[dehai-news] Sanction (maEqeb) A Poem

From: <hbokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Mon, 10 Oct 2011 10:36:27 -0400 (EDT)

ማዕቀብ  

ማዕቀብ ኢሎምኻ ዕገዳ
ግርም!ግርም ኢሉዋ ብዓዳ
ከይትሽምት ኣጽዋር ብሓረጣ እዚ ኹሉ ከለካ መዓንጣ
መዓስ እሞ ዓለም ፈሊጣ
እንታይ ማለት…?
ሞራልካ እንድዩ ብረት
ዘይስለብ፡ ዘይስረቅ፡ ዘይዝመት።  

ማዕቀብ ኢሎምኻ ንመራሕቲ ከይፈለጡ ምዃና ወከልቲ
ከይፈለጡ ምዃና መንግስቲ እቲ ህዝቢ ሓደ፡ እታ ሃገር ሓንቲ።  

ማዕቀብ ኢሎምኻ ወረ…
ነዚ ብውግእን ሽግርን ዝተረረ ጽንዓቱን ኒሑን ዘመስከረ ንዘመናት ንመዋዕል
ኣውያቱ ኢዩ ዕልል።  

ማዕቀብ ኢሎምኻ !
ግን ማዕቀብ ንመን…..
ነብሱ ከም ዝኸኣለ ክእመን ፋሕተርተር ዝብል ካብ ምጽዋት እንሄለ ይስስን፡ ይዕምብብ ከም ዕጽዋት።  

እቲ ማዕቅበሲ ወይ ጉዱ
ኣይኮነን’ዶ ነቶም ዝፈርዱ እቲ ምንታይ ካብ ተፈራዲ
ፍትሒ ዝጎደሎ ፈራዲ
ምዃን’ዶ ኣየሕፍርን ግዲ።  

ንዓኻ ድዩ ማዕቀብ…
ትማሊ-ትማሊ ምህርትኻ
ክትሓፍስ ኣብ ዓውዲ….
ውግእ ከፈቱልካ ንግሆ ረፍዲ ኣደዳ ፍሽለት ዓለም ፍርዲ።  

ማዕቀብ ንመን ንሃኮተ
ነብሱ ክኽእል እንተመከተ እንተመጐተ ይቀናቀንዎ ንዘመተ።
ሃኮተ ጽንጽያ ንእሽቶ ሓሰኻ ክረምቲ ከይኣተወ ትእክብ መግብኻ።  

ማዕቀብ’ዶ ማዕቀብ……
ነዚ ገመል ሳሕል
ዘይብል ድህል
ዘይብል ብር-ብር
በጻምእ ክሳግም ንሰማይ የንቃዕርር።  

ማዕቀብ ግዚያዊ
ወይልኡ መሻረዊ
ምስ ዘእውዩ ዘእዊ
እንተ ብጥቅሚ እንተ ብፍርሒ ኣይሓይሽን’ዶ ፍትሒ።  

ሃይለ ቦኹረ
09/14/2011

         ----[This List to be used for Eritrea Related News Only]---- Received on Mon Oct 10 2011 - 12:02:25 EDT

This archive was generated by hypermail 2.3.0 : Mon Oct 10 2011 - 12:02:26 EDT