02/07/2009

 

ዕውት ኣኼባ መኽተ ኣብ ከተማ

ሳን ሆዘ ካሊፎርኒያ

 

      ሎሚ ኣብ ከተማ ሳን ሆዘ ፡ ብሽማግለ መኸተ ወረዳ ሳንታ ክላራ ዝተኻየደ ዕዉት ኣኼባ ተኻይዱ፡ እዚ መቐጸልታ ናይቲ ልሙድ ናይ ሓባራዊ ዘተ ኮይኑ፡ ህልዊ ኩነታት ናይ ሃገርና በጺሑዎ ዘሎ ምዕባለታት ብሰፊሑ ተንቲኑ።

 

      ናይ ሓባር መረዳእታ ሃልዩን፡ ነቲ ሃገርና ካባና ትጽበዮ ብትግሃት ከነበርክትን ፡ ነቶም ኣለሽ ዘበልናዮም ጸላእትና፡ ኣብ ሃገርናን ኣብ ኣከባቢናን ንዝገብርዎ ፍሹል መናውራታት ንምምካት፡ ሎሚ እውን፡ ከም ኩሉሳዕ ትጉሃት ንኽንከውን ተዛትዩ።

 

      ካብ ተሳተፍቲ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ፡ ብዙሕ ሃናጺ ሓሳባት ተለዋዊጡ፡ ንመጻኢ ነዚ ኣብዚ ከባቢና ዘጋጥመና ብድሆታት ንምምካት ኣብ " ሓባራዊ ዘተ " ብዝብል ኣርእስቲ ፡ ቀጻሊ ወርሓዊ ኣኼባ ንኽቅጽል ተሳማሚዑ ኣኼባ ደምዲሙ።

 

      በቲ ውሳነ መሰረት ድማ ኣኼባ " ሓባራዊ ዘተ " ክቕጽል፡ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ቀዳመይቲ ቀዳም ሰዓት 06፡00 (ሽዱሽተ ምሸት) ተወሲኑ ኣሎ።

 

ዓወት ንቁጠባዊ ሓርነት !

ዓወት ንወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ !

ሕጂ'ውን ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !

 

ሽማግለ መኸተ ወረዳ ሳንታ ክላራ

ከተማ ሳን ሆዘ