Basic

*** The Game is over*** ኣኸለ **** ብገዲም ተጋዳላይ ሸናፊ ኣብርሃም

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Tuesday, 16 January 2018

*** The Game is over***
             ኣኸለ

ደጊም ኣከለ  The Game is over
ላግጺ የለን ብእንዳማትካ ሃገር
ፈጽሚ ኮይኑ እዋኑ ኣትሚሙ
መዋጽኦ የለን እከይና ዝሓለሙ

        ግዜና ጸንቆቕም ኮለፍቲ ጠራሮ ሓንካሮ
ብዋጋና ዝነገዱ ዘንበድበዱ እምባጋሮ
ሽምም ኢሎማ ታኼላ ሸቀልቲ ነውራማት  ከዳሞ                       
መስጣ ጽቡቕ ግብርና ኣትይዎም ዝሮ ምሮ
  
       መስጣ እቲ ሃሞሲት ዝወደቐ
መስጣ ናይ ቲ ጸሓይ ወልድያ ዘብረቐ
መስጣ ናይቲ ኣብ ንፋስ መውጫ ኣብ ሽረ ዝሓለፈ
ሃየንታ ወሪድዎም ሃየንታ ናይቲ ወፍሪ ስግረ ዶብ ዝተረፈ

      መስጣ ዶ ታ ኮይኑ ናይቲ ኮምበልቻ ዝሓረረ
ወፍሪ ቴድሮስ  ወልቀጢማ  ጎጃም ዓወት ዘበሰረ
ስርሒት ወለጋ  ጎንደር ደብረ ታቦር ስለ ሰላም ከባቢ 
ጥልመት ዝደበስኩም  ኣምሳያ ረኺብኩማ ናይ ክሕደት  ዓስቢ

      በትረ ስልጣን ዘረከበኩም ኣዲስ ኣበባ ኣራት ኪሎ
ባርነትኩም ዘቕለለ ሃረር ቤገምድር ወሎ
ጠላማት ረሳዕቲ  ከመይ ዲዩ ነይሩ እቲ ውዕሎ
መቓብር ዝፈሓርኩም ናይ ቲ ጅግና ይከኣሎ

       ስለ ሃረር  ከይትሓስቡ ዓንቀጽኩም እዝባር 39
ዓባይ ትግራይ ክትብሉ ጥጁእ ኣጀንዳኹም  ህዝቢ ክበታተን
ዓገብ ዶ ኣይበልናን እቲ ኣብ ማሕዘልና ክትራረዉ
ብሳላ ሻዕብያ ካብ ደደቢት  ሽዋ ክታትዉ

     ጽጋብ ሰንጢቕኩም ኣሳሰይቲ ምኳን ክትመርጹ
ኣህዛብ ሓድሕድ ኣናቒትኩም  ንቑልቁል ከተፋጥጡ
እዚ  ከም ዝመጽእ  ዓስቢ ፍዳ ንምሸቱ
ኢልናኩም እንዲና ድገፉ ዝኾዓት ጉድጓድ ከይትኽተቱ

       ጎነፍነፍ   እንዶ በዚሑ ልዕሊ ዓቕምኹም ክትምጠጡ
ብዕስበት ምስሳይ ብኽድምና ከተንቀላውጡ
ብምሒር ሕሰዳ ጥልመት ኣሉላ ክትደድሙ
ሕጂ እንደሞ ኣብራኽ ጠሊሙ ናብ ታኼላ ክትሽመሙ

        ደጊም ኣኸለ  በቃ ጸሓይኩም ዓሪባ
ኣብ መቓቕሮ ጥፍኣት ዓንቃሪቦ ከበባ  መሸንቆቓ ጸቢባ
The Game is over
Bye Bye malelit  for Ever 
    
      ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ)
  ጀርመን

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events