“ዓቅሊ ዋጋ በቅሊ”ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Fri, 21 Oct 2016 11:30:17 +0100

25 መንእሰያት ንዝልዓለ ትምህርቲ ናብ ሃገረ ሩስያ ዘእትዎም ናይ “Scholarship” ቪዛ ተቀቢሎም።

ኣብ መንጐ መንግስታት ኤርትራን ሩስያን ብዘሎ ሓያል ልምዓታዊ ሽርነት መሰረት ኣቀዲሙ ብዝተበጽሓ ስምምዓትን ብግብሪ
ክስርሓሉ ዝጸንሓ ክልቲኣዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ዓዉድታት ልምዓትን ምምዕባል ዓቅሚ ሰብን ፤ ናቱ መቀጸልታ ኣብ ትምህርቶም
ብሉጽ ጸብለልትነት ዘርኣዩ 25 መንእያት ንዝልዓለ ትምህርቶ ኣብ ሃገረ ሩስያ ንክቅጽሉ ኣብ ቤ/ጽ ኢንባሲ ሃገረ ሩስያ
ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተገብረ ናይ እንኳዕ ሓጉሰኩም ጽንብል እቶም መንእሰያት ናብ ሃገረ ሩስያ ዘእትዎም ናይ
“Scholarship” ቪዛ ከም ዝተቀበሉ ዝረከብናዬ ሓበሬታ የረድእ።

እዞም 25 መንእሰያት ኣብ ሃገረ ሩሲያ ኣብ ዝጸንሕሉ ግዜ ናይ ዝልዓለ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ዓውድታት
Geology,Neurosurgery,Physics,astronomy,Agro – engineering,Medicine, ወዘተን ..
ብደረጃ ማስትሬይትን ( MA ) ፒኤችዲ ( PhD ) ብምእታወ ትምህርቶም ክከታተሉ’ዬም ፤ ትምህርቶም ጀሚሮም ስጋብ
ዝፍጽሙ ድማ ዘድልዬም ካብ ትምህርቲ ጀሚርካ ኩሉ ወጻኢታቶም ብመንግስታት ኤርትራን ሩሲያን ክሽፍነሎም ሙኳኑ እቲ ሓበሬታ
የረድእ።

መንግስቲ ኤርትራ ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ንክባጻሕ እቲ ዝዓበየን ዝገዘፍን ባጀት ብምምዳብ ይሰርሓሉ ምሕላው ዝፍለጥዩ።

ኣብ ኤርትራ ካብ መዋእለ ህጻናት ስጋብ እቲ ዝልዓለ ናይ ማስትሬይትን ዶኩትሬይትን ትምህርቲ ንዜጋታት ብነጻ ከም ዝዉሃብ
ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት ንኣብነት ኣብ ሃገር እንግሊዝ ናይ ቀዳማይ ዲግሪ ንምርካብ ብውልቅካ £50 –
£60 ሽሕ ፓዉንድ ክትከፍል ከም ትሕተት ዝፍለጥ’ዩ።

በዚ ኣጋጣም ነዞም መንእሰያት ጽቡቅ ናይ ትምህርቲ ግዜ ክኮነሎምን ትምህርቶም ብዓወት ዛዚሞም ነቲ ዘምሃሮም ሕዝቦምን
ሃገሮምን ክክሕሱ ትጽቢት ይንበረሎም ጽቡቅ ዕድል።


​ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/


jpg__1_88.png
(image/png attachment: jpg__1_88.png)

Received on Fri Oct 21 2016 - 03:52:15 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved