Basic

ድምጺ ኣመሪካ / ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰራዊት ግብጺን ኢማራት ዓረብን ምስ ኣጽዋራቶም ሳዋ ኣትዮም ኣለው ንዝብል ጸብጻብ ሓሶት’ዩ ክብሉ ነጺጎሞ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 16 January 2018

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰራዊት ግብጺን ኢማራት ዓረብን ምስ ኣጽዋራቶም ሳዋ ኣትዮም ኣለው ንዝብል ጸብጻብ ሓሶት’ዩ ክብሉ ነጺጎሞ


ኣስመራ — 
ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰራዊት ግብጺን ኢማራት ዓረብን ምስ ኣጽዋራቶም ሳዋ ኣትዮም ኣለው ንዝብል ጸብጻብ መደበር ቴሌቭዥን ኣልጀዚራ ዝተፈብረኸን ናይ 2018 ዳእላ’ዩ ክብሉ ነጺጎሞ።
ዕላማ’ቲ ናይ ሓሶት ወረ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ነቃእ ንምፍጣር ከምዝኾነ ዝገለጹ ፕረዚደንት ኢሳያስ ገለ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ውሑዳን ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከምዘለዎም ብምግላጽ ህዝቢ ሱዳን በዚ ግጉይ ሓበሬታ ኣይክደናገርን’ዩ ማለቶም ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ዝወጸ ዜና ጠቒሱ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ኹነታት ብዝምልከት ካብ ዝኾነት ሃገር ንላዕሊ ንኤርትራ ዝያዳ ከምዘሻቕላ ዝገለጹ ፕረዚደንት ኢሳያስ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝኸሰርዎ ክመልስዎ ተስፋ እገብር ኢሉ።
ጸብጻብ ብዛዕባ ርክብ ግብጽን ሱዳንን ካልኦት ተዛመዲ ጉዳያትን ዝምልከት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዝሃቦ ቃለመጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events