Successful Meeting of PFDJ Bay Area - California Chapters

 

 (Oakland, 15 September 2012) --  Over 50 delegate representatives of PFDJ chapters in the Bay Area of California (Oakland, San Jose, Santa Rosa) conducted a successful meeting on Saturday, September 15, 2012 in Oakland. The meeting held lengthy discussions on the current situation in Eritrea, local community activities, and assessment of PFDJ activities in the Bay Area. A summary report of the nation-wide successful conference of PFDJ-North America held in Washington DC on September 1 was presented by comrade Alazar Abraham. A presentation on psychological warfare and media/PR counter-propaganda efforts titled "Writing is Fighting" was also presented by comrade Elias Amare, followed by lively debate and discussion on strengthening our efforts on the PR/propaganda front. The day-long meeting concluded by passing important resolutions and recommendations. Please read the details of the report and the resolutions in Tigrinya below:

 

 

 

 

ዕዉት ኣኼባ ን/ጨንፈር ህ.ግ.ደ.ፍ. በይ ኤርያ ካሊፎርንያ - ውሳኔታትን ለበዋታትን

 

ልዕሊ 50 ዝኾኑ ወከልቲ ጉጅለታት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ በይ ኤርያ ካሊፎርንያ -- ኦክላንድሳን ሆዘሳንታሮዛ -- ንኡስ ጨንፈር ካሊፎርንያቀዳም ዕለት 15 መስከረም ኣብ ኦክላንድ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዶምብብጻይ ኤልያስ ኣማረሎሚ’ውን ብርዕና መቃለሲና’ዩ!” ብዝብል ቴማ ዝቐረበ ኣስተምህሮንሽርሕታት መራኸቢ ብዙሓን ምዕራብን ኮራዅሮምን ብዝርዝር ዘቃሊዕ ኣብ ልዕሊ ምዅኑንዕቱብ ስነ-ኣእምሮኣዊ መኸተ ዘተባብዕ ብምንባሩተጋባእቲ ብኣንክሮትን ተምሳጥን ተኸታቲሎሞ

      ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ብ1 መስከረም 2012 ኣብ ዝተቓንዐ ኮንፈረንስ ህ.ግ.ደ.ፍ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝምልከት ዘተነቲ ዝቐረበ ሓባሪ ጸብጻብ ብምንኣድኣብ ጉዳይ መኸተን ውድባዊ ስርርዕንኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ልምዓትን ወፍርንብፍላይ ከኣ ኣንጻር ሃገረ ኤርትራን መንግስታን ዝካየድ ዘሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ናይ ጸለመን ምስይጣንን ዘመተ ብትብዓት ክቃለሱን ክምክትዎን ምዃኖም ኣኼበኛታት ብምሉእ ድምጺ ወሲኖምእዚ ዝስዕብ ውሳኔታትን ለበዋታትን ብምሕላፍ ድማ ናይ ምሉእ መዓልቲ ኣኼባኦም ብዓወት ዛዚሞም

ውሳኔታት፣-

1.   ሃገራዊ መኸተ ንልዑላውነትን ናጻ መስመርን ብመሪሕነት መንግስትን ግንባርን (ህ.ግ.ደ.ፍ.) ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ኣብ ዝለዓለ መድርኽ በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋንሎሚ’ውን ከም ወትሩ ኣብ ጎድኒ መንግስትናን ህዝብናን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ደው ኢልናካባና ዝሕተት ዘበለ ኩሉ ከነማልእ ድሉውነትና ነረጋግጽ

2.   ነቲ ብይን ኮሚሽን ዶብ ጥሒሱ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ግሂሱ ተጻብኦታት ዝቕጽል ዘሎ ስርዓት ወያነን ዓንገልቱን ኣጥቢቕና ንዅንን

3.   ነቲ ብኣላይነት ምምሕዳር ባራክ ኦባማ (ሕ.መ.ኣ.) ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ብጉልባብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ጸጥታ (UNSC) ዝሓለፈ ብይናት እገዳ - 1997 (2009)  ከምኡ’ውን 2023 (2011) - ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ብምዃኑ ኣጥቢቕና እናዀነንናነዚ ብይናት እገዳ ንምብርዓንን ካብ’ቲ እዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምጽኦ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ንምክልኻልን ናይ መኸተ መብጽዓና ነሐድስ

4.   ከም ወትሩ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምድልዳልንንኹሉ ንሓድነት ህዝብና ዝፈታትን ሽርሕታት ንምብርዓንንቃልስና ብዝተዓጻጸፈ ከነሕይል ቃል ንኣቱ

5.   ኣብ’ዚ መድርኽ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ተተሓሒዙዎ ዘሎ ዕዉት ናይ ልምዓትን ህንጸተ-ሃገርን መደባት እናሞጐስናእቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘተባብዖ ዘሎ ትስፉው ሃዋህው ቁጠባዊ ወፍሪ ንምዕዋትብእኩብ ኮነ ብውልቂ ዝከኣለና እጃም ከነበርክት ንውስን

 

ለበዋታት፣-

1.   ኣብ ከባቢና ዝካየድ ዘሎ ጸረ-ኤርትራ ሰፊሕ ፕሮፓጋንዳዊ ናይ ጸለመ ዘመተ ብኣድማዕነት ንምምካት ዝተዘተየሉ ለበዋታት ኣብ ዝሓጸረ ኣብ ግብሪ ከነውዕል

2.   ውሳኔታትን ለበዋታትን ዋዕላ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ (1 መስከረም) ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣበርቲዕና ክንሰርሕ

3.   ብዛዕባ ህዝቢ ማሕበራዊ ውራያቱ ዘካይደሉንበዓላትና እነካይደሉን መኣከቢ ኣደራሽ ንምውናን ዝገበርናዮ ሓባራዊ ምርድዳእነፍስ-ወከፍ ከተማ/ጉጅለ ኣብ ከባቢኣ ዕቱብ ጎስጓስ ክትጅምር

 

ዓወት ንሓፋሽ!