ኤርትራዊ ተስፎም ዑቅባማርያም ኣንበሳ ዓቀብ ዙር ሻርጃህ 2016 ብምኻን ውድድሩ ዛዚሙ

From: Semere Asmelash <semereasmelash_at_ymail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 28 Oct 2016 17:32:32 +0000 (UTC)

https://www.facebook.com/Team-Eritrea-443938672409160/

ዓርቢ 28 ጥቅምቲ 2016

ቱር ሻርጃህ 2016 ተዛዚሙ

*ተስፎም ዑቅባማርያም ኣንበሳ ዓቀብ ዙር ሻርጃህ 2016 ብምኻን ውድድሩ ዛዚሙ

*ተስፎምን ኤልያስን ዝበለጸ ደረጃ ናይ ክለቦም ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም

*ጀሉል ዓድል ቻምፕዮን ዙር ሻርጃህ 2016 ኮይኑ

ኣርባዕተ መደረኻት ዘጠቃልል ቱር ሻርጃህ 2016 ሎሚ ብዝተኻየደ ናይ ከተና ውድድር መጋረጅኡ ዓጽዩ። ኣብዚ ኣብ ከተማ ሻርጃህ ዝተኻየደ ናይ 132 ኪሎ ሜተር ተቀዳዳማይ ክለብ ሚንስክ ሳይክሊን ክለብ ቤሉሩሳዊ POPOK Siarie ኣብ ዝተዛዘመሉ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ተስፎም ዑቅባማርያም መበል 14 ኤልያስ ኣፎርቂ ድማ መበል 16 ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም ።

PoPok ነዚ 3'06"58 ዝወሰደ ክዕወተሉ ዝኸኣለ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ንኢጣክያዊ andrea paliniን legley matthias ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ብምስዓር ኢዩ

ኣብ ሓፈሻዊ ውህሉል 4 መድረኻት ሞሮካዊ ተቀዳዳማይ ክለብ ስካይዳይቭ ዱባይ ፕሮ ሳይክሊን ቲም ዓዱል ጀሉል ንውድድሩ ብ12'12"56 ብምዚዛም ቻምፕዮን ዙር ሻርጃህ 2016 ኮይኑ። ተስፎም ዑቅባማርያም 1'29 ደንግዩ መበል 4ይ ደርጃ ክሕዝ ከሎ ኤልያስ ኣፎርቂ ድማ 4'18" ደንግዩ መበል 18 ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም

ኤርትራዊ ተቀዳዳምይ ክለብ ሻርጃህ ተስፎም ዑቅባማርያም ኣብቲ ንኣንበሳ ዓቀብ ክግበር ንቀነየ ክርፍስ 16 ነጥቢ ብምውህላል ኣንበሳ ዓቀብ ቱር ሻርጃህ 2016 ኪኸዉን ከሎ ኣብቲ ንቮላቺስታውያን ዝወሃብ ነጥቢ ድማ ተስፎም 20 ነጥቢ ብምውህላል መበል 8ይ ደረጃ ኤልያስ ድማ ብ5 ነጥቢ መበል 24 ደረጃ ብምሓ ውድድሮም ዛዚምም።

ክለብ ስካይዳይቭ ድባይ ፕሮ ሳይክሊን ቲም ንውድድራ ብ36'02"00 ብምዚዛም ንኣርባዕተ መድረኻት ብዝወሓደ ግዜ ብምዚዛም ክትዕወተሉ ከላ ክለብ ሻርጃህ ድማ 4'43" ደንጉያ መበል 5ይ ደረጃ ክትሕዝ ኪኢላ።
Received on Fri Oct 28 2016 - 13:32:32 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved