[dehai-news] report festival toronto


New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view

From: nabmic yih (nabmic04@yahoo.com)
Date: Mon Aug 01 2011 - 13:17:42 EDT


  ሽማግለአወሃሃዲትሃገራዊ በዓላት ኤርትራ     ፈስቲቫል ኤርትራ 2011 ቶሮንቶ እዚ ቅንያት'ዚ ኤርትራውያን አብ ውሸጢ ሃገርን አብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምን "ውሁድ ቅኒት ንሃገራዊ ክብረት" "ስሙራት አብ ልምዓትን መኸተን" አብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሃገራዊ ፈስቲቫል የካይድ አሎ። ዓመት መጸት ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ቅንያት ፈስቲቫል ሃገርና መረጋገጺ ናይቲ ሓደ ካብ እምነ ኩርናዓት ሃገራዊነት ዝኾነ ኤርትራዊ መንነት፣ መውሕስ ቀጻልነትና፣ ምዕቃብን ምምዕባልን ባህላዊ ውርሻታትናን መደልደሊ  ሓድነትናን ምኻኑ ብግቡእ ስለ ዝተረድአ እዩ።  Hi, please help post the following, thanks, michiel       ከተማ ቶሮንቶ፡ብደረጃ ምብራቕ ካናዳ ፈስቲቫልኤርትራ 2011 ካብ 30ሓምለ ክሳብ 01ነሓሰ ንዝካየድ ፈስቲቫል ተአንግድ አላ። አብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ቀዳም ንግሆ ዕለት 30 ሓምለ 2011 ብሓበን ነዚ በዓል'ዚ ንምብዓል ንዘብቕዑና ጀጋኑ ሰማእታትና ናይ ሕልና ዝኽረ ሰማእታትን ሃገራዊ መዝሙርን ድሕሪ ምግባር፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡አቦታትን አደታትን፡ እተን ኩሉ ግዜ መጸበቕ በዓላት ሃገርና ዝኾና ወይዘራዝር፡ ዓበይትን ናአሽቱን ስፖርታውያንን ሓፋሽ አባላት ማሕበረ ኮምና አብ ዝተረኽበሉ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ አምባሳደር ግርማይ ገብረማርያም በወኪል መንግስቲ አብ ካናዳ  አቶ ሰመረ ገብረማርያም ተሰንዩ ንፈስቲቫል ቶሮንቶ ብወግዒ ከፊትዎ።   በዚ አጋጣሚ ፈስቲቫል 2011 ንውድድር ቅድድም ብሽክለታ ናብ ካናዳ መጺኡ ዕዉት ውድድራት ዘካየደ ተቐዳዳማይ ሚኪአል ትኩእ ናይ ወድድር ዕጥቁ ወድዩ አብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ቀሪቡ። ህዝቢ ድማ ብድሙቕ ጣቕዒት ተቐቢልዎ።   ፈስቲቫል ኤርትራ 2011 ከተማ ቶሮንቶ ዝተፈላለየ መደባትን ንጥፈታት መንእሰያት ህግደፍ፡ ደንበ ሃማደአን ማእከል ህጻናትን ዝተፈላለየ ባህላዊ ብልዒን ካልእን ብምቕራብ ቀጺሉ ውዒሉ። አምባሳደር ግርማይ ገብረማርያም ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ንህሉው ኩነታት ሃገርና አመልኪቱ ሰፊሕን መሃርን ሰሚናር አካይዱ። ቐጻሊ ተጻብኦታት ዓንተራት ዘመንና፡ ብውዲት አለምቲ ተንኮል ዝተበየነ ዘይሕጋዊን ዘይፍትሓዊን ማዕቀብ ብሳላ ጽኑዕ መትከል መሪሕነትናን ክምህ ዘይብል መኸተ ህዝብናን ከም ዝብርዕን ድማ ምስ አብነታት ነተሳተፍቲ አብሪሁ። አምባሳደር ግርማይ ንኸፍልታት ቁጠባ ፡ ጥዕና፡ ሕርሻ፡ ትምህርትን ምዕሩይ ዝርጋሔኡን መንግስቲ ኤርትራ ብመትከል ቅድምን ድሕርን ናጻነት ዝሰርሓሉ ምኻኑ ንተኻፈልቲ ሰሚናር አብሪሁ። አብ ናይ ምሸት መደባት ካብ ሃገርና ዝመጽአት ጉጅለ ባህሊ ዋልታ ንነጋድያን ፈስቲቫል መትኒ ሃገራዊነትካ ብዘነቓቕሕ ጣዕመ ዘይማታት ከተዘናግዕ አምስያ። ቀጻሊ መደባት ፈስቲቫል ኤርትራ 2011 ቶሮንቶ ሰንበትን ሰኑይን’ውን ዝቕጽል እዩ።

         ----[This List to be used for Eritrea Related News Only]----


New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view


webmaster
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2011
All rights reserved