Erigazette.org: መዘከርታይ ንኣቶ መለስ ቐሺ ወልደስላሴ

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam59_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Thu, 1 Dec 2016 21:08:05 +0100

መዘከርታይ ንኣቶ መለስ ቐሺ ወልደስላሴ

ሓረጉ ቀለታ

Dec
01/12/2016
ኣብ ወርሒ ሰነ 1998 ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ፡ መንግስት ኢትዮጵያ ክሰጎም’ዩ ዝብል ሓበሬታ ናብ ኤርትራ በጺሑ ክንሱ፡ ብዛላምበሳ ድዮም፡ ብዓሰብ ብኦምሓጀር በየናይ ኣንፈት’ዮም ናብ ኤርትራ ክትእው ፍሉጥ ስለዘይነበረ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ነቲ ስራሕ ዝተመደብና ጉጅለ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን “ኣብ መገዲ ጠጠው ከይበልኩም ብጉያ ኦምሓጀር ብጽሑ፡ እቶም ካብ ኢትዮጵያ ተሰጉጉም ዘለው ኤርትራውያን ቢንቶ ናይ ኦምሓጀር ከይሰገሩ ከተርክብዎምን ክትስእልዎምን ኣለኩም” ዝብል ትእዛዝ ተዋሃበና። ሓጸልጸል እናበልና ዝተባሃልናዮ ገበርና። ብሓበሬታን መሳለጥያን ዝበለጹና ፈረንሳውያን ጋዜጠኛታት ግን ቀዲሞምና ኣብቲ ቦታ ጸንሑ። እቶም ፈለማ ዝተሰጎጉ ኣብ ኢትጵያ ሰብ ጸጋ ዝነበሩ ኣስታት 800 ኤርትራውያን ቢንቶ ኦምሓጀር ብእግሮም ሰጊሮማ ኣብታ ጫፍ ምስበጽሑ ኣርከብናዮም። ንስእሊ ክጥዕም ክሳብ’ቲ ፍርቂ ቢንቶ መሊስና ንኤርትራ ገጾም እናሰገሩ ዝገልጽ ስእልታት ወሰድና። ገሊኦም ካብ መደቀሲኦም ዝተወስዱ፡ ሸበጥ ቢጃማ ሽጎማና ዝተጎምጎሙ፡ ገለ ካብ ስራሕ፡ ገለ ካብ መገዲ እቲ ኩነታቶም እትረፍ ንዖኦም ንራእይኦም ዘሰንብድ ነበረ።

ህዝቢ ካብ ኦምሓጀር ጀሚሩ ድሙቕ ኣቀባብላ ገበረሎም። ኣብ ባረንቱ ከኣ ዱልዱል ናይ ምሳሕ እንግዶት ተገይርሎም ኣማሓዳሪ’ቲ ‘ዞባ ዝነበረ ሞስጠፋ ኑርሑሴን ንኽንደይ እዋን ከምዘጽንሖም ዘየረጋገጽክዎ፡ ስሚዒት ዝተሓወሶ ኣብ ቅድሚ ኤርትራ ዘይግበርን ዘይከኣልን ዝበሃል ነገር የለን፡ ብዝገደፍክሞ ንብረትን ገንዘብን ቅሰኑ ዘስምዕ ሞራል ኣስነቖም። ኣብቲ ናይ ብላዕ ስተ ኣጋጣሚ፡ ካብ ማእከልቶም ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ጥራዝን ፒሮን ዝሓዙ ጸሊም ሰብኣይ ሙቐት ዝፈጠረሎም ርሃጽ እናደረዙ ጸውዑኒ’ሞ፡ “መለስ ወልደስላሴ ይበሃል፡ መን ትበሃሊ’ዛ ጓለይ” ሓተቱኒ። ስመይ ምስነገርክዎም በሊ ኣነ መጽሓፍ ይጽሕፍ’የ። ቅድሚ ሕጂ ዝጸሓፍክዎም መጻሕፍቲ ኣለውኒ። ሕጂ ድማ ድሮ’ኳ ካብታ ተበገስናላ እናጸሓፍኩ ኣብዚ በጺሐ ኣለኹ።” ኢሎም ነቲ ዝጸሓፍዎ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ኣንበብለይ። በቲ ሓቦኦም ተገሪመ። መማጽእቶም ናበይ ኢና፡ እንታይ ኢና ክንከውን፡ መዓስ’ዩ ሰላም ኮይኑ ናብ ኢትዮጵያ ናብ ንብረትናን ገዛናን ንምለስ ውዘተ ኢሎም ነገራት መትሓዚ ሲኢኖምሎም እቲ ዝኾነ ምእማን ከቢድዎም ተሰናቢዶም ከለው፡ ኣቶ መለስ ግን ምስቲ ዶሮናን ሃሩሩን እናተቓለሱ ተረጋጊኦም ይጽሕፉ ኔይሮም።

መዓልቲ ስውኣት 20 ሰነ 1998 ብደረጃ ሃገር ኣብ ኣቑርደት ይበዓል ነበረ’ሞ ንእግሪ መገድና ናብኡ ብሓባር ከድና። ኣቶ መለስ ኣበይ ከምዝበጽሑ ነጊሮም ዘድልዮም ሓበሬታ እናሓተቱን ከለው ግን፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ዝነበረ ኣቶ ሞስጠፋ ኑርሑሴን “ንኣባላት ዜና ይጽውዓኩም ኣሎ” ተባሃልና። “ካልኣይ ዙርያ ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ንጉሆ ኦምሓጀር ክኣትው’ዮም። ሕጂ ኣባላት ዜና ድኻምኩም ከይጸብጸብኩም ንጉሆ ንኸተርክቡ ሕጂ ተበገሱ፡ መሻርፍ ሚኒስትርኹም ክሳብ ዝሰደልኩም ኣነ ክህበኩም’የ።” በለና። ንኣቶ መለስ ክሳብ ኣስመራ ብሓባር ከምንኸይድ ነጊረዮም ኔይረ። ግን ቀልጡፉ ሕጂ ስለዝተባህለ ከይተሰናበትክዎም በቲ ጸላም ከውታ ንኦምሓጀር ገጽና ሓጎጽጎጽ ጀመርና’ሞ ከምዝተባሃልናዮ ኣርከብና።

ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣቶ መለስ መጻሕፍቲ ተሰኪሞም ናብ ሚኒስትሪ ዜና መጺኦም ኣጣይቖም ረኸቡኒ። “በሊ እቲ ኣብ መገዲ ክሕንጥጦ ዝጀመርኩስ መጽሓፍ ኮይኑ፡ ኣብ ገጽ ክንዲ’ዚ ኸኣ ሽምኪ ጠቒሰዮ ኣለኹ” በሉኒ። ከም ሽዑ ሓሲቡ፡ ብኡ ንብኡ ጀሚሩ ዝውድእ ሰብ ጌይሩ ዘቕንኣኒ ሰብ የለን’ሞ፡ መንፋዓቶም ኣቕኒኡኒ። ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ስለዝኾነ ምስቶም መሳርሕተይ ዝነበሩ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና፡ ካብኡ ናብኡ ከኣ ነቶም ብመጽሓፍ ዝግደሱ ወሰን ኢለ ኣፋለጥክዎምን መጽሓፍ ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ እንታይ ይምህረና ዓደልክዎምን። ድሕሪኡ ኣቶ መለስ ኣብ ሓጺር እዋን ዳርጋ ምስ ኩሉ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ኤርትራዊ ስነጥባባውን ደራስን ተፋለጡን ተዓራረኹን። ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት ኣይበኹሩን። ንሶም ዘይግደስሉ ኣርእስቲ ኣይነበረን። ክሳብ ዕረፍቶም ሸሞንተ መጽሓቲ ኣሕቲሞም።

ክሳብ ኣነ ዝፈልጦም ለመም እናበልካ ብልሙድ መገዲ ምኻድ ቅጭ ዘምጽኣሎም፡ ዓው ኢሎም ዝዛረቡ ደላይ ለውጢ ፍትሓዊ’ዮም ኔይሮም። ጸዓቶም ተዳኺሙ ተሃኪዎም ወይ ብዘይሰለጦም ነገር ተስፋ ቆሪጾም ርእየዮም ኣይፈልጥን። ንሶም ዝሓስብዎን ዝገብርዎን ከየከባበዱ፡ ኩሉ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ቀሊል ነገር ገይሮም’ዮም ዝገልጽሉ። ኣብ ድርሰት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ንግዲ’ውን ሰናፍ ሰብኣይ ኣይነበሩን። ንዘቕረብዎ ሰብ ብሓደ ንመሳሕ ወይ ንደረር በሃሊ ድማ’ዮም ኔይሮም። ሓደ እዋን ግን፡ ባዕሎም ቆጺሮሙናስ ጠሊሞሙና። ድሕሪኡ እቕሬታ ምስሓተቱኒ፡ እቲ ምኽንያት ነጊሮሙኒ። “ንቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝጸሓፍክሉ ደብዳቤ ትማሊ ክትውዳእ ስለዝነበራ ብእኡ’የ ጠሊመኩም። ጸሓፍቲ ስለዝኾኑኩም ናይ ጽሕፈት ነገር ምስጀመርካዮ ከምዘይተቛርጾ ይርድኣኩም’ዩ” ድማ በሉኒ። “ንመለስ ዜናውስ ደብዳቤ ጺሒፍኩምሉ፡” ተገሪመ ሓቲተዮም። እወ ቅድሚ ሕጂ’ውን ጺሒፈሉ ኔይረ። ኣብ ጋዜጣ’ውን ዝወጸ ኔይሩ” ኣረጋገጹለይ። ሽዑ ምሸት ምስተፈላለና ኣቶ መለስ ከመይ ከምዝሓስቡ፡ ከምዝጅምሩ፡ ከምዝውድኡ ክሓስብ ከይተረዳኣኒ ድቃስ ጠለመኒ። ስነጥበብ ዘየቑረሩ፡ ኣኼባ ዘማምቑ፡ መተዓልልቲ ኩሉ ዝነበሩ ኣቶ መለስ ሓሚሞም ከይተሰምዐ ዝጀመርዎ ጽሑፍ ከይወድኡ “ኣዕሪፎም” ተባሂሉ። ዝምታ’ዩ። ግን እንታይ ይግበር። ሎሚ መዓልቲ ሓመድ ኣዳም ይለብሱ ኣለው። ኣቶ መለስ መንግስተ ሰማይ የዋርስኩም። ቤተሰብ ድማ ጽንዓት ይሃቦም።
 
2
Received on Thu Dec 01 2016 - 15:08:05 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved