Date: Wednesday, 13 June 2018
• ብእዋን ቁልዕነትካ ክንጅምር ፕሮፌሰር። ኣበይን ብኸመይን ኢኻ ኣሕሊፍካዮ?
ብ1931 ኣብ ኣስመራ ኣብ ሹቕ ተወሊደ፤ ኣብ ዓመተይ ናብ ገዛ ከኒሻ መጺአ፡ ኣብ ገዛ ከኒሻ ዓብየ። ዕድመይ ምሉእ ኣብ ከተማ’የ ዓብየ። ገጠር ክንድቲ ኣይፈልጦን’የ። ሓደ እዋን ብፍሉይ ኵነታት ንገጠር ናብ ገረሚ ከይደ ኣለኹ፡ እንግሊዝ ናብ ኣስመራ ቅድሚ ምእታዎም፡ ብ1941 ሮያል ኣየር ፎርስ ንኣስመራ ብቦምባ ክድብድብዋ ጀሚሮም ነይሮም። ኣብ ከረን ኵናት እናተኻየደ፡ ናብ ፎሮቭያ ዒላማ ገይሮም ዝተኰስዎ ቦምባ ኣብ’ዚ ካንሸሎና ክዓልብ ጀሚሩ። ወለደይ ቈልዑ ሒዝካ ኣብዚ ኣየዋጽእን እዩ ኢሎም ናብ ገረሚ ሒዞምና ከይዶም፤ ኣብ ገረሚ ሓንቲ ዓመት ጸኒሐ። እዚኣ ኣብ ሂወተይ ዓብዪ ጽልዋ ገይራ እያ፤ ብዛዕባ ናብራ ገጠር ምጡን ፍልጠት ክህልወኒ ዝገበረት ስለዝኾነት፡ ኣብ ሂወተይ ፍሉይ ተዘክሮ እዩ ዘለዋ።
• ገለ ኻብኡ …
ኣብ ከተማ ጸኒሕካ ወዲ ገጠር ክትከውን ኩሉ ነገር ይቕየረካ እዩ። ኣብ ደምበ ዱዅዒ ኣሎ፡ ጉድጉዶ ኣሎ፡ በረኻ ምውፋር ኣሎ፡ ዕንጨይቲ ምእራይ ኣሎ፡ ሓምሊ ምሕማል ኣሎ፡ ኣዴታት ንቐልቀል ከብቲ ብኢደን እናቘምጥዓ ምጕድጓድ ኣሎ፡ ቁንጪ ኣሎ፡ ቁርዲድ ኣሎ ኩሉ ናብራ ገጠር ፍሉይ ስምዒታት ክፈጥረለይ እዝከረኒ። እታ ዓመት እቲኣ ንዓይ ወሳኒት እያ ነይራ ኣብ ሂወተይ። ናብ ኣንትሮፖሎጂ ገጸይ ንኽዘዙ ዝገበረኒ’ውን እቲ ናይ ገጠር ፍቕሪ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ንሳ እንተዘይትነብር፡ ብዛዕባ ናብራ ገጠር ኣፍልጦ ክህልወኒ ኣይምኸኣለን። ንእግረ መገደይ ነዞም ኣብ ከተማ ተወሊዶም ኣብ ከተማ ዝዓበዩ መንእሰያት፡ ብዙሕ ይጎድሎም ምዃኑ ፈሊጦም ካብ ከተማ ውጽእ ኢሎም ናብራ ገጠር ክርእዩን ከስተማቕሩን ኣገዳሲ ምዃኑ ከዘኻኽሮም እደሊ።
• ናይ እዋን ቁልዕነት ባህግኻ
ሙዚቀኛ ክኸውን እብህግ ነይረ። ኣብ ዘበን ጥልያን’ዩ እንግሊዝ ከይኣተዉ እንከለዉ፡ ኣብ ናይ ጣልያን ቤት ትምህርቲ እናኸድኩ ቫዮሊን እመሃር ነይረ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ጥቓ ሲነማ ኦድዮን ኣብ ዝነበረት ሓንቲ ጽብቕቲ ቪላ እዩ ዝወሃብ ነይሩ። ሽዑ ናይ ፋሺሽት ዘበን’ዩ ነይሩ፡ ኣብ ናይ ፋሺስት ዘበን ድማ ኤርትራውያን ምስ ጥልያን ክሕወሱ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ሓቢርካ ኮፍ ምባል፡ ሓቢርካ ምስታይ፡ ሓቢርካ ምብላዕ፡ ሓቢርካ ምምሃርን ምዝናጋዕን ኣይነበረን። ንዓይ ወለደይ ከፊሎም ኣእትዮምኒ፡ ተጻጊመ ብጥበብ ተማሂረ።
• ከመይ?
ከምቲ ዝበልኩኻ’ዩ፡ ምስ ፈረንጂ ኮፍ ኢልካ ክትመሃር ዝከኣል ኣይነበረን ሽዑ። መምህራን ናይ’ቲ ቤት ትምህርቲ፡ እንታይ ኢሎምኒ መስለካ፥ “እዚ ዘሎ ኵነታት ንስኻ ኣብዚ ክትመሃር ኣየፍቅደልካን እዩ። ንስለ ሓያል ተገዳስነትካ ግና ተጣቢብና ከም ትመሃር ክንገብር ኢና። ሕጂ እንታይ ትገብር መስልካ፡ ናይ ደገ ኣጋይሽ እንተመጺኦም፡ ከምዛ ዘይበልናካ ብድድ ኢልካ ከተጸራሪ ጀምር” ኢሎምኒ። ክቱር ባህጊ ስለዝነበረኒ፡ ተሰማሚዐሉ። ረሳሕ ጨርቂ ነይራትኒ ምስ’ታ ቫዮሊን ኣሲረ ዘቐምጣ፡ Pretend ንምግባር’ዩ፤ ሰራሕተኛ ጽርየት ተመሲለ ትምህርተይ ቀጺለ። ንሸሞንተ ዓመት ቫዮሊን ተማሂረ።
• እሞ ሰሪሕካላ’ዶ?
እወ። ኣብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ምሉእ ጉጅለ ኦርኬስትራ ነይሩ’ዩ፡ ኣነ’ውን ቫዮሊነይ ሒዘ ኣባል እታ ጉጅለ ክኸውን በቒዐ። ብኹሉ መሳርሒታት ሙዚቃ ዝተወሃሃደ ኮንሰርት ንገብር ኔርና። ናይ ነንበይኑ ክእለት መሳርሒታት ሙዚቃ ዝነበረና ከባቢ 15 ሰባት ንኸውን ኔርና ሽዑ።
• ጸወታታት እዋን ቁልዕነት
እዋን ቁልዕነተይ ኣብዚ ኣብ ገዛ ከኒሻ እየ ኣሕሊፈዮ። ሽዑ እዝከረኒ፡ ኩዕሶ ቀንዲ ጸወታና እዩ ነይሩ። ዋላ ማይ እናሃረመ ኣይንገድፋን ኢና ኔርና። ኩዕሶ እንተረኺብና ግርም፡ ኣይረኸብናን ከኣ ባዕልና ኣጭርቕቲ ጌርና ዋላ ኻልሲ ጠቕሊልና ኢና ንጻወት ኔርና። ካልእ ምሕንባስ ከኣ እፈቱ ነይረ፡ ኣብ ቤት ገርግሽ ሽዑ ሓንቲ ቀላይ ነይራ፡ ማይ ክሃርም ከሎ ግጥም ኢላ’ያ ትመልእ፡ ናብኣ ኬድና ምሕንባስ ንመሃርን ንሕንብስን ኔርና። ግና ዝበዝሐ ግዜና ኣብ ትምህርቲ ኢና ነሕልፎ ኔርና፡ ሽዑ ትምህርቲ ኣዝዩ ሓያል እዩ ነይሩ። ንጸወታ ኣዝዩ ውሱን ግዜ ኢና ንህቦ ኔርና።
• ኵነታት ትምህርቲ
ክሳዕ 6ይ ክፍሊ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ገዛ ከኒሻ ተማሂረ። ሽዑ ኣብ ኤርትራ ንዜጋታት ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ጥራሕ እዩ ዝፍቀድ ነይሩ። ልዕሊኡ ምቕጻል ዝከኣል ኣይነበረን። ልዕሊኡ ክምህር ወይ ክመሃር ዝተረኽበ ከም ገበነኛ እዩ ዝቑጸር ነይሩ። ልዕሊኡ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ክፍሊ ክምህር ዝተረኽበ ሓደ ኤርትራዊ ካህን ብኸቢድ ክእሰር እዝክር። መምህር ኢሳቕ’ዮም ድሕሪ ገለ ዓመታት ብኽንደይ ሓይሊ ክልተ ክፍሊ ወሲኾምልና። እቲ ልዕሊ ራብዓይ ክፍሊ ምምሃር ብኣና’ዩ ተጀሚሩ፡ ኣብ ወንጌላዊት።
• ኣብ ናይ መባእታ ብፍሉይ ትዝክሮም መምህራንካ
– ኣያ ወልደኣብ ወልደማርያምን መስፍን ገብረሂወትን እዮም ነይሮም። (ኣብ ተሌፎን መስፍን ገብረሂወት’የ ምስ በልካኒ፡ ድሕሪት ኢኻ መሊስካኒ፡ ንዘኽብሮ መምህረይ ኣዘኻኺርካኒ)
• ተዘክሮኻ ኣብ ኣመሃህራ ናይ ሽዑ
ኣዝዩ ፍሉይ እዩ ነይሩ፡ከም ትፈልጦ ኣያ ወልደኣብ ወልደማርያም ፍሉይ ሰብ’ዩ። ኣብቲ እዋን መጽሓፍ ኣይነበረን፡ ምኩራት መምህራን ኣይነበሩን፡ ባዕሉ ኣያ ወልደኣብ ብዝመሃዞ ገይሩ እዩ ዝምህረና ነይሩ። ክሓስብ፡ ክምህዝን ክበላሓትን ከይደቀሰ’ዩ ዝሓድር ነይሩ። ንሱ ምሂዙ ብዘዳለዎ ገይሩ እዩ ዝምህረና ነይሩ። ናይ ጆግራፍ፡ ናይ ማተማቲክስ፡ ናይ ሳይንስ ቃላት እናመሃዘ፡ ብመልክዕ መጽሓፍ እናሕተመ ይምህረና ነይሩ። እዚ ሕጂ ንሕና ከም ልሙድ ጌርና ንጥቀመሉ ዘሎና ቃላት መብዛሕትኡ ንሱ ዝመሃዞ እዩ። ሓያል፡ መሃዛይ፡ ተመራማራይ መምህር እዩ ነይሩ።
• ኣቦይ ወልደኣብከ ኣበይ እዩ ተማሂሩ?
ንሱ’ውን ኣብ ወንጌላዊት ገዛ ከኒሻ እዩ ተማሂሩ፡ እታ ቤት ትምህርቲ ክትምስረት ከላ፡ ብንእስነቱ ኣብዚ ተማሂሩ፡ ሽዑ በዓል ኣባሓጎይ ቀሺ ዘራጽዮን (እዚ ኣብ ስእሊ ትርእዮ ዘለኻ) ካብ’ቶም ቀንዲ መስረት’ቲ ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን እዮም ነይሮም። ገና ትምህርቲ ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ፡ ኣብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክምህሩ ጀሚሮም። ሽዑ ቀዳማይ ክፍሊ ፍርቁ ናይ ኢደ ስራሓት፡ ፍርቁ ድማ ናይ ፊደላት ትግርኛን ጣልያንን ትምህርቲ እዩ ዘጠቓልል ነይሩ። ከምኡ እናበሉ በዓል ኣያ ወልደኣብ ብሓይሎም ብጽፍሮም ዝተማህሩ ሰባት’ዮም ነይሮም። ኣብ 2ይ ደረጃ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርስቲ ዝተማህሩ ኣይኮኑን ነይሮም። ኣያ ወልደኣብ ኣዝዩ ምሁር፡ ኣዝዩ ፈላጥ እዩ ነይሩ፡ ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍቲ እዩ ዘንብብ ነይሩ። ቋንቋ ጥልያን ይመልኽ ስለዝነበረ፡ መብዛሕትኡ ዘንብቦ ዝነበረ መጻሕፍቲ ናይ ጥልያን እዩ ነይሩ። ምስ ኣቦይ ብዙሕ ምዝሕዝነት’ዩ ነይርዎም። ኣዝዮም ዝቀራረቡ እዮም ነይሮም፡ ሽዑ ንሱ እስካቡሊ እዩ ነይሩ፡ ምህር ውዒሉ ምሳሕ ክደሊ ኸሎ ኣብዚ ገዛና ኣላጊሱ፡ ይምሳሕ ነይሩ፡ ኣብዚ ኮፍ ኢሎምከኣምስበዓልኣቦይቸዝ ይጻወቱ፡ ወይ ናይ ፖለቲካ ጉዳይ ኣልዒሎም ይካትዑ ነይሮም።
• ይሰማምዑ ነይሮምዶ? (ኣብቲ ናይ ፖለቲካ ማለተይ እዩ)
እ… ኣብ ናይ ፖለቲካ ኣተሓሳስባኦም ፍልልይ ነይርዎም እዩ፡ ናይ ኣያ ወልደኣብ ኣተሓሳስባ ካብ ቅድሙ ንጹር እዩ ነይሩ፤ ኩሉሳዕ ንሓርነት ኤርትራ እዩ ዝድግፍ ነይሩ። ቀዲሙ’ዩ ነቒሑ። በዓለ’ቦይ ምስ ናይ ኢትዮጵያ Unionist Move- ment እዮም ዝሓብሩ ነይሮም። ግና ንዕርክነቶም ይትንክፎ ኣይነበረን።
• ኣብ ትምህርትኻን ኣካይዳኻን ፍሉይ ጽልዋ ዝገበሩልካ ሰባት . . .
ኣያ ወልደኣብ ወልደማርያም ብቐዳምነት ክጠቕሶ እደሊ። ኣብ ኣተሓሳስባይ ኣዝዩ ጸልዩኒ እዩ። ቀሺ ዘርኣጽዮን ሙሴ ድማ ብተመሳሳሊ ካብ’ቶም ዝጸለዉኒ እዩ። ቀሺ ዘራጽዮን ካብቶም ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ዝመስረተ ኾይኑ ብዙሕ ስቓይ ዝረኣየ እዩ።
• ከመይ?
ኣብዚ ኣሉላ እዩ ነይሩ ሽዑ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኸኣ ሃጸይ ዮሃንስ። ከሓዲ ተባሂሉ ክሳብ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎ ነይሩ። ብደብረቢዘንን ደብረ ዳሞ ናይ ኢትዮጵያን መጽሓፍ ቅዱስ ብናይ በዓለገ ቋንቋ ምሂሩ ተባሂሉ፡ ንናይ መወዳእታ ፍርዲ ናብ ሃጸይ ዮሃንስ ቀሪቡ። ሃጸይ ዮሃንስ፡ “ኣየናይ እዩ እቲ ናይ በዓለገ ቋንቋ ትብልዎ ዘለኹም?” ኢሉ ምስ ሓተተ፡ “ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ፡ ትግረ …” በልዎም። “ዋእ! ነቲ ቋንቋናስ ናይ በዓለገ! በሉ ርእየልኩም ኣለኹ” ኢሉ ናጻ ለቒቕዎ። ድሕሪኡ ናብ ዓዲ ምስተመልሰ’ውን ቅሳነት ኣይረኸበን። ብግእዝ ዘይመሃርካ ተባሂሉ ክንደይ ኩነኔን ወቐሳታትን ምስ በዝሖ፡ ናብ ባጽዕ፡ ናብ ግዝኣት ቱርኪ ተሰዲዱ። ሽዑ ዘበን ናብ ባጽዕ ምስጋር፡ ግዝኣት ትቕይር ስለዘሎኻ ከም ዓዲ ምቕያር እዩ ዝሕሰብ ነይሩ።
ቀሺ ዘርኣጽዮን ሙሴ ብተወሳኺ ንሕጊ ካርነሽም ብኢዱ ብምጽሓፍ ከም ዝስነድ ዝገበረ’ዩ። ተሓዝ ደብተር ከኣ ንሱ’ዩ ነይሩ።
ክገርመካ፡ ዕንቅፍቲ ገጢሙኒ’ዩ እምበሪ፡ ንሕጊታት እንዳባ ናይ ፒኤችዲ ምርምር ከካይደሉ እዩ ነይሩ ዕላማይ።
• ክንምለሶ ኢና ፕሮፌሰር። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ነገር ካብ ኣልዓልካ፡ ንኣተረጓጉማኡ ዝምልከት ከመይ እዩ ነይሩ?
ትግርኛ፡ ትግረ፡ ኩናማ፡ ኦሮሞ ኣብዚ ኣብ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን እዩ ተተርጕሙን ከም መወከሲ ክስበኸሉ ጀሚሩን። ቅድሚኡ ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ተተርጕሙ፡ ብኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ስለእተነጽገ ግዳ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ኣይወዓለን ነይሩ። ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብግእዝ እንተዘይኮይኑ፡ ብኻልእ ቋንቋ ክለዓል ቅቡል ኣይነበረን።
• ናይ ኦሮሞ ደኣ ብኸመይ?
ይገርመካ’ዩ! ሓሙሽተ ነኣሽቱ ደቂ ኦሮሞ መንእሰያት፡ ንባርነት ተሸይጦም፡ ብባጽዕ ክወጹ ክብሉ፡ ሽዑ ናይ ቱርኪ ገዛኢ ዝነበረ ሙንዚዛድ ፓሻ፡ ርእይዎም። ንእስነቶምን ምንቅስቓሶምን ርእዩ፡ ኣብ ዓይኑ ስለዝሓደሩ፡ ጸዊዕዎም። “ካበይ መጺእኩም?” “ካብ ኦሮሞ” ምስ በልዎ፡ ካብ’ቶም ባሮት ዝሸጡ ዓዲጉ፡ ኣትሪፉ፡ ንበዓል ኣቦይ ቀሺ ዘርኣጽዮን ኣረኪብዎም። ንሳቶም ምሂሮም፡ ኣሰልጢኖም፡ ክሳዕ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትርጓም ኣብጺሐሞም። ስለዚ ናይ ኦሮሞ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ኣብ ወንጌላዌት ቤተክርስትያን እዩ ተተርጕሙ። ኣብ ጥቓ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ሓንቲ ንእሽቶ ኣጕዶ ኣላ፡ ኣብኣ ኮይኖም እዮም ተርጕሞማ። እታ ኣጕዶ ታሪኻዊት ስለዝኾነት፡ ክሳዕ ሕጂ ተዓቂባ ኣላ። ንህዝቢ ኦሮሞ ኣዝዩ ዓቢ ታሪኽ እዩ እዚ። እቲ ናይ ፕሮቴስታንት ሃይሞኖት’ውን እንተኾነ በዚ ኣቢሉ’ዩ ኣብቲ ሕብረተሰብ ተኣታትዩ። ኣብዚ እዋን ልዕሊ 5 ሚልዮን ኣመንቲ በጺሖም ኣለዉ።
• ኣብ እዋን ንእስነትካ ዝነበረካ ፖለቲካዊ ንቕሓት ከመይ ነይሩ?
ኣያ ወልደኣብ ኣዝዩ ሃገራዊ እዩ ነይሩ። ምንቅስቓስ ከይጀመረ ከሎ ኣትሒዙ፡ ብታሪኽ ዝበሰለ እዩ ነይሩ። ንኤርትራ ክጎብጥዋ ዝደልዩ መነመን ምዃኖም፡ ብመልክዕ ጽውጽዋይ ገይሩ ይነግረና ነይሩ። ኣብ ጋዜጣታት እውን ኣነቓቓሕቲ ዓናቅጽ ይጽሕፍ ነይሩ። ንሕና ኸኣ ምንባብ ኣይንሓምቕን ኔርና። ደሓር ምምህርና ሓዲጉ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኤርትራ ምስ ኮነ ኸኣ’ሞ፡ ኤርትራ ሓራ ክትከውን ኣለዋ፡ ኤርትራ ነብሳ ክትገዝእ ኣለዋ እናበለ’ዩ ዝጽሕፍን ዘነቓቕሕን ነይሩ። ሽዑ ብዛዕባ ሓርነት ከመይ ገይሩ ሓሳብ ይመጸሉ ነይሩ፡ ይገርመካ’ዩ። ምኽንያቱ በቲ ሽዑ ግዜ፡ ናይ ሓርነት ኣተሓሳስባ ኣብ ኣፍሪቃስ ይትረፍ ኣብ ዓለም’ውን ኣይነበረን። ካብ ግዝኣት (colonial) ናይ ምውጻእ ተሞኩሮ ጨሪሱ ኣይነበረን። ድሕሪ ክንደይ ቃልሲ ህንዲ ካብ እንግሊዝ ሓራ ምስ ወጸት እዩ ኸማን ብዛዕባ ሓርነት ንቕሓት ከስፋሕፍሕ ጀሚሩ። ኣያ ወልደኣብ ብመሰረቱ መራሒኦም እዩ ኔሩ።
ኢትዮጵያ ክቐትልዎ ዘይፈተንዎ ኣይነበረን። ኣብዚ ምሳና ክቕመጥ ከሎ 7 ግዜ ፈተነ ቅትለት ጌሮምሉ። ሓደ ግዜ ዓባይና ብዓይና ዝረኣየቶ ቦምባ ኣብ ገዝኡ ደርቢዮምሉ። ንሕና ኩሉ ንፈልጥ ኔርና። ኣያ ወልደኣብ ተቓላሳይ ከም ዝኾነ፡ መሪሕ ከም ዝኾነ፡ ዝሓሰባ ከም ዘይገድፍ፡ ብሓፈሻ ኩሉ ሂወቱ ብዕምቈት እከታተሎ ኔረ። ኣይሰለጠንን’ምበር፡ ታሪኽ ህይወቱ ክጽሕፍ ፈታቲነ ኔረ። ኣደይ ኣብ ዓደ ኣምሓራ ብስደት ከይዳ ከላ ኣያ ወልደኣብ ካብ ካይሮ ፈነወ ሬድዮ ይዝርግሕ ነይሩ። ፕረዚደንት ግብጺ ዝነበረ ጀማል ዓብደል ናስር ብስርዓት ተቐቢሉ፡ ፕሮግራም ሬድዮ ክገብር ኣፍቂድሉ። እቲ ፕሮግራም ሬድዮ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ይቃላሕ ኔሩ። ሽዑ ኣደይ ብኽልተ ሬድዮ ትሰምዓ ኔራ ነታ ፕሮግራም። እታ ቀዳመይቲ ተፈሸለታ በታ ካልአይቲ ትሰምዕ ኔራ። ኣብ ኣፍደገ ሓላዊ ገይራ እያ ትሰምዓ ኔራ።
ኣደይ ሓያል ስምዒት ሃገር ነይርዋ። ኣነ’ውን ከምኡ። እቲ ጸገም ኣነ መገዲ ቐይረ። ካብ ናይ ኤርትራ ምርምር ናብ ናይ ኦሮሞ ምርምር ከይደ፡ ክሳብ 1984 ድማ ዋላሓንቲ ርክብ ኣይነበረንን ምስ ኤርትራ ይኹን ምስ ህዝባዊ ግንባር።
• እቲ ንቕሓት ከኣ ደኣ’ሞ?
ኣይተንቀሳቐስናሉን። ሳላ ኣያ ወልደኣብ፡ ኣብ ንቕሓት መጺእካ ቅድሚ ሰብና ኢና ሰጕምና ኔርና። ከምቲ ቀዲምና ዝረኸብናዮ ዕድል ናይ ንቕሓት፡ በቲ ግዜ’ቲ ተንቀሳቒስናሉ ኔርና እንተንኸውን፡ ቀዲምና ሓራ ምኾንና ኔርና፤ እቲ ኹሉ ንሓርነት ዝተኸፍለ ዋጋ ኸኣ ኣዝዩ ምነከየ ነይሩ።
• ናብ ትምህርቲ ንስገር፡ ሻድሻይ ክፍሊ ምስ ወዳእካኸ?
ኣብ ሻብዓይ ክፍሊ ካልእ ኣማራጺ ስለዘይነበረ፡ ምስ ብጾተይ ናብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ከይደ።
• ከመይ ረኺብካያ’ሞ ኣዲስ ኣበባ
ኣስመራ ጸኒሕካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትከይድ ፍጹም ዘራኽብ ኣይነበሮን ሽዑ። ናብ ገጠር ዝኣተኹ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣብ ማእከል ከተማ ቁንጣሮ ህንጻታት ነይረን። ዝበዝሐ ግና ከም ናይ ገጠር’ዩ ነይሩ።
• ንቐጽል
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተፈሪ መኰነን ኣቲና። ናይ ንጉስ ሃይለስላሴ ቤት ትምህርቲ እዩ። ነታ ቤት ትምህርቲ ጃንሆይ ብፍሉይ ይከታተላ ነይሩ። ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ብኣካል ናብታ ቤት ትምህርቲ እናመጸ፡ መን ተዓዊቱ መን ኣይተዓወተን ኮሊሉ ይርእየናን ይከታተለናን ነይሩ። መምህራንና ካናዳውያን እዮም ነይሮም። ሽዑ ቀልጢፍና እንግሊዝ ቈርጠምጠም ክንብልን ክንመልኮን ጀሚርና። 12 ክፍሊ ክንውድእ ከሎና እንግሊዝ ምሉእ ብምሉእ መሊኽና ኢና ወጺእና። እቲ ቤት ትምህርቲ ብኹሉ መሳርሒታት ዝዓጠቐ እዩ ነይሩ። ናቱ ናይ ጃንሆይ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ስለዝነበረ፡ ኩሉ መሳርሒታት ምርምር ነይርዎ። ሻብዓይ ክፍሊ ኮይነ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክኣቱ ከለኹ፡ ምስ’ቶም ቀዳሞት ተመሃሮ ሻብዓይ ክፍሊ እየ ነይረ፡ ቅድሚኡ ሻብዓይ ክፍሊ ኣይነበረን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ። ክሳዕ ንምረቕ ምስ’ቶም ቀዳሞት ኮይነ እየ ወዲአ።
• ናብ ጉዳይ ቫዮሊን ክመልሰካ። ንትምህርቲ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ከድካ፡ ተማሊእካያዶ?
እወ፡ ቫዮሊነይ ሓቝፈ’የ ከይደ ናብ ኣዲስ ኣበባ። ሽዑ ቫዮሊን ማለት ብርቂ ነገር’ያ ነይራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ። ርእዮማን ሰሚዖማን ኣይፈልጡን እዮም። ናይ ሽዑ መምህራንና፡ ካብ ካናዳ ዝመጹ፡ ኣመንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እዮም ነይሮም። “እንታይ እያ እዛ ሒዝካያ ዘሎኻ?” ኢሎምኒ፡ “ቫዮሊን ትበሃል” “ትኽእላ ዲኻ?” “ዘይክእላ ደኣ፡ ንምንታይ ተሸኪመያ መጺአ እዚ ኹሉ መገዲ” ኢለዮም። “እምበኣረይ ክትፍትን ኢኻ” ኢሎምኒ። ሓንቲ ኣርመናዊት መምህር፡ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ክትከፍት ፋሕተርተር ትብል ኣላ’ሞ ከነራኽበኩም ኢሎም ኣራኺቦምና። ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ንዓይን ንዕኣን ኮንሰርት ከትገብሩ ኢኹም ኢሎምና፡ ጌርና። ሽዑ ንሳ ዝገበረት ጌራ ብኖታ ጽሒፋ፡ ሓንቲ ናይ ኣምሓርኛ ደርፊ ኣእትያትላ እምበር ኩሉ ናይ ፈረንጂ እዩ ነይሩ። ክላሲካል ሙዚቃ እዩ። ጃንሆይ ባዕሉ ኣብቲ ኮንሰርት ተዓዲሙ፡ መጺኡ ነይሩ። ብሕልፊ ነታ ናይ ኣምሓርኛ ደርፊ ብቫዮሊን ጽቡቕ ገይረ ምስ ተጻወትኩዋ ኣዝዩ ተሓጕሱ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ፡ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ኦርኬስትራ ኣይነበረን። እታ ኣነ ሒዘያ ዝኣተኹ ቫዮሊን፡ ኣብቲ ሃገር ፋልመይቲ መሳርሒት ዘበናዊ ሙዚቃ እያ ነይራ።
• ብዝሒ ኤርትራውያን ተመሃሮ ከመይ ነይሩ?
ብቐጥታ ካብ ኤርትራን ካብ ክፍለሃገራት ኢትዮጵያን ተደማሚሩ፡ ኤርትራውያን ዝበዛሕና ኢና ኔርና። ይዝርከረኒ ሽዑ ምብዛሕ ኤርትራውያን ኣብ ገለ ኣምሓሩ ስክፍታ ስለዝፈጠረ፡ እዞም ሰባት ይዕብሉልና ኣለዉ፡ ክወሩና’ዮም፡ገለስ ክግበር ኣለዎ ኢሎም ላዕልን ታሕትን ክብሉ እዝከረኒ። ብኮታ ከም ዝእቶ ምግባር ከም መፍትሒ ሓሳብ ቀሪቡ፡ ክስረሓሉ ጀሚሩ ነይሩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ጸላዊ ንኪኸውን ብዙሕ ተሰሪሕሉ እዩ። ካብ ዩጋንዳ፡ ኬንያ፡ ዛምብያ፡ ሩዋንዳ ወዘተ መጺኦም ምሳና ይመሃሩ ነይሮም። ካባና’ውን ናብ ካልኦት ኣፍሪቃ ዝኸዱ ነይሮም። ብሓፈሻ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ እዩ። ክሳብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክኸውን ጽልዋ ዝገበረ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ።
• ንቐጽል ሕራይ (ኣብ ትምህርቲ ኢና ዘሎና)
2ይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተፈሪ መኮንን (ኣዲስ ኣበባ) እየ ወዲአ። ካብኡ ብቐጥታ ናብ ዩጋንዳ ብምኻድ ኣብ ኮለጅ መከረ ሓደ ዓመት ምስተመሃርኩ፡ ኣብቲ ኮለጅ ኣብ ሞንጎ ተመሃሮን መምህራንን ናዕቢ ስለእተላዕለ፡ ኣነ ድማ ሓደ ካብቶም ወደብቲ ናይ’ቲ ናዕቢ ስለዝነበርኩ፡ ኣይቀጸልክዎን። ቀልጢፈ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሰ።
• እንታይ ዘናዕብ ተረኺቡ?
ንካሪክለም ናይቲ ኮለጅ ዝምልከት’ዩ ነይሩ። ኩሉ እቲ ትምህርቲ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ተቓንዩ ክቐርብ ስለዝጀመረ፡ ኩሉ ተመሃራይ ኣይተቐበሎን። Poletical Science ክትመሃር ኣይትኽእልን ኢኻ። ታሪኽ ብኻልእ ተቓንዩ እዩ። ኮታስ ጸገም ኮይኑ። ሽዑ ይዝከረኒ፡ ኣነ ዝጸሓፍክዋ ጽሕፍቲ ኣብታ ዝበዝሐ ዝርጋሐ ዝነበራ ጋዜጣ ወጺኣ ነውጺ ፈጢራ። “Mekere at a stand still!” ብዝብል ኣርእስቲ ዘዳለኽዋ’ያ። ባዕሉ ፕረዚደንት፡ ኮለጅ ከም እተዓጽወ በታ ኣብ ጋዜጣ ዝወጸት ጽሕፍተይ ስለዝፈለጠ፡ ተቘጢዑ፡ ንኹላትና ካብቲ ኮለጅ ሰጕግና።
• እንታይ ደኣ ገበርካ?
ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሰ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮለጅ ኣዲስ ኣበባ ኣትየ። ሓድሽ ኮለጅ እዩ ነይሩ ሽዑ። ኣብኡ “Education” እዩ ነይሩ ቀንዲ ትምህርተይ። ኣብቲ ኮለጅ ጽቡቕ ስለዝኸድኩ፡ ምስ ሓሙሽተ ብጾተይ ናብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ (ሕ.መ.ኣ.) ተላኢኽና። በይነይ እየ ነይረ ኤርትራዊ፡ እቶም ካልኦት ኢትዮጵያውያን እዮም ነይሮም።
• ኵነታት ትምህርቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ
ንሱ ኸኣ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰፊሕ ታሪኽ’ዩ ዘለዎ። ኣብኡ “ኣንትሮፖሎጂ” እየ ተማሂረ። ኣንትሮፖሎጂ ብዛዕባ ባህሪ፡ ባህሊን ታሪኽን ደቂሰብ ዘጽንዕ ትምህርቲ እዩ። ሽዑ ንፒኤችዲ ቀሪበ።
“ናይ ምንታይ ምርምር ክትገብር ትደሊ?” ሓቲቶምኒ። ዓደይ ከይደ ናይ ሕጊ እንዳባ ምርምር ክገብር ከም ዝደሊ ነጊረዮም። ምኽንያቱ ብዛዕባ’ዚ ካብ ኣቦሓጎይ ወሪሰ ስለዝኾንኩ፡ ብዘይ ጸገም ክሰልጠኒ ዝኽእል ምዃኑ ፈሊጠ’ለኹ። ሕጊ እንዳባ ናይ ቀደም ባህላዊ ስርዓት ምዃኑ፡ ካብ 300 ክሳዕ 500 ዓመት ዝገበረ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ታሪኽ ከም ዘለዎ ነጊረዮም። ተቐቢሎምኒ። ዘድሊ መሳለጥያን ገንዘብን ሂቦም ሰዲዶምኒ። ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰ፡ ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከይደ፡ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ሕጊታት እንዳባ ምርምር ከካይድ ተመዊለ ከም ዝመጻእኩ ነጊረዮም። እቲ ግዜ ብ1961፡ ተ.ሓ.ኤ. ምንቅስቓስ ጀሚሮም ዝነበርሉ እዋን’ዩ ነይሩ። “ኣብዚ ዘለናዮ ሓደገኛ ኵነታት፡ ኤርትራዊ ንኤርትራ ኸይዱ ምርምር ክገብር ብምንም ተኣምር ኣይንፈቅድን ኢና” ኢሎም ኣቕቢጾምኒ።
እሞኸ ደኣ!?
ካልእ ክሓስብ ግድን ኮይኑ። ብዛዕባ ባህልን ታሪኽን ብሄራት ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ባህርዪን ባህልን ዓደ’ምሓራ ብዙሕ ኣይስሕበንን እዩ። ብዛዕባ ኦሮሞ ግና ናይ ቅድም ሓበሬታ ጸኒሑኒ ስለዝኾነ፡ ብተገዳስነት ክሓስበሉ ጀሚረ። ኣብ ባህልን ባህርዪ እውን ካብ ናይ ኣምሓራ ፍልይ ዝበለን ዝሓሸን ኮይኑ ተራእዩኒ። ኣርእስቲ ምርምረይ ክቕይር፡ ናብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ተመሊሰ። ኣብኡ ላይብረርያን ቤተመጻሕፍቲ ናይ’ቲ ዩኒቨርስቲ፡ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝመጻእኩ ፈሊጣ፡ “ሃርቫርድ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘሕተሞ መጽሓፍ ከም ዘሎ ትፈልጥ ዲኻ?” ክትብል ሓቲታትኒ። “ኣይፈልጥን”። ካብ ኣኻብሕ ናይቲ ቤት ንባብ ሓደ መጽሓፍ ኣውጺኣ ሂባትኒ። “The folk literature of Galla” ዝብል ኮይኑ፡ ቼሩሊ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ዝጸሓፋ’ያ ነይራ። ገዛ ወሲደ ኣንቢበያ። ኣዝያ መሲጣትኒ። ቼሩሊ ብዛዕባ ስርዓት ኦሮሞ ብሕልፊ ድማ ብዛዕባ ገዳ ብዙሕ ተጨኒቑ ከም ዝነበረ ኣብ ጽሑፉ ይረኣየካ። ኦሮሞ ባህሊ የብሎም፡ ስርዓት የብሎም፡ ንግስነት የብሎም ዝብል ዘረባ ምስ ሰምዐ፤ ከመይ ኢሉ ከምኡ ይኸውን ካብ ዝብል’ዩ ብዛዕባ ኦሮሞ መጽናዕቲ ክገብር ተበጊሱ። “ገዳ” ዝበሃል ደሞክራስያዊ ስርዓት ከም ዘለዎም ተረዲኡ። ዕሙቕ ኢሉ ከጽንዖ ግና ኣይከኣለን፡ ምኽንያቱ ንሱ ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ወራሪ ተመሓድራ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮ እዩ። ነዚኣ’ውን ካብ ምሒር ግዳሰ ኣብ ትርፊ ግዜኡ ዝገበራ እያ ነይራ። ኣነ ነታ መጽሓፍ ምርኩስ ገይረ፡ ብዕምቈት ክሰርሓሉ ዝኽእል ምዃነይ ፈሊጠ፡ ንስራሕ ተበጊሰ።
• ምርምርካ ከተካይድ ከመይ ሰሊጡካ?
ብዛዕባ ኦሮሞ ምርምር ክገብር ወሲነ ፍቓድ ምስ ረኸብኩ፡ “ኣንታ ኦሮሞ እንታይ ባህሊ ሃልይዎም ኮይኑ ኢኻ ናቶም ባህሊ ተጽንዕ ዘሎኻ? ስራሕ ስኢንካ ዲኻ፡ ካብ ኣመሪካ መጺእካስ እዚ ክትገብር? ዘይከውን ነገር እዩ እዚ? ወዘተ” ዝበሉኒ ኣምሓሩ ነይሮም።
ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ቦረና እየ ጀሚረዮ። ኣብ’ቲ እዋን ናይ ቦረና ኣባገዳ (ዝለዓለ በዓል ስልጣን) ጀልዴሳ ሌብን እዩ ዝበሃል ነይሩ። ካባይ ዘይፍለ በዓል ፈረስ ሓላዊ ገይሩለይ። ኣብ ዝኸድክዎ፡ ነዚ ሰብኣይ ተሓባበርዎ፡ ከይትትንክፍዎ እናበለ ኣዋጅ ይነግር። ስለምንታይ ኣብ ሞንጎኦም ኣለኹ ብዝግባእ ተረዲኦሞ ስለዝነበሩ፡ ኩሉ ዘድሊ ምትሕብባር ገይሮምለይ እዮም ናይ ብሓቂ። ምኽንያቱ እቲ ዓለም ዘይፈለጠቶ፡ ግና ኸኣ ክትፈልጦ ዘለዋ ሃብታም ባህሊ፡ ታሪኽ፡ ቅዲ ኣነባብራን ምዕቡል ምስግጋር ስልጣንን ከም ዘለዎም ይፈልጡ’ዮም። መጀመርታ ጀልዴሳ ሊበን ባዕሉ ብኣዝዩ ዉዕዉዕ ስምዒት ምስተቐበለኒ፡ ድሕሪኡ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክሰልጠኒ ክኢሉ። ጽርግያ ኣብ ዘይነበሮ ከባቢታትን ኣጻድፍን እናጸረጉ፡ ቈጠቝጥ ቈራሪጾም መገዲ እናውጽኡ ኣሰንዮምኒ። እቲ መንፈስ ኣዝዩ ባህ ይብለካ’ዩ።
• ውጽኢት ምርምርካ
ክልተ መጻሕፍቲ ጽሒፈ። ክልቲአን ብዛዕባ ባህልን ታሪኽን ኦሮሞ ዝገልጻ’የን። እታ ቐዳመይቲ ኣብ 1973 ዝጸሓፍክዋ ኮይና፡ “Gada, the approaches of the African study” እያ ትብል፡ ኣብ እዋና ተሓቲማ ተዘርጊሓ’ያ። እታ ካልአይቲ ድማ፡ ሓደ ምዕራፍ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጽናዕክዎ ሓዊሰ፡ “Gada and the Future of Oromo Democracy” ብዝብል ኣርእስቲ ኣዳልየያ ኣለኹ።
• ገዳ እንታይ እዩ?
ገዳ ንፖለቲካዊ፡ ባህላዊ፡ ታሪኻዊን ማሕበራውን ኣካይዳ ዝሓቁፍ ህዝቢ ኦሮሞ ዝመሓደረሉ ስርዓት እዩ። እታ መጽሓፈይ’ውን ነዚታት ዝሓዘት እያ። መራሕቲ ናይ ኦሮሞ ካብ ጥንቲ ሽዱሽተ ሰባት’ዮም። እቶም ሽዱሽተ መራሕቲ ካብ እዋን ንእስነቶም እዮም ዝምረጹ። ድሕሪኡ 21 ዓመት ጸኒሖም ንሸሞንተ ዓመት ኣብ ስልጣን ይድይቡ።
ካብ’ተን ሸሞንተ ዓመት ኣርባዕተ ዓመት መሰ’ሕለፉ፣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቦም ይግምገሙ። ክግምገሙ ከለዉ ኩሉመዳያዊ ገምጋም እዩ ዝካየደሎም። ተገምጊሞም ብቑዓት እዮም ዝበሃሉ እንተኾይኖም፣ ነተን ኣርባዕተ ዓመት ይውስኹወን። ብቑዓት እንተዘይኮይኖም፣ “ቡንኪሱ” ይብልዎ ብቛንቋ ኦሮሞ፣ መንቈሰ (uproot) ማለት እዩ። ዘይብቑዕ (incompetent) ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ መራሒ ንዝተወሰነ ግዜ እዩ ዝምረጽ፣ በታ ተመሪጹላ ዘሎ ግዜ ኸኣ ተገምጊሙ ብቑዕ እንተዘይኮይኑ፣ ካብ ስልጣኑ ይወርድ ማለት እዩ።
ካልኣይ እንታይ ኣሎ፥ እዞም ሽዱሽተ ሰባት’ውን ኣመራርጻኦም ፈፍርቂ እዩ። ኦሮሞ ኣብ ክልተ ስለዝምቀሉ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ብማዕረ ሰሰለስተ እዮም ናብ ስልጣን ዝመጹ። ስለዚ “majority division” ክግበር ዕድል ኣይህብን’ዩ። ብናይ ሓባር ስምምዕ ወይ ብ“consensus” ጥራሕ’ዩ ዝስራሕ። ምኽንያት፥እቶም ሰለስተ ተሓናኒቘም “grid- lock” ክፈጥሩ ይኽእሉ’ዮም። ካልእ ኣብነት፥ ሰራዊት ክዳሎ እንከሎ፡ኣብ ክልተ ብማዕረ ዘይምቀል ቁጽሪ (Odd number) እዮም ዝገብሩ። ሕጂ እተን ጉጅለታት ናይ ሰራዊት ኣብነት 9 ወይ 5 ክኾና ይኽእላ፤ 6 ግና ኣይትኸውንን እያ፡ ንምንታይ፡ ኣብ ኵናት ከለኻ እንድሕሪ ኣብ ድርድር ኣቲኻ፣ እቶም ክልተ ወገን ተሓናኒቘም ኮፍ ዝብሉ እንተኾይኖም የለኻን ማለት እዩ። ኣነ ካብ ተሞኩሮይ ከምዚ ዓይነት ናይ ስልጣን ምስግጋር ኣብ ስዊዝ ጥራሕ ርእየ ኣለኹ። ስዊዝ ብ7 ሰባት’ዮም ዝመሓደሩ። ልዕሊ ኹሉ ንህዝቢ ኦሮሞ ዘመሓድሮ፣ ጉሚ ዝበሃል ሓደ ኣካል ኣሎ።
ጉሚ፡ ሓፋሽ ማለት እዩ፣ ኣእላፍ ማለት እዩ። ናይ ብሓቂ ኣእላፍ ኮይኖም ማለት ዘይኮነ፡ እቲ መሪሕነት ንሓፋሽ ወይ ንኣእላፍ ህዝቢ ዝውክል’ዩ ማለት’ዩ። ምሕደራ ጉሚ ብዕድመ፡ ብጉጅለ እዩ። ጉሚ ክትውለድ ከሎኻ ኣብ ሓንቲ ሩባ ኢኻ፡ ካብኣ በብሸሞንተ ዓመት እናሰገረት 88 ዓመት ኣብ ነፍሲወከፍ ዕድመ ናይ’ታ ጉጅለ ዝተፈላለየ ስልጣን፡ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ኣሎካ። ስለዚ ኩሉ ስርዓቶም ብናይ ደቂሰብ ሂወት ኣወዳድባ ዝተመስረተ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ሓፋሽ ይሳተፍ እዩ ማለት እዩ። ቈልዑ፡ መንእሰያት፡ ማእከላይ ዕድመ፡ ዋላ ዓበይቲ ኩሎም ተራ ኣለዎም ማለት’ዩ ኣብቲ ስልጣን። ሓደ ወገን ነቲ ሓደ ክዕብልሎ ኣይክእልን እዩ። ጉሚናይ7ናይ5ኣብሓደምሉእ ዕድመ ማለት እዩ፣ ፍርቂ ዕድመ ናይ ሰብ 40 ዓመት’ዩ ብናቶም ኣረኣእያ። ወለዶ (ወይ ጀነረሽን) ክበሃል ከሎ ብናቶም ወለዶ 40 ዓመት እዩ።
40 ዓመት አብ ሸሞንተ ዓመት ናይ’ዞም 5 ጉጅለ እዮም ማለት’ዩ። ካብዞም ጉጅለ ዝተዋጽአ ኣኼባ፡ ጉሚ ተባሂሉ፣ ናይ ላዕለዋይ ኣካል እዩ ማለት’ዩ። ሕግታት ዘውጽኡ ንሳቶም እዮም፣ ገበን ንዝፈጸመ ዝቐጽዑ ንሳቶም እዮም፣ ‘ተባእሰ ዝዓርቁ ንሳቶም እዮም፣ ኮታ ኩሉ ስልጣን ኣብ ኢዶም እዩ ማለት’ዩ።
ጉሚ ንምሉእ ህዝቢ ኦሮሞ ዝውክል ኣካል እዩ። ሓደ ካብቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ነገር እንታይ ኣሎ፣ ኩሉሳዕ ኣብ ኦሮሞ ተወዳዳሪ ኣካል ኣሎ። ምርጫ ክግበር ከሎ ኣገባብ ዝሓለወ ግቡእ ውድድር እዩ ዝግበር። እዚ ኸኣ 21 ዓመት ኣብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኦም እዩ። ተዀስኵስካ ኢኻ ናብ ስልጣን ትመጽእ። ኣብቲ ውድድር ጃህራ ይፍቀድ እዩ። ኣብ ካልእ ኵነታት ብዝኾነ መገዲ ከምዚ ገይረ፣ ከምዚ ፈጺመ፡ ሃብታም’የ፡ ምሁር’የ ኢልካ ምጅሃር የለን፤ ኣብቲ ናይ ምርጫ ግዜ ግና ከም ድላይካ ክትዛረብ፡ ከም ድላይካ ነብስኻ ክትምጉስ ይከኣል’ዩ። ስለዚ ብውድድር እዮም ዝምረጹ፣ ኣብ ስልጣን ከለዉ ኸኣ እታ ናይ ምምንቋስ መስርሕ ኣላ፣ ግፍዒ ተፈጸመ፣ ገበን ተፈጸመ፣ እቲ መራሒ ካብ ስራሕ ክንቀል ይኽእል’ዩ። ስለዚ ዋላ’ውን ብኸምኡ ኣይጸውዕዎ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም መገምገሚ ብቕዓት፡ “System of checking and balance” ኣለዎም። ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወገን፣ ዝግምግም ወይ “ካውንተር ባላንስ” ዝገብር ኣካል ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ መራሕቲ ሃይማኖት ፖለቲከኛታት ኣይኮኑን፣ ኣብ ፖለቲካ’ውን የለዉን፡ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፉ’ውን ኣይክእሉን፤ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወገን ብሃይማኖት መሰረት ክግምግምዎ ግዳ መሰል ኣለዎም። ስለዚ ሞራሊቲ ኣብ’ቲ ናቶም ስርዓት ቦታ ኣለዎ ማለት’ዩ። ብዓለማዊ ሕጊ “secular” ጥራሕ ኣይኮኑን ዝመሓደሩ።
• እዚ ኣገባብ ካብ መዓስ’ዩ ጀሚሩ? ሕጂኸ ከመይ ይቕጽል ኣሎ?
እቲ ናቶም ስርዓት ን550 ዓመት ቀጺሉ። እዚ ሕጂ ዓሚ (2017) ዝተመርጸ ናቶም መራሒ መበል 71 እዩ። በብሸሞንተ ዓመት እዩ። ን550 ዓመት ብዘይ ምቑራጽ ብደሞክራስያዊ ስርዓት መሪሕነት ክመርጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
• ጽልዋ መጽሓፍካ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ
ኣብ ንቕሓት ህዝቢ ኦሮሞ ጸላዊ ተራ ተጻዊታ እያ። እታ መጽሓፈይ ዝፈጠረቶ ወይ ዝመሃዘቶ ሓድሽ እኳ የለን። እንታይ እዩ? ነቲ ሓቂ እያ ኣንጸባሪቓ። ኣንቢቦማ ነታ መጽሓፍ “ከምዚ ዝመስል ስርዓት ከለንና ከመይ ኢልና ተዳሂልና ጸኒሕና ክሳብ ሕጂ?” እዮም ዝብሉ። ኣቐዲመ’ውን ገሊጸልካ ነይረ፡ ገለ ኣምሓራ ድማ “እንታይ ኢኻ ንስኻ ክሳዕ ክንድዚ ሓፍሓፍ ተብሎም፡ ኦሮሞ ኸኣ ኣየናይ ባህሊ፡ ስርዓትን ታሪኽን ሃልይዎም ኮይኑ እዩ? ሰማይ ሰቒልካዮም” ዝብሉ ነይሮም።
• እቲ ሓቂከ?
ኣዝዩ ሃብታም ባህልን ታሪኽን እዩ ዘለዎም። ታሪኾም ቀቢሮሞ እምበር ክሳብ ምኒልክ ዝመጽእ ንኢትዮጵያ ዝገዝእዋ ዝነበሩ ኦሮሞ እዮም ኔሮም። ሽሕኳ ዘይነግሱ ‘ተነበሩ ኣንገስቲ እዮም ኔሮም። ንንጉስ ናብ ስልጣን ዘምጽኡ ንሳቶም እዮም። እቲ ሰራዊት ከኣ ብምሉኡ ኦሮሞ እዩ ነይሩ። ብሓፈሻ ናይ ኣምሓራ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ካልእ ነገር’ዩ ነይሩ። ኣዝዮም የኽብርዎም ነይሮም፣ ይፈርህዎም ነይሮም፣ ኣብ ስልጣን ዘደይብዎም ንሳቶም እዮም ነይሮም፤ (They were king makers) ክሳዕ ምኒልክ ስልጣን ዝወስድ። ናይ ምኒልክ ታሪኽ ሂወት ዝጸሓፈ ደራሲ፡ ቅድሚ ምኒልክ ስልጣን ምውሳዱ ዝጸሓፎ ነገር ነይሩ፥ “ኣባታችን እመሃ እየሱስ እዚህ ገደሉ ውስጥ ያስቀመጠን፣ የኦሮሞ የፈረሰኛ ሰራዊት ላይ ኣናታችን ስለያዘው ነው” ይብል። ምኽንያቱ ኦሮሞ ላዕሊ ዘሎ ፕላቶ ሒዘሞ ኣለዉ፣ ታሕቲ ዘሎ ጎላጉል ሒዘሞ ኣለዉ፣ ኣብቲ ጸድፊ ጥራሕ’ዩ ተሪፉና ዘሎ መሬት፡ ኣብኣ ኣምጺኡ ኣስፊሩና፡ ሕጂ ተዓቢጥና ኢና ዘሎና” ይብል፡ ቀጺሉ “ከምቲ ኣሞራ ነታ ኣንጭዋ ኣብ ገረብ ኮይኑ ዝሕልዋ እሞ ቁሩብ ነቕ እንተበለት ወሪዱ ቈብ ዘብላ፣ ንሳቶም ከኣ ኣፍራሶም ሒዞም ኣብቲ ላዕለዋይ ፕላቶ (ጫፍ ጎቦ) ኮይኖም ንዓና ይሕልዉና ኣለዉ።” ነቕ እንተ ኢልናሲ ከጥፍኡና’ዮም ማለቱ እዩ። ኦሮሞ ኣብዚ መጺኦም ክዋግኡ ኣይክእሉን’ዮም፡ ናይ ጸድፊ ውግእ ስለዘይፈልጡ፡ ንሕና ኸኣ ኣብቲ ጎልጎል ኬድና ክንዋጋእ ኣይንኽእልን ኢና ፈረስ ምግላብ ስለዘይንፈልጥ” ኩሉ እዚታት መዓስ’ዩ ዝግልበጥ፡ ምኒልክ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ። ምስቶም ንኢትዮጵያ ክጎብጡ ወይ ክቈጻጸሩ ዝፍትኑ ዝነበሩ ሓይልታት (በዓል ፈረንሳይ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ) ድርድር እናገበረ፡ ንዓኣቶም ካልእ ሓለፋታት እናሃበን ገለ ዝገብርሉ ማዕጾ እናኸፈተን ካብኣታቶም ኣጽዋር እናወሰደ ኣብ ስልጣን ደይቡ። ንኣብነት ንፈረንሳ ሓዲድ ክሰርሑ ፈቒድሎም። ቕያር ናቱ ድማ ኣጽዋር ይእክብ። ኣኪቡ ንዓድዋ ክኸይድ ከሎ ርብዒ ሚሊዮን ሰራዊት ኔርዎ። ካብዚኦም እቶም 1/5 ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቑ እዮም ነይሮም። ካብ ዓድዋ ምስ ተመልሰ፡ በዚ ኹሉ ኣጽዋር ሰራዊቱ ካብ 100 ሽሕ ናብ 600 ሽሕ ኣብጺሕዎ። ነቲ ኹሉ ኣብ ደቡብ ዘሎ ኢትዮጵያ ገዚእዎ። ድሕሪኡ ታሪኽ ተፈብሪኹ፡ ተገልቢጡ። እምበር ክሳብ ሽዑ ገዛእቲ ኣምሓራ ኣይኮኑን ኔሮም፤ ኦሮሞ እዮም ኔሮም።
• ናብ ካልእ ከይሰገርና ብዛዕባ ኦሮሞ ትውስኾ እንተሃልዩ?
ሓደ ዓቢ ነገር ኣሎ ኣብ ኦሮሞ ዝረኸብክዎ ነገር። ኣነ ድሒረየ ፈሊጠዮ። ካልኦት ሰባት ዝገበርዎ መርመራ እዩ። ኣብ ቦረና ኣዝዩ ዘስደምም ናይ ኣስትሮኖሚ ኣገባብ ኣቈጻጽራ ኣሎ። ኣብ ቦሮና ወርሒ ርእዮም መዓልቲ እንታይ ከም ዝኾነት፡ ወርሒን ኮኾብን ብሓንሳብ ክወጻ ከለዋ ርእዮም እዛ መዓልቲ እዚኣ ከምዚ’ያ፡ እዛ ወርሒ እዚኣ ከምዚ’ያ ኢሎም ይነግሩኻ። ብትኽክል ዝነገር ናይ ምሉእ ዓመት ካላንደር ኣለዎም። ዲቕ ዝበለ ናይ ኣስትሮኖሚ ስራሕ’ዩ። ኣብቲ መጀመርታ ንዓይ ንገዛእ ርእሰይ ኣዝዩ ኣጨኒቑኒ ነይሩ። ምንም ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ብዛዕባ’ዚ ኣሬሮ ረመታ ዝበሃል ሽማግለ ሰብኣይ እዩ ከትሕዘኒ ፈቲኑ። ከዋኽብቲ ዝፈልጥ ሰብ ብዙሕ ነገር’ዩ ዝፈልጥ፡ ስለዚ ንስኻ’ውን ብዛዕባ ከዋኽብቲ ክትመሃርን ክትፈልጥን ኣሎካ ኢሉ ተገዲሱ ከረድኣኒ ጀሚሩ። ንሳቶም እንታይ እዮም ዝብሉ፡ ወርሒ ክትወጽእ ከላ፡ መዓልቲ መዓልቲ ቦታኣ ትቕይር እያ። ወርሒ ኣብቲ ቀዳማይ መዓልቲ ምስ ሓንቲ ኮኾብ ክትራኸብ ከላ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ድማ ምስ’ታ ካልእ ትራኸብ፡ ብምቕጻል ምስ ሳልሳይ . . .
ሓወልቲ ይሰርሑ እዮም ኦሮሞ፣ ሰብ ክመውት ከሎ እቶም ደቁ ኩሎም ኣዕኑድ ይተኽልሉ። ካብኡ ጸሪቦም ሽልማት ይሽልምዎ ነቲ ዓንዲ። እተን ኣዕኑድ ናብ ሰማይ ናብ ዝተፈላለያ ኣንፈታት እየን ዘመልክታ። ሕጂ ሓደ ኣርኪዮሎጂስት ነዚ መጽሓፈይ ኣንቢቡ፡ ኣብ ኬንያ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ዝተተኽላ ኣዕኑድ ርእዩ፡ ትርጉመን እንታይ ከም ዝኾና ዘይንፈልጠን፡ ናብ ሰማይ እየን ዝጥምታ ዘለዋ። እቲ ኮኾብን ወርሕን ኣበይ ከም ዝራኸብ ዘመልክታ እየን ዝመስላ ኢሉ ‘ተዓቐነን ኩለን ትኽክል ቦታ ኣብ ሰማይ ይነግራኻ። በዚ ድማ ነፍሲወከፍ ወርሒ ክትወጽእ ከላ ምስ ኣየናይ ኮኾብ ከም ትወጽእ ተረዲአ።
300 ዓመት ቅ.ል.ክ. ዝተመስረተ ሓደ ስርዓት ናይ መዓልቲ ዝቈጻጸር ኣስትሮኖሚ፣ ክሳዕ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። ልዕሊ 2000 ዓመት ቀጺሉ ማለት እዩ። ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር እዩ እዚ፡ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ከምኡ ዓይነት ነገር ኣይተረኽበን። ቀዳማይ ዝተረኽበ ናይ ቦሮና እዩ። እዚ ንኦሮሞ ብፍሉይ ዘጠምቶምን ዘኽብሮምን ነገር እዩ። ከምዚ ንሕና ኣስመራ ኣብ ዓለም ተቐባልነትን ተፈላጥነት ብምርካባ ዝተሓበንና፡ እዚ ናቶም ናይ ኣስትሮኖሚካል ካላንደርን እታ ሓወልቲን ድማ ኣብ ዩኔስኮ ተቐባልነት ብምርካብ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ኣሎ።
• ተስፋዬ ገብረኣብ፡ ኣብ “የደራሲው ማስታወሻ” መጽሓፉ ብዛዕባኻ ጽሒፉ ኣሎ። ኣንቢብካያዶ?
ተስፋዬ ገብረኣብ “የጋዜጠኛ ማስታወሻ” ትብል መጽሓፉ ምሰ’ውጸኣ፣ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ’ዚ ኣብ ኣስመራ ተራኺብና። ካብ ነዊሕ ሌላ ጸኒሑና እዩ። ንድራር ጸዊዐ ዓዲመዮ፡ የዕሊልና። ሽዑ ተስፋዬ ኣብ ጭርምራም ወረቓቕቲ፡ ነንኣሽቱ ነጥብታት ክጽሕፍ እዝከረኒ። ደሓር ድሕሪ 6 ወርሒ ይኸውን “የደራሲው ማስታወሻ” ትብል መጽሓፉ ትወጽእ። ኣብኡ “ቦረና! የስልጣኔ ዋሻ” ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባይ ሓደ ምዕራፍ ጽሒፉ። ኣብኡ ንቦረና በዓቲ ናይ ስልጣኔ እዩ ዝብላ። ተሓቢኣ እያ ዘላ ግን ብዙሕ ስልጣኔ እያ ዓቚራ ዘላ ክብል’ዩ ደልዩ። ተስፋዬ ኣዝዩ ዝድነቕ ሰብ’ዩ። እታ “የቡርቃ ዝምታ” ትብል መጽሓፉ፡ ኣብ ምሕያል ንቕሓት ህዝቢ ኦሮሞ ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲራ እያ። ዕባይ ቢሾፍቱ ኾይኑ ምስ ኦሮሞ ምዕባዩ ነቲ ባህሊ ጽቡቕ ገይሩ ከለልዮ ዕድል ረኺቡ’ዩ። ክንበቡ ዘለዎም ጸለውቲ መጻሕፍቲ እዩ ዝጽሕፍ። እዛ ሕጂ ጽሒፍዋ ዘሎ “ማህደር ኑረነቢ” ናይ ታሪኽ መጽሓፉ ድማ ንመንእሰያት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዋላ ነዞም ዝሸምግልና ኣገዳሲት መጽሓፍ’ያ። ብዙሓት’ውን ከድንቕዋ ተዓዚበ ኣለኹ።
• ናብ ተሞኩሮ ስራሕ ክንሰግር'
ኣብ ሃርቫርድ እናተማሃርኩ ከለኹ እቲ ናተይ ፕሮፌሰር ምስ ስዋርትሞር ኮለጅ ጽቡቕ ርክብ ኔርዎ። ካብ ሃርቫርድ ደብዳቤ ተጻሒፉለይ፡ብቐጥታ ስራሕ ኣእትዮምኒ፡ መጀመርያ ስራሕ ዝጀመርኩሉ ሽዑ’ዩ ማለት’ዩ። ስዋርትሞር ኮለጅ ኣዝያ ሃብታምን ምዕብልትን ኮለጅ እያ። ኣብኡ ነዊሕ ዓመታት ምሂረ። ድሕሪኡ ግን ብAfrican studies ስፐሻላይዝ ኣይገብሩን’ዮም ኢለ ሰለስተ ዓመት ጸኒሐ ስራሕ ቀይረ። ኣብ ዝኾነት ዩኒቨርስቲ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት እጸንሕ ኣይነበርኩን፡ ምኽንያቱ ካብኡ ዝነውሕ ጸኒሐ ሱር ተሰዲደ፡ ኣብ ዝደለኽዎ ናብ ዓደይ ክመጽእ ኣይክእልን’የ። ስለዚ ዩኒቨርስታት እናቐያየርኩ ን20 ዓመት ዝኸውን ሰሪሐ።
• ተሳታፍነት ኣብ ህዝባዊ ግንባር
ኣብ 1984 ናይ ኦሮሞ ናይ 5 ዓመት ምርምር ወዲአ ንሃርቫርድ ክምለስ ከለኹ፣ ብስራት ዝበሃል ወኪል ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ናይሮቢ ይረኽበኒ። “ስማዕ! ገዛይ ሒዘካ ክኸይድ እሞ ብዛዕባ ምሕራር መሬት ኤርትራ። ዘረድኣካ ነገር ኣለኒ” ይብለኒ። ተተሓሒዝና ከይድና፡ ምሉእ ለይቲ ክንዝቲን ክንካታዕን ሓዲርና። “ክትምለስ ከለኻ ንኣሜሪካ ብሜዳ ጌርካ ዘይትኸይድ?” ይብለኒ። “እንታይ እዩ እቲ ሜዳ ኸ” እብሎ። ንሱ፡ “ሓራ ኣውጺናዮ ዘለና መሬት ኤርትራ” ይብለኒ። “እሞ መእተዊ ኣሎ ድዩ?” ምስ በልክዎ፡ “ንሱ ንዓና ግደፎ።
ሕራይ ጥራይ በለኒ” ይብለኒ። “ሕራይ” ኢለዮ። ካርቱም ከይደ። ኣብ ካርቱም ትቕብል ኣቢሎም ኣበይ ከም ዘእተዉኒ ኣይፈልጥን፡ ክልተ ለይቲ ኣብኡ ሓዲረ። ንጽባሒቱ ሜዳ ኣትየ። ካብ ሽዑ ጀሚረ ከቢድ ናይ ሜዳ ስምዒት ኣሕዲረ። ሓንጎለይ ህይወተይ ኩሉ ገላቢጥዎ። ቅድሚኡ ንህዝባዊ ግንባር ብርሑቕ ኮይነ’የ ዘድንቘ ኔረ እምበር፡ ዋላሓንቲ ርክብ ይኹን ፍልጠት ኣይነበረንን። ኣብኡ ምስ ኣተኹ፡ ዋላ ግንባር’ውን ኣይኣመነንን። “እዚ ኹሉ እዋን ጠፊኡ ነይሩ፡ ሕጂ ደኣ እንታይ ተረኺቡ’ዩ መጺኡና” ዝበሉ ነይሮም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካ ወርሒ ኣጽኒሖምኒ። ይፍተሽ፡ ይፍተን እየ ነይረ። ተፈቲነ ምስ ሓለፍኩ፡ ተዓዲመ ኸይደ ደርሆ ተሰሪሓ ጸኒሓትኒ፡ ሮመዳንን ኢሳይያስን ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ተቐቢሎምኒ። ካብኡ ማኪና ተመዲባትለይ፡ ድላየይ ምርምር ክገብር። ካብ ዘብለጭልጭ ነገር ክጥንቀቕ፡ ጻዕዳ ክዳን ከይወዲ፡ ብዝከኣል ማኪናይ ኣብ ትሕቲ ገረብ ክኽውል ተላብዮም ሰዲዶምኒ። ተንቐሳቒሰ። ናይ ትምህርቲ ግዜ እዩ ነይሩ ንሱ ንዓይ። ብዛዕባ ሜዳ ብዙሕ ተማሂረ። ሓንጎለይ ክፉት እዩ ኔሩ፣ ኩሉ ገላቢጠ ርእየዮ። ኣዝዩ መሲጡኒ።
ሰለስተ ዓመት ኣብ ኣመሪካ ጸኒሐ፡ ክምህር ኢለ፡ “ኣፕል ማኪንቶሽ” ኮምፒተር ሒዘ ንሜዳ ተመሊሰ። ቅድሚኡ ሓበሬታታት፡ መጽሔታት፡ መጻሕፍቲ ወዘተ ኩሉ ብኢድ ተጻሒፉ፡ ተባዚሑ እዩ ዝዕደል ኔሩ። ምስ ኣርኣኽዎም ፈትዮማ። ሽዑ ይዝከረኒ፡ ኣነ ናይ ማኪንቶሽ ደጋፊ’የ ነይረ፡ ኣለምሰገድ ዝበሃል ድማ ናይ PC ኮምፒተር ደጋፊ ነይሩ፡ ኢሳይያስን ካልኦት ኣባላት መሪሕነትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብልጫታተን እናገለጽና ተኻቲዕና። ማኪንቶሽ እንተላይ ናይ ትግርኛ ፕሮግራም ጽዒና ስለዝኣተወት፡ ክፍልታት ዜና፡ ትምህርትን ሕትመትን ደጊፎማ።
ኣብ’ታ ካልአይቲ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ኣስተምህሮ ክህብ ተዓጢቐ እየ ኸይደ። ቀዳማይ ናይ ፎቶግራፊ ክእለት ኔርኒ ነቶም ናይ እንዳ ዜና ሰኣልቲ ስልጠና ፎቶግራፍ ሂበዮም። ካልኣይ መዛግብ ናይ ህ.ግ. ከይጠፍእ ምእንቲ፡ ብኸመይ ዲጂታል ትገብሮ ሓበሬታ ዝህብ፡ “Informa- tion Management in Eritrea” ዝብል ወረቐት ኣቕሪበ። ድሕሪ ሓርነት’ውን ምስ’ቶም ተመራመርቲ ናይ ባህሊ፡ ፖለቲካ፡ ኢኮኖሚ፡ ናይ ኩለን ብሄራት ዝጸሓፍዎ ንዕኡ ዲጂታላይዝ ኣብ ምግባር’ውን ሰሪሐ።
• ናብ ካልእ ቅድሚ ምስጋርና ተወሳኺ ትብሎ እንተሎ፡ ምስ ናይ
ሜዳ ብዝተኣሳሰር ካብ 1984 ድሕሪ ሜዳ ምእታወይ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ተመሊሰ ኩሉ ትምህርተይ ቐይረዮ እየ። ኩሉ እቲ ኣስተምህሮ ዝገብሮ ዝነበርኩ ትምህርቲ ድማ ናብ ኤርትራ ከም ዝቐንዕ ገይረዮ። እንታይ ኣሎ ጉድለታት፡ በየናይ መገዲ ክሕግዝ እኽእል እናበልኩ ነቲ ኮርስ ብምሉኡ ቀያይረዮ። ሓደ ካብቲ ኣብ ሜዳ ከይደ ዝገበርክዎ ጉዳይ “ፓተንት” እዩ። ብዙሕ ምህዞታት ኔሩ ተጋደልቲ ዝመሃዝዎ። ንሳቶም ግን ከም ዝመሃዙ ኣይፈልጡን ኔሮም። ዋላ ‘ተሓተትክዎም’ውን፡ “እዚ ምህዞ ኣይኮነን፡ ስንዕ ስንዕ ኣቢልና ኢና ኣመሓይሽናዮ እምበር ዝመሃዝናዮ ነገር የለን” ይብሉኒ። ኣነ ግን ክሪኦ ከለኹ ገሊኡ ብሓቂ ዓበይቲ ምህዞታት እዩ ነይሩ።
• ንኣብነት?
እዘን ኣዴታት ማካይን (ማርቸድስ) ኣዝየን ጽቡቓት መካይን እየን። ግን ንኣጻድፍ ዘይኮነ፡ ንጎላጉል እየን ተሰሪሐን። ሕጂ ኣብ ሜዳ ምስ ኣተዋ፡ እቲ ቻሲ ቀልጢፉ ክነቅዕ ጀሚሩ። ውሕስነት (guarantee) ኔርወን ስለዝኾነ፡ ንጀርመን መልእኽቲ ሰዲዶም የዐርዩልና ኢሎሞም። ንሳቶም መጺኦም ርእዮመን። “እዚአን ‘ኮ ንኸምዚ ቦታ ኣይኮናን ተሰሪሐን፡ ‘ተኽኢልኩም ባዕልኻትኩም የዕሪዩወን፡ ንሕና ንኸፍለኩም” ኢሎሞም። ነቲ ቻሲ ፈንጢሖም ሓድሽ ሰኒዖም ደሪዖም የእትዮምለን። ትካል መርሰድስ ኢንጂነራቶም ሰዲዶም ርእዮመን። ገሪምዎም። እታ ኣነ ሓንቲ ዝገበርክዋ፡ ጉዳይ ፓተንት ምንጋር ጥራሕ’ዩ ነይሩ። ካልእ’ውን ብዙሕ መዳያት ነይሩ።
• ንኤርትራ ዝምልከት ዝገበርካዮ ጽሑፋት
ብዙሕ ነገር ጽሒፈ ኣለኹ። ድሕሪ ሓርነት ኣብዚ መጺአ ብዙሕ ምርምራት ኣካይደ እየ። እታ ኣብ ሜዳ ክትትግበር ሓሲበያ ዝነበርኩ መጽናዕቲ፡ “Culture and Health in Eritrea” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 1991 ተተግቢራ። ውጽኢት መጽናዕቲ ኣብ 1ይ ሃገራዊ ፌስቲቫል ኣብ ኤክስፖ ናብ ህዝቢ ኣቕሪብና። ሽዑ ይዝከረኒ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን መዛረቢ ኾይኑ ነይሩ። ምኽንያቱ ነቲ መጽናዕቲ ከነካይድ፡ ምልእቲ ኤርትራ ኢና ኮሊልናያ። ብማኪና ዝእቶ ብማኪና፡ ተዘይኮነ ተጋደልቲ ኣእዱግ ሒዞም ናብ ኩሉ ጣሕሰስ እናበሉ ዝኣትውዎ እናኣተና ነቲ መጽናዕቲ ዓሚምናዮ።
• እንታይ ኢኹም ተጽንዑ ኔርኩም?
ብዛዕባ ጥዕና ኾይኑ፡ ዝያዳ ንባህላዊ ፍወሳ ዝምልከት’ዩ ነይሩ። እንታይ ዓይነት ባህላዊ ፍወሳ ይጥቀሙ? መረዳእታኦም ኣብ ባህላዊ ፍወሳን ዘመናዊ ፍወሳን ከመይ ምዃኑ፡ ንኹሉ ብደቂቕ ኢና መርሚርናዮ። መጽሓፍ ተወዲኡ ኣሎ። ኣይተሓትመን፡ ግዳ ብግቡእ ተሰኒዱ ኣሎ። መዓልቲ ከይሃልዎ ኣይክተርፍን እዩ።
• ካልእከ
ናይ “ምውጋድ ድኽነት” ምርምር ክካየድ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብሓላፍነት ክሰርሓላ ሂቡኒ ነይሩ። ምስ ገለ 20 ዝኾኑ ምሁራት ብደረጃ ሃገር መጽናዕቲ ተኻይዱ። ውጽኢቱ ድማ ብመልክዕ ሰነድ ኣብ እዋኑ ኣረኪብና።
• ንቐጽል ፕሮፌሰር
ድሕሪኡ ኲናት ወያነ ይመጽእ። ኲናት ወያነ ክመጽእ ከሎ፡ ፍጹም ካብ ትጽቢት ወጻኢ ስለዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደንጽይዎ እዩ። ካብኡ ዝገደደ ዘደንጹ ድማ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቑጸር ሰላማዊ ህዝቢ ኤርትራ ምስጓጎም እዩ። ብሑመራ ገይሮም ናብ ዓዶም ክኣትዉ ከለዉ፡ ኣብቲ ዶብ ከይደ ተቐቢለ፡ ቃለመጠይቕ ክገብረሎም ጀሚረ፡ እቲ ናይ ኣንትሮፖሎጂ ሞያይ ድማ ብዝግባእ ተጠቒመሉ። ብዙሓት ጋዜጠኛታት ናይ ወጻኢ ነይሮም ሽዑ እዝከረኒ፡ ንዓኣታቶም እውን እትርጉመሎም ነይረ። ኣብ ኩሉ ቦታታት እናተንቀሳቐስኩ ዝገበርክዎ ቃለመጠይቓትን ጽሑፋትን ኣብ መጽሔታትን ኣብ ካልእ መራኸቢ ብዙሃንን እዝርግሖ ነይረ።
• ብፍሉይ ካብ ትዝክሮ?
ንሓንቲ ጓል 24 ዓመት መንእሰይ፡ ገዝኣ መጺኦም ካብ ወዲ 7 ወርሒ ህጻን ውሉዳ ፈሊዮም ብሓይሊ ወሲዶማ። ጎረባብቲ ሕማቕ ርእዮም፡ ነቲ ህጻን ሒዞምላ ናብቲ መፋነዊ ቦታ ምስ መጹ፡ ነቲ ህጻን ደፊኦም ንደገ ደርብዮም ንዓኣ ኣብ ኣውቶቡስ ሰቒሎማ፤ ካብኡ ዝበኸየት ክሳብ ኣብዚ በጺሓ። ኣብዚ ምስ መጸት፡ ቃለመጠይቕ ኣካይደላ። ክንደይ እሞ ክትብሎ ኢኻ፡ ብዙሕ ዘስካሕክሕ ፍጻመታት እዩ ነይሩ።
• በል ናብ ዓድና፡ ናብ ሕጊ እንዳባ ኸኣ ክመልሰካ
ዝዓበየ ነገር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕጊ እንዳ‘ባ እዩ። ሕጊ እንዳ ‘ባ ኸኣ ናይ ህዝቢ ምሕደራ ናይ ርእሱ ማለት እዩ ኔሩ። ሕጊ እንዳ ‘ባ ህዝቢ እዩ ዝጽሕፎን ዘመሓድሮን። እዚ ምስ ኩሎም ገዛእቲ የባእስ ኔሩ። ምኽንያቱ ገዛእቲ ነቲ ህዝቢ ክቖጻጸርዎ እዮም ዝደልዩ። በቲ ናቶም ሕጊ ከመሓድርዎ እዮም ዝደልዩ። ምኽንያት፥ ርስቲ፡ መሬት፡ ጤሳ ኮታስ ኩሉ ምሕደራ ናይ መሬት ብሕጊ እንዳ ‘ባ ስለዝመሓደር እዩ። መንግስቲ ጣልያን ኣብ ባህሊ ኤርትራ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሕጊ እንዳ’ባ ምርምር ክግበር ንሓደ ምሁር ሰዲዱ ነይሩ። እቲ ምሁር ክንዲ ገለ ዝኸውን መጽሓፍ ጽሒፉ ኣረኪብዎም።
ኣብ ፓርላማ ናይ ኢጣልያ ኣትዩ። ድሕሪኡ ጣልያን ነቲ ሕጊታት እንዳባ ከም ዘለዎ ተቐቢሉ፡ ጉዳያት ናይ ኤርትራውያን እንተኾይኑ፡ ብሕጊ እንዳባ፡ ንኽልቲኡ ዜጋ ዘጠቓልል እተኾይኑ ድማ ብናይ ክልቲኡ ኣገባብ ተራእዩ ፍርዲ ክወህብ ጀሚሩ።
• ከመይከ ቀጺሉ?
ሃይለስላሴ ምስ መጸ’ዩ ፈሪሱ። ሃይለስላሴ ህዝቢ ኤርትራ ብሕግታቱ ክመሓደር ኣይፈቐደን። ምጽእ ኢሉ “ሕግታትኩም ኣረክቡ” እዩ ኢሉ። “ካብ ሕጂ ንንዮ ብሕግታትኩም ኣይትመሓደሩን ኢኹም፣ ሲቪላዊ ኮድ ኣለና፣ ብእኡ ኢኹም ትመሓደሩ” ይብሎም። እታ ቐሺ ዘርኣጼን ዝጸሓፋ ደብተር ናይ ካርነሽም ኣኮይ እዩ ወሪስዋ። ወዲ ወዶም እዩ ንዕኦም። ንሱ ሕጂ ተጸዊዑ ከይዱ ናብ ቤት ፍርዲ። “ኣምጽኣያ ደብተርካ” ኢሎሞ። “ከምጽኣ ኣይክእልን እየ” ኢልዎም። “ኢሂ?” “ናተይ ኣይኮነትን” “ናይ መን ድኣ?” “ናይ እንዳባ” “መን እዮም እቶም እንዳባ፡ ጸውዕዎም” “እንዳ’ባ ደኣ ኩሎም ዓበይቲ ዓዲ’ዮም” (ሰሓቕ)። “እሰርዎ” ኢልዎም ኣሲሮሞ። ተኣሲሩ ከሎ ደሓር፡ ሓንቲ ጉዳይ ናብ’ቲ ኣፈ ንጉስ ትበጽሕ። ክልተ ኤርትራውያን ተባኢሶም እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። እቲ ከሳሲን ተኸሳሲን እንታይ ይብሉ ከም ዘለዉ ምርዳእ ኣብይዎ። ሽዑ ገብረየሱስ ኣኮይ ተኣሲሩ እዩ ኔሩ። “ጸውዕዎ እስከ ነቲ ዓቢ ሰብኣይ ነዛ ጉዳይ ክፈትሓ ዝኽእል እንተኾይኑ ክንሰምዕ” ይብሎም። ቀሪቡ ነቲ ዓንቀጻት ሓደ ብሓደ እናጠቐሰ፡ “እዚኣ ከምዚኣ እያ ጎይታይ፡ እዚኣ ድማ ብኸምዚኣ’ያ ትፍታሕ” እናበለ የረድኦም። ደሓር እዚ ምስ ረኣየ፡ “ወይለይ፣ ነቲ ሕግታት ኣብ ሓንጎሉ ኣስፊርዎ ‘ተኾይኑ ደኣ ነቲ ደብተር ምሓዝና እንታይ ትርጉም ኣለዎ። ይኺድ ግደፍዎ፡ ጉዳይ ህዝቡ ባዕሉ የማሓድር፡ ናይ መንግስቲ ‘ተኾይኑ ጥራሕ ኣብ ናትና ቤትፍርዲ ይመጽእ” ኢሎሞ፡ ተመሊሱ ኸይዱ ንዓዱ።
ስለዚስ ሕጊ እንዳባ ኣዝዩ ብርቱዕ ነገር እዩ፡ ንዑኡ ከይሓዝካስ ሃገር ከተማሓድር ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ኤርትራ ኩለን ብሄራት ሕግታት እንዳ’ባ ኣለወን። ስለዚስ እቲ ሕጊ እንዳባ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ተዘርጊሑ እዩ። ናይ መዋእል ክሳብ ሰለስተ ሚእቲ ኣርባዕተ ሚእቲ ዕድመ ዘለዎ ሕግታት እዩ። ስለዚ ንዕኡ ብዝግባእ እንተተወኪስናዮ፡ መሰረት ዘለዎ ሕጊ ከነውጽእ ኣዝዩ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ምዃኑ እተኣማመን’የ።
• ምትእስሳር ሕግን ባህልን
ሕጊ ኣብ ባህሊ ዝተምስረተ ክኸውን ኣለዎ። ንምንታይ እንተ ኢልና፡ እቲ ባህሊ ኩሉ ህዝቢ ዝፈልጦ ናይ ስነ-ምግባር፡ ናይ ሞራል፡ ናይ ሃይማኖት፡ ናይ እምነት መሰረት እዩ። እቲ ገበንሲ ገበን ዝኸውን ሕጊ ስለ ዝወጸ ጥራይ ኣይኮነን። ቅድም ቀዳድም ሃይማኖት ስለ ዝኾነ እዩ፡ ቅድሚ ሕጊ ምዃኑ። ስለዚ ብናተይ ኣረኣእያ ሕጊ ባህላዊ መሰረት እንተ ሃልይዎ፡ ነዊሕ ዕድመ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እንተዘይኮነ ልክዕ ከምዚ ክዳን እንተዘይማእሚእካ ኣውጽእ ኣቢልካ ትድርብዮ’ሞ ብኻልእ ትቕይሮ እዩ ዝኸውን።
• መንእሰያት ኣብ ሕጊ እንዳ’ባ ክህልዎም ዝግባእ ተገዳስነት
ሕጊ እንዳ’ባ ክውረስ ዘለዎ እዩ። ብዛዕብኡ ምምሃር ኣድላዪ እዩ። ንኣብነት፥ መርዓ፡ ካብ ትብጻሕኩም ጀሚርካ ክሳዕ መወዳእታ ብሕጊ እንዳ’ባ እዩ ዝካየድ። ቅሩብ ኣምር እንተዘይጸኒሑካ፡ ኣብኡ ዝግበር ነገራት፡ ዝዝረብ ቃላት ከይርደኣካ ይኽእል’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ሕጂ መንእሰይ ኣሎኻ፡ ጽባሕ ኣቦ ክትከውን ስለዝኾንካ፡ ብምንታይ መሰረት’ዮም እዚ ኹሉ ስርዓት ዘካይዱ ዘለዉ፤ እንታይ ይብሉ፡ እንታይ ይገብሩ፡ ኩሉ ብስርዓት ክትርድኦን ክትፈልጦን ኣሎካ። ጉዳይ ጌርካ ወይ ኣጋጢሙካ፡ ሕጊ እንዳባ ከይፈለጥካ እንተኣቲኻዮ፡ መስሓቒ ኴንካ ኢኻ ትተርፍ።
• ተራ ሕጊ እንዳ’ባ ኣብ መስርሕ ዕርቂ
ኣዝዩ ዓብዪ እዩ። ዝበዝሐ መስርሕ ዕርቂ ምስ ሕጊ እንዳ’ባ ተዛሚዱ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘሎኒ። ብርእይቶይ እንታይ ክግበር ምተኻእለ መስለካ፥ ቤትፍርዲ ክልተ ማዕጾ ትገብረሉ፣ ሓደ ማዕጾ ናይ ዕርቒ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ ፍርዲ። ኣብ ሕጊ እንዳ ባ ዝግደሱ ዓበይቲ ሰባት ዝብልዎ ኣሎ፥ “ብፍርዲ ዝተወድአ ጉዳይ ኣይድቅስን እዩ። ሓደ ይስዕር ሓደ ይስዓር፤ እቲ ዝተሳዕረ ተገልቢጡ ክስዕር ክፍትን እዩ። ሕነ ክፈዲ። ‘ሕነ ዝፈደየ ዓዲ ጠፍአ’”። ብሓፈሻ እንታይ ንምባል’ዩ፡ እቲ ብዕርቂ ዝተወድአ ጉዳይ ክልቲኦም ሰብ ጉዳይ ስለ ዝቕበልዎ ይድቅስ እዩ።
• ርእይቶኻ ኣብ ኮማዊ ኣብያተ ፍርዲ
ብሕልፊ ኣብ ጉዳይ ዕርቂ፡ ቀንዲ መሳርሒአን ሕጊ እንዳ’ባ እንተዝኸውን ምሓሸ። ይጥቀማሉ እንድየን፡ ግዳ ምሉእ ብምሉእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፥ እቲ ብልባዊ ዕርቂ ዝፍታሕ’ዩ እቲ ናይ ብሓቂ ዕርቂ። እዚ ኸኣ ኣብ ሕጊ እንዳ’ባ ኢኻ ትረኽቦ። እንዳባ ኣተዓራቒ ፍርዲ እንተሂቦምኻ፡ “ኵዒትካ ቅበሮ” እዮም ዝብሉኻ። ንድሕሪት ምምላስ የለን። ዕርቅን ምቕባርን ጎኒ ጎኒ እዩ ዝኸይድ። ብዕርቂ ክፍታሕ ዘይክእል ወይ ዝፈሸለ ጉዳይ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ጥራሕ ናብ ፍርዲ እንተቐሪቡ፡ ነተን ኣብያተ ፍርዲ፡ ብዙሕ ስራሕ’ዩ ዘቃልለለን። ክገርመካ ኣመሪካ’ውን ናብኡ’ዮም ዝምለሱ ዘለዉ። ብመገዲ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ናይ ምሉእ ኤርትራ መጽናዕቲ እናኣካየድና እቲ ምሳይ ኮይኑ ነታ ምርምር ዘካይድ ዝነበረ ሂዩ ዝበሃል ጸሊም ፈራዳይ ምሳይ ነታ ምርምር ከካይድ ካብ ኣሜሪካ እዩ መጺኡ ነይሩ። ንሱ ስርሑ alter- native dispute resolution ይበሃል። ከምዚ ናትና ናይ ዕርቂ ኣሰራርሓ ኣብቲ ናይ ቢዝነስ ዓለም ኣሜሪካ ከተኣታትዉ ይፍትኑ ኣለዉ። ኣውፈርቲ (businessmen) ተባኢሶም ቤትፍርዲ ‘ተኸይዶም ኣብ ዋጢጥ እዮም ግዚኦም ዘጥፍኡ። ብሰላም ብዕርቂ ‘ተወዲኦሞ ግና ነናብ ስርሖም ክምለሱ እዮም ማለት እዩ። እቲ ውጽኢት ስርሑ እዚ እዩ ኔሩ፣ እታ መጽናዕቱ ኣብዚ መጺኡ ምሳይ ወዲእዋ።
• ባህሊ ካብ ዝቕይሩ ሓደ ዓውለማ እዩ። ባህልና ንኸይብረዝ እንታይ ክንገብር ኣለና?
እቲ ዓውለማ እሞ ነቐምጦ ኣብ ቦትኡ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ባህልን ወግዕን እንተሃልዩካ እንታይ ናብ ዓውለማ ዘቋምት ኣሎካ። ኩለን ኣብ ደረጃ ምዕባለ በጺሐን ዘለዋ ሃገራት ክትርኢ እንከሎኻ፡ ካብ ባህለንን ወግዐንን ዝተበገሰ ስርዓት’ዩ ዘለወን። ግዜ ከይነጥፍእ እምበር፡ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኣብነት ምጠቐስኩልካ። ህዝብታት ኣውሮጳ እንተርኢኻ፡ ካብቲ ባህሎም ተበጊሶም እዮም ነቲ ሕግታት ሰሪዕሞ እምበር ኩሎም ሓደ ዓይነት ኣይኮኑን። ስለዚ እቲ ዓውለማ ዝበሃል ነገር ኣብ ሕጊ ኣቲኻ ክትሪኦ ከለኻ፡ ዓውለማ ዝበሃል የለን። ኩሎም በብናቶም ሕጊ እዮም ዝመሓደሩ ዘለዉ። ንሕና’ውን ብናትና ሕጊ ክንመሓደር ኣለና። ኣብ ባህልናን ወግዕናን ዝተመስረተ ፍሉይ ሕግታት ኣለና። ብእኡ እንኼድና፡ ባህልናን ወግዕናን ክብርዘልና ዝኽእል ሓይሊ ከቶ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ።
• ብዛዕባ ባህሊ ኣብ ደገ ዝነብሩ መንእሰያት
ብሕልፊ ኣብ’ቶም ኣብ ኮም ዘይተጠርነፉ መንእሰያት፡ ክንደይ ጸገማት’ዩ ዘሎ። ገሊኡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ስለዝኾነ ክተገልጾ’ውን ዘጸግም’ዩ። ክንደይ ዘሕዝን ነገራት ኢኻ ትርኢ። ከይተረድኦም ኣብ ክንደይ ጸገማት’ዮም ዝወድቁ። ክሳብ ርእሰ ቕትለት ዝገብሩ፡ ውሉፋት ናይ ድራግ ዝኾኑ ኣለዉ። ቅድሚ ቅሩብ ግዜ ዘጋጠመ ከዕልለካ፥ ሓደ መንእሰይ ምስ’ዞም ውሉፋት ሓሺሽ (drug addict) ጸኒሑ፡ ብውሳኔ ካብኣታቶም ተፈልዩ፡ ጸርዩ፡ ሓውዩ ካብቲ ናይ ወልፊ ሕማሙ፡ ሰጥ ኢሉ ምስ ስድርኡ ክቕመጥ ጀሚሩ። ደሓር እቶም ናይ ሓሺሽ ብጾቱ ደሊዮም ረኺቦሞ። ረኺቦም ኣብ ሩባ በረድ ወሲዶም ኣጥሒሎሞ። ሕጂ እዚ ወዲ ናብ ኣዲኡ ክድውል ፈቲኑ ነይሩ፡ ኣዲኡ ግን ክትሰምዖ ኣይትኽእልን እያ። ምኽንያቱ ንሱ እንግሊዝ ጥራሕ እዩ ዝዛረብ፡ ኣዲኡ ድማ ትግርኛ ጥራይ እያ ትዛረብ። ኣዲኡ ክትረድኦ ኣይከኣለትን። ክሳብ ክንድ’ዚ እዩ ስድራ ተፈላልዩ ዘሎ።
• መፍትሒ ሓሳብ
ኣብ ኮም ምጥርናፍ እቲ ዝዓበየ ፍታሕ’ዩ። ኣብ ኮም እንተተጠርኒፍካ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ዓድኻ፡ ባህሊ ዓድኻ፡ ወግዒ ዓድኻ ኢኻ ትዛረብ። መዋዕልትኻ ደቂ ዓድኻ’ዮም፡ ዕላልካ ብዛዕባ ዓድኻ’ዩ። ኣብ ኮማዊ ህይወት ናይ ኤርትራውያን ለጊቦም ዝስጉሙ ዘለዉ ኩሉ ሳዕ ዝድግፎምሕብረተሰብ ኣለዎም። ኣይንጸሉን እዮም። እቲ ጸገም ዝመጽእ ኣብቶም ከምኡ ዓይነት ርክባት ዘይብሎም እዩ።
እቶም ኣብ መንእሰያት ህግደፍ (YPFDJ) እተወደቡ መንእሰያት ካብቶም ዘይተወደቡ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ እዩ ዘለዎም። ደቀይ ንኣብነት፥ ክልቲአን ኣባላት YPFDJ እየን። ናይ ኩሉ ብሄራት ሳዕስዒት ኣብ መድረኽ ይወጽኦ እየን። ምስ ህዝበን ቀጻሊ ርክባት ኣለወን። ኣብ ህይወተን ተነጽሎ ዝበሃል የለን። ኣካል ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኮይነን ይቕጽላ ኣለዋ። እዚ፡ ንኹሉ ነቲ ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ መንእሰይ ዝምነየሉ ነገር’ዩ፡ ናይ ብሓቂ!
• ተራ ወለዲ
ናይ ወለዲ ዝዓበየ ተራ እዩ ዘለዎ። ግና ከምቲ ቀዲመ ዝነገርኩኻ፡ ሓድሓደ ግዜ ካብ ቁጽጽር ወላዲ ወጻኢ ዝኸይድ ከኣ ኣሎ። ኣብነት፥ ከምቲ ቀዲመ ዝገለጽክዎ፡ እቶም ቋንቋ ናይቲ ዝነብርሉ ዘይክእሉ ወለዲ፡ ንደቈም ግድን ምስ ማሕበረ- ኮም ወይ ምስ YPFDJ ከራኽብዎም ኣለዎም። ኣብ’ኡ እናተመላለሱ ብእተኻለ መጠን ብዛዕባ ባህሊ፡ ልምድን ቋንቋን ዓዶም፡ ህሉው ፖለቲካዊ ኵነታት ዓዶም ክፈልጡ ክኽእሉ ኣለዎም። ኮማት ከኣ ብእኡ መንጽር ክሕይላ ኣለወን። እቲ ኣብኡ ዝነብር ዜጋ’ውን ክድግፈን ኣለዎ።
ገለ ኣዴታት፡ እዛ ሃገር ናትና ስለዘይኮነት፡ ኣብ ገዛ ምስ ኣተኹም፡ ብዘይካ ብቛንቋኹም ብኻልእ ክትዛረቡ ክሰምዕ ኣይደልን እየ ኢለን፡ ብቛንቋ ዓዶም ክዛረቡ ዘገድዳ ኣለዋ። ጽቡቕ’ዩ። ሓንቲ ኣብ ኣመሪካ ተወሊዳ ኣብኡ ዝዓበየት መንእሰይ፡ ምሳይ ናብ’ዚ መጺኣ ከም ተሓጋጋዚት ምርምር (research assistant) ኮይና ዝሰርሐት ኣላ፡ ክገርመካ ጽፉፍ ትግርኛ እያ ትዛረብ። ሳላ ወለዳ ኮይኑ ይስመዓኒ። ስለዝስ ወለዲ ዝዓበየ ተራ እዩ ዘለዎም። ዋላ እቲ ኣቐዲምና ዘልዓልናዮ መንእሰይ ብሰንኪ ቋንቋ ኣዲኡ ዘይምኽኣሉ’ዩ ጠፊኡ፤ ደዊሉ ነዲኡ “ክቐትሉኒ ይፍትኑ ‘ለዉ” ኢሉ ክነግራ ኣይከኣለን። ሳዕቤኑ ኸኣ ርኢናዮ ኢና።
• ጉዕዞ ፍቕራዊ ህይወትካ
ኣነ ነቲ ናይ ንእስነት ዕድመይ ኩሉ ኣብ ደገ እየ ኣሕሊፈዮ። ኣጋጣሚ ኾይኑ ኩሉ ኸኣ በቲ ኣብ ደገ ዘሎ ስርዓት እየ ከይደ። ብናትካ ስርዓት ክትቕጽል ክብድ ይብል’ዩ ኣብ ደገ። እታ ቐዳመይቲ በዓልቲ ቤተይ ኤልሳ ትበሃል። ጸላም ሓንፈጽ ናይ ፊሊፒን እያ። ካብ ልክዕ ዝሓለፈት ጽብቕቲ እያ ኔራ። ናብዚ ምስ መጸት፡ ተላሊና ሒዘያ ከይደ ንጂማ ኢትዮጵያ። ኣብ ኢትዮጵያ ተመርዒና። ንገለ 10 ዓመት ዝኸውን ጽቡቕ ፍቕራዊ ህይወት ኣሕሊፍና፡ ተፈላሊና።
• ውላድ’ከ?
ኣይወለድናን።
• ንቐጽል ሕራይ
ካልአይቲ በዓልቲ ቤተይ ሳራ እተባህለት ኦሮሞ እያ ኔራ። ናታ ኸኣ ዘገርም ነገር እዩ፤ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክትመሃር ወለዳ ሰዲዶማ፤ ኣብኡ እናተማህረት ከላ መጽሓፈይ ትወጽእ። እቶም መምህራነይ ይረኽብዋ’ሞ፡ ነታ “ገዳ” ትብል መጽሓፈይ ይህብዋ፡ ተንብባ። “እዚ ነዛ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ሰብ ኣበይ እዩ ዝርከብ?” ኢላ ኣናድያ ረኺባትኒ። ተላሊና፡ ተፋቲና፡ ተመርዒና፡ ምስኣ’ውን ብተመሳሳሊ ንገለ 10 ዓመት ዝኸውን ጥዑም ፍቕራዊ ህይወት ኣስተማቒርና።
• ውላድ?
ኣይገበርናን።
• ሕራይ
ድሕሪኡ ዓደይ ተመሊሰ። ኣብዚ ንሳልሳይ ግዜ ጉዖይ ንእተባህለት ተመርዕየ። ክልተ ወሊድና። ክልቲአን ደቅና ኣብ ኤርትራ’የን ተወሊደን። ባህሊ ዓደንን መንነተንን ፈሊጠን’የን ንኣመሪካ ከይደን።
ኣስማተን ሳራን ኤልሳን
• መነባብሮኹም ኣበይ እዩ ዘሎ ሕጂ?
ፊላደልፊያ ኣሜሪካ። ኩላትና ብሓባር ኢና ንቕመጥ።
• ኣብ ህይወትካ ከም ፍሉይ ዓወት ጌርካ ትገልጾ?
ቀዳማይ፡ ፈለማ ሜዳ ዝኣተኹሉ ግዜ’ዩ። ንሳ ፍልይቲ ዓወት እያ ንዓይ። ከመይ፡ ካብ ህዝበይ ተነጺለ 20 ዓመት ጸኒሐ፣ ኣብ ማእከል ተጋደልቲ ክሕወስ፡ ኩሉ መስተንክር ስርሖምን ሂወቶምን ርእየ፡ ኣገልግሎት ክህቦም ምፍታነይ፡ ካልእ ሓድሽ ህይወት እዩ ኔሩ ንዓይ። ካልኣይ፡ ብዛዕባ ኦሮሞ ዝጸሓፍክዎ መጽናዕታዊ መጽሓፍ፡ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ዓቢ ዓቢ ጽልዋ ክገብር ብምርኣየይ እውን መዳርግቲ ዘይርከቦ ዓወት እዩ ንዓይ።
•ኣብ ሂወት ከም ኣንጻር ናይ ዓወት ትገልጾኸ?
ወለደይ ካብ ህዝቦም ተፈልዮም ናብ ኢትዮጵያ ምኻዶም የጉህየኒ ነይሩ። ኣደይ ቅድሚ ኵናት ምጅማሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሕማቕ ነገር ክትዕዘብ ስለዝጀመረት፡ ቅድሚ ምስጓጓ እያ ባዕላ ተቐላጢፋ ጠቕሊላ ናብ ኤርትራ ኣትያ።
• ኣብ ህይወትካ እወታዊ ጽልዋ ዝገበረት መጽሓፍ
ሓንቲ ካብ ብዙሓት፡ “The Hidden Dimension” እትብል መጽሓፍ እያ። እታ መጽሓፍ ናይ ፕሮክሲሚክስ (proxemics) እያ። “ፕሮክሲሚክስ” ሓደ ፍሉይ ጨንፈር ናይ ኣንትሮፖሎጂ እዩ። ወዲ ሰብ ብቛንቋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዓይኒ ንዓይኒ ብምርእኣይ፡ ብኣካላዊ ምንቅስቓስን ካልእን እውን ክንደይ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዝኽእል ምዃኑ’ያ ትነግር። ብሰንኪ ነዚ ዘይምፍላጥ፡ ኣብ ማሕበራዊ ይኹን ዲፕሎማስያዊ መዳይ ብዙሕ ጸገማት ክፍጠር ይስትውዓል’ዩ። ኣነ ነዚኣ ከም ሓንቲ ዓባይ ነጥቢ ወሲደ፡ ኣብ ስርሐይ ምስ ህዝቢ ክራኸብ ከለኹ፡ ምርምር ከኻይድ ከለኹ፡ ቃሎም ጥራይ ኣይኮንኩን ዝሰምዕ፡ ኣካላቶም ከ እንታይ ይብለኒ ኣሎ ኢለ ይዕዘብ እየ።
ሓደ መዓልቲ ዝኾንክዎ ከዕልለካ፣ ኣብ ነፋሪት ደይበ፡ ናብ ሓጅ ዝኸዱ ኣመንቲ ምስልምና ሰብኣይን ሰበይትን ኣብኡ ኔሮም። ካብ ካርቱም ኢና ነቒልና። ኣነን ንሳን ኣብ ጫፍ ንሱ ኣብ ሞንጎና እዩ ኔሩ። እቲ መመጠን ናይ ኣየር ብወገን ናታ ስለዝነበረ፡ ከተኻኽሎ ፈቲነ። ሰብኣይ፥ “ከመይ ኣልካ ኢኻ ኢድካ ብልዕሊ ሰበይተይ ዊጥ ተብል” ኢሉ ክጽለል!። “እሞ ናይ ሰለስቴና እኳ እዩ እዚ” ኢለ ከረድኦ ፈቲነ። ፍጹም ክርደኣኒ ኣይከለን። ሓውን ሓሰርን ኣትዩና፡ ታዕ ታዕ ኮይኑ። ደሓር ብድሕረይ ሓደ ሱዳናዊ ኦፊሰር ነይሩ። “ንዓ ኣብዚኣ ኮፍ በል” ኢሉ ኣብ ናቱ መንበር ኮፍ ኣቢሉኒ። ንዕኡ ድማ ኮፍ ኣቢሉ ኣረዲእዎ። ሕጂ እንታይ ንምባል እየ፣ ዓረብ እንታይ ኣለዎም፡ ኣብዚኣ ጠጠው ኢለ እንተድኣ ኣለኹ፡ ሓደ ሜትሮ ዝኸውን ቦታ ናቶም እዩ። ኣብኣ ኣይትኣቱን ኢኻ። ተኣቲኻ መሬትና ጥሒስካ ዝብል ስምዒት ኣለዎም። ብቃል ክዛረብዎ ኣይክእሉን እዮም ግና ብውሽጢ ይስምዖም እዩ። ሕጂ እዚኣ እንተዳኣ ዘይትፈልጥ ኴንካ ጸገም’ዩ። ፕሮክሲሚክስ (proxemics) እዩ እዚ። ናይ ቛንቛ ዘይኮነስ ናይ ኣካላት ምውስዋስን ክትኮኖ ዘሎካ ርሕቀትን እዩ። ‘ተዘይተረዲእካዮም ኣብ ክንደይ ትዓብ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
• ነዛ መጽሓፍ ብኸመይ ክንረኽባ ንኽእል?
ሕጂ ደኣ ምስ’ዚ ዘሎ ተክኖሎጂ እንታይ ጸገም ከይህሉ ኢኻ። “The hidden dimension” ኢልካ ኢንተርነት ኣቲኻ ብቐሊሉ ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ።
• ትፈትዎ ባህርዪ
ኣነ ናይ ኦሮሞ ባህርዪ እዩ ባህ ዝብለኒ። ቅንዕና ኣለዎም። ሸፈጥ፡ ሓሶት፡ ምውቓዕ ኣይፈትዉን እዮም። “ከጂባ” ዝብል ቃል ኣለዎም፡
ከጂባ ናይ መወዳእታ ጸርፊ እዩ ብኣታቶም። ኣነ ኸኣ ትኽ ኢሉ ዘይዛረብ ሰብ ኣይፈትዎን እየ። ቅንዕና እየ ዝፈቱ።
• ባህርዪ ክዕረ ይኽእል’ዶ መስለካ?
ዓሚቝ እዩ፡ ኣዝዩ ሱር ኣለዎ። ካብ ቁልዕነት፡ ንእስነት ኢልካ ጀሚርካ ክሳብ ትዓቢ ተማዕብሎ ነገር ስለ ዝኾነ ክብድ ይብል’ዩ። ኣተዓባብያ እውን ወሳኒ እዩ። ምናልባት ኣብ ካልእ ህዝቢ ኣቲኻ፡ ካብቲ ናትካ ባህርዪ ፍሉይ ዝኾነ ባህርዪ ኣብ ዝንጸባረቐሉ ኣቲኻ ብሓቂ እንተዳኣ ኣርዒምካዮ፣ ምናልባት ክቕየር ይኽእል ይኸውን’ዩ። ግን ኣነ ብናተይ ኣረኣእያ ባህሪ ናይ ሰብ መሰረት ኣለዎ። ኣዝዩ ከቢድ መሰረት ኣለዎ። ሕጂ ንዑኡ ተረዲእካ ብኡ ክትምራሕ ድሉው እንተዳኣ ኴንካ ጽቡቕ ሰላም ኣለካ። ምስኡ ‘ተዘይተሰማሚዕካ ግና ናይ ተነጽሎ ጸገም ከጋጥመካ’ዩ።
• ንነዊሕ እዋን ፈቲኻዮ ዝተጓዓዝካ ሰብ
ኣብርሃም ዶሞዝ ዓርከይ እዩ ኔሩ … ናይ ነዊሕ ግዜ። ትኽ ትንፋስ ኣዕሩኽ ኢና ኔርና። ደሓር ግና ብምኽንያት ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ምፍልላይ በጺሕና። ናይ linguastics ፕሮፌሰር እዩ። ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ብሓንሳብ ሰሪሕና ኔርና። ደሓር ከምዚ ዝበልኩኻ ምስ ህዝባዊ ግንባር ጥቡቕ ርክብ ምስ ጀመርኩ ተፈላሊና። ኣይተበኣስናን፡ ግዳ ተረሓሒቕና።
• ትፈትዎ መግቢ – ካብ ቀደም?
ዝዓበኹሉ ስለዝኾነ፡ ናይ ጣልያን መግቢ እፈትዎ’የ። ፓስታ፡ ላዛኛ ኩሉ እፈትዎ’የ። ንብሽኮቲታት ጥልያን ድማ ብፍሉይ ዓይነት እፈትዎ።
• ካብ መስተኸ?
ቪኖ ናይ ጥልያን። ንመዓልቲ ሓንቲ ኩባያ ቀይሕ ቪኖ እሰቲ’የ። ሓካይም’ውን ይፈቕድዋ’ዮም እዚኣ። ገለ ሓካይም፡ ሓንቲ ብኬሪ ቪኖ ምስታይ ንልቢ መድሃኒት ምዃና ክገልጽዋ ሰሚዐ’ለኹ። ብወገነይ ቪኖ ኣይፈልን እየ፤ ግና ሓንቲ ኩባያ እየ ዝሰቲ። ካብኣ ንላዕሊ ካልእ ስራሕ ኣለዋ።
• ኣብ ህይወትካ ብፍሉይ እተድንቖ ሰብ
ካብ ምሁራት Edward Hill እዩ፡ እቲ ነታ “The Hidden Dimension” ትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ። ኣገዳስነት ናይታ መጽሓፍ ቀዲምና ተዘራሪብናሉ ኢና።
• ካልኣይከ?
ፈረንሳዊ ተመራማሪ እዩ፡ ክሎድ ለቪ ስትሮስ ይበሃል። ንሱ “ነፍሲወከፍ ህዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም ኣለዎ። ክትርድኦ ትኽእል ከኣ ብምዝርራብ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጡ ጠሊቕካ ብምእታው’ዩ። ኣብቶም ህዝብታት ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ናቶም ኣካል ኣቲኻ፡ ተወሃህድካ ምስኦም ክትነብር ክትፍትን ኣለካ እዩ እቲ መልእኽቱ፤ “total immerge” እዩ ዝብሎ ንሱ። ብሞያ ኣንትሮፖሎጂስት ኮይኑ፡ ብዛዕባ ሓያለ ብሄራት ምርምር ዘካየደ እዩ። ንሱ ኣብ መወዳእታ፡ ከምቲ ገዛእቲ (co- lonolist) ዝብልዎ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ብሄር ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ገዛእ ርእሱ (self-contained) ስርዓትን ወግዕን ኣለዎ፤ ሓደ ነቲ ሓደ ዝንዕቀሉ የለን እዩ ዝብል። እቲ ንሱ ብዛዕባ ካልኦት ብሄራት ምርምር ኣካይዱ ዝጽሕፎ ኣዝዩ መሳጥን ኣደናቕን እዩ። ምኽንያቱ፥ ነቶም ህዝቢ ከም ጓና ኮይኑ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጦም ኣትዩ ንዖኦም መሲሉ እዩ ዝነብር። ከምኡ እንተጌርካ ጥራይ ኢኻ ከኣ ክትርድኦ ትኽእል ንሓደ ህዝቢ ወይ ብሄር።
ኣነ ናብ ቦረና ምስ ከድኩ’ውን፡ ከምኡ ክገብር እየ ፈቲነ። ኣብ ውሽጦም ኣትየ ልክዕ ከምታ ናቶም ናብራ ክነብር፡ በታ ናቶም ኣተሓሳስባ ክምራሕ እየ ፈቲነ።
• ክትኮኖ እናበሃግካ ዛጊት ዘይሰለጠካ ነገር
ሕክምና ክመሃር ፈቲነ ነይረ ኣብ ዩጋንዳ ከለኹ። እቲ ቤት ትምህርቲ ዓቢ ሆስፒታል ኣለዎ። ሕጂ ኣብኡ ነቲ ትምህርቲ ኣዝየ ብሂገዮ ነይረ። ክጀማምሮ ኢለ ኣብ ውሽጡ ምስ ኣተኹ ግና ክቕፍፈኒ ጀሚሩ። ንምንታይ፡ ዓስከሬን የምጹኡልና ኔሮም መብጣሕቲ ክንለማመድ። ኢድ ተደለኻ ኢድ ቈሪጾም የምጹኡልካ፡ ርእሲ ተደለኻ ርእሲ ቈሪጾም የምጽኡልካ፡ ኣብ ከምዚ ደረጃ ምስ በጻሕኩ እቲ ኣብ ሕክምና ዝነበረኒ ስምዒት ምሉእ ብምሉእ ተገልቢጡ። ገዲፈዮ ናብ ካልእ ትምህርቲ ኣትየ።
• ንመንእሰይ ዝኸውን ገለ ምኽርታት ክትህበና ፕሮፌሰር። ብጉዳይ መርዓን ሓዳርን ክንጅምር
ሓደ ዝዓበየ ዕንቕፋት እንታይ ኣሎ፡ ወዲ ምስ ጓል ፍቕሪ ክጅምር ከሎ፡ ዝበዝሕ ግዜ ብመልክዕ እዩ
ዝሰሓብ። እቲ መልክዕ ግን ነባሪ ኣይኮነን፡ ብዙሕ ቁምነገር የብሉን። ምኽንያቱ ከተዕልል ክትጅምር ከለኻ፡ ሽዑ እዩ እቲ ባህርያት ናይ’ቲ ሰብ ክፍለጥ ዝጅምር። ኣብነት ክህበካ፥ ናይ ቦረና፡ መርዓ ክሓስቡ ከለዉ፡ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝወስድ ናይ ምፍላጥን ምግምጋምን ግዜ ይወስዱ። እቲ ወዲ ነታ ጓል ክደልያ ከሎ፡ መጀመርታ እታ ጓል ክትግምግሞ ብዙሕ ዕድል ይወሃባ። ናብ ገዛ ቡን ሒዙ ይመጽእ፡ ንኣሽቱ ህያባት ሒዙ፡ ቡን የፍልሕሉ፡ የዕልሉ፡ ንሱ ድማ ህያብ ይህቦም። እታ ህያብ ንእሽቶ ትኹን ዓባይ ይቕበልዋ እዮም። እዚ ኹሉ ክገብር ከሎ፡ ይለምዶምን ይለምድዎን ኮታስ ይለማመዱ። ምስ ስድራኣ ምስተለማመደ’ዩ ናብታ ጓል ዝሰግር። ድሕሪኡ ምስ’ታ ጓል ይላለ። ንበይኖም ኮይኖም ኮፍ ክብሉ፡ ከዕልሉ፡ ክጻወቱ ይፍቀደሎም። እዚ ሕጂ ነታ ጓል ጽቡቕ ገይራ ክትርእዮ፡ ክትመዝኖ፡ ክትርድኦ፡ ኩለንትናኡ ክትፈልጦ የኽእላ’ዩ። ንሱ’ውን ብተመሳሳሊ። እቲ ሌላ ናይ ሓጺር ግዜ እንተኾይኑ ግና፡ ወዲ ንኸምስል ተኸዲንዎ ዘይፈልጥ ዋላ ካብ ብጻዩ ተለቒሑ ማሕ ማሕ ኢሉ ምስ መጸካ ክትደናገር ትኽእል ኢኻ። ስለዚ እቲ ናይ ሌላ ግዜ ቅሩብ ንውሕ እንተበለ፡ ኣይጽላእን’ዩ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘሎኒ።
• ሕጂ ንውሓት ናይ ሌላ ግዜ ክንደይ ይኹን ኢኻ ትብለና ዘለኻ?
ክልተ ዓመት ናይ ምልላይን ናይ ምግምጋምን ዕድል ክህሉ ኣለዎ እየ ዝብል። (ሰሓቕ)
• መርዓ ዝኣክል ገንዘብን ንዋትን ምስ ሓዝካ’ዩ ግርም ዝብሉ ኣለዉ። ገለ ድማ “ኣይፋሉን” መርዓት ምስ ዕድላ’ያ ትመጽእ፡ ዝሓዝካ ሒዝካ ምምርዓው ይሓይሽ ዝብሉ ኣለዉ።
ምስ ኣየኖት ወገን ኢኻ?
ሕጂ ኣብ’ቲ ዘመናዊ መርዓ ክንመጽእ ኢና። ዘመናዊ መርዓ ናይ ማዕርነት መርዓ እዩ። ብዕድመ፡ ብትምህርቲ ይኹን ብእትዋት ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ኴንካ ትገብሮ ነገር’ዩ። ኣብ’ዚ ዘመናዊ መርዓ ኩሉ ነገር ተሓጋጊዝካ ኢኻ ትገብሮ። እቲ ሓደ ክመሃር ከሎ፡ እቲ ሓደ ይሰርሕ። እቲ ሓደ ክወፍር ከሎ፡ እቲ ሓደ ጉዳይ ገዛን ቈልዓን ይዓምም፡ ከምኡ እናበሉ ዝናበሩ ኣለዉ። ኣብቲ ባህላዊ እንተመጺእካ ግን ንብረት ክትድልብ ኣለካ፡ ክትድልድል፡ ምጽእ ምስ በለት ክትሕብሕባ፡ ክትስልማ … ክንደይ ክንደይ ጣጣ ኣሎ። እዚ ኹሉ ኸኣ ነቲ ናይ ምልላይ ዕድል ይዕንቅፎ እዩ። ስለዚ በየናይ ዓለም ኢና ንሓስብ ዘለና ክንብል ክንክእል ኣለና። ኣብቲ ናይ ማዕርነት ኣገባብ፡ ንኽትላለ ንውሕ ዝበለ ግዜ የድሊ እዩ። ኣብ’ቲ ባህላዊ ግን እቶም ወለዲ እዮም ዝላለዩ። ንሳቶም ተኣማሚኖም ደቈም የዋስቡ።
ኣብዚ ኸኣ ክንደይ ተዓብ እዩ ዘጋጥም። ዘይተጸበኻዮ ነገር ይመጽእ፣ ገለ’ውን ከይረኣይዋ ዝምርዓዉ ነይሮም’ዮም፡ ሕጂ ኣሎ ድዩ ከምኡ የለን እንድዒ። ስለዚ ኣነ ግድን ኣቐዲምካ ናይ ምልላይን ሓድሕዳዊ ባህርያትካ ናይ ምፍላጥን ዕድል ክህሉ ኣለዎ እየ ዝብል። እዚ ንዕዉት መርዓ እቲ ዝዓበየ ቅድመ ኵነት (Precondition for good marriage) ዝብሎ እዩ።
• ምትእስሳር ፍቕርን ባህሪያዊ ስምዒትን
ስምዒት ኣገዳሲ እዩ። ግና ስምዒት ክንብል ከለና ካብቲ ኣካላዊ ስሕበት (Physical attraction) ክንፈልዮ ክንክእል ኣሎና። እቲ ኣካላዊ ስሕበት ብሓቂ ግዳማዊ (Superficial) ነገር እዩ፡ ሎሚ ኣሎ፡ ጽባሕ ምስ ጠነሰት ቅርጻ ተቐይሩ ክጸንሕ ይኽእል’ዩ። ነባሪ ኣይኮነን። እቲ ፍቕሪ ኣብቲ ኣተሓሳስባ፡ ኣብቲ ስምዒት፡ ኣብቲ ክብርታት ናታን ናትካን እንታይ ከም ዝኾነ ብዕምቘት ክትረዳዳእ ክትክእል ኣለካ። እንተዘይኮይኑ፡ ናብ ናይ ሓሶት ዝምድና (Pretend Relationship) ኢኻ ትኣቱ። ብናይ ሓሶት ዝምድና ዝተመረዓዓዉ መጻምድቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ክትሪኦም ኣለካ፡ ንኣብነት፥ ክበኣሱ ከለዉ። ብዙሕ ጉድ እዩ ዝወጽእ። ከምዚኸ ኣሎ ድዩ ከብለካ ይኽእል’ዩ! ስለዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ብዙሕ ዝኽወል ክህሉ ስለዘይክእል፡ ክንደይ ክትርኢ ኢኻ።
• መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ ዕዉታት ክንከውን
ንትምህርቲ ብፍቕሪ፡ ብዕምቈት ክትመሃሮ ክትክእል ኣለካ። ብዛዕባ ኣብ ፈተና ከመይ ትዕወት ጥራሕ እናሓሰብካ ትመሃር እንተዄንካ፡ ገዛእ ርእስኻ ተደናግር ኣሎኻ። ኣብነት ገለ ተመሃሮ ብምሽምዳድ ጥራሕ ወይ’ውን ናይ ዝሓለፈ ፈተናታት ደጋጊሞም ብምልምማድ ጥራሕ ኣብ መርመራ ብቑዕ ውጽኢት ከምጽኡ ይኽእሉ’ዮም። እዚኣ ንግዚኡ መሳሪሒት እምበር ንሓዋሩ ኣይትጠቅምን እያ። እንታይ ንምባል እየ ነቲ ትምህርቲ፡ ነቲ ፍልጠትሲ ብዓይኒ ረብሓ ዘይኮነስ ብዕምቈት ክትርእዮን ክትርድኦን ኣለካ።
ንኣብነት ኣቦይ ባይሩ ዝበሃሉ መምህረይ፡ ኣቡኡ ንተድላ ባይሩ፡ በሊሕ ሰብኣይ እዮም። ዓቢ ሓወይ ገብረክርስቶስ ኣብ ሹቕ እዩ ዓብዩ። ዕሉል ወዲ ሹቕ እዩ። ኣነ ኸኣ ገዛ ከኒሻ እየ ኔረ። ኣነ ህልይ ዝበልኩ እየ ብኣረኣእያ ናቶም። መምህርና ንሶም ስለ ዝነበሩ ንሓደ ዓመት ኣብ ወጥሪ ኢና ኣቲና። ደሓር ገብረክርስቶስ ሓወይ ነታ ደብተሮም ረኺብዋ፣ ሕቶን መልሲን ዘለዋ’ያ። ኩላ ድማ ቀዲሕዋ። ሽዑ ፈተና ክንገብር ከለና ንሕና 5 ወይ 6 ክንወስድ ከለና ንሱ 10 ካብ 10 ይረክብ። ደሓር ኣቦይ ባይሩ ነዚኣ ተዓዚቦማ። ገለስ ኣላታ ኢሎም ነታ ደብተር ዓጺዮማ። ኣብኣ ዘየለ ሕቶ ሓቲቶምና። ሽዑ ገብረክርስቶስ 0 ረኺቡ፡ ንሕና ከኣ እተን ናይ ቀደምና። (ሰሓቕ) ሽዑ ኣቦይ ባይሩ እንግሊዝ፡ ጣልያን ትግርኛ ሓዋዊሶም እዮም ዝዛረቡ ነይሮም። “ላ ፎርበሪያ ላ ሲንቸሪታ ቲ ፋራጎይታ” ኢሎምና። ትርጉማ፡ “ቕንዕና ንሓዋሩ እያ፡ ጉርሒ ግን ንሕጂ እያ እምበር ኣይትኾነካን እያ” ማለቶም እዩ።
እንታይ ንምባል እየ ነቲ ትምህርቲ ከምዚ ምቁርቛስ፡ ከምዚ ቴክኒክ እሞ ደጋጊምካ ክትመሃሮ ትኽእል ነገር ጌሮም ዝወስድዎ ሰባት ኣለዉ። እዚኦም ክሳብ እታ ፈተና እያ ተብጽሖም እምበር ካብኣ ንንዮ ኣይተስግሮምን እያ። እታ ፈተና ምስ ሓለፍዋ እሞ ተዓዊቶም ጽቡቕ ውጽኢት ምስ ኣምጽኡ፡ ካብኣ ንንዮ ዘላ ትምህርቲ ከምኣ ጌርካ ክትመሃራ ኣይትኽእልን ኢኻ። እንታይ ደኣ ዕምቖት ክህልወካ ኣለዎ እዩ እቲ እተሓሳስባኻ። ነቲ ፍልጠት ብዕምቆት ክትቈጻጸሮ ክትፍትን ኣለካ እምበር ብጉርሒ ኣይኮነን። እታ “ፎርበሪያ” ተጋጊ እያ (ሰሓቕ)! ስለዚ ናይ ትምህርቲ ኣምር ተለካ ኩሉሳዕ እናዓሞቐ እናዓሞቐ ክኸይድ ኣለዎ ኣብኡ እዩ ኸኣ እቲ ቑምነገር ዘሎ። ንኣብነት ሽምዳዳ ኣሎ’ኖ፡ ነቲ “facts” ጥራይ ተጽንዖ እሞ፡ ተረረ ኣቢልካ ተወጺእካዮ ፍልጠት ይመስለካ። ግን ፍልጠት ኣይኮነን እዚ። ኣተሓሳስባኻ፡ እቲ ፍልጠት ዕምቈት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እንኾይኑ ግና ብኹሉ መዳያት ክትርድኦ ትፍትን፡ ጠሊቕካ ከኣ እቲ ውሽጢ ጉዳዩ እንታይ ይመስል ክትርዳእ ትፍትን። ብእኡ ኢኻ ክትዕወት ትኽእል።
• ምሁራት ዜጋታት ፍልጠቶም ናብ መንእሰያት ኣብ ምስጋር ከመይ ኣለዉ ትብል? እንታይ ከ ትምዕድ?
ኣብዚ ጸገም ኣለና ብሓቂ። ብዙሓት ካብቶም ምሁራት ዜጋታት ዝበዝሐ ግዜ ፈሊሶም ኣብ ካልእ ሃገር እዮም ዘለዉ። ኣብዚ ዘለዉ ከኣ ኣብ ከቢድ ስራሓት ተሸሚሞም እዮም ዘለዉ። ኣብዚ ሕጂ ጽሑፍ ዓቢ ተራ ኣለዎ። እቲ መንእሰይ ወይ እቲ ተመሃራይ ጽሑፍ ናይ ምንባብ ባህሊ ክህልዎ ክኽእል ኣለዎ። ፍቕሪ ናይ ምንባብ፡ ፍቕሪ ናይ መጽሓፍ እንተሃልዩካ፡ ንኹሉ ብቐሊሉ ክትበጽሖ ትኽእል ኢኻ። ማለተይ ጽሑፍ ከተንብብ ከለኻ ንስኻን እቲ ጽሑፍን እምበር እቲ ደራሲ ምሳኻ የለን። ስለዚ ኣብኡ እናጠለቕካ ነቲ ትምህርትኻ ከትዕምቖ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኹሉ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዘሎ መንእሰይ፡ እቲ ዝበዝሐ ፍልጠት ካብ ምንባብን ሓርኮትኮትን ተበላሓትነትን እዩ ዝረኽቦ ዘሎ።
• ብሓፈሻ መንእሰይ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ትብል?
ሓልዮት ካብ ረብሓ ዝፈሊ ክኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ናይ ረብሓ ዓለም እንተደኣ ተሸሚምካ፡ ብዙሕ ቁምነገር ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ብዘይካ ሃብቲ ምድላብ። መነባብሮኻ ኣብ ከተማ ጥራሕ እንተኾይኑ፡ እንተላይ ናይ ገጠር ተሞኩሮ ህይወት ክህልወካ እውን ጠቓሚ’ዩ። ንኣብነት፥ እታ ኣነ ኣብ ገረሚ ዘሕለፍክዋ ሓንቲ ዓመት ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ጽልዋ እዩ ዘለዋ። ኣዝየ ዝሓሽኩ ነይረ፡ ካብቶም ገጠር ርእዮም ዘይፈልጡ ደቂ ከተማ። እቲ ኣብ ገጠር ዘሎ ነኣሽቱ ዘይምሹው ነገራት (Discomforts) ክትሰግሮ እንተዘይክኢልካ ምሉእ ሰብ ኣይኮንካን።
• ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት
ምስዛ ኣቐዲምካ ዝሓተትካኒ ትመሳሰል እያ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ካብ ገዛኻ ኣውጺኡ ኩሉ ነገር ከም ትርኢ ስለዝገብር ኣገዳሲ እዩ። ይዝከረኒ ኣብ 1994፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክጅመር ከሎ፡ ኣነ ጸንቢለዮ እየ – ናይ ብሓቂ። ኣብ ኣስመራ ኩሉ ህዝቢ ሆ እናበለ ከፋንዎም ከሎ፡ ምስኦም ከይደ። ኣብቲ እዋን ሽዑ ንሽዑ ዝጸሓፍክዋ ሓንቲ ጽሕፍቲ ኣብ ጋዜጣ ወጺኣ ነይራ። “ተጀሚሩ ዘሎ ክንደይ ጽቡቕ ነገር እዩ!” ኢለ ጽሒፈ። ሽዑ ናይ ስዊዘርላንድ ከም ኣብነት ብምቕራብ ማዕዳ ሂበ። ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ምዱብ ሰራዊት “professional army” ኣሎ። ህዝባዊ ሰራዊት ድማ ዘድሊ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲዱ ዕጥቁ ሒዙ ንቡር ህይወቱ ከካይድ ነናብ ቦታኡ ይኸይድ። ኲናት ክውላዕ ከሎ፡ ኩሉ ይስለፍ፡ ኩሉ ናብ ግንባር ይኸይድ። በዚ ኸኣ ስዊዘርላንድ ኣብ ክልቲኡ ኲናት ዓለም ኣይተወረትን። ምኽንያቱ ህዝቢ ስዊዘርላንድ ብምሉኡ ዕጡቕ እዩ ነይሩ። ኩሉ ህዝቢ ብረት ዓጢቑ ወትሩ ኣብ ተጠንቀቕ እዩ። ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ስልጠና ይወስዱ። በዚ ኣገባብ’ዚ ተደፊራ ኣይትፈልጥን እያ፡ ፍጹም ሰላም ዘለዋ ሃገር ከኣ ስዊዘርላንድ እያ። በዚ መንጽር ክርእዮ ከለኹ፡ ኣብ ሃገርና’ውን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣድላዪ እዩ፡ ካብኣቶም ኣብ ምዱብ ሰራዊት ዝኾኑ ኣትሪፍካ፡ እቲ ኻልእ ብናይ ህዝባዊ ሰራዊት ኣገባብ ኣተሓሕዛ ክተሓዝ ጽቡቕ እዩ። ኵነታት እናጸለዎ’ምበር፡ እቲ ናይ መንግስቲ ሓሳብ’ውን ካብዚ ዝፍለ ከም ዘይኮነ ብተደጋጋሚ ይግለጽ’ዩ።
• ኣብ ደገ ንዘለዉ መንእሰያት እንታይ ትምዕዶም?
ኣብዚ ብሓቂ ይፈላለ እዩ። እቲ መንእሰይ ውፉይን ካብ ሕብረተሰቡ ዘይተነጸለን እንተኾይኑ እቲ መንገዲ ቅኑዕ እዩ። በየን ኣቢለ ኣገልግሎት ክህብ እኽእል ዝብል ኣምር እዩ ዝህልዎ። ከምዚ ኣነ ንሜዳ ክኣቱ ከለኹ ዝኾንክዎ ማለት እዩ። ክሳብ ሽዑ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ዕላማ ኣይነበረንን፡ እግረይ ናብ ዝመርሓኒ እየ ዝኸይድ ነይረ። ጥዑይ ህይወት ክነብር፡ ብቑዕ እቶት ክህልወኒ እዩ ኔሩ እቲ ዕላማይ። ሜዳ እትው ምስ በልኩ ግን ኩሉ ኣተሓሳስባይ ተቐይሩ። ብኸመይ መገዲ ንተጋደልቲ ክሕግዞም እኽእል? ብኸመይ መገዲ ንሃገረይ ክጠቕም እኽእል ኣብ ዝብል መዳይ ኣትየ። ኣብ ዘዕግብ ዕላማ ኣትየ ማለት’ዩ።
ሕጂ ነቲ ኣብ ደገ ዝነብር መንእሰይ እንታይ እየ ዝብሎ፡ ቅድም ዕላማ ክህልዎ ክኽእል ኣለዎ። ዕላማ ዘለዎ ሰብ ንዕኡ፡ ንስድርኡን ንሃገሩን ዝጠቅም ነገር ክገብር እዩ ሓኾት ዝብል። እቲ ዕላማ ዘይብሉ ሰብ ግና ግዚኡ ናብ ጸወታን ናብ ውድድር መጋየጺ ንብረት ኣብ ምዕዳግን እዩ ዘሕልፎ። እቲ ሓንጎሉ ናብ ስምዒቱ ዝመርሖ ነገር ጥራይ እዩ ክኸይድ ዝኽእል። ኣሜሪካ ንኣብነት፥ ፍቕረ ንዋይ (materialism) ዝበዝሖ ወሓጢ ሃገር እዩ። መዓልቲ መዓልቲ ዝምህዝዎ ነገር ኣሎ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ከኣ ሎሚ ዝተማህዘት ነገር ቦግ ኣቢሉ ክዕድጋ እዩ ዝፍትን። ሓደ መንእሰይ ዘዝተማህዘ ንዋት ኣብ ምዕዳግ ተሸሚሙ ዝውዕል እንተኾይኑ ድማ፡ እቲ ዝዓበየ ነገር’ዩ ዝሓድግ። ምስ ህዝቡ ዝምድና ዘይብሉ ኮይኑ ይተርፍ እሞ፡ ህይወቱ ፋሕ ይብል። ስለዚ ኣብ ደገ ዘለዉ መንእሰያት፡ ምስ ህዝቦም ዝምድና ክህልዎም፡ ዕላማ ክህልዎም፡ ህይወቶም እርኑብ ክኸውን፡ ካብ ድራግን ጠላዕን ክርሕቁ እየ ዝምዕዶም።
• ሎሚ ናብ ንእስነት እንተ ትምለስ ካብቲ ኣካይዳኻ እንታይ ምቐየርካ?
ግዜ ንእስነተይ ብግቡእ ተጠቒመሉ ስለዝኾንኩ፡ ምንም ዝልውጦ ነገር ኣይምሃለወንን። ህይወተይ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ኔሩ። መምህራነይ ምዕቡላት እዮም ነይሮም። ኣብቲ ዝለዓለ ዩኒቨርስቲ ክመሃር ዕድል ረኺበ – ዩኒቨርስቲ ሃርቫርድ። ተመሊሰ እዚ ክቕይሮ ዝብለሉ ምኽንያት የብለይን። እታ ኣብ ኤርትራ ኾይነ ብዛዕባ ሕጊታት እንዳባ ምርምር ክገብር ሓሲበያ ዝነበርኩ ዘይምግባረይ፡ ኣብ ሂወተይ ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ገይራ እያ። ብሰንካ ካብ 1956 (ሃርቫርድ ዝኣተኹሉ) ክሳብ 1984 ምስ ኤርትራን ምስ’ቲ ዝግበር ዝነበረ ቃልስን ምንም ርክብ ኣይነበረንን።
• መጻኢ መደብካ
ብወያኔ ተሰጕጉ እተመዛበለ ህዝቢ ህዝብን መንግስትን ዶኪኖም ክሳብ ናብ ዓዲ ዘእትውዎ፡ ካብኡ ስለዘይተፈለኹ፡ ኩሉ ተሰኒዱ ኣሎ። ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ሚኒስትሪ ልምዓት፡ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንትን ካልእን ዝገበርክዎ ምርምር’ውን ኣሎ። እቲ ናይ ሜዳ’ውን ኣሎ። ኩሉ ተደማሚሩስ ሓደ ዓብዪ መጽሓፍ ክኸውን እዩ። እዛ ሓዳስ ካልአይቲ ናይ ኦሮሞ መጽሓፍ “Gada and the Future of Oromo Democ- racy” ብቕድሚ ትማሊ ናብ ማሕተም ኣትያ ስለዝኾነት፡ ኩሉ’ዚ ብዛዕባ ኤርትራ ጽሒፈ ሰኒደዮ ዝጸናሕኩ ምርምራዊ ጸብጻባት፡ ናብ ኣመሪካ ሒዘዮ እኸይድ ኣለኹ። ሕጂ ናብ ናይ ኤርትራ መጽሓፍ እየ ክጽመድ። ምጽፋፍ የድልዮ’ምበር ዳርጋ ውዱእ ነገር’ዩ። ኣብታ መጽሓፍ ብተወሳኺ ኣነ ባዕለይ ዘርከብክሉን ብዓይነይ ዝረኣኽዎን ገለ ምዕራፋት ናይ ታሪኽ ኤርትራ ከእትወላ እየ።
• የቐንየለይ ፕሮፌሰር!!