Basic

Asmara: A Meropolis of Architectural Museum

Posted by: Haile Bokure

Date: Friday, 12 January 2018

 
 
ኣስመራ እንዳ ረኣኻያ ስውርቲ ከተማ ኢያ እትመስል። ከም ዝመስለኒ ህንጻታታ ከተስተማቅሮ ምእንቲ: ብመጠኑ ምስ ታሪኽ ስነ-ህንጻ (Art History) ምልልላይ የድሊ። ልዕሊ ኹሉ ግና ዑምቖት ኣረኣእያ ይሓትት። ብሓቂ ኣስመራ ከተማ ናይ ህንጻ ሙዙየም ( ...a metropolis of architectural museum) እንተበልኩ ዝተጋነነ ኣይመስልን። ሊቃውንቲ ዓለም ዝመስከርዎ ኢዩ። ብዝተረፈ ሓደ ካብቶም ኣደነቅቲ ህንጻታት ዝረኣኽዎም ብኸምዚ ዝስዕብ ክገልጾ ከየገረመኒ ኣይተረፈን። እንሆ!
ይዝከረኒ መስከረም 8/2017 ከምቲ ልሙድ ብእግረይ ቀደም ጐደና ንግስቲ ኤልሳበጥ ሎሚ ግና ጐደና ሰማዕታት ዝበሃል ከድኩ። ንቺነማ ሮማ ብማዕዶ ሰኣልክዎ። ቅርጹ ብዘመልክት፡ ካብቶም ብደገ ዝርኣዩ ዓንድታት ዝማርኽ ኣይመስልን። ቀጺለ በቲ ናብ መጥፋእቲ ሓዊ ዝወስድ መንገዲ ኣቢለ ከድኩ። ብሸነኽ ደቡብ ቤተ-መንግስቲ ዝርከብ መኻባብያ ዘዋስኖ ኢዩ። ብድሕሪ’ዚ ንኢድ ጸጋም ተጠውየ መንገደይ ናብ ናይ ኤርትራ ሙዙየም ማለት ኣብ ናይ ቀደም ኮምቦኒ ዝረከብ ኣምራሕኩ። ኣብኡ ቅድሚ ምብጽሔይ፡ ሓደ ኣገዳሲ ነዊሕ ግንቢ ብልዕሊኡ ሓሙሽተ ንኣሽቱ መሳዂቲ፡ ብትሕቲኡ ብየማንን ጸጋምን ስዕሊ ናይ ክልተ ኣንስቲ ከምኡ ኣብ ማዕከል ብፍርቂ ክቢ ወይ ከም ሸፋሽፍቲ ዓይኒ ዝተኸበቡ ሰለስተ መሳዂቲ ብፍላይ ሓደ ኣብ ማእከሎም ንውሕ ዝበለ ረኣኹ። ርብዑ ብጸሊም እምኒ (basalt stone) እቲ ዝተረፈ ሰለስተ ርብዒ ግና ብጡብ ዝተሰርሔ ክኸውን ከሎ፡ ፍጹም ግርማ ዝመልኦ ውቑጥ ህንዳ (a chiseled edifice) ኢዩ ዝመስል። ኣበይ እሞ ብናእሽቱና ኣስተብሂልናሉ። ሓደራ ናብ ኣስመራ ምስ እትኸዱ፡ ነዚ ህንጻ ከይረኣኽምዎ ከይትምለሱ። ብዛዕባ ከተማኻ ምፍላጥ ናይ ሃገራውያን ምልክት ኢዩ። (It is a mark of patriotic figures)። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣፍልጦ፡ ከም ቀደም ኣብቶም ባዕዳውያን ጭዋታት ተዓሪዱ ክተርፍ የብሉን (the gentlemen of culture)። ተሃጊሩ ኢዩ። (it is nationalized). Period!!!
-ሃይለ

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events