ገጽ-መጽሓፍ፡ ሓውላል ሲ መጠመቲኡ ይኮሓል!

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam59_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Fri, 28 Oct 2016 13:25:11 +0200
 
ሓውላል`ሲ መጠመቲኡ ይኮሓል!

ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ልዕሊ 600 ሰባት ዝርሽን፡ ኣብ ክልተ ወርሒ ዘይኣክል 2 ሽሕ ሰባት ብተመልከተለይ ዝቀትል ስርዓት፣ ታንክን ሄልኮፕተርን ጌሩ ንህዝቢ ዝድብድብ መንግስቲ፣ ሰዓት ሕላፍ ኣዊጁ ንህዝቡ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ዝዳጉን ሽፍታ፣ ዜና ወጻኢ ምርኣይ ኢንተርነት ምጥቃም ከም ገበን ዝቁጸረሉ ሃገር ዝመርሕ ጭፍራ። ትግራዎት ጥራሕ ስለ ዘይኮኑ መንእሰያት ዝርሽን ስርዓት ትግራይ ትማሊ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ንኤርትራ ብመሰል ምግሃስ ደቂ ሰባት ክኸሳ ተራእዩ። ወይ ጉድ እዩ ዘብል! ሓውላል ሲ መጠመቲኡ ይኮሓል ድዩ ዝበሃል? ብጻይ የማነ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መልሲ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዒብ እንተዝህልዎ ኣብዚ ግዜ እዚ ክኸስስ ዘይኮነ ክሕባእ እዩ ዝግብኦ ብምባል ኣብ ኢትዮጽያ ዘሎ ሕማቅ ኩነታት ንዓለም ገሊጹ። በቲ ዘረባ ዝሰንበደ ናይ ወያነ ልኡኽ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፣ ሕጂ ብኢትዮጵያ ዘይኮነ ብኤርትራ ኢና ንዛረብ ዘለና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕግርግር ጠንቁ ኤርትራ እያ ኢሉስ ርእሱ ኣድንን። ወይ ውርደት !!

 
Received on Fri Oct 28 2016 - 07:25:11 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved