Facebook.com: "ክፋል ታሪኽ መካናይዝድ ብሪጌድ ህግሓኤን ኣጋር ህዝባዊ ሰራዊትን ኣብ 1991 ደርጋዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ሕምብርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቐበሩሉ እዋን!!!"

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 29 May 2016 23:52:35 +0200
 "ክፋል ታሪኽ መካናይዝድ ብሪጌድ ህግሓኤን ኣጋር ህዝባዊ ሰራዊትን ኣብ 1991 ደርጋዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ሕምብርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቐበሩሉ እዋን!!!" ስርዓት ጉጅለ ወያነ ግን ሓቂ ስለ ዘሕፍሮምን ብሓሶት ስለ ዝነብሩን ኣይዛረብሉን እዮም።(ኣርእስቲ ባዕለይ እየ ሂበያ)
ብርሃነ ሃብተማርም
  Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡

ኣሃዱ ሜካናይዝድ ኤርትራ ንኣዲስ ኣበባ ካብ ስርዓት ደርግ መንዚዖም ንወያነ ካብ ዘረክብዋ 25 ዓመቶም መሊኦም፡፡ ርሑስ በዓል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ‪#‎ልግሲ‬ ይግበረልኩም ጀጋኑ ደቂ ኤረይ!!!

እዛ ቀዳመይቲ ስእሊ ኣብ ጉንቦት 28/20 1991/1983 ኣሃዱ ሜካናይዝደ ኤርትራ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ እንዳተቆጻጸሩዋ ከለው ዝተሳእለት'ያ፡፡ እታካልአይቲ ከኣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሻዕብያ ባህርዳር ድሕሪ ምቁጻጸሮም ዝተሳእለት እያ፡ እዞምሓርበኛታት እዚኦም ወፍሪ ስግረ ዶብ ኢትዮጵያ መሪሖም ካብ ትግራይ ስጋብ ኣዲስኣበባ ዝመርሑ እዮም፡ ብሕልፊ እቲ ካብ ጸጋም ካልኣይ ጥቃ ተጋዳላይ ሮሞዳን ናይ ሕጂ ሜጄር ጀነራል ሮሞዳን ዘሎ፡ ነተን ልዕሊ 20 ታንክታትን ካልእ ብዓይነቱ ብዝሕ ዝበለ ተጎታትን ካልእን ዓይነታት ከቢድ ብረት ዓጢቑ ንደርጊ ካብ ከተማ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ጸራሪጉ ዝኣለየ ኣሃዱ ሜካን ተወርዋሪ ኣሃዱ ኮማንዶን ናይ ኤርትራ ዝመርሕ ዝነበረ ጅግና ተጋዳላይ ወዲ ለተ ናይ ሕጂ ኮሎኔል ተወልደ ገብረማርያም ይበሃል፡፡ ኣብዚ ሳዓት'ዚ ወያነ ንፈውሲ ማሕላ'ኳ ትኸውን ዋላ ሓንቲ ጥር ትብል ንወያነ ወኪላ ትዋጋእ ታንኪ ኣይነበረቶምን ፡፡
"ሓቂ ክደግመልካ ውላድ ሳዋ
ተማሃሮና'ዮም ኔሮም ክሳብ ሽዋ
ሓቂ ክደግመልካ ውላድ ኤረ
ቃታ ኣየጽረዩን ኔሮም ክሳብ ሽሬ"......

 
Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡s Foto.
 
Received on Sun May 29 2016 - 17:52:36 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved