| Jan-Mar 09 | Apr-Jun 09 | Jul-Sept 09 | Oct-Dec 09 | Jan-May 10 | Jun-Dec 10 | Jan-May 11 | Jun-Dec 11 | Jan-May 12 |

[dehai-news] ትዕቢት ትወልዳ ንግብረ እከይ - Tiebit tewelda n'gbre ekey

From: <btseggai001_at_yahoo.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 16 Sep 2012 09:26:49 -0400


Dear Dehai members- please post this article.

Thank you,
Bereket
Sent from my iPad

Begin forwarded message:

> From: Zekarias Woldu <rsea1_at_yahoo.com>
> Date: September 16, 2012 9:20:36 AM EDT
> To: "btseggai001_at_yahoo.com" <btseggai001_at_yahoo.com>
> Subject: Fw: ትዕቢት ትወልዳ ንግብረ እከይ - Tiebit tewelda n'gbre ekey
> Reply-To: Zekarias Woldu <rsea1_at_yahoo.com>
>
>
> ----- Forwarded Message -----
> From: Zekarias Woldu <rsea1_at_yahoo.com>
> To: "dehai_at_dehai.org" <dehai_at_dehai.org>; "dehai-new_at_dehai.org" <dehai-new_at_dehai.org>
> Sent: Saturday, September 15, 2012 4:48 PM
> Subject: ትዕቢት ትወልዳ ንግብረ እከይ - Tiebit tewelda n'gbre ekey
>
> “ትዕቢት ትወልዳ ንግብረ እከይ”
> “ኣንታ ሰይጣን እግዚኣብሔር ይግናሕካ”
> መጽሓፍ ዘካርያስ 3ይ ምዕራፍ
>
> 01) “ክሳብ ዕለት ሎሚ ንዝተኻየደ ስራሕ ምትሕብባርኩምን ብጽእና ጸለትኩምን ስለዘይተፈልየኒ እናኣመስገንኩ፣ ንዝመጽእውን ኣብ ኩሉ መነባብሮይ ይኹን ስርሐይ ኣብ ጸለትኩም ከይትፍለዩኒ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት እምሕጸን። ብተወሳኺ እዚ ጽሑፍዚ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ዝኾነ ናይ መርበብ ሓበሬታ ከይወጽእን ከይዝርጋሕን፣ ኣብ ዘይተደልየ ዕንወትን ምፍልላያትን ከየአቱን ንፖለቲካዊ ሃልኪ ከይውዕልን ብጥንቃቐ ክትሓዝ እናተላቦኹ፣ ዝኾነ ስመይ ጠቒሱ ንዝወጽእ ጽሑፋት ዓጸፋ ክምልስ መሰለይ ሕሉው ምዃኑ ከዘኻኽር እፈቱ” ቃል ውጉዝ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ሰነ 08/ 2005 ዓ. ም.
> 02) “ኣባ ማርቆስ ኣባ መንግስቱ ኣበበ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ወዲ ሽዋ ኢትዮጵያዊ ኢዮም” ቃል ውጉዝ ገብረሚካኤል ሰነ 21/2012 ዓ.ም.
> 03) “ኣነ ኤርትራዊ ኢየ። በቦይ ይኹን በደይ ናይ ትግራይ ዘርኢ የብለይን” ቃል ውጉዝ ገብረሚካኤል ሰነ 21/2012 ዓ.ም.
>
> ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ንልዕሊ 17 ክፍለ ዘመን ዝጸንሐን ዘሎን ቅዱስን መሰረታዊ እምነት ክርስትና ኣብ ኣፍሪቃ ኢዩ። ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ነንሕድሕዶምሲ ይትረፍ፣ ምስተን ድሒረን ኣብ ሃገርና ከም ሃይማኖታዊ ትካላት ተኣታትየን ንኣመንተን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክህባ ዝጀመራ’ውን ብፍቕርን ምክብባርን ተሓቛቒፎም ሂወቶም ይመርሑ ነይሮምን ኣለዉን። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ’ቲ ሳሕቲ ብሰንኪ ገዛእቲ ሓይልታት ዘሳወርዎ ንኣሽቱ ግርጭታት፣ ዘሰክፉ ሃይማኖታዊ ግርጭታት ኣጋጢመሞ ኣይፈልጡን።
>
> ባዕዳዊ ገዛኢ እንግሊዝ መግዛእቱ ኣብቂዑ, ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ገዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስ ተቖርነ፣ ብኡ መጠን እታ ሃዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራውን ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣትያ፣ ተረሚሳን ተሳቕያን ኩሉ’ቲ እተን ንዘመናት ዝጸንሓ ታሪኻውያን ገዳማትን ኣድባራትን ዝውንንኦ ዝነበራ ጥንታዊ መንፈሳዊ ቅዱስ መጻሕፍቲ ከይተረፈ ብሰራዊት ገዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ነዲዱን ተራስዩን ዓንዩን ኢዩ። ሓይልታት ባዕዲ ብሓያል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ገጽ መሬትና ተሓግሒጉ ምስተጸርገ ህዝቡ, መሬቱ, ሃይማኖታዊ ትካላቱ ብሓባር ነጻን ሓራን ኮይኑ።
>
> እዚ ካብ’ቲ ብዙሕ ውሑድ ቁንጫል ሃስያ ገዛእቲ ሓይልታት ሓቀኛ ታሪኽ ኮይኑ፣ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕጂ ነስተማቕሮ ዘለና ናጽነትናን ክብረትናን ንምኹላፍ ኣብዘካይድዎ ዘለዉ ተጻባኢ ዊዲት ስለዘይሰለጦም፣ ኣብ ውሽጢ’ታ መንፈሳዊ ክብራን ሓድነት ምእመናታን ዓቂባ ዝጸንሐት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብምእታው፣ መደባቶም ከተግብሩ ይኽእሉ ኢዮም ዝበልዎም ጉጅለታት ይኹኑ ውልቀሰባት ብምውፋር፣ ምውራድ ናይ ኣቦና ፓትርያርክ እንጦንዮስ ካብ ናይ ፓትርያርክ ምዓርግ ከም ቀንዲ ውራዩ ኣምሲሉን ኣሳቢቡን ናብ ዳግማይ ጸቕጢ ናይ ግዳም ኣብያተ-ክርስትያናት ከእትዋን ሓድነት ምእመናን ክዘርግን ቅዱሳን መራሕታ ከቋናጽብን ከጸልምን ናብ ናይ ዕንወት መንገዲ ክጎይን ዝርአ ዘሎ ሓደ ካብኦም ውጉዝ ካህን ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ኢዩ።
>
> ውጉዝ ካህን ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ካብ እምነትን ስርዓተ ሕጊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ተነጺሉ፣ ካብ ቀይዲ በተኻዊ ግብሩ ንምድሓን ኣብ ትሕቲ እተን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ናይ ገዛእ ርእሳ መንበረ ፓትርያርክ ምቛማን ላዕለዎት ኣዘዝቲ መንበርና ብዘይምዃነን ዘይተሓጎሳ ኣብያተ-ክርስትያናት ንጊዚኡ ጠቢቑ ውሑዳት ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢና በሃልቲ ሒዙ ኣንፈቱ ስሒቱ ኣብ ኣትላንታ ካብ ሰነ 2005 ዓ.ም. ኣትሒዙ ክዕንድር ጸኒሑ ኣሎ።
>
> ንሕና ኣመንቲ እታ መሰረታዊት ሃዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተውህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን፣ ንጡፋት ኣባላት ምእመናን እቲ ንሱ ከም ካህን ተቖጺሩ ዝሰርሓሉ ቤተክርስትያን መድሃኔዓለም ኣትላንታ ዝነበርናን, ግን፣ ኢድቶም ቅዱሳን ኣቦታትና ተሓሲምና ኢድ ጓኖት መራሕቲ ቤተክርስያን ኣይንስዕምን ኢልና፣ መንገዲ ዕንወት እናርኤና ጸረ ቤተክርስትያንን ሃገርን መፈሰ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት እናሰማዕና፣ መንፈሳዊ እምነትናን ሃገራዊ ክብርናን ስለዘየፍቀዶ ጸረ’ቲ ኣዕናዊ ምንቅስቓሱን መንፈሳዊ እምነቱን ደው ኢልና፣ ኣብትሕቲ ጽላልታ ሃዋርያዊት ኤርትራዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ተማእኪልና መንፈሳዊ እምነት ኣቦታትና ክንስዕብ ካብ ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም. ወሲንና።
>
> ነዚ መንፈሳዊ ዕላማዚ ሒዝና ንጉርሕን ሽርሕን ኣዕናዊ ድራማታትን ውጉዝ ካህን ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ኣጥቢቕና ኣናተቓወምና፣ ነታ ካብ መጀመርታ እዋን ቤተክርስትያን መድሃኔ-ዓለም ኣትላንታ ክምስረት ከሎ ብመንፈስ፣ ብጉልበት፣ ብንዋት ከይተሓለልና ዘገልገልናዮ, ንመድሃኔ-ዓለም ክርስቶስ ሓዲግና፣ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ኣብ ውሽጢ ዝሓጸረ እዋን ብባርኾት እቶም ቅዱሳን ኣቦታትና፣ ናትና እንብሎ ቤተክርስትያን ኣጥሪና፣ ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም ተሰምይልና፣ ኩልና ነቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ኣቦታትና ዘረከቡና መሰረታዊ እምነት ዓቂብና ናብ ደቅና ከነሰጋግሮ ስርዓተ እምነት እታ መሰረታዊት ሃዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ እናሰዓብና፣ ኩሉ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝምልከት ንረክብ ኣለና። እዚ ቤተክርስትያን’ዚ ብምምስራትና ዕንደራን ኣዕናዊ ግብረ ስራሕን ውጉዝ ገብረሚካኤል ከምድላዩ ንኸይጎዩ ዓቢ ጎርቢ ኮይንዎ ይርከብ።
>
> ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሓት ብሰነ 21/2012 ዓ.ም. ውጉዝ ቀሺ ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ብመንገዲ ፓል-ቶክ ስመር ኣቢሉ ኣብ ልዕሊቲ እብ ዓለም መዳርግቲ ዘይብሉ ምረትን ሕሰምን መኪቱ ከም ወርቂ ኣብ ረመጽ ሓዊ ተፈቲኑ ተኾሊዑ ዝወጸ መንግስቲ ኤርትራ ብርኩታ ክብርኩት እምኒ ቡርኩታ ሒዙ ማይ ክረክብ ናብ ሩባ ወሪዱ ሓዲሩ። ከምኡውን ኣብልዕሊ’ታ መሰረታዊት ሃዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን ኩቡራት ቅዱሳን ኣቦታትናን ውልቀ ሰባትን ዘሕለፎ ጸለመን ውጉዝ ተግባርን፣ ሰሚዐ ። “ኩቡር ከም መጠን ክብረቱ የኽበር ሑሱር ክኣ ከምመጠን ሕስረቱ የሕስር ከምዝበሃል” ከምዚ ዝኣመሰለ ሑሱር ፖለቲካን ኣነዋሪ ጸለመን ውጉዝ ግብርን ሰሚዐ ከምዘይሰማዕኩ ክሓልፎ መንፈሳዊ እምነተይን፣ ክብሪ’ቶም ቅዱሳን ኣቦታተይን፣ ቤተክርስትያነይን ስለዘየፍቀደለይ ቁርጡው ብዝበለ መልክዕ መልሲ ክህብ መሪጸ።
>
> ግብርን መንነትን መንፈሳዊ እምነትን ዘይሕጋዊ ነብሰ ውክልናን ነብሰ ትዕቢትን ተነጽሎ ካብታ መሰረታዊት ሃዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን፣ ንውጉዝ ቀሺ ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ናብ ከይፈተኻ እትመርጾ
> ነብሰ ቅትለት ኣብጺሕዎ። ምስ ዓቢ እምኒ ዓረ ተራጺሙ፣ ግንባሩ ኒሂሉ፣ እኩይ ግብረ ስርሑ ተኸሺሑ።
>
> ውጉዝ ቀሺ ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ቅድሚ ነቲ ድሒሩ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝተጠቕመሉ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሳልሳይ ፓትርይርክ እንጦንዮስ ምውራድ ካብ ናይ ፓትርያርክ ምዓርግ፣ ኣብ ሰነ 10/2005 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ከለዉ ንትእዛዛትን መምርሕታትን ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ጢሒሱ ቀይዲ በቲኹ ሓድነት ምእመናን ክዘርግ ጀመረ። ነቲ ኣብ መፋርቕ 2005 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን ቅዱስ ኣቦና ፓትርያርክ እንጦንዮስን ዘጋጠመ ጸገም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቂሙ, ግን ድጉል ኣጀንድኡ ንምትግባር ካብ መምርሕን ትእዛዛትን ቤተክርስትያን ተነጺሉ፣ ንምእመናን ቤተክርስትያን ካብ ሓቀኛ እዋናዊ ኩውንነት ከዊሉን ኣታሊሉን ኣብ ልዕሊታ መሰረታዊት ሃዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን ቅዱሳን ኣቦታትናን ክዕንድር ምጅማሩ ቅድሚ ምሕባረይ ዘይሕጋዊ ኣመጻጽኡኡ ናብ ከተማ ኣትላንታን ግብሩን መንፈሳዊ እምነቱን ዘስዓቦ ኣዕናዊ ምንቅስቓሳቱን ምሕባር ኣገዳሲ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓኒ በዚ ክጅምሮ።
>
> ኣመሰራርታ ቤተክርስትያን መድሃኔ-ዓለም ኣትላንታን፣ ብቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዘይተባረኸ ምምጻእ ቀሺ ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ናብ ሑቡራት መንግስታት ኣመሪካን።
>
> ኣመንቲ እታ ቅድስት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ከተማ ኣትላንታ፣ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዝነብሮ ቦታ ኮይኑ ነቲ ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ሃይማኖታዊ እምነቱ ናብቶም ተረከብቲ ቅድስት ቤተክርትያን ዝኾኑ ውላዱ ከመሓላልፎ ስለዝግባእ ኩሉ’ቲ ንእምነቱ ዝምልከት ዘበለ ከም ጥምቀት, ስርዓተ ተክሊል/መርዓ/ ፍትሓት, ከምኡውን ወርሓዊ ይኹን ዓመታዊ ዝክራት ቅዱሳን ኣቦታቱ ናብተን ተመሳሳሊ እምነት ዘለወን ኣሓት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ-ክርስትያናት ከም ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፣ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፣ ወ.ዘ.ተ. እናኸደ ይግልገል ነይሩ። ብፍላይ ካብ መፋርቕ 90ታት ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ቁጽሮም እናበርከተ ክመጽእ ምስጀመረ፣ ብእምነት ይኹን ብስርዓተ ቤተክርስትያን ከምኡውን ብመንፈሳዊ ኣገልግሎት ኣዝያ ተመሳሳሊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ተጋሩ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ምእመናን ሓቢሮም ቤተክርስትያን ብምምስራት ብሓባር መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ክሳዕ መፋርቕ 1998 ዓ.ም. ጸኒሖም። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣብ 1998 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት መንግስታት ዘጋጠመ ዶባዊ ምስሕሓብ ብቐጥታ ነቶም ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ዝግልገሉ ዝነበሩ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ምእመናን ብኣሉታ ስለዝጸለዎም እቶም ብሃይማኖታዊ እምነት ሓደ ዝነበሩ ምእመናን ነንሃገራዊ ክብሮም ክብሉ ተፈላለዩ። ኣብቲ እዋንቲ ኩልና ኤርትራውያን ኣመንቲ ኦርቶዶክስስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ንሃገራዊ ክብርና ቀዳምነት ሰሪዕና ኹሉ ኤርትራዊ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ተጸዊዑ ብልዑል ሃገራዊ ኒሕን መንፈሳዊ ሕልናን ቤተክርስትያን ንኽንምስርት ተሰማማዕና።
> መድሃኔ-ዓለም ኣትላንታ ንኽምስረት እተን መሰረታውያን ንቤተክርስትያን ዘቑማ ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ኣቐዲመን ክርከባ ስለዝነበረን ናብ ዝምልከቶ ክፍሊ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ማለት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ብፍላይ ከኣ ናብ ናይ ክፍሊ ኣህጉረ ስብከት ተጸዋዒ ዝነበሩ ብጹእ ጳጳስ ኣቡነ ማርቆስ ካህንን ታቦትን ንኽስደደልና እትሓትት ደብዳቤ ተላእከት። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ውጉዝ ካህን ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ጸሓፊ ናይ
> ጳጳስ ኣቡነ ማርቆስ ስለዝነበረ ካብ ኣትላንታ ዝተላእከት ደብዳቤ ናብ ኢዱ ኣተወት። እቲ ገና ካህንን ታቦትን ይለኣኸልና እትብል ደብዳቤ ከይረኣየ ከሎ ናብ ደገ ንኽወጽእ መደብን ድልየትን ዝነበሮ ብዘይ ኣፍልጦ ብጹእ ጳጳስ ኣቡነ ማርቆስን
> ባርኾት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስን ዘድልዮ ወረቓቕቲ ኣሳሊጡ ንዝተረፎ መዛግብቲ ንምርካብ ናብ ናይ’ቲ እዋንቲ ናይ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተጸዋዒ ዝነበረ ድራጎን ሃይለመለኮት ከይዱ ምስ ሓተተ, መስርሕ ሕጋውነት ስለዘየማልአ ክወጽእ ከምዘይክእል ተሓበሮ። ናብ ግዳም ክወጽእ ከምዘይክእል ተሓቢርዎ’ኳ እንተነበረ ፓስፖርቱ ኣውጺኡ ናብ ሑቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘአቱ ወረቓቕቲ’ውን በቶም ንጉዳይ ቤተክርስትያን መድሃኔዓለም ኣትላንታ ዘሳልጡ ዝነበሩ ኣካላት ስለዝተሰደሉን ታቦት’ውን ብዘይኣገባብ ስለዝረኸበ ሞሊቑ ናብ ከተማ ኣትላንታ መጸ። ውጉዝ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ኣብ ፓል-ቶክ ስመር ዝሓበሮ፣ ካብ ኣትላንታ ደብዳቤ ምስ መጸት ነቲ ዝተሓተ ቀጥዒታት ኣነ ከማልኦ ስለዝኸኣልኩ ቅዱስ ሲኖዶስ ንዓይ ሰዲደሙኒ ክብል ጌጋ ሓበሬታ ሓቢሩ። ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ክወጽእ ከምዘይክእል ክሕብሮ ከሎ ካብ መንበረ ፓትርያርክ ከቕርቦ ዝነበሮ ሕጋዊ መዝገብ ክወጽእ ከምዝኽእል ዝሕብር ወረቓቕቲ ዘየማልአ ስለዝነበረ ጥራሕ ኢዩ።
>
> ብዘይባርኮት ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ሞሊቑ ናብ ከተማ ኣትላንታ ምስ መጸ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ’ቶም ኣብቲ እዋንቲ ንቤተክርስትያን መድሃኔ-ዓለም ኣትላንታ ንምስላጥ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣካላት ኣቦ ወንበር ዝተላእከት ደብዳቤ ከምዚ ትብል ነበረት።
>
> ናብ፡-
> ዶ/ር ጳውሎስ ገ/ዮሓንስ
> ኣቦ ወንበር መድሃኔዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን
> ኤርትራ።
> ኣትላንታ ጆርጅያ
>
>
> ሰላም እግዚኣብሔር ምሳኹም ክኸውን ንምነ።
> ቀጺልና ጥሪ 5-1999 ዓ.ም. ዝጸሓፍኩምልናን ብፋክስ ዝለኣኽምልናን ደብዳቤ ከምዝበጽሓናን ኣብኡ ብምምርኳስ’ውን ጠለብኩም ከነማልእ ንጽዕት ከምዘለናን ክንገልጸልኩም ንፈቱ።
> እንተኾነ ግን ኣብ መንበረ ፓትርይርክ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ኣህጉረ ስብከት ጸሓፊ
> ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ብቤተክርስትያንና ኮነ ብመንግስቲ ጉብእን ሕጋውን ፍቓድን ስንብትን
> ከይረኸበን ርኽክብ ከይፈጸመን ኣባኻትኩም ምብጽሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ብምዃኑ ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ተጠቃሲ ካህን ኣብቲ ቤተክርስትያንኩም ከገልግል ዘይተፍቅድ ምዃና
> እናኣፍለጥና ብመሰረት ሕጊ ቤተክርስትያንና ሕቶኹም ንምምላሽ ምድላዋት ንገብር ምህላውና ብምግላጽ እዋናዊ መልስኹም ንጸብ።
>
> እትብል ደብዳቤ ጥሪ 17/1999 ዓ.ም. ናብ ኣትላንታ ተላኣከት። ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ነዚ ደብዳቤ ክጽሕፍ ከሎ፣ ውጉዝ ካህን ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ግን ሞሊቑን ኣደናጊሩን ከምዘይመጸ ከምስል፣ ካብ ኣመሪካ ዝተላእከት ደብዳቤ ምስ መጸት ንኹሉ እታ ደብዳቤ ዝጠለበቶ ዘማላእኩ ኣነ ስለዝነበርኩ ብምሉእ ድምጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ንዓይ ልኢኹኒ ኢሉ። እምምምምምም-------ሓሶት!!!!! እዋሓስ ተባሂልካ፣ አግብእ ዘይትጫበጠሉ!!!!!!!!!
>
> ኩቡራት ምእመናን እታ መሰረታዊት ሃዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ከምቲ ኣብላዕሊ ዝሓበርክዎ ንዓንዳርን ኣዕናውን ድራማታት ውጉዝ ካህን ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ንምግላጽ ቅድመ ተኸተል ሰሪዐ ከስፍሮ ስለዝግባእ መሰረት ዕንደራ ውጉዝ ገብረሚካኤል እነሀልኩም።
>
> ብዘይ ባርኾት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ሞሊቑ ድሕሪ ምምጽኡ፣ ኣማሓደርቲ ቤተክርስትያን መድሃኔዓለም ኣትላንታ ተቐቢሎም ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝለኣኾ ካህን ምኳኑ ንኣባላት ምእመናን መድሃኔዓለም ኣትላንታ ሓቢሮም ብማሕድሮ ድሕሪ ምቑጻሮም፣ ልቢ ምእመናን ንምስሓብን ዓቕምን መንፈሳዊ ኣፍልጦኦምን ንምፍላጥን ንዝተወሰነ ዓመታት ክዕዘብ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ናብቲ ድሒሩ ዘረጋገጾ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ንምብጻሕ ዘኽእሎ ዓቢ ዕድል ረኸበ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ፊሊጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ክፍላ 2000 ዓ.ም. ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ
> /NEW YORK/ ዝተጋብአ ኣህጉራዊ ክርስትያናዊ ጉባኤ ንኽሳተፉ ስለዝመጹ፣ እግረ መንገዶም ናብ መድሃኔዓለም ኣትላንታ ምስተኣልዩ ናይተን ድሮ ተመስሪተን ዝነበራ ኣብያተ-ክርስትያናት ሊቀ ካህናት ኮይኑ ምስ ተሰምየ, ተጸዋዒ ናይተን ኣብ ሑቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ተመስሪተን ዝነበራ ኣብያተ-ክርስትያናት ኮነ። ብጹእ ኣቦና ጳጳስ ማርቆስ ሞሊቑ ብዘይ ባርኾት ቅዱስ ሲኖዶስ ናብ ኣትላንታ ቅድሚ ምምጽኡ ናይ ስራሕ ሓላፊኡ ዝነበሩ ንቅዱስ ኣቡነ ፊሊጶስ ኣሰንዮም መጺኦም ስለዝነበሩ፣ መዓርግ ሊቀ ካህናት ኣይግባኦንዩ፣ በንጻሩ መንፈሳዊ መቕጻዕቲ ኢዩ ዝግብኦ ኢሎም ነቦና ቅዱስ ፓትርያርክ ፊሊጶስ ተቓውመኦም ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ በቶም ኣብ ኣትላንታ ዝተጋብአ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣቦታት ይንገር።
>
> ውጉዝ ካህን ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ሊቀ ካህናት ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኣብ ሑቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ተመስሪተን ዝነበራ ኣብያተ-ክርስትያናት ብንኡስ ሃገረ ስብከት ደረጃ ክጥርነፋ ስለዝነበረን ንመጀምርታ ጊዜ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ነሓሰ 2001 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣትላንታ ተገብረ። ኩሉ ነቲ ጉባኤ ዝምልከት ዝወጽእ መደብ ብካህን ነበር ገብረሚካኤልን ደቂመዛምርቱን ተሃንደሰ። ኩሉ’ቲ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን መንፈሳዊ ጉባኤ ዝተሰምየ መደባት ምስልን እምነትን ተሓድሶ /መናፍቃን/፣ ናብቶም ካብ ኣቦታትና ዝወረስናዮ እምነት ድኣምበር ሰፊሕ ሃይማኖታዊ ኣፍልጦ ዘይጸንሓና ምእመናን ብቐሊል ከመሓላለፍዎ ፈተኑ። ነዚ መንፈሳዊ ጉባኤ’ዚ ተዓዚቦም ስርዓተ እምነት እታ መሰረታዊት ሃዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ከምዘይኮነ ዝሕብሩ ዝነበሩ ደቂ ቤተክርስትያን፣ እዞም ጻዕዳ ነጸላ ተከዲኖም ኣብ ጸግዒ መንደቕ ጠጦው ዝብሉ ንሶም ተሓድሶ ዝስሙ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሃይማኖት ናብ ዓድና ከተኣታትዉ ዝደልዩ ኢዮም፣ ኢሉ ምስ ምእመናን ኣበኣሶምን ኣጽለኦምን። ነዚ ተሓድሶኣዊ እምነት’ዚ ናብ ምእመናን ንምትሕልላፍ ኣለዉ ዝተባህሉ መማህራን ካብ ምድረ ግብጺ ከይተረፈ ንኽልተ ተኸታታሊ ዓመታት ብምምጻእ፣ ኩሉ’ቲ ንዐኦም ዘድሊ ወጻእታት ካብ ንሞባእ ዝተዋጽአ ገንዘብ ቤተክርስትያን ብምብኻን ነይሩ።
>
> ሕቡእ ውልቃውን ጉጅላኣውን መደባት ተሓድሶ እናኣተግበረ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንድራማታት ውጉዝ ገብረሚካኤል
> እተጋልጽ “ዝፈሓርካያ ጉድጓድ ትውሕጠካ” ከምዝበሃል ባዕሉ ንገዛእ ነብሱ ናብ መፈንጠራ ኣእተወ። ኣብ ነሓሰ 2004 ዓ.ም. ኣብ ቅድስት ስላሴ ስያትል ዝተገብረ መንፈሳዊ ጉባኤ ዝጠለቦ ጠለብ ንምምላስ፣ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብዝነበርሉ ስሩዕ ጉባኤ ብሰነ 07/2005 ዓ.ም. ድሕሪ ሓደ ዓመት ማለትዩ ብጹእ ጳጳስ ሲኖዳ ሃገረ ስብከት ሑቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ኮይኖም ከገልግሉ መዘዝዎም። ጳጳስ ኣቡነ ሲኖዳ ሃገረ ስብከት ሑቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፣ ብፍቓዱ ንናይ ሊቀ ካህናት ሓላፍነቱ ክለቅሉ ብሰነ 08/2005 ዓ,ም, ድሕሪቲ ውሳኔ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ሓተተ። ባዕሉ ብዝሓተቶ መሰረት ተቐቢልናዮ ኣለና፣ ንስራሕ ምኽናያት ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ኣስመራ ምጻእ ምስተባህለ፣ ቀይዲ በቲኹ ንጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘይግባእ ምጉብዕባዕ ዝመልኦ ብሓሶት ዝወቀበ ካላአይቲ ደብዳቤ ብሰነ 10/2005 ዓ.ም. ድሕሪ ምጽሓፉ፣ ካብታ መሰረታዊት ሃዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ተነጺሉ ወደቐ። ካብ መሰረተ እምነትን መምርሕታትን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ርሒቑ፣ ተሓድሶኣዊ እምነት ከተግብር ነቲ ቀስ ብቀስ ናብ ሰዓብቱ ከታኣታትዎ ዝሃቀነ ተሓድሶኣዊ እምነት ብጋህዲ ኣብ ዓውደ ምህረት ቤተክርስትያንን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ደቂቀ እንጦንዮስን ዘርግሐ። ካብ መሰረታዊ እምነት እታ መሰረታዊት ሃዋርያዊት ኦርቶድክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ወጺኡ ተሓድሶኣዊ እምነት ኣብ ልዕሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰፊሕ ዘርግሐ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተመሓላለፈ ውርሻ ሓጢኣት ኣለዋ ዝብልን ካልእ በብእዋኑ ተሓድሶኣዊ እምነት ካብ መፋርቕ 2009 ዓ.ም. ብስም ደቂቀ እንጦንዮስ ጽሒፉን ኣዳልዩን እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኢዩ ኢሉ ንምእመናን መሂሩን እምነት ደቂቀ እንጦንዮስ ከምዝኾነን ብጽሑፋቱ ኣመሓላሊፉን።
>
> ውጉዝ ቀሺ ነበር ገብረሚካኤል ካብ እምነትን ስርዓተ ሕጊን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ተነጺሉ፣ ካብ ቀይዲ በተኻዊ ግብሩ ንምድሓን ኣብ ትሕቲ እተን ሃገርና ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ መንበረ ፓትርያርክ ምቛማን፣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ መንበርና ብዘይምዃኖም ዘይተሓጎሱ ኣብያተ-ክርስትያናት ንጊዚኡ ጠቢቑ ውሑዳት ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኢና በሃልቲ ሒዙ ተሓድሶኣዊ እምነት ንምትግባር ኣንፈቱ ስሒቱ ናብ መንገዲ ዕንወት ኣምሪሑ። ኣብ ልዕሊ እቶም ቅዱሳን ኣቦታት ልቡ ብትዕቢት መልአ። ነቶም ውሑዳት ሰዓብተይ ዝብሎም ካብ እምነት እታ መሰረታዊት ኦርቶዶክሳዊት ቶዋህዶ ቤተክርስትያን ወጻኢ መናፍቃዊ ትምህርቲ ደጋጊሙ መሃሮም። ምሳና ምስዞም ንኣዕናዊ ድራማታቱ ተቓዊምና ካብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ወጺእና ኣይንስዕበካን ኢልና ኣትሪርና ዝተቓወምናዮ፣ ካብ ማሕበረ ሰብ ኣብ ኣትላንታ ዝነብር ኤርትራዊ ንኽንጽለና ክብል፣ መርገም ናይ ኣቦና ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ልዕሌና ከምዝወረደን ምሳና ንኸይቀርቡን ጽልኢ , ቂምታ, ጉጅላውነት, ክሳዕ መውስቦ ንኸይዋሰቡና, ጎረባብቲ ኮንና ሓዊ ከይተረፈ ንኸይልሙንና ንሑሱር ባህርያቱ ዘጋልጽ ኣብታ“ሕርሚ” ትብል ኣዕናዊት ትምህርቱ ምሂርዎም።
>
> ቤት ጽሕፈት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ነገር ብኣግኡ ንምእላይ ማዕዳን መምርሕታትን መጠንቀቕታን እኳ ይልእኸሉ እንተነበረ ቀይዲ በቲኹ ኣብ መንፈሰ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ሰጢሙ ካብቲ ህዝቢ ዘታልለሉ ቀጽሪ ቤተክርስትያን ወጺኡ ኣብ መደብ ቤላ ቤሎ ጢሒሉ፣ ንጹሃት ውልቀ ሰባት ኣብ ምጽላምን ንዝነበሮም ክብሪ ኣብ ምጉዳልን ዝሃቦ ጽዩፍ ሓበሬታ፣ ነቶም ብቐረባ እንፈልጦ ተቐመጥቲ ከተማ ኣትላንታስ ይትረፍ ነቶም ኣማዕድዮም ዘድንቕዎ ውልቀ ሰባት’ውን ከይተረፈ ፍኹሰቱ ክንቲት ደርሆ ከምዝኾነ ንምርድኡ ኣየጸግሞምን።
>
> ኩሎም እቶም ኣብ ምድሪ ኣግኣዚ ተወሊዶም ኣብ ትሕቲ ቅድስት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣጽሊሎም ንኣገልግሎት ቤተክርስትያን ዝተሓርዩ ቅዱሳን ኣቦታትና ቡጹኣን ወቅዱሳን ተሰምዮም ንቅድስት ቤተክርስትያንና ካብ ወለዶ ናብ ወልዶ ዘመሓላለፉ ሰብ ጸጋ ኢዮም። እዞም ቅዱሳን ሰብ ጸጋ እዚኦም ጾምን ጸሎትን ኣዘውቲሮም ትሕትናን ፍቕሪን ተዓጢቖም ንኣርዮሳዊ ስራሕ ከምዚ ንዓኻ ስዒረሞ። ዕቡይ ልብኻ ንኣርዮስ ዝሰዓሩ እቶም ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ኣብ ምድረ ግብጺ ዝነበሩ ኢዮም ይብል ይኸውን፤ ንሶም እቶም ቅዱሳን ኣቦታት እቲኦምውን እንተኾኑ ቲዮሎጂካዊ ትምህርቲ ዘይተማህሩ ተዋህዶ ሃማኖት ኣብ ምድሪ ኣግኣዝያን ንኸስፋሕፍሕ ናብ ቅዱሳን ኣቦታትና ዘመሓላለፉ ኩቡራት ኣቦታትዮም ኢዮም ነይሮም።
>
> ውጉዝ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ንብጹእ ጳጳስ ማርቆስ፣ ነቶም, ቅድሚ ሞሊቑ ናብ ከተማ ኣትላንታ ምምጽኡ ናይ ስራሕ ሓላፊኡ ዝነበሩ ኩቡር ኣቦና፣ ነቲ ሑሱር ኳና ዕላማታቱ ንምዕዋት ክብል, ኤርትራዊ ትውልዲ ከምዘይብሎም ካብ ሽዋ ዝመጹ ኢትዮጵያዊ ምዃኖም ሓቢሩ። ወዮድኣ ልቡ ብትዕቢት ስለዝመልአ እምበር ብጹእ ጳጳስ ማርቆስ ጥራሕ መዓስ ኮይኖም ካብ ሽዋ ካብ ኢትዮጵያ መጺኦም ኣብ ፅላል እታ መሰረታዊት ሃዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣጽሊሎም። ካብ ጣዖት ዕዳጋ ሓሙስ ትግራይ ናብ ኤርትራ ተሰዲዶም ኣብ ወረዳ ቆሓይን ንኡስ ዞባ ማይምነ ዓዲ በራቒት፣ ቤተክርስትያን ኣርባዕተ እንስሳ ማሕድሮ ወሲዶም, ንግብረ ዲቁና ዝመሃሩ መንእሰያት እናመሃሩ ዓቢ መንፈሳዊ
> ግብሪን ጸጋን ዝፈጸሙ ኣቦታትኮ ነይረምን ኣለዉን ኢዮም። ስሞምክኣ ንዘልኣለም ከቢሩ ይነብር።
>
> ውጉዝ ገብረሚካኤል፣ ኣብልዕሊ ቅዱሳን ኣቦታትና ጽዩፍ, ኣነዋሪ, ዘይሓላፍነታዊ ጸለመ ነዚሑ። ነብሱ ኣዕብዩ ድያብሎሳዊ
> ግብሪ ፈጺሙ። ዲያብሎስውን እኮ ኣብ ልዕሊ መድሃኔዓለም ክርስቶስ ኣብልዕሊ’ቲ ንሰማይን ምድርን ንኹሎም’ቶም ኣብኣ ዝነብሩ ፍጡራት ዝፈጠረ ነቲ ብኩቡር ደሙ ብመስቀሉ ነዛ እንነብራ ዘለና ምድሪ ሓራ ዘውጽአ፣ ነብሱ ኣዕብዩ ፈቲንዎስ ኣይተዓወተን። ከምኡውን ነቶም ቅዱሳን መላእክት ንሱ ከምዝፈጠሮም ከምስል ኣነ ኢየ ፈጢረኩም ብምባል’ኮ ናብ ጋህንም ተደርቢዩ ኢዩ።
> ንሊቀ ካህን ኢያሱ ነቲ ቅዱስ ኣቦ ክጻረሮ ኣብ የማኑ ቆመ ይብል ቅዱስ ጽሑፍ። እግዚኣብሄር ግን ኣንታ ሰይጣን እግዚእብሄር ይግናሕካ በሎ።
>
> ኣብ ፓል-ቶክ ኣብ መደብ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ቤላ ቤሎው ከውሪ ሓዲሩ፣ ነታ መሰረታዊት ሃዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ መንፈሳዊ ክብራ ቀንጢጡ፣ ንኩቡራት ቅዱሳን ኣቦታት ነቲ ብፈጣሪ ኩሉ ብመድሃኔዓለም ክርስቶስ ዝተዋህቦም መንፈሳዊ ጸጋን ክብርን ኣነኣኢሱን ኣቃሊሉን፣ ንውለቀ ሰባት ብኣነዋሪ ጸለመ ከጸልም ሓዲሩ፣ እታ ቅድስት መዓልቲ ሰንበት ምስመጸት፣ ኣፍደጌታት ቅድስት ቤትክረስትያን ከፊቱ፣ ኣብ ዙርያ ቤት መቅደስ ኣብ ዓውደ ምህረት ደው ኢሉ, ገጹ ኣዕቲቡ፣ መጋረጃ ቤት መቕደስ ከፊቱ፣ ኣሓዱ ኣብ, ኣሓዱ ወልድ, ኣሓዱ መንፈስ ቅዱስ, ኢሉ ስጋኡን ደሙን ክቖርስ ሕልንኡ ክሳዕ ክንደይ ይቕበሎ?።
> እቶም ነዚ ውጉዝ ግብሪ እናሰምዑ ዕሽሽ ኢሎም ንነስሓን ንጸሎትን ናብ ቅድስት ቤተክርስትያን ዝመላለሱን፣ ካብ ዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ጉድለት ክነጽሁን፣ ንጽድቂ ክኾኖም ካብ ብኡኡ ንዝተዳለወ ቅዱስ ቁርባን ክቐምሱ ከመይ ኢሉ መንፈሳዊ ሕልንኦም ይገብረሎም ኣሎ? እቲ ካብታ መሰረታዊት ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተነጺሉ ዘሎ ዘይምእኩል ሃገረ ስብከተይ ዝብሎኸ ነዚ ኣነዋሪ ውጉዝ ግብሪዚ ብኸመይ ይሪኦ ይኸውን? እዚ ሕቶዚ ነቶም ደቀ መዛምርቱ እገድፎ።
>
> ‘ሉጋም በቕሊ ፈኒኻ ናበይ ቶሽቶሽ’ ከም ዝበሃል ውጉዝ ካህን ነበር ገብረሚካኤል ዮሃንስ ኣብ ሰነ 21 2012 ዓ.ም. ኣብ መደብ ፓል-ቶክ ስመር ኣብ ፖለቲካዊ ተቓውሞን ቤላ-ቤሎ ከውርን ከምዝሓደረ ኣብ መላእ ዓለም ምስተዘርግሐ፣ ካብ መፋርቕ 2005 ዓ.ም. ተኸዊሉ ዝነበረ እኩይ ግብሩ ንኽጋለጽ መዓልቱ ከምዝኣኸለ ስለዘረጋገጹ፣ እቶም ንሑሱር ድራማታቱ ብዝኸፍአ መልክዑ ከምዝተኸሽሐ ዝተረድኡ ሰዓብቱ ንኽእርማ ብማለት ኣብ ቅድሚ ምእመናን ኣብ ቅድሚ ቤት መቕደስ ቤተክርስትያን መድሃኔዓለም ኣትላንታ፣ ንኸምስል ንልቢ እቶም የዋሃት ክድብስ ክብል እቕሬታ ሓቲቱ። ሓደ ካብቲ ኩቡር መንፈሳዊ ግብሪ ቤተክርስትያን ንዝተፈጸመ ጌጋ ፈጻሚኡ እቕሬታ ምስዝሓትት ምሕዳግ እኳ እንተኾነ፣ ውጉዝን ኣነዋሪን ግብሪ ናይ ውጉዝ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ግን ኣብ ቤተክርስትያን መድሃኔዓለም ኣትላንታ ኮይኑ ስለ ዘይተዛረቦ ኣብ ኣትላንታ ጥራሕ ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ዝሓተቶ እቕሬታ ነቶም ሰዓብቱ ምሉእ ክኸውን እንተድኣ ኮይኑ ኣብታ ነዚ ውጉዝ ግብሪዚ ዝፈጸመላ ፓል-ቶክ ስመር ተመሊሱ ጥራሕ ኢዩ ክሓትት ዝግባእ።
>
>
> ዘካርያስ ሰመረ ወልዱ
> ኣትላንታ, ጆርጂያ, ኣመሪካ
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
>
Received on Sun Sep 16 2012 - 11:30:59 EDT
Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2012
All rights reserved