Fwd: Our Birds (Tigrigna Poem)

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 15 Nov 2016 08:31:20 -0500

 
  
____________________________________
 



ኣዕዋፍና
 
ኣንቲ ብጫ ብጨይቶ
ቅልቅል እትብሊ መስቀል ኣቶ።

ጠገለ ዘይብልኪ ጸላም ለዃዂቶ
ካን እትኣትዊ ኣብ ዘይእቶ።

ባረቶ ቅርጽኺ ግርም ከም ጓል ህንዲ
ትነፍሪ፡ ትዓልቢ ፍቀዶ መንገዲ።

ልዕልቲ ኩምቡራዛ ርእሳ ተኽሊል
ብዂርዓት ኮደድ-ኮደድ ትብል።

ጭሩ ገበላ ሽባኻኣ ስንቀ
ሕዝ’ዶ ከብላ ዓንዲ ጠቢቀ።

ርግቢት ለማጽ ከም ሰጋር-በቅሊ
ብጻይኪ ክንቁ ህድም ትብሊ።

ጸሊም ዋሪ ጨካን ኣረመኔ
ደም ኣማል ክትመጺ እስክሕ ኣነ።

ጉንጓ ሓዲ ዓይኑ መልክዑ ድሙ
ፍግእ ‘ተዋዓልካዮ ይገርም ምጽማሙ።

ደርሆ-ማይ ክትሰፍፍ ምስ ጨቃውታ
ደስ-ደስ ተብለኒ ብሃንቀውታ።

ሰብ-ጸራድ ነዊሕ ከም ዘራፍ
ዓሳታት እትምንጥል ብኣፍ።

ኣባ-ጉምባሕ ኣፍካ መንቀርቀር
ዓሳ ኣየምልጠካን ብፈንጠርጠር።

ኣንታ ሓጐስ ደዋሪ! ደዋሪ!
ብጸይትኻ ገርሂ ንበይንኻ ክትኣሪ።

በዓል ኮኪ ዝነፍራ ብዕስለ
ምምጽኤን ምኻደን ብቀሊሉ ዝልለ።

ልዒሉ ዝነፍር ሊሎየ ሊሎ
ጸሓይ ኣቃጸለቶ መሰለ ሞቁሎ።

ኣንታ ኣርሓ-ደርሆ ክትንቁ ብፋዱሱ
ነቦሓጎይ ኣተሳእካዮ ካብ ጥዑም ድቃሱ።

ኣንቲ ቆቋሕ ብብርር… ብድድ…
ጣቂዒት መንገብገብኪ ሃንደበት ከሰንብድ።


ጽብቕቲ ዕፉን ቅርጽቲ ዛግራ
ዘገዳም ምንባርኪ ንደርሆ ኣሕሰራ።

ኣንታ ኳኽ ብላዕሊ ክትርኢ
ብተጠንቀቅ ነዕዋፍ ተድሂ።

ቅናት ኣደ-ማርያም ዝሕብርኻ ሕንጻይ
ግርም ይብለኒ ምዝራብካ ከማይ።

ትምብሃርጆ ጐፈፍ ነዊሕ ጭራ
ኣየ ከገርም ኣምላኽ ዝፈጠራ።

በዓል ሓመደይቶ ወይለ ክፋቀሩ
ወትሩ ብጽምዲ ብሓንሳእ ዝነፍሩ።

ኣባ-ሃንስ ከም ስምካ ክቡር
ብዂርዓት ክሳድካ ንሰማይ እተንቀዓርር።

ሃይለ ቦዂረ







Untitled.jpg
(image/jpeg attachment: Untitled.jpg)

Received on Tue Nov 15 2016 - 08:31:25 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved