ቱር ቡርኪኖፋሶ : ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ናይ መድረኽ ዓወት ተቆጻጺሮሞ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Thu, 3 Nov 2016 16:17:31 +0000 (UTC)

ቱር ቡርኪኖፋሶ 3 ሕዳር 2016

ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ናይ መድረኽ ዓወት ተቆጻጺሮሞ

ቱር ቡርኪኖፋሶ ሎሚ ካብ ቦቦ ተበጊሱ ኣብ ደደውጉው ዚዛዘም ብናይ 84.5 ኪሎ ሜተር ቀጺሉ ውዒሉ። ነዛ ካብተን ተዳየን ዝነበራ መድረኻት ዝሓጸረት ኪሎ ሜተር ዝነበራ መድረኽ ድማ ብዓወት ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ክለብ ኤሪተል ሜሮን ኣብርሃም (ሸቃ) ተዛዚማ ኣላ። ሜሮን ኣብርሃም ነዛ ናይ ሎሚ መድረኽ ክዕወተላ ዝኸኣለ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ንኣይቨሪኮስታዊ ኢሳያካ ሲሰን ኣልጀርያዊ ሓምዛ ዓብደርህማን ማህዲን ብምርታዕ ኢዩ።
ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ኣብዚ 7 መድረኻት ተላዒልዎ ዘሎ ቱር ዲፋሶ ኣብ ሓሙሽተ መድረኻት ናይ መድረኽ
ዓወት ከምዝግቡ ብምኻሎም መዛረቢ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኮይኖም ኣሎዉ፡፡

ዓባይ ጉሩፖ ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር 34 ሰከንድ ካብ ዕዉት ሜሮን ኣብርሃም ደንጉያ ኢያ መስመር መዛዘሚ ሕንጻጽ በጺሓ። ነታ ተኣኪባ ዝመጸት ግሩፖ ድማ ኣይቮሪኮስታዊ ኮንተ ባሲሮው ብምስዓር 4ይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ድማ ዮናታን ሃይሉ (7) ዘምንፈስ ሶሎሙን (19) ዳዊት ሃይለ (35) ክብሮም መሓሪ (39) በረኸት የማነ ድማ መበል 49 ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ሓፈሻዊ ውህሉል ግዜ ወዲ ኣኣንጋዲት ሃገር ዝኾነ ilboudo harouna ንውድድሩ ብ22'31"56 ብምዚዛም መራሒ ናይዚ ውድድር ክኸዉን ከሎ ፈረንሳዊ Gracyk vincent 2 ሰከንድ ደንግዩ 2ይ ደረጃ ኤርትራውያን መሓሪ ክብሮምን ዘመንፈስ ሶሎሙንን ድማ 0፡24 & 1፡49 ደንግዮም ብቅደም ተኸተል 3ይን 4ይን ደረጃ ሒዞም ኣሎዉ።

እታ ንብነጥቢ ዝመርሑ ተቀዳደምቲ እትወሃብ ቀጠልያ ማልያ ኣብዚ ናይ ሎሚ መድረኽ 5ይ ደረጃ ክሕዝ ዝኸኣለ ኣልጀርያዊ ሰይድ ናሲም ካብ ክለብ ኣል ማራከብ ፕሮ ሳይሊግ ቲም 128 ነጥቢ ብምውህላል ካብ ኤርትራዊ ዘመንፈስ ሶሎሙን ተቀቢልዋ ኣሎ። ዘመንፈስ ሶሎሙን 126 ነጥቢ ብምውህላል 2ይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ ወዲ ሃገሩ ዮናታን ሃይሉ ድማ 125 ነጥቢ ብምውህላል 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ይስዕቦ።

ኣብቲ ንጋንታት ዝተሓዝ ግዜ ኤርትራዊት ክለብ ኤሪተል ንውድድራ ብ67 ሰዓትን 36ደቂቅን 10ሰከንድን ብምዚዛም ክዝወሓደ ግዜ ዚዛዘመቶ ክለብ ብምኻን ክትመርሖ ከላ ፈረንሳዊት ክለብ ደላ ዲፈንስ 1፡10 ደንግያ 2ይቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣይቮሪኮስት ድማ 2፡38 ተፈንቲታ 3ይቲ ብምኻን ይስዕባ

---
ኤርትራዊ ተቃዳዳማይ ኤሪተል ሜሮን ኣብርሃም ተዓዋታይ 7ይ መድረኽ ዙር ቡርኪናፉሶ ብምዃን ንናይ ሎሚ ቅድድም ዛዚምዎ

2016 » 29th Tour du Faso (2.2)

Stage 7 » Bobo › Banfora (84.5k)

Date: 3rd November 2016
Avg. speed winner: 42.191 km/u
Race category: Men Elite
Start/finish: Bobo › Banfora
Locations
Bobo
Banfora

http://www.procyclingstats.com/race/Tour_du_Faso_2016_Stage_7
Received on Thu Nov 03 2016 - 12:17:30 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved