(haddas ertra) ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ግርማ,ኣስመሮም ተሰዊኡ

From: Dehai <dehaihager_at_dehai.org_at_dehai.org>
Date: Sun, 9 Oct 2016 08:40:21 -0400

ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ተሰዊኡ

ቀዋሚ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ገዲም ተጋዳላይ ግርማ ኣስመሮም፡ ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ውሽጢ ሃገርን
ወጻእን ሕክምናዊ ክትትል ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ5 ጥቅምቲ ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ኒውዮርክ -
ኣመሪካ ተሰዊኡ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ብምምራሕ፡ ኣብ መሳርዕ
ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኣምባሳደር ግርማ፡ ብቐጥታ ኣብ ክፍሊ ዜና ተመዲቡ፡ ክሳብ ሰነ 1987 -
ኣባል ኣሰናዳኢት ቦርድ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን፡ ሓላፊ ሽማግለ ኣምሓርኛን ኮይኑ ብብልሑን ሞያዊ ብቕዓቱን ንሃገራዊ
ቃልሲ ብሓፈሻ፡ ንዕብየትን ምዕባለን ንጥፈታት ዜና ድማ ብፍላይ፡ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ሓርበኛ’ዩ።

ድሕሪ 9 ዓመታት ኣብ ክፍሊ ዜና፡ ናብ ክፍሊ ወጻኢ ዝምድናታት ውድብ ምስ ተቐየረ እውን፡ ሓላፊ ጨንፈር ሓበሬታን
ምክትታል ጉዳያት ኣፍሪቃን ብምዃን፡ ክሳብ 1990 ድሕሪ ምግልጋል፡ ናብ ጨንፈር ፕሮቶኮል ተቐዪሩ ክሳብ ዕለተ
ናጽነት ሰሪሑ።

ገዲም ተቓላሳይ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ክፍልታት ጉዳያት ወጻኢን ዜናን ብሓላፍነት
ተመዲቡ፡ ሃገራዊ ዕማማት ኣብ ምዕዋትን ኣገልግሎት ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ምምስራትን፡ ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ዜጋ እዩ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈት ብምትኳር፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር
ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ
ሕብረትን ሉክሰምበርግን፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ 2013 ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ፡
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን፡ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ብልዑል ብቕዓትን ትብዓትን ዘገልገለ
ምኲር ዲፕሎማት’ዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስዉእ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም፡ ጽባሕ ሰንበት 9 ጥቅምቲ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ
መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ብመስዋእቲ ገዲምን ውፉይን ኣባሉ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን
እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ ፈተውቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።



haddas_ertra_Ambassador_Girma_Asmerom.png
(image/png attachment: haddas_ertra_Ambassador_Girma_Asmerom.png)

Received on Sun Oct 09 2016 - 07:19:26 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved