ገጽ-መጽሓፍ፡ መንግስቲ ትግራይ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ኤርትራውያን ንኸይምለሱ ጅሆ ሒዝዎም እኳ እንተሎ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ጀሚሮም ኣለው::

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam59_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Tue, 18 Oct 2016 00:08:59 +0200
መንግስቲ ትግራይ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ኤርትራውያን ንኸይምለሱ ጅሆ ሒዝዎም እኳ እንተሎ፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ጀሚሮም ኣለው::

ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ጀሚሮም ኣለው። ኣብዘን ሰለስተ መዓልታት ጥራሕ ዝተመዝገቡ ልዕሊ 200 ተመሊሶም ኣለው። ዘይተመዝገቡ ብቀጥታ ናብ ስድርኦም ዝኸዱ ከኣ ብዙሓት ኣለው። ካብዞም ናይ ትማሊን ሎምን ዝኣተው ከምዝሕብርዎ ከኣ ወያነ ንዓዶም ክምለሱ ከልኪልዎም ከምዘሎን ክምለስ ዝተረኽበ ከም ናይ ሻዕብያ ተቆጺሩ ከምዝእሰርን ብወተሃደራት ክቅተልን ትእዛዝ የሕሊፉ ከምዘሎን ተፈሊጡ ኣሎ። ትማሊ እውን ብከባቢ ማእከላይ ግንባር የማናይ ክንፊ ንዝምለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ንምኽባብ ምልሻን ወተሃደራት ትግራይን እንዳ ተኮሱ ከምዝሰዓብዎምን ደሓር ግና ሓይልታት ምክልኻል ንውሽጢ ክኣትው ምስርኣዩ እግረይ እውጽኒ ብምባል ንድሕሪት ከምዝተመልሱን ሓይልታትና ናብቲ ቦታ ብቅልጡፍ ብምእታው ነቶም ተሓቢኦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ብሰላም ናብ ኤርትራ ከምዘስገርዎምን እቶም ምልሻ ዝጥቀሙላ ዝነበረት ሄልኩስ ዝዓይነታ መኪናውን ከምዝተረከቡን ብሰላም ናብ ቦትኦም ከምዝተመልሱን ተፈሊጡ ኣሎ።

 
 
 
Received on Mon Oct 17 2016 - 16:48:03 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved