Tales From Shakespeare (A Tigrigna Translation)

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 10 Nov 2016 15:02:39 -0500

 
 
ዛንታታት ሸክስፒያ ፡ ሓዲሽ መጽሓፍ
ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ፡ መበል ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ናይ ሽክስፒያ ኣብ መላእ ዓለም
ይኸበር ኣሎ። ኣበየ ቤት-መጽሓፍትን ኣዳራሽ ትልሂታትን ተዓቂቦም ዝርከቡ ፎልዮን
ዝተተርጐሙ መጽሓፍትን ንምርኢት ህዝቢ ይቀርቡ ኣለው። እቲ ዝዓበየ Folger Shakespeare
Library ኣብ ጥቃ ቤተ-መጽሓፍቲ ኮንግረስ (Library of Congress) ኣብ ዋሽንግተን ርእሲ
ከተማ ይርከብ። በብመዓልቱ ኣብ’ቲ ንግሎብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመስል ኣዳራሽ ተዋስኦታት
ይርኣዩ።
ኣብ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ስራሓት ሸክስፕያ ዝተኣታተወሉ ብግዜ እንግሊዝ ኢዩ።
ተማሃሮ ቤት-ጊዮርጊስ ኣስመራ ቨንጽያዊ ሸቓጣይ (The Merchant of Venice) መሎ-ድራማ
ማለት ሓዘንን ጓሂን ዝዓይነቱ ትርኢት ኣቅረቡ። ኣብ ሱሳታት ብመምህር ዮሴፍ ሃብተማርያም
ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመ፡ ብሓልዮት ማትኣ ኣብ መድርኽ ቀረበ። መምህር ዮሴፍ ቀጺሎም “
 ማክበት” ካብ እንግሊዝ ናብ ትግርኛ ተርጐምዎ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ ፍልም ሰብዓታት፡
ብቻርለስን መሪይ ላምፕን ቅድሚ ሚእቲን ሓሙሳን ዓመታት ንመንእሰያትን ዓበይቲን
እንግሊዛውያን ብዛንታ መልክዕ ዘሳናድእዋ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ተርጐምክዋ። ግዚኡ ብ1967
ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ቤት-ጊዮርጊስ ተማሃራይ ሻሙናይ ክፍሊ ኢየ ነይረ። ስኣን ገንዘብ
ከየሕተምክዋ ምስ ጸናሕኩ፡ ብ1971 ኣብ’ዚ ሎሚ ቀይሕ-ባሕሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ካልኣይ ደረጃ
ቤት-ትምህርቲ ሓደ ድራማ ክላብ ምስ መማህርተይ መስረትኩ። ንፋልማይ ግዜ “ ብዙሕ
ጭንቂ ብዛዕባ ዋላ ሓንቲ” ማለት Much Ado About Nothing ዝብል ዛንታ ብመልክዕ ተዋስኦ
ብምድላው፡ ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ንተቀማጦ ኣስመራን ከነርኢ ክኢልና።
ብድሕሪኡ’ውን “ሃምለት” ንምርኢት ከነቅርብ ተዳሎና። እቲ ተዋስኦ፡ ብነፍሲ-ሄር ተኽለ ተስፋዝጊ
ዝምራሕ ርኬት ባንድ ተስንዩ ይርኤ ነበረ። ሓደ-ሓደ ትልሂት ኣብ ቀጽሪ ካልኣይ ደረጃ
ከነርኢ ከሎና ዝተጓነፈና ቊጽጽር (ሳንሱር) ንምዝርዛሩ፡ ካልእ ነብሱ ዝኸኣለ ጽሑፍ
ምድላው የድሊ። ኰይኑ መጽሓፈይ ናብ ሳንሱር ክፍሊ ብግዚኡ ኣብ’ቲ ናይ ቀደም ጠቅላይ
ግዝኣት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ምስ ኣቅረብክዋ፡ ንኽትምርመር ጥራይ ሓደ ዓመት ወሲዳ።
እሞ ኸኣ ትሕዝቶኣ ትርጒም ከሎ። ብዙሕ ምስ ተመላለስኩ፡ ኣብ መወዳእትኡ ነታ ጽሕፍቲ (
ማኑስክርፕት) ኣብ ነብሲ ወከፍ ገጽ ማሕተም ብምግባር መለሱለይ። ምእንቲ ብጐና ወይ
ብማእኸላ ከይምልኣላ ዝተሓስበ ጥበብ ኢዩ።
ኣብዚ ዓመት እዚ፡ “ኦተሎ” ናብ ትግርኛ ብምትርጓሙ፡ ብድሕሪ’ዚ ዝተርፉና ትራጀዲታት
  ናይ ሃምለትን ጁሊስ ቄሳርን ጥራይ ኢዮም።
ንድሕሪት ክምለስ፡ ከም’ቲ ዝሓሰብናዮ ኣታዊ-ምርኢት ኣኻሊ ብዘይ ምዃኑ፡ መጽሓፈይ
ክትሕተም ኣይከኣለትን። ቅዳሓ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ሒዘያ ምስ መጻእኩ፡ ንሸውዓተ ዓመታት
ዝኣኽሉ ኣብ ሳንዱቅ ኣቀመጥክዋ። ብዕድል ብ1979 ናይ ፉልብራይት ስኮላርሺፕ
ብዝተገብረለይ ረድኤት መሰረት፡ ናብ ኣሜርካ ክመጽእ ከሎኹ፡ ኣብ እንዳ ሓደ ዓርከይ ገዲፈያ
መጽኣኹ። ምኽንያቱ ብግዚኡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከይፍቱሹኒ ስለ ዝሰጋእኹ። ብዙሕ
ኣይጸናሕናን፡ ምስ ዓርከይ ተረሳስዓና። ንኣማስይኡ ብሕድሪ ዝገደፍክዋ መዝገብ ጠፍኤት።
ቀጺለ ንሓፍተይ እታ ብኢደይ ዝጸሓፍኩላ ጥራዝ ክትረኽበለይ ሓተትክዋ። ንሳ ብግዚኡ ጥቃ
ሁለተኛ ክፍለ ጦር ዝርከብ ዝነበረ ወታሃደራት ደርጊ ምስ ወረርዎ፡ ጐረባብትና ብደሓን
ከም ዝዓቀብዋ ነገረትኒ። ድሕሪ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት፡ ናብ ሃገር ኣሜሪካ
ሰደድትለይ። ሰለስተ ግዜ ኣብ ኮምፒተር ሓትመያ፡ ሰለስተ ግዜ ከኣ ብሰንኪ ሃከርስ ተደምሰሰት።
ኣብ መወዳእታ ግና ቅዳሕ (ባክኣፕ) ብምግባር ክዕቅባን ከሕትማን ክኢለ።
እነሆ እዛ መጽሓፍ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ክትሕተም ከኣለት። እዚ ክኸውን ከሎ፡ ነብሲ-
ሄር፡ መምህር ኣስረስ ተሰማ ኣንቢቦም ምስ ኣረሙለይ “ ዘይሕተምከዋ ኣይትበል። ዋላ’ውን
ዳርጋ ድሕሪ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ክትሕተም ትኽእል ኢያ” ዝበሉኒ ሎሚ ክዝክር
ይገርመኒ።
ወይ ትንቢት!
ልዕል ኢለ ከም ዝገለጽክዎ፡ ድሕሪ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ከኣ’ዩ፡ ሓብተይ ናብ
ኣሜሪካ ክትሰደለይ ዝኸኣለት።
እዛ መጽሓፍ ናብ ብዙሓት ቋንቋታት ዓለም ዝተተርጐመት ኢያ። ምኽንያቱ ምስ ኣንበብክያ
ነቶም ከበድቲ ጽሑፋት ሸክስፒያ ብቀሊሉ ክተረድኣካ ስለ እትኽእል። ብዙሓት ተዓዘብቲ
“ ሸክስፒያ” ዘየንበበ ኣይሙሁሩን” ከምኡ “መስፍን/The Prince” ብኒኮላስ ማክያቨሊ
 ዝተደርሰ ከኣ ዘይዳህሰሰ ኣይፖሊቲከኛን ይብሉ። ብሕልፊ እዛ መጽሓፍ ጽባቐ ስነ-ጽሑፍ
 እንግሊዝ ንዳሕራዩ ምምሃር ኣዝያ ጠቃሚት ኢያ።
ንሓበሬታ _HBokure_at_aol.com_ (mailto:HBokure_at_aol.com) ብዝብል ወብ ኣዳራሻ
ምጽሓፍ ይከኣል።
የቀንየለይ።
ሃይለ ቦዂረ




Untitled.jpg
(image/jpeg attachment: Untitled.jpg)

Received on Thu Nov 10 2016 - 15:02:40 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved