ሓጺር ታሪኽ ህይወት ዳኒኤል ሃይለ ካሕሱ

From: Brhane Woldu <wbwoldu_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 2 Dec 2016 10:01:29 +0300

ዳኒኤል ካብ ኣቡኡ ሃይለ ካሕሱን ካብ ኣዲኡ ክብራ የውሃንስን ብ1950

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ። ናይ መባእታን ማእከላይን ትምህርቱ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ወድአ ናይ ካልኣይ
ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ሽመልስ ሃብተ ኣዲስ ኣበባ ዛዚሙ። ኣብ 1969 ማእከላይ መልቀቒ ፍተና፣ ማትሪክ፣ ብጽቡቕ ሓሊፉ
ኣብ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይ ዓመት ክጅምር በቒዑ። እንተኾነ፣ ናይ ቀዳማይ ዓመት ትምህርቱ ክዛዝም ርብዒ ዓመት
ምስ ተረፎ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሓፈሻዊ ኣድማት ስለ ዘላዓሉ ዩኒቨርሲቲ ተዓጽዩ ትምህርቱ ኣቋረጸ ። ምስ’ቲ ኣንጻር
ስርዓት ሃይለ ስላሴ ዝካየድ ዝነበረ ፖሎቲካዊ ኩነታት ከኣ ትምህርቱ ክቕጽል ከም ዘይክእል ብሩህ ስለዝነበረ ኣብ 1971
ንኣመሪካ ኣምሪሑ።



ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ከም ኩሉ ስደተኛ ዝገብሮ ናብሩኡ ንምክያድ ስራሕ ጀሚሩ። ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኣክል
ኣብርቲዑ ድሕሪ ምስራሕ ከኣ ንትምህርቱ ዝኸዉን ዝኣክል ገንዘብ ስለ ዘዋህለለ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ንምቕጻል ኣብ
1972 ንሃንስቪል ኣላባማ ምስ ኣዕሩኽቱ ኣምሪሑ። ኣብ አይ ኤንድ ኤም ዩኒቨርሲትይ (Agricultural &
mechanical University of Alabama) ድሕሪ ምስታፍ ብሶይል ከሚስትሪ ብቀዳማይ ዲግሪ ኣብ 1975
ተመሪቑ። በቲ ዓውደ ትምህርቱ ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ድሕሪ ምስራሕ ኣብ መወዳእታ ኣብ ደይትን ኦሃዩ መናባብርኡ መስሪቱ
ኣብ ምምርማር ናይ ከተማ ጽርየት ማይ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብ’ቲ መንግስታዊ ትካል ን25 ዓመታት ዝኣክል ድሕሪ ምስራሕ ከኣ
ሃገራዊ ስምዒቱ ልዑል ስለዝነበረ ስርሑ ኣቛሪጹ ንዓዱ ኣብ 2004 ጠቕሊሉ ኣትዩ።



ዳኒኤል ካብ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቱ ኣትሒዙ ፖለቲካዊ ጽልዋ ካብ መላእ ስድራቤትን ኣዕሩኽቱን ስለዝነበሮ ኣብ’ቲ
ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኣንጻር ሃይለ ስላሴ ዝካየድ ዝነበር ንጡፍ ተሳታፍነት ነይርዎ። ነዚ ናይ ቃልሲ መንፈስ’ዚ ከኣ ኣብ
ኣመሪካ ብምቕጻል ካብ 1973 ኣትሒዙ ንጡፍ ኣባል ኤናስኣ (ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ) ብምዃን ንሜዳ
ንክስለፍ ኣብ 1977 ኣብ’ቲ ብኤናስኣ ዝወሃብ ዝነበር ፖለቲካዊ ትምህርቲ ተሳቲፉ’ዩ። ብሓፈሽኡ ብዝተፈላለየ ደረጃታትን
ሃገራዊ ጻዊዒታትን ጉቡኡ ኣበርኪቱ’ዩ።



ድሕሪ ናጽነት ንሃገሩ እንዳ ተመላለሰ ከም ዜጋ ግቡኡ ክፍጽም ድሕሪ ምጽናሕ ንሃገሩ ኣትዩ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኤርትራ
ተሰሊፉ ኣብ ዳግማይ ህንጸት ሃገር ተሳቲፉን ኩሉ ጉቡኣቱን ወፈያታትን እንዳ ሃበ ከኣ ኣንጻር ወያነ ዘይሕለል ቃልሲ ከም
ዘካየደ ክዝከር ይግባእ።



ዳኒኤል ካብቶም መስረቲ ማሕበር ተመለስቲ ካብ ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ርእሲ ምዃን ከም ተራ ኣባልን ከም ኣባል ቦርድን
ኣብ ምድልዳልን ቀጻልነት ማሕበር ኣብ ምርግጋጽን ዓቢ ኣበርክቶ ዝግበረ’ዩ።



ከም ሰብ ዳኒኤል ርህሩህ፣ ጻዕረኛ፣ ፈቃር፣ ምቕሉል፣ ሕዉስን ብብዙሓት ፍትዉን’ዩ ነይሩ።



ዳኒኤል በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ኣዋዳትን ሓንቲ ጓልን ኢዩ።



ማሕበርና በዚ ሃንደበታውን ኣዝዩ ኣሰንባድን ሞት’ዚ ንምጻሩ ኣዝዩ ከቢድ‘እኳ እንተኾነ ንመላእ ስድራቤቱን፣ ኣዕሩኽቱን
ፈተውቱን ኣኽእሎን ጽንዓትን ይሃብኩም ንብል።





ቦርድ ማሕበር

ተመለስቲ ኤርትራውያን ካብ ኣመሪካን ካናዳን
Received on Fri Dec 02 2016 - 02:01:28 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved