Facebook.com:"ካብ ቖንጮ ርእሱ ከም ምዉት ዓሳ ዝሽትትን ሓሶትን ምድንጋርን ስርቕን ቅትለትን ዝሕመረቱ ዘይምሃር ግዛዕ/ዶንቆሮ ፋሺስታዊ/ዓሌታዊ ስርዓት ወያነ" *እርእስቲ ናተይ እያ*

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Wed, 1 Jun 2016 17:14:56 +0200
 
"ካብ ቖንጮ ርእሱ ከም ምዉት ዓሳ ዝሽትትን ሓሶትን ምድንጋርን ስርቕን ቅትለትን ዝሕመረቱ ዘይምሃር ግዛዕ/ዶንቆሮ ፋሺስታዊ/ዓሌታዊ ስርዓት ወያነ" *እርእስቲ ናተይ እያ*
June 1, 2016

ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ - ኣገልግሎት ዜና ሓሶት!

ብስርዓት ወያነ ዝውነን ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡ እቲ "ልምዓታዊ መንግስቲ እየ" (Developmental State) እናበለ ፈትረኽፈትረኽ ዝብል ስርዓት ንህዝቢ ኢትዮጵያ እንትርፎ ጥምየት፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላውን ማሕበራዊ ሕሰምን ድኽነት ካልእ ስለዘይምጽኣሉ፡ ብናይ ሓሶታት ፕሮፓጋንዳ ገዚፍ ፕሮጀክታት ከምዘተግበረ መሲሉ ንምቕራብ ናይ ካልኦት ሃገራት ስእልታት ብምስራቕ ስጉርፍኦ ሓሶታት ካብ ምንዛሕ ኣይተቘጠበን ዘሎ። ዝቝጠብ'ውን ኣይኮነን - ሓሶታት ምንዛሕ ኣብ ኣንጉዖም ዝሰረጸ ስለዝዀነ። ይኹን ግን እዞም ሰባት ኣበየናይ ዘበን እዮም ዝነብሩ ዘለዉ ብሓቂ ዘተሓሳስብ'ዩ። ኣብ 21 ክ.ዘ. ኣይኮነን እዞም ተሰሪቖም ዝቐርቡ ዘለዉ ኣሳእል፡ ስእሊ ጻጸ ሰሪቕካ'ውን "ኢትዮጵያዊ እዩ" እንተበልካዮ፡ "ኣይኮነን፡ እዚ ጻጸ'ዚ ወዲ ስሪላንካ እዩ" ዝብል ምዕባለ ቴክኖሎጂ ኢና በጺሕና ዘለና።

ንመንዮም ግን ከደናግርዎ? ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንድ'ዚ ድዮም ዝንዕቅዎ ወይስ ድንቁርና'ዩ? "ፎእ" ተባሂሉ ዝተፈንፈነ ስርዓተ-ውሑዳንከ ብናይ ሓሶታት ፕሮፓጋንዳ ሕጋውነት ክለብስ እኽእል ድዩ? እቲ ጽቡቕ ጎኒ ናይ'ዚ ሕሱር ተግባራት መራኸቢ ብዙሓን ወያነ ግን፡ መንነት ወያነ ጽቡቕ ገይሩ ተገሊሁ ብምህላዉ፡ ኩሉ ኣንጻር ህዝቡን ህዝብታት ዞባናን ዘካይዶ ናይ ምህዋጽን ምዕግርጋርን ተግባራት በቲ ሓደ፡ ተሰልቢጡ ድማ ኣንጻሮም ዘቕርቦ ክስታት ኩሉ በዚ "ሓሶት ዝስንቁ ስርዓት" ከምዝካየድ ንጹር'ዩ ዝገብሮ። ኤርትራዊ ደራፋይ ክደርፈሎም እንከሎ እንታይ'ዩ ዝበሎም...
ሓሶትካ መዓት...
ፈራዕራዕካ መዓት....
የድሕነና ካብ ሕማም ህወሓት....
ብህዝባዊ መንግስትኣብ
Those who try to defend the weyane group at least tell them to stop lying to the people of Ethiopia. They need to start work instead of stealing other countries work and presenting it as their own. Is anything weyane told us is the truth?

 
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡s Foto.
 
 
 
 
 
 
 
 
 
Received on Wed Jun 01 2016 - 11:14:56 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved