ክህልዎ ኢሉ ኣይኣምንን።

"ህወሓት ትማሊ፡ ንሰለስተ ሓይልታት፡ ንኣጋኣዝያን፣ ዓረናን ሰብ ሕድርን ፀላእቲ ክብል ብግልፂ ዝኾነነ ውድብ እዩ። ሕዚ ከም ብሓድሽ ተነሲሁ፡ ምስዞም ውድባት ሓቢሩ ክሰርሕ እዩ ኢለ እኳ ኣይኣምንን" ይብል።

ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ውድብ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ብዘይምንባሩ ግና፡ ሕዚ ብመግለፂ ደረጃ ሓቢረ ክሰርሕ ምባሉ ከም እወንታ እዩ ዝርእዮ ኣይተ ኪዳነ።

ኣባል ስራሕ ፈፃሚት ውድብ ዓረና ትግራይ: ኣይተ ኪዳነ ኣመነ
Image copyrightKIDANE AMENE
ናይ ምስሊ መግለጺ
ኣባል ስራሕ ፈፃሚት ውድብ ዓረና ትግራይ: ኣይተ ኪዳነ ኣመነ

ዝውውር ትካላት መንግስቲ፡ ጠንቂ ድሕንነት ?

በዓል ሞያ ምጣነ ሃፍቲ መምህር ፅጋብ ሓጎስ፡ ምዝዋር ትካላት መንግስቲ ናብ ውልቀ ብዝምልከት፡ እኹል መፅናዕቲ ዘይተገበሮን ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ተባሂሉ ብጉያ ጉያ ዝተወሰነ ከምዝኾነ ብምግላፅ፡ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ፅልዋ ከስዕብ ከምዝኽእልን ጃምላዊ ውሳነ ክወሃብ ከምዘይግባእን እዮም ሞያዊ ርኢትኦም ዝህቡ።

"ትካላት ልምዓት ፕራይቫይታይዝ እንክበሃል ጃምላዊ ክኸውን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ሓደ ትካል ናይ ምፍራይ ወይ ድማ ውፅኢታውነቱ ትሑት እንተኾይኑ፡ ንምንታይ ዝብል ምኽንያት ክፅናዕ ይግባእ" ይብሉ፡

እቶም ሰብ ሃፍቲ እውን በየናይ ብርኪ ኣብታ ሃገር ክሳተፉ ከምዝግባእ፣ መንግስቲ ኣብ ቁፅፅር እንታይ ዓይነት ተሳትፎ ክህልዎ ከምዝግባእ ምንፃር ከምዘድሊ ብምሕባር።

መንግስቲ እታ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ጥራሕ ይርእይ ከምዘሎ ዝገልፁ ኣይተ ፅጋብ፡ እቶም ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ትርፎም ስለዝርእዩ፡ ከም መንግስቲ፡

ኣብ ኩለን ከባብታት እታ ሃገር ብመዓረ መሰረት ልምዓት ከባፅሑ ዘይምኽኣሎም እውን ንዜጋታት እታ ሃገር ዝጎድእ ከምዝኾነ ነጊሮምና።

"ከም ኣብነት ቀረብ መብራህቲ እንተወሲድና ካብ ሃገራት ወፃኢ ዝመፅኡ ሰብ ሃፍቲ ትርፍን ትርፍን ጥራሕ ስለዘስልሑ፡ ናብ ከባብታት ገጠር ከይዶም ክሰርሑ ኣይኽእሉን።

ካልኣይ ነገር ድማ፡ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ እውን ኣብዚ ብኸመይ ተሳትፎ ክህልዎም ይግባእ ዝብል ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ" ብምባል ሞያዊ ትንታንኦም የቐምጡ።

እቲ ውድብ ብፍላይ ድማ ሕዚ ኣብ ኣትራፋይነት ዝርከቡን መለለይ እታ ሃገር ዝኾኑ ትካላት ናብ ውልቀ ክዘዋወሩ ምውሳኑ ግቡእ ከምዘይኮነ እዮም ዝዛረቡ ኣይተ ፅጋብ፡ ከም ኣብነት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምልዓል።

"መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 'ፕራይቫይታይዝ' ክግበረሉ ዝኽእል መንገዲ ኣይኣምነሉን። ምኽንያቱ እዚ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ፅቡቕ ዝኾነ ዓቕምን ቴክኖሎጅን ኣለዎ። ብብርኪ ዓለም እውን ተቐባልነት ዝረኸበ መለለይ እታ ሃገርን ኣፍሪቃን እዩ።

ንሕዚ ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ተባሂሉ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ውልቀ ምዝውዋር፡ እቲ ትካል ብዘላቕነት ከምፅኦ ዝኽእል ሸርፊ ወፃኢ ምድኻም እዩ" ክብሉ የጠንቅቑ።

ህወሓትን መንእሰያትን- ከዲሕን ነጋሽን?


ኣይተ ገብረጀወርግስ እውን ብፍላይ ካብ ሃገራት ወፃኢ ዝመፅኡ ትካላት ብመንፅር ትርፊ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ኩነታት ፡ ስግኣት ድሕንነት እታ ሃገር ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝገልፁ።

"እቶም ዝመፅኡ ትካላት እኹል ቁፅፅር እንተድኣ ዘይካየደሎም ኮይኑ፡ ሉኣላውነትን ድሕንነትን እታ ሃገር ኢሉ እውን ናይቲ መንግስቲ ዓቕሚ ኣብ ሕቶ ከእቱ ዝኽእል ጉድኣት ክህልዎም ይኽእል"ኢሎም።

ንውሳነ እቲ ውድብ ስዒቡ ይካየዱ ዘለው ስልፍታት ተቓውሞ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ትግራይ ተርእዩ ናብ ዘይፈልጥ ናዕቢ ከምርሕ ከምዝኽእል ስግኣቶም የቐምጡ ኣይተ ኣስፋው።

እዚ ብህዝቢ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ከምቲ ንናይ ክልል ኦሮምያ ናዕቢ፡ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ምኽንያት ዝኾኖ፡ ውዕሊ ኣልጀርስ ተቐብልናዮ ዝብል ውሳነ'ውን፡ "ዕድመ ህወሓት ከሕፅር ዝኽእል ሓደገኛ ውሳነ" ከምዝኾነ ገሊፆም።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events