(no subject)

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Tue, 8 Nov 2016 12:34:28 -0500

ንግርማይ

ነብሪ’ዶ ክብለካ፡ ተወርዋሪ
ፈረስ’ዶ ከብለካ፡ ነጣሪ
ሰገን’ዶ ክብለካ፡ ኮደድ ምድሪ
ኣካ ተዓወትካ ተመስገን ፈጣሪ።

ባንደራና መንገብገቡ ዝግትር
ኣየወ ከም ጽምቢላሊዕ ክነፍር።
ጭዋዳታት ኣእጋሩ ጉንዲ
ሂም-ሂም ክብሎ መንገዲ
ከም ሓያል ማይ ነጉዲ
እልልታ ተሰምዐ ንጉሆ ረፍዲ።

ኣብ ዮርክ ከተማ
ናጽነት ዝተሓረማ
ንኤርትራ ዝስማ
ቅድሚ ፍርቂ ዘመን
ፍርዲ ኣምላኽ ወረደ
ክእመን! ክእመን!

እዚ ዋርሳይ ውልዶ ሳሕል
ኣካ መጸ-መጸ ክድብል
ኣካ መጸ-መጸ
ባንደራና ክንበልብል።

ሃየ ሎሚስ
ብኽምስ ክምስ
“እልል!” በላ
ኣዋልድ ኣስመራ
ሎሚስ ተኻሒሳ
ሃገርና ኤርትራ።
ግርማይ! ግርማይ!
ቀዳማይ! ቀዳማይ!
ኦሮማይ…….
ሃይለ ቦኹረ
Received on Tue Nov 08 2016 - 12:34:27 EST

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved