[dehai-news] Haddas Eritrea: TPLF's accusation submitted to UN against Eritrea (In Tigrigna)


New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view

From: Berhane Habtemariam (Berhane.Habtemariam@gmx.de)
Date: Sat May 22 2010 - 06:59:19 EDT


ንዕቀትን ጸርፍን ንባይቶ ጸጥታ

22.05.2010

 

ወያነን ለኣኽቱን ኣሳሰይቶምን፤

ጠቐነኦምን ሓሶቶምን። ምስ ግዜ

እናተቓልዐ ይብርዕን ስለዘሎ፤ ጭንቀቶም

ዓሪጉ። ኣብዚ መወዳእታ እዋን። ምስ

ጽዑቕ ዘመተ ዝተሰነየ ክሲታት ናብ

ባይቶ ጸጥታ መስሪቶም ኣለዉ፣ ተዓዛቢ

ብወረ ጥራይ ከይሰምዖ። እዚ ንባይቶ

ጸጥታ ንዕቀትን ጸርፊን’ዩ ጥራይ ኪበሃል

ዝከኣል ዝበለየ ሕሱር ጸወታን ዝርዝራቱን

ከምዘለዎ ነቕርበልኩም።-

 

ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ

ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ

ናብ ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት

ሃገራት

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈደራላዊት

ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ።

ብመሰረት ብይን 751 (1992)። 1907

(2009)። ባይቶ ጸጥታ እዚ ዝስዕብ ዝርዝር

ናይ ዉልቀ-ሰባት ኣብ’ቲ ዝውሰድ

ስጒምቲ ክውሰኽ ክንጽውዕ ከለና ክብሪ

ይስመዓና፣ እታ ናይ እገዳ ኮሚተ

ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክትመጸና’ሞ

ፈደራላዊት ደሚክራሲያዊት ሪፓብሊክ

ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ

ሓበሬታ ተወሳኺ ዝርዝር ክንህባ ኣብ

ዝሓጸረ እዋን ክትመጸና ብዓቢ ሃንቀውታ

ንጽበያ ከምዘለና ንገልጽ፣

ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ

ኢትዮጵያ ብምቕጻል። ዝርዝር ናይቶም

ንዘይምርግጋእ ሶማልን ንሓደጋ ሰላምን

ጸጥታን ጐረባብቲ ሃገራት ናይ ዝሰርሑ

ኣስማት ነቕርብ።-

ሀ. ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ

1. ምሉእ ስም - ጀነራል ስብሓት

ኤፍሬም ኣማኑኤል

ዕድመ - 63

መበቈል ዓዲ - ሓማሴን እምባርዳ

ቁጽሪ ፓስፖርት - 0321325። DP

02911

መዝነት ሚኒስተር ምክልኻል ኤርትራ

ቊጽሪ - 72775

ተርኡ ኣብ ዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት እዚ ዞባን

ተጠቃሲ። ጸጥታን ሰላምን ንምዝራግ

ወተሃደራዊ ስትራተጂን ታክቲክን

ዝነድፍ። ናይ ስልጠናን ኣጽዋርን

ቀረብ ዘዋድድ’ዩ፣ብተወሳኺ። ንኹሉ

ናይ ዘይምርግጋእ ተግባራት ብቐረባ

ብምክትታል። ወተሃደራዊ ንጥፈታት ጸረ

ሰላም ሓይልታትን ስርሒታቶም ኣብ’ዚ

ዞባን ዘካይድ’ዩ፣

2. ምሉእ ስም - ብሪጋዴር ጀነራል ነጋሽ

ተስፋጽዮን

ዕድመ - 73

ቦታ ልደት ……

ቊጽሪ ፓስፖርት ……

መዝነት - ምክትል ኣዛዚ ወተሃደራዊ

ስልጠናን ሓላፊ ስትራተጂካዊ

መጽናዕትታትን

ተርኡ ኣብዘይምርግጋእ ሰላምን ጸጥታን

ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን

ሃገራት እዚ ዞባን

* ተጠቃሲ። ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ።

ሱዳንን ሶማልያን ስርሒታት ናዕቢ

ዘካይዱ ሓይልታት ስልጠናታት ይህብን

የወሃህድን

* ንመምርሒ ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ብምኽታል። ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ

መምርሒ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ምስ ኮሎኔል

ጠዓመ ጐይትኦም ብምትሕብባር። ሓደ

ናይ ግበረ ሽበራ ወተሃደራዊ መዓስከር

ኣብ ከባቢ ዓሰብ መስሪቱ፣ኣብዚ መዓስከር

ድማ ዕጡቓት ኣሸባብን ሕዝበልእስላምን

ተቓወምቲ መንግስቲ የመንን ኣሰልጢኑ፣

3. ምሉእ ስም - ሜጀር ጀነራል ተኽላይ

ሃብተስላሴ

ዕድመ - 55

ቦታ ልደት - ሓማሴን ዓዲ ንፋስ

ቊጽሪ ፓስፖርት - ……..

መዝነት - ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር። ኣዛዚ

ወተሃደራዊ መሰልጠኒ። ኣቦ-መንበር ወፍሪ

ዋርሳይ ይከኣሎ (ማለት ግዱድ ዕዮ)

ተርኡ ኣብ ዘይምርግጋእ ሰላምን ጸጥታን

ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን

ሃገራት እዚ ዞባን

ተጠቃሲ። ብዘለዎ መዝነት ኣዛዚ ማእከል

ስልጠናታት ኤርትራ። ንግበሽበራውያን

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ወተሃደራዊ

ክእለት የሰልጥን። ዕጥቅን ስንቅን

ይቕርብን የወሃህድን። ከምኡ’ውን ኣብ

እዋን ተልእኾታት ናዕቢ ናይ መጓዓዝያ

ኣገልግሎት የወሃህድ፣

4. ምሉእ ስም - ብርጋዴር ጀነራል ፍጹም

ገብርሂወት

ዕድመ - 58

ቦታ ልደት - ጻዕዳ ክርስትያን

ቊጽሪ ፓስፖርት - …….

መዝነት - ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ

ኤርትራ

ተርኡ ኣብ ዘይምርግጋእ ሰላምን ጸጥታን

ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን

ሃገራት እዚ ዞባን

ከም ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ

ኤርትራ ናይ ግብረሽበራዉያንን ጥሩፋት

ሓይልታትን ናይ ባሕሪ ጕዕዞ የወሃህድ፣

5. ምሉእ ስም - ኮሎኔል ተወልደ ሃብተ

ነጋሽ

* ዕድመ………….

* ቦታ ልደት…………….

* ቍጽሪ ፓስፖርት…..

መዝነት - መኮንን ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ

መምርሒ የማነ ገብርኣብን ኮሎኔል

ጠዓመን፣

ተርኡ ኣብ ዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ግዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት እዚ ዞባን

* ንግብረሽበራዉያን ሶማል ኣብ

ምሕጋዝ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ፣ ኣብዚ

ዓመት’ዚ ንኬንያ። ጅቡቲን ኡጋንዳን

ብምእታዉ ገንዘባዉን ዕጥቃዉን

ሓገዝ ንኣልሽባብ ከምኡ’ዉን

ሕዝበልእሰላምን ራስ ኮምቦኒን

ሂቡ፣ ናይቲ ኮሎኔል ዑመር ሓሺ

ኣምባሳደር ዓብደልከሪምን ካልኦት

ሰበ-ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲን

20 ሽማግለታትን ዝርከብዎ ህይወት

ናይ ዝቐዘፈ ነብሰ ቅትለታዊ ስርሒት

በለድድዊን። ብምግዕዓዝን ምምዋልን

ብሓላፍነት ተሓታቲ ኢዩ፣ ዋላ’ኳ

ኮሎኔል ተወልደ ሃብተ ብመንግስቲ

ኬንያ ኣብ 2009 ዝተሰጐገ ምዃኑ

ዝፍለጥ ይኹን። ናይዚ ኣብ ሰነ 2009

ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ

ብሓላፍነት ተሓታቲ’ዩ፣ ተወሳኺ

ሓበሬታ ካብ ፖሊስ ኬንያ ክርከብ

ይከኣል፣

ለ. ሓለፍቲ ትካላት ጸጥታ

መንግስቲ

1. ምሉእ ስም - ብርጋዴር ጀነራል

ኣብርሃ ካሳ

ዕድመ - 57

ቦታ ልደት ደቀምሓረ/ሰሳሕ

ቊጽሪ ፓስፖርት . . . .

መዝነት - ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት

ኤርትራ

ተርኡ ኣብዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት እዚ ዞባን

* ልዑል ተራ መሪሕነት ብምጽዋት።

ናይ የመን። ጅቡቲን ኢትዮጵያን

ጥሩፋት ሓይልታት ስርሒት

ዘይምርግጋእ ሶማልን ዞባናን ክጽመዱ

የዋፍር፣

* ንስርሒት ጥሩፋት ሓይልታት

ሶማል። የመን። ጁቡቲ። ሱዳንን

ኢትዮጵያን ብመርበብ ኣብ ምውህሃድ።

ስርሒታዊ መሪሕነት ኣብ ምክያድን

ምውህሃድን ዓቢ ተራ ይጻወት፣

* ብቐንዱ። መምርሒታቱ ካብ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣቶ

የማነ ገብርኣብን ይቕበል፣

* ናዕቢ ንምክያድ ንኮሎኔል

ጋይም ተ/ሚካኤል። ኮሎኔል ጠዓመ

ጐይትኦም (ሳጓኡ መቐለ)። ኮሎኔል

ስምኦን ገብረድንግል። ኮሎኔል ፍጹም።

ብርጋዴር ጀነራል ገብረኪዳን ሳጓኡ

(ወዲ ምነይ)። ኮሎኔል ተወልደ ሃብተ

ነጋሽ መምርሒታት ይህብ፣

* ብመሰረት መምርሒ ፕረዚደንትን

ኣቶ የማነ ገብርኣብን ምስ ሓላፊ

ኢሚግረሽን ብርጋዴር ጀነራል

ገብረኪዳን (ወዲ ምነይ) ብምትሕብባር

ናይ ኣልሸባብን ካልኦት ጥሩፋት

ሓይልታትን ናይ መገሻ ሰነዳት

(ፓስፖርት። ቪዛ) የሳልጥ፣ ንኣብነት

ብመገዲ ናይ ስለያ መኮንኑ ኮሎኔል

ኣለም ነጋሽ ኣቢሉ። ንቐንዲ መራሕቲ

ግብረሽበራዊ ስርሒት ዘካይዱ

ጉጅለታት ዝኾኑ ሓሰን ዳሂር

ዓዌስን ሙኽታር ሮቦን ካልኦትን . .

. . ፓስፖርትን ናይ መገሻ ሰነዳትን

ቀሪቡ፣

* ብዘይካ’ዚ ኣብ የመን። ጁቡቲ።

ሶማልን ሱዳንን ዝርከቡ መርበባት

ሽበራን ተሓጋገዝቶምን ይከታተል፣

2. ምሉእ ስም - ኮሎኔል ጠዓመ

ኣብርሃም ጐይትኦም። ብመቐለ’ውን

ይፍለጥ

ዕድመ - 53

ቦታ ልደት - ኣከለጒዛይ (ሽመጃና)

ቊጽሪ ፓስፖርት - ለሰ ፓሰ 02154

መዝነት - ሓላፊ ስርሒታት ስለያ

ወጻኢ

ተርኡ ኣብዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት እዚ ዞባን

* ንኣልሸባብን ካልኦት ሶማላውያን

ግብረሽበራውያንን ብቐጥታዊ መሪሕነት

ወዲቡን ተሳቲፉን፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ

ንሽበራውያን ሓይልታት ኢትዮጵያን

ጁቡቲን ወዲቡ፣ እዚ ተግባራት’ዚ።

ሓቅነቱ በቶም ኣብ ሶማል ኣብ ወተሃደራዊ

ንጥፈታት ኣንከለው ዝተማረኹ 3

መኮንናት ኤርትራ ተረጋጊጹ’ዩ፣ እዞም

ሰለስተ ወተሃደራውያን መኮንናት። ኣብ

2006 ኣብ ሶማል ኣብ ግብረሽበራዊ

ንጥፈታት ኣብ ሞቓዲሾ ምስኡ

ብቐጥታዊ መምርሒን መሪሕነትን ኣብ

ግብረሽበራዊ ስርሒታት ተዋፊሮም

ምንባሮም መስኪሮም’ዮም፣

* ተጠቃሲ ዝተፈላለየ ፓስፖርትታት

ዝጥቀምን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ጥቡቕ ርክብ ዘለዎን ኮይኑ። ናብ

ዝተፈላለያ ሃገራት ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን

ሓሽሽን’ውን ዘሰጋግር’ዩ፣

* ተሓታትነቱ ብቐጥታ ንፕረዚደንት

ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣቶ የማነ

ገብርኣብን’ዩ፣

* ካብ 1998-2000 ዓ.ም ምሉእ ስርሑ

ምስግጋር ኣጽዋር ናብ ኬንያን ሶማልን

ነይሩ፣ ንኣልእትሓድ ድማ ኣብ ሽበራዊ

ንጥፈታቱ ናይ መሪሕነትን ምውህሃድን

ተራ ነይሩዎ፣

* ካብ 2000 ኣትሒዙ ድማ።

ኣብ ምውዳብን ምልኣኽን ኣባላት

እትሓድን ኣልሸባብን ተዋፊሩ ኣሎ፣

ብዘይካ’ዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ተጠቃሲ ናይ

ኣልሸባብን ሕዝበልእስላምን ስርሒታት

ዘይምርግጋእ ዘወሃህድ ዘሎ ኮይኑ። ኣብ

ልዕሊ AMISOM እውን መጥቃዕትታት

ኣብ ምክያድ ይርከብ፣

* ኮሎኔል ጠዓመ ዝተፈላለዩ ቃለ ስም

ዝጥቀም ኮይኑ። ልዕሊ 75% ናይ ግዜኡ

ካብ ኤርትራ ወጻኢ - ኣብ ሶማል። ኬንያ።

ዱባይ። ኡጋንዳን ጁቡትን የሕልፍ፣

* ኮሎኔል ጠዓመ። ንሓሰን ዳሂር ዓዌስን

ካልኦትን ከም ቀንዲ ነጠፍቲ ሽበራውያን

ይጥቀመሎም፣ ይኹን ግን። ካብ ዮሱፍ

እንዳዓደ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣገልግሎት

ድሕሪ ምስኣኑ። ብቐንዱ ናብ ሓሰን ዳሂር

ዓዌስ ተመርኲሱ ዘሎ ኮይኑ። ብቐንዱ

ንሰላምን ጸጥታን ምርግጋእን ሶማልን

ዓቃብ ሰላምን ይህድድ፣

* ብመሰረት እሙናት ምንጭታት

ውሽጢ። ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ኮሎኔል ጠዓመ

ምስ ሓሰን ዳሂር ዓዌስ። ሙኽታር ሮቦን

ፋኣድ ሺን ጐለን ካልኦት መራሕቲ ራስ

ኮምቦኒን ሕዝበልእስላምን ዘለዎ ርክብ

ጥቡቕ’ዩ፣

* ኮሎኔል ጠዓመ። ኣብ ምምዋል

ግብረሽበራውያን ዝተጸምደ ኮይኑ። ንሱ

ናይ ኤርትራ። ጁቡቲ። ሶማል። ኬንያ

ፓስፖርት ይጥቀም፣ ናይ ኢትዮጵያ

ፓስፖርት ከምዘለዎ’ውን ይጥርጠር’ዩ፣

3. ምሉእ ስም - ብርጋዴን ጀነራል

ገብረኪዳን (ወዲ ምነይ)

ዕድመ - 67

ቦታ ልደት - ሓማሴን (ድግድግ)

ቊጽሪ ፓስፖርት ……

መዝነት - ሓላፊ ኢሚግረሽንን

ዜግነትን

ተርኡ ኣብዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት እዚ ዞባን

* ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዝነጥፉ

ግብረሽበራውያን ሓይልታት ናይ ሓሶት

ፓስፖርት የቕርብ፣ ከምኡ’ውን ናዕቢ

ንዘካይዱ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ

ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ሓሶት ፓስፖርት

የቕርብ፣

* ኣብዚ ዞባ ግብረሽበራ ንዘካይዱ ናይ

ሶማል ግብረሽበራውያን። ዲፕሎማቲክን

ተራ ፓስፖርትን የቕርብ፣

* ብመንገዲ ኤምባሲታት ኤርትራ

ኣብ ኬንያ። ሱዳን። ዱባይ። የመን።

ንግብረሽበራውያን ሓይልታት ጒዕዞ

ምውዳብ የሳልጥ፣

4. ምሉእ ስም - ኮሎኔል ፍጹም ኢሳቕ

(ሌኒን)

ዕድመ - 51

ቦታ ልደት - ሓማሴን (ዓዲ ገብራይ)

ቊጽሪ ፓስፖርት - ……….

መዝነት - ሓላፊ ምውህሃድ ጥሩፋት

ተቓወምቲ ኢትዮጵያ

ተርኡ ኣብዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት እዚ ዞባን

ኣብ ሓሬና ዝተባህለ መአዘዚ ቦታ

ብምዃን። ናይ ጥሩፋት ተቓወምቲ

ዉድባት ኢትየጵያ ንጥፈታት ይዉድብን

የወሃህድን፣

* ኣብ 2008 ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ

ኣዲስ ኣበባ ኣኼባኡ ኣብ ዘቃንዓሉ

ዝነበረ እዋን። ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ

ክካየድ ተተኰሰቲ ቀሪቡ፣

* ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተባህሎ

ግብረሽበራዊ ስርሒት ኣብ ኢትዮጵያን

ሱዳንን የካይድ፣

* ስልጠናን ዉዳቤን ግብረሽበራዉያን

ሶማል የወሃህድ፣

* ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዝተኻየደ

ስርሒታት ሓላፍነት ዝስከም ምዃኑ

እኹል ጭብጥታት ኣሎ፣

5. ምሉእ ስም - ኮሎኔል ወዲ ኪዳነ

ዕድመ - 56

ቦታ ልደት - ……

ቍጽሪ ፓስፖርት - …….

መዝነት - ኣወሃሃዲ ግብረሽበራዊ

ስርሒታት ሶማል ካልኦትን ነበር። ሕጂ

መኮነን ስርሒታት ኣብ ሃገራዊ ስለያ

ኤርትራ፣

ተርኡ ኣብ ዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት እዚ ዞባን

* ኣብ 2006 ሞቓዲሾ ብምእታዉ ናይ

ኣልሽባብን ሕዝበልእስላምን ስርሒታት

ኣወሃሂዱ፣

* ኣብ ሶማልን ኬንያን ናይ ሽበራ

ስርሒት ኣወሃሂዱ፣ ኣብቲ ግዜ ምስ

ኮሎኔል ኣብርሃም ጠዓመ (መቐለ) የማነ

ገብርኣብን ብምዃን፣

ሐ. ስታፍ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት

1. ምሉእ ስም - የማነ ገብረመስቀል

ሓድሽ (ቻርሊ)

ዕድመ - 57

ቦታ ልደት - ኣከለጕዛይ ሃዘሞ (ዑና

ዑቕባይ)

ቊጽሪ ፓስፖርት - 0329465

መዝነት - ወሃብ ቃል ፕረዚደንት

ተርኡ ኣብዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት እዚ ዞባን

* ከም ወሃብ ቃልን የማናይ ኢድ

ፕረዚደንትን። ኣብ ዘይምርግጋእ ሶማል

ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ’ዩ፣ ንሱ ቀንዲ

መመሓላለፊ ኣገደስቲ መልእኽታትን

መምርሒታትን ኮይኑ። ካብ ፕረዚደንት

ናብ ዝተፈላለዩ ብመምርሒ ፕረዚደንት

ንዝተፈላለያ ሃገራት ዒላማ ብምግባር

ዝሰርሑ ኣካላትን ዉልቀ-ሰባትን ዝኸይድ

መልእኽቲ የመሓላልፍ፣

2. ምሉእ ስም - ኮሎኔል ተስፋልደት

ሃብተስላሴ

ዕድመ - 52

ቦታ ልደት - ኣከለጕዛይ ጉራዕ

መዝነት - ሓላፊ ቤ/ጽ ፕረዚደንት

ተርኡ። ኣብ ዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ሶማልን ግዝያዊ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት’ዚ ዞባን፣

ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት

ኢሳይያስ እናሰርሐ። ንዓበይቲ ጸጥታዊ

ጉዳያት እንተላይ ንዘይምርግጋእ

ሶማልን ካልኦት ሃገራት ዞባናን ዝቐንዑ

ምንቅስቓሳት የወሃህድ፣

መ. ሰበ-ስልጣን ህግደፍ

1. ምሉእ ስም - የማነ ገብረኣብ

ተስፋዝጊ

ዕድመ - 58

ቦታ ልደት - ሓማሴን (ሰሓርቲ)

ቍጽሪ ፓስፖርት - 0275422

መዝነት - ሓላፊ ፖለቲካዊ

ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን

ፍትሕን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት

ኢሳይያስን

ተርኡ ኣብ ዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ሶማል። ግዝያዊ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት’ዚ ዞባን

• ንሶማላውያን ግብረሽበራውያንን

ዕጡቓት ሱዳናውያንን ጥሩፋት

ኢትዮጵያውያን ሓይልታትን ቀጥታዊ

ፖለቲካዊ ምሕደራን ምኽርን ኣብ ምሃብ

ኣገዳሲ ተራ ይጻወት፣

• ናይ ጐረባብቲ ሃገራት

ግብረሽበራውያንን ጥሩፋትን

ኣውሃሃዲ’ዩ፣ (ንኣብነት ኣልሸባብ።

ሕዝበልእስላም። ከምኡ’ውን ጥሩፋት

ሓይልታት ኢትዮጵያ። የመን። ሱዳንን

ጅቡቲን)

• ኣብ 2007። ኣብ ሶማል ሕንፍሽፍሽ

ንምፍጣር ብዝብል ዕላማ ብሓሰን ዳሂር

ዓዌስ ዝምራሕ ኪዳን ንዳግመ-ምሕራር

ሶማል ኣብ ኣስመራ ብምውዳቡ

ክጅመር እንከሎ። ልዕሊ ዝኾነ ካልእ የማነ

ገብርኣብ ንኪዳን ዳግመ-ምሕራር ሶማል

ኣብ ምውዳብ። ምዕጣቕን ምልኣኽ ናብ

ሶማል ቀንዲ ሓላፍነት ወሲዱ፣

• ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ኤርትራ

ዝኾነ የማነ ገብርኣብ። ብመንገዲ’ቲ

ድሒሩ ዝተቐንጸለ ኮሎኔል ሓሺ ክሳብ

እዋን መስርሕ ጅቡቲ ምስ ሙኽታር

ሮቦን ዩሱፍ ኢንደዓደን ቀጥታዊ ርክብ

ነይርዎ፣ ኣብ ሶማል ንዝቕጽል ዘሎ

ሽበራዊ ወፍሪ ዘድሊ ባጀትን ወትሃደራዊ

ኣጽዋርን ብምምዳብ መሪሑ፣

• ብሼኽ ሸሪፍ ዝምራሕ ጕጅለ ኣብ

ኣስመራ ንሽበራ ነጺጉ ምስ ግዝያዊ

መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንምልዛብ

ናብ ጅቡቲ ምስ ኣምርሐ። ጐነጽ

ዝድግፍ ብሓሰን ዳሂር ዓዌስ ዝምራሕ

ተፈንጫሊ ጕጅለ። ሰዓብቱን ኣጽዋሩን

ናብ ሞቓዲሾ ብምልኣኽ ግብረ-ሽበራ

ወሊዑ፣ እዚ ዑስማን ሓሰን ዓደን

በድርያ። ዓሊ መሓመድ። ዳሂር ሑሴን

ሓሰን። ካሂር ዓሊ መሓመድ ዓሊ።

ጀይረሱ ዓብዲን ካልኦትን ዘጠቓለለ’ዩ፣

እቲ ስራሕ ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝመደበሩ

ካፒታል ኤየርላይንስ ሓ.ዝ.ብ. ማሕበር

ዝተባህለ ትካል ብመንገዲ ኤምባሲ

ኤርትራ’ዩ ዝተሳለጠ፣ እቲ ዕጥቂ ናብ

ሞቓዲሾ ዝተላእከ ኮይኑ። 50 ኪሎ ሜተር

ካብ ሞቓዲሾ ኣብ ዝርከብ ንእሽቶ

መዓርፎ ኣብ ዝዓለበሉ። ኩሎም እዚኦም

ብኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝተፈጸሙን

ዝተማእዘኑን’ዮም፣

• ኣቶ የማነ ገብርኣብ። እቲ

ግብረሽበራዊ ኪኸውን ዝኸተቦ ኮሎኔል

ዑመር ሓሰን ሰላማዊ መንገዲ ኪኽተል

ምስ መረጸ። ንተወልደ ሃብተ ነጋሽ

ዝተባህለ ስዉር ግብረሽበራ ዘወሃህድ

መኰንን ናብ ናይሮቢን ሶማልን

ልኢኹ፣ ስለዚ። ብድሕሪ’ቲ ህይወት

ሚኒስተር ጸጥታ ነበር ኮሎኔል ዑመር

ሓሰንን ኣምባሳደር ዓብደልከሪም ላኪኖን

ካልኦት 20 ሽማግለታትን ዝወሰደ ነብሰ-

ቅትለታዊ ስርሒት ነይሩ፣ ዝርዝር ናይዚ

ስርሒት’ዚ ካብ ሰበ-ስልጣን ጸጥታ ኬንያ

ኪውሰድ ይከኣል፣

• መብዛሕትኡ እዋን። ኣቶ የማነ

ገብርኣብ ምስ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ሚኒስተር

ዜና ኤርትራ ከምኡ’ውን ኮሎኔል ጠዓመ

ጐይትኦም ብምዃን ግብረሽበራዊ

ስርሒታት የወሃህድ፣

ስለዚ። ኣቶ የማነ ገብርኣብ ቀንዲ

ተዋሳኣይ ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ኣብ

ቀርኒ ኣፍሪቃ’ዩ፣

2. ምሉእ ስም - ዓብደላ ጃብር

ዕድመ - 62

ቦታ ልደት - ኣፍዓበት

ቍጽሪ ፓስፖርት - ለሰ ፓሰ 23542

DP 0285432

መዝነት - ሓላፊ ፖለቲካውን ኣህጉራውን

ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን

ፍትሕን

ተርኡ ኣብ ዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ሶማል። ግዝያዊ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት’ዚ ዞባን

• ንጥሩፋት ሶማላውያንን ሱዳናውያንን

ዝተፈላለየ ናዕበኛ ንጥፈታት ንኸካይዱ

ይውድብ፣

3. ምሉእ ስም - ሓጐስ ገብርሂወት

መዓሾ (ክሻ)

ዕድመ - 56

ቦታ ልደት - ኣከለጕዛይ (ሰንዓፈ)

ቍጽሪ ፓስፖርት - 0316542

መዝነት - ሓላፊ ውህለላን ቍጠባዊ

ጕዳያትን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን

ፍትሕን

ተርኡ ኣብ ዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ሶማል። ግዝያዊ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት’ዚ ዞባን

• ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ

ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማልያ ንዝነጥፉ

ግብረሽበራውያን ምወላ ይእክብን

የወሃህድን፣

• ብዝተፈላለየ ዘይሕጋዊ መንገድታት

ገንዘብን ወትሃደራዊ መሳርሒታትን ካብ

ኤርትራን ወጻእን ብምዕዳግ ናብ ኣብ ቀርኒ

ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ ግብረሽበራውያን

ይዝርግሕ፣ ናይ መንግስቲ ኤርትራ

ንግዳውን መጓዓዝያውን ትካላት

ንግብረሽበራውያን ክፉት ይገብርን

የወሃህድን፣ ናይዞም ትካላት ኣስማትን

መርበብን ከም ሕጋዊ ጉልባብ ተጠቒሙ።

ኣብ ሶማልን ኣብዚ ዞባን ናብ ዝርከቡ

ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ገንዘብ

የመሓላልፍ፣

• ኣቶ ሓጐስ። ንኸም ኣልሸባብ።

ሕዝበልእስላምን ራስ ኮምቦኒን ዝኣመሰሉ

ኣብ ምፍጻም ገበናት ዕዉታት ኮይኖም

ዘለዉ ግብረሽበራውያን። ወርሓዊ ካብ 40

ክሳብ 50ን 60ን ሽሕ ዶላር ይኸፍሎም

ከምዝነበረ ዘረጋግጹ ሓያለ ጭብጥታት

ኣለዉ፣ እዚ ብመንገዲ መስመር

ፕረዚደንት ኢሳይያስ። ኣቶ የማነ

ገብርኣብን ኮሎኔል ጠዓመ ጐይትኦምን

ይወሃሃድ ነይሩ፣

• እዞም ዝስዕቡ ገለ ካብቶም ብመንገዲ

ንግዳውን ፊናንሳውን ትካላት ኤርትራ

ክፍሊት ዝተቐበሉ መራሕቲ ጕጅለታት

ግብረሽበራ’ዮም፣

- ኣብ 2009 ኣብ ኬንያ ዝተኣስረ

መራሒ ግብረሽበራዊ ጕጅለ ራስ ኮምቦኒ

- ነበር። ብስም ካርኒቡኑ’ውን ዝፍለጥ

ግብረሽበራዊ መራሒ ሙኽታር ሮቦ

- መራሒ ጌዶ ኣልሸባብ ድሒሩ ከኣ

መራሒ ሕዝበልእስላም መሓመድ ዎል

ሼኽ ኣሕመድ ኑር

- ሕጂ ሚኒስተር ምክልኻል ግዝያዊ

መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዩሱፍ

እንደዓደ። ካብኡ ገንዘባዊ ደገፍ ዝረኸበ

እዚ ቃለ-መጠይቕ ምስ ዝውደብ ባዕሉ

ከረጋግጾ ዝኽእል’ዩ፣ (ጥብቆ ቍ.1

ተመልከት)

4. ምሉእ ስም - ዓሊ ዓብዱ ዩኑስ

ዕድመ - 50

ቦታ ልደት - ከረን

ቍጽሪ ፓስፖርት - ----------

መዝነት - ሚኒስተር ዜና ኤርትራ

ተርኡ ኣብ ዘይምርግጋእ ሰላምን

ጸጥታን ሶማል። ግዝያዊ መንግስቲ

ሶማልን ሃገራት’ዚ ዞባን

• ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ናይዚ ዞባ

ብምጥቃምን ናይ ኤርትራ ሚድያ ክፉት

ብምግባርን። ስነ-ኣምሮኣውን ሞራላውን

ሓገዛትን ኣገልግሎታትን ሸፈነ ሚድያን

ንግብረሽበራውያን የቕርብ፣

• ንግብረሽበራውያን ሰፊሕ ሸፈነ

ብምሃብን ግብረሽበራዊ ስርሒቶም

ክቕጽልዎ ብምትብባዕን ንኣዕናዊ

ስርሒታት የወቓቕብ፣ ብተወሳኺ

እቶም ክልተ ሕጂ ተኣሲሮም ዘለዉ

ጋዜጠኛታት ኤርትራ ናብ ሶማል

ብምልኣኽ ነቲ ኣዕናዊ ዜና ከምዝሽፈን

ገይሩ፣

• ንግብረሽበራውያን ሓይልታት

ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ጕልባብ

ይህብ፣

• ቀጥታዊ መምርሒ ካብ ፕረዚደንት

እናወሰደን ምስ ኣቶ የማነ ገብርኣብ

እናተመኻኸረን ነቲ ነዚ ዞባን ንሶማልን

ዘይምርግጋእ ዝብል ናይ ኤርትራ ዛዕባ

ዝተወፈየ’ዩ፣

ኣብ ኩሎም’ቶም ብኣቶ የማነ ገብርኣብ

ዝምእዘኑ ግብረሽበራዊ ተግባራት ኢድ

ኣለዎ፣

         ----[This List to be used for Eritrea Related News Only]----


New Message Reply About this list Date view Thread view Subject view Author view


webmaster
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2010
All rights reserved