[dehai-news] (Community) In memory of YOHANNES TEKLE DRAR


New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view

From: Biniam Tekle (biniamt@dehai.org)
Date: Fri Apr 22 2011 - 18:28:16 EDT


Note: If you are not able to read geez text please see attachment.

In memory of YOHANNES TEKLE DRAR

ኣቱም KENYA ሰሚዕኩም’ዶ ወረ፡

ብፃይ ዮሃንስ ዓረ፡
ብሓርበኛ ንጥፈታቱ ዝልለ ፡፡
ለዋህ ከም ወላዲት ኤረ፡
መዓንጣ ሕፁብ ከም ኩሎም ደቂ ኤረ፡

ዓወት ንሓፋሽ --- መለለይኡ ፡፡
ተወፋይነት --- ዝሕመረቱ፡
ብጻይነት --- ዝመቐነቱ፡
“ዓወት ናይ ግድን’ዩ” --- ዝአምነቱ፡፡
ወገናውነት --- ዘይፈቱ፡፡
“ዝመጸ ይምጻአ ወራሪ ፡ ብቕልጽም ሓፋሽ ፈሻሊ” ዝመዝሙሩ፡
“ዘልዓለማዊ ዝኽሪ ንሰማዕታትና” ዝፀሎቱ፡

ብጻይ ዮሃንስ ብርለ፡
ኣብ ጉባኤ ሳሕል ዝዓሰለ
ኣብ ቦሎኛ ምስ ሓፋሽ ዝደበለ
ዋህዮታት KENYA ዝወደበ፡ ዘንቐሐ ፡
ኣብ EASTLEIGH, WESTLAND, LANGATA, NGONG ሓፋሽ ህዝቢ ዝጠርነፈ፡
ሰሚዕና ገዲፉና ከምዝከነፈ፡
ምስ ሰማዕታት ብጾቱ ክሕወስ ኣብዛ ዓለም ከይዓረፈ።
መበል ዕስራ ዓመት ናጽነት ዓለለ፡፡

ዮሃንስ መትከላዊ ብጻየይ፡
ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ መምህረይ፡
ደሓን ኩነለይ፡፡

ጀጋኑ ሰማዕታትና ንብጻይኩም ዮሃንስ ተቀበልዎ
ጽምዋ ኣይፈቱን ‘ ዩ ኣደሳድስዎ።
ሰቲ ሰምሃር ነስንሱሉ
ናጽነት 20 ዓመት ሓቢርኩም ኣጸንብልዎ ፡፡

ሳባ ምስ ደቅኺ፡ ጽንዓት ይሃብኪ ፡፡

ሰላማዊት ትካቦ
ቨርጂንያ


         ----[This List to be used for Eritrea Related News Only]----


New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view


webmaster
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2011
All rights reserved