ቱር ርዋንዳ -7ይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ቱር ርዋንዳ ብዓብላልነት ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ተዛዚሙ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Sun, 20 Nov 2016 19:01:30 +0000 (UTC)

ዮሃና ተቐዳደምትን ደገፍቲ

7ይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ቱር ርዋንዳ ብዓብላልነት ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ተዛዚሙ

ተስፎም 1ይ

መትከል 2ይ

ኣማኑኤል 4ይ

ኤልያስ 5ይ

ቱር ርዋንዳ ሎሚ ሰምበት ኣብ ከታማ ኪጋሊ ብዝተኻየደ ናይ ከተማ ውድድር መጋረጁ ዓጽዩ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ተቀዳደምቲ 9 ዙርያ ማለት 108 ኪሎ ሜተር ኢዩ ተሰሪዕሎም። ጸወታ ካብ መጀመርቱ ብኣዝዩ ሓይል ናህሪ ድሕሩ ምጅማሩ ዓዘዲን ላጋብ ካብ ኣልጀርያን ኣሜሪካዊ ራግ ቲሞቲን ካብ ዓባይ ግሩፖ ሃዲሞም ብምኻድ ኣብ ቅድሚት ናይ በይኖም ጉጅለ ኣቆሙ።

ዓባይ ግሩፖ ብተቀዳደምቲ ክለብ ዳይሜንሺን ዳታ እንዳተቀሰት ኣብ ምህዳኖም ድሕሪ ምውፋራ ንዓዘዲን ቀልጢፋ ሓወሰቶ። ኣሜሪካዊ ቲሞቲ ፍልልዩ ናብ ክለተ ደቂቅ ብምግፋሕ ክሳብ እታ መጠረሽታ ዝነበረት ዙርያ ኡካ እንተቀጸለ ካብ ሃድን ዓባይ ጉሩፖ ግን ኣየምለጠን።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ተስፎም ዑቅባማርያን መትከል ኢዮብ ርዋንዳዊ ቫለንስ ካብ ዓባይ ግሩፖ ብምሃዳም ኣብ መሰመር መዛዘሚ ሕንጻጽ በጽሑ።

ኣብቲ ዝነበረ ሓያል ኣራግጻ ኣብ ጥቃ መስመር መዛዘሚ ሕንጻጽ ቫለንስ ዘልሓጥ ክብል ከሎ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ተስፎም ዑቅባማርያምን መትከል ኢዮብን ድማ ንቫለንስ ናይ 3 ሰከንድ ብምኽሳብ 1ይ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓወቱ።

ካብቶም ምስ ዓባይ ግሩፖ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄርን ኤልያስ ኣፎርቂን'ዉን ምስ ዓባይ ጉሩፖ ኮይኖም ውድድሮም ክዛዝሙ ኣይመረጹን ልክዕ ከም ኣሕዋቶም ንሶም'ዉን ንዓባይ ግሩፖ ገዲፎማ ብምኻድ 4ይ 5ይ ደረጃ ብምሓ ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ዝሓለፋ ዓመት'ዉን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ 1ይን 2ይን ኮይኖም ነዛ መድረኽ ተዓዊቶሙላ ኔሮም።

ኣብ ሓፈሻዊ ውህሉል ግዜ ርዋንዳዊ ተቀዳዳማይ ክለብ ዳይሜንሺን ዳታ ቫለንስ ንውድድሩ ብ21ሰዓትን 15ደቂቅን 21ሰከንድን ብምዚዛም ዕዉት ቱር ርዋንዳ ዓመተ 2016 ኪኸዉም ከሎ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ መትከል ኢዮብን ተኣፎም ዑቅባማርያምን ድማ 2ይን 3ይን ደረጃ ብምሓዝ ኣብ መድረኽ ክድይቡ ኪኢሎም።

ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር 5ይ ደረጃ ኤልያስ ኣፎርቂ ድማ መበል 14 ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ክዛዝሙ ከለዉ ኣማኑኤል ገንረዝጋብሄር'ዉን ብተወሳኺ 3ይ ዝበለጸ መንእሰይ ተቀዳዳማይ ብምኻም ኣብ መድረኽ ክድይብ ኪኢሉ ኣሎ።

----

2016 Tour du Rwanda Stage 7 Results
by CyclingTips

November 20, 2016
Go to: Prologue Stage 1 Stage 2 Stage 3 Stage 4 Stage 5 Stage 6 Stage 7 Final Classification
Tour du Rwanda

Stage 7
: Kigali > Kigali
Sunday 20th November (2016)
Classification: 2.2
Category: Int. Men
Distance: 108km

https://cyclingtips.com/2016/11/2016-tour-du-rwanda-stage-7-results-2/

-- 
Ndayisenga wins Tour of Rwanda 
Okubamariam takes out final stage 
By Cycling News  November 20, 2016 9:41am 
Updated: November 20, 2016 2:53pm Race: Tour of Rwanda 
http://www.cyclingnews.com/races/tour-of-rwanda-2016/stage-7/results/
Received on Sun Nov 20 2016 - 14:01:29 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved