ቱር ቡርኪኖፋሶ 2016 -ዘመንፈስ ሶሎሞን ሱፐር ሃትሪክ ሰሪሑ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Sat, 5 Nov 2016 19:33:58 +0000 (UTC)

ቱር ቡርኪኖፋሶ 2016

5 ሕዳር 2016

ዘመንፈስ ሶሎሞን ሱፐር ሃትሪክ ሰሪሑ

ካብ ከተማ dedougou ተበጊሱ ኣብ koudugou ዘተዛዘመ መበል 9ይ መድረኽ ቱር ዲፋሶ ብዓወት ኤርትራዊ ተቀዳድማይ ዘመንፈስ ሶሎሙን ተዛዚሙ ኣሎ። ዘመንፈስ ሶሎሙን ነዚ ናይ ሎሚ 131 ኪሎ ሜተር ዝሸፈነ ውድድር ንኽዛዝሞ ብ3ሰዓትን 15 ደቂቅን 04ሰከንድን ክወስደሉ ከሎ ኣብቲ ዝተገብረ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር ድማ ነቲ ወናኒ ቀጠልያ ማልያ ሓያል ቮላቺስታ ኣልጀርያዊ ሳዕዲ ናሲም ብዘደንቅ ኣገባብ ብምስዓር ኢዩ ክዕወተሉ ኪኢሉ። ጀርመናዊ ስቱደር በንጃሚን 3ይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ ካብ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ድማ ዮናታና ሃይሉ (6) ክብሮም መሓሪ (14) ሜሮን ኣብርሃም (24) ዳዊት ሃይለ (28) በረኸት የማነ ድማ መበል 44 ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ሓፈሳዊ ውህሉል ግዜ ዝመጸ ለውጢ የለን ቡርኪኖፋሳዊ ተቀዳዳማይ ILBOUDOU Harouna ንውድድሩ 29'31"21" ብምዚዛም ወናኒ ብጫ ማልያ ኪኸዉን ከሎ ፈረንሳይ Graczyk vincent 1 ሰከንድ ደንግዩ 2ይ ደረጃ ኤርትራዊ ዘመንፈስ ሶሎሙን ድማ 54 ሰከንድ ተፈንቲቱ 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ይስዕቦም።

ኣብ'ቲ ንብነጥቢ ዝመርሑ እትወሃብ ቀጠልያ ማልያ ዝግበር ዘሎ ጥምጥም ኣልጀርያዊ ተቀዳድማይ ሰይድ ናሲም ካብ ክለብ ማራከብ ፕሮ ሳይክሊን ቲም 185 ነጥቢ ብምውህላል ወናኒ ቀጠልያ ማልያ ኮይኑ ክመርሕ ከሎ ኤርትራዊ ዘመንፈስ ሶሎሙን 183 ነጥቢ ብምውህላል 2ይ ደረጃ ዮናታን ሃይሉ ብ167 ነጥቢ 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ይመርሑ ኣሎ። ዘመንፈስ ሶሎሙን ነዛ ናይ ጽባሕ መዛዘሚት መድረኽ ቀዳማይ ኮይኑ እንተተዓዊትላ ናይ ካሎኦት ነጥቢ ብዘይገድስ ቀጠልያ ማልያ ክዕወተላ ተኽእሎ ኣሎዎ

ኤርትራዊት ክለብ ኤሪተል ዝበለጸት ክለብ ናይዚ ዙር ብምኻን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ትርከብ።
ቱር ዲፋሶ ጽባሕ ካብ ኮርሲሞሮ ተበጊሱ ኣብ ኦዋጋ ብናይ 102 ኪሎ ሜተር መጋረጁ ክዓጹ ኢዩ።

#ጽቡቅ ዕድል ንኤርትራውያን ተቀዳደምቲ!!

2016 » 29th Tour du Faso (2.2)

Stage 9 » Dédougou › Koudougou (131k)

Date: 5th November 2016
Avg. speed winner: 40.294 km/u
Race category: Men Elite
Start/finish: Dédougou › Koudougou
Locations
Dédougou
Koudougou

http://www.procyclingstats.com/race/Tour_du_Faso_2016_Stage_9
Received on Sat Nov 05 2016 - 15:34:19 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved