Book Review Final (Scanned/Edited)

From: <HBokure_at_aol.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 26 Oct 2016 23:04:32 -0400

 
 
ዝኸበርኩም ደቂ ሃገር፡-
“ ናጽነት ደሊና ሓጉዙና፡ ተዘክሮታት ሱሳታት”
ከመይ ኢለ ነዚ መእተዊ ክፍልሞ? ብመሰረቱ ታሪኽና ኰነ ተዘክሮታትና ብጽሑፍ ንምቅራብ
ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ። ምኽንያቱ ዳርጋ ንሚእቲ ዓመታት ብምርብራብ ኣብ ኢድ ባዕዳውያን
ገዛእቲ ስለ ዝወደቅና፡ ሓንሳእ ይኹን ቅሳነት ረኺብና ክንዝክር፡ ክንሰንድ፡ ክንጽሕፍ፡
 ከነሕትም ኣይከኣልናን። በዚ ምኽንያት፡ “ታሪኽና ካበይ መዋዕለ-መግዛእቲ ንጀምሮ?”
  ዝብል ሓሳብ ከመጸና ከሎ፡ ይኸብደና። ምኽንያቱ ካብ ኣፈ-ታሪኽ ሓሊፉ፡ ብግቡእ ስለ
ዘይተሰንደ ብምዃኑ። እዚ’ውን ካብ’ቲ ደረጃ ትምህርትን ልምድን ኣቦታትና ፈሊኻ
ዘይርኣይ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ብግዜ መግዛእቲ ጣልያን ስለ ኤርትራን ህዝባን ዝምልከቱ ማዕረ
 ኣርባዕተ ሚእትን ሓሙሳን መጽሓፍቲ ከም እተደርሱ ማዕከል ምርምርን ሓበሬታን ኤርትራ
(RICE)፡ ኣብ ሰማንያታት ዝገበሮ መጽናዕቲ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ቅድሚ ምጽኣት
ጣልያን፡ ብመጠኑ ብቋንቋታት ጀርመንን፡ እንግሊዝን፡ ጵርቲጊዝን ዝተጻሕፉ እኳ እንተነበሩ፡
ከም መንቀሊ ምርምርን ጽሑፉን ሃገርና ምእንቲ ከይኰኑ፡ ብፍላጥ ከይተተርጐሙን ከም
እተሓብኡን ከነስተውዕል ኣየገርምን። እስኪ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ብስወጻዊ መስተዓንጀር
(Werner Munzinger) “ ኰለላ ምስራቕ ኣፍሪቃ” ዝብል ብቋንቋ ጀርመን ዝተደርሰ፡ ብምስግና
 ዘካርያስ ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመ ኣብነት ይኹነና።
ሓተታኡ ሰፊሕ ኢዩ።
ካልእስ ይትረፍ፡ ምስ’ዚ ኩሉ ትምህርትና፡ ታሪኽና ካብ ግዜ እንግሊዝ ጀሚሩ ክሳብ
ውድቀት ሃይለስላሴ ብግቡእ ኣይተመዝገበን። እኳድኣ ክሳብ ሎሚ ብኣፈ-ታሪኽ እነዕልሎ ዘሎና
 ምዃኑ ኣይሰሓትን። እዚ ክኸውን ከሎ፡ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ስለ ዝዓብለሎ፡ በዚ’ውን
 ንምስናዱ ቀዳምነት ክውሃቦ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ኣይዘንጋዕናዮን። ግን ምስ ግዜ ምሓላፍ
 ታሪኽ ዝርሳዕ ብምዃኑ፡ ብውዕዩ እንተሰንድካዮን ጽሓፍካዮን ንዳሕራዩ ካብ ፈጠራ
የድሕን። ነቶም ተተካእቲ ወሎዶታትን ተመራመርትን ከም “ሓድጊ” ብምውራስ፡ ንዘልዐለመ-ዐለም
  ተዘክሮታትና ወይ ህላወና ንዕቅቦ።
እምበኣር በዚ መጻኢ ጠመተን ሓላፍነትን ተደሪኸ፡ ብፍላይ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ስለ’ቲ
ወሳኒ ዝዀነ ግዜ ማለት “ሱሳታት” ብተዘክሮ መልክዕ ነዚ ንእስ ዝበለ መጽሓፍ ከዳሉ
ወሲነ። ስለምንታይ ነፍሲ-ወከፍ ወለዶ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ኣለዎ። ታሪኽ’ውን ሓቂ
ኢዩ። (history is a fact)። ምስ ግዜ’ውን ይለዋወጥ ኢዩ። ስለዚ ካብ ምፍራድ ወይ
ንድሕሪት ብምሕሳብ ካብ ወቅታውን ወድዓውን ኲነታትካ ከይትግለል የድሕነካ።
ልዕል ኢልና ከም ዝገለጽናዮ፡ ተዘክሮታትካ ብመልክዕ መጽሓፍ ምድላው ቀሊል ኣይኰነን።
 ምኽንያቱ ምስ መዓልታዊ ስምዒታትካ ዝተኣሳሰረ ስለ ዝዀነ። ሓንሳእ ትጅምሮ፡ ሓንሳእ
ትገድፎ። ስለዚ’ውን ብወገነይ ሓደ ሓደ ብፍላጥ ዝሓደግክዎም ከምኡ’ውን ዝረሳዕክዎም
ክህልው ከም ዝኽእሉ ኣይስሕቶን ኢየ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ግና፡ ትሕዝቶ ጽሑፈይ ከም
መበገሲን መነቃቅሕን ጌርኩም ርኣይዎ ክብል እደፍር።
ፈደረሽን ቅድሚ ምፍራሱ ኣብ ፍልም ሱሳታት ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ጥቃ ካተደራለ
ሰላማዊ ሰልፊ ጌሮም ክሓልፉ ከለው “ ናጽነት ደሊና፡ ሓጉዙና” እናበሉ ክደርፉ ከለው
ወትሩ ግዜ ስለ ዝዝከረኒ፡ ኣርእስቲ እዚ መጽሓፍ ክኸውን መሪጸ። ሽዕኡ ወዲ ወዲ ዓሰርተ
 ክልተ ዓመት ኢየ ነይረ። ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ናጻ ዝወጻሉ ዓመት ክኸውን ከሎ፡
 ሓደ ሓደ ጸሓፍቲ ኤርትራውያን፡-
ሾምበ! ሾምበ!
ሉቡምባስ ሞይቱ
ግደኻ ተጸበ።
ዝብል ከም ዝገጠሙ ይዝከረኒ።
ኰይኑ በቲ ግዜ’ቲ ዝተሰለፉ ተማሃሮ፡ ንዳሕራዩ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዓቢ እጃም
ዘበርከቱ ኢዮም። ገሊኦም ክሳብ ሎሚ ኣብ መሪሕነት፡ ዝተረፉ ከኣ ኣብ ፍቀዶ ዓለም
ይነብሩ ኣለው።
ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል ከም ዝበሃል፡ ኣብዚ መጽሓፍ ንብግዚኡ ዝነበሩ
መንእሰያት ኤርትራ ምእንቲ ከይነቅሑ ዝግበር ዝነበረ ዝተራቀቀ ኣሻጥርን ልጓመ-ሕልናን (mind
control)፡ ከምኡ ብምስትብሃል ዘይገጥምናዮም ሓደ ሓደ ፍጻሜታት ተጠቂሶም ኣለው።
ክብርን ዝኽርን ንስውኣትን ሓርበኛታትን ህዝቢ ኤርትራ።
ንሓበሬታ፡ HBokure_at_aol.com
ሃይለ ቦኹረ
2016
ኣሜሪካ




Image_20_40_.jpg
(image/jpeg attachment: Image_20_40_.jpg)

Received on Wed Oct 26 2016 - 23:04:32 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved