Facebook.com: *መኣረምታ ናይ ቦታ ኣሰራርዓ* "ዝጠፈሸ ነጋዳይ`ሲ ናይ ቀደም ሰነዱ ክገናጽል ጸሓይ ትዓርቦ" *እዛ ኣርእስቲ ባዕለይ እየ ሂበያ*

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 29 May 2016 18:10:44 +0200

"ዝጠፈሸ ነጋዳይ`ሲ ናይ ቀደም ሰነዱ ክገናጽል ጸሓይ ትዓርቦ" *እዛ ኣርእስቲ ባዕለይ እየ ሂበያ*

May 29, 2016

 

"ብዘኸደመኩም ወያነ ኣቢሉ ንዓኹም ይግበረልኩም" ሕዝቢ ኤርትራ እንተኮነ ንዓለም ብዘገርመ ናጽነቱ ጽንቢሉ'ሎ!!!
---------------------------------

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡
ካብ ኣስመራ

May 28, 2016
ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን መበል 25 ዓመት ናጽነቱ ነተን ብሓሶት ዝተጎብኣ ሜድያት ዓለምና ከይተርፈ ክሳደን ረጊጺ ሓቂ ከም ዝዛረባ ብምግባር ብዘ - ኢትነገር ኣገባብ ናጽነቱ ጽንቢሉን ገና ውን ብኣብ መላእ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዊያን ይቅጽል ኣሎ።

ኣብ ቅንያት ምድላው ጽንብል ናጽነትና ከዳሚ ስርዓት ወያነ ዓለም እቲ ልክዕ ምልክዕ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ጽንብል መበል 25 ዓመት ናጽነት ንከይትሪኢ ካብ ኤርትራ ዝተበገሰ ኣጽዋር ሂዘ ብማለት ዝተስናንዐ ስእልታት ኣሰንዩ ወረ ንዓለም ምስ ዝርሓ ኣይውዓለ ኣይ ሓደረ ሓሶቱ ትቃሊዑ።

በዚ ውን ኣይዓገበን ከዳዓት መጋቤርያታቱ ኣዋፊሩ ድማ ኣብ ድሮ ጽንብል ናጽነትና ብመገዲ ሾሻል ሜድያ ኣቢሉ ነዚ ኣብ ታሕቲ እትሪኢዎ ዘሎኩም መስደመም ጽሑፍ ዘርጊሑ።

በቲ ኮነ በቲ ዓለም ጽባቀን ሓድነትን መከተን ልምዓትን ጥምረትን ሕዝብን መንግስትን ግንባርን ሪኢያ'ላ።
ሕጂ ውን ብዝሓየለ ካብ መስመርና ነቅ ከይበልና ምሳርዕና ኣስጢምና ወዳቤና የሓይልና ናብ ዝተርፊና መከተ ንምጽፋፍ ጥራይ ንበገስ ሓሹላት ኣብ ዘብሉዎ የብሎምን ንኪድ ጥራይ ምሳና'ያ ሓቂ።

ንዓና ኤርትራዊን ተቓወምቲ ዝብሃሉን ደቂ ሕድርትናን ትርጉሙ ሓደ'ዩ።

ዓወት ንሓፋሽ
ክብሪን ሞጎስን ንሰማእታትና

ወይጉድ! ኣብ`ዚባ እንሄልኩም ጻዕዳ ሓሶትን፣ እንጌራ ሕልሚን ከምኡዉን መኣዝኑ ዝሰሓተ ጽላለን! ንምዃኑ ነዚ ምትሩስ ጽሑፍ ዘቕርብ ምትእኽኻብ ገዳይም ተጋደልቲ ህግሓኤ ዝበሃል ጉጅለ የሎን!  ከምቲ  ኩሉ ግዜ ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ ፋሽስታዊት ጉጅለ ወያነን ኮራኹራን ዝነዝሕኦ ከንቱ ሕልሚ እዩ።
ብርሃነ ሀብተማርያም

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡s Foto.

*********************************************************************************

እዚ ሓቂ እንተኾይኑ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ፡ ኣብ ዝኸድካዮ ንስድራኻ ከይትሕግዝ'ሲ ንኣሕዋትካ ምስ ወያነ ኮይንካ ክትቀትል ተበጊስካ? ካብ ኩሉ እቲ ዘሕዝን ከኣ እቶም ንርእሶም ፈሪሖም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ብ ፊይስቡክ ዝቃለሱ ዘለው፡ ጀግና ኢሎም ክጽውዕዎ እዮም፡ ካብኣቶም ግና ሓደ እኳ ኣይክስዕቦ ወይውንን ስድርኡ ስጋብ ዘለው ዝኣሊ ኣይክህሉን እዩ ምኽንያቱ እታ ሓይሎም ኣብኢንተርኔት ምጥቃዕ ጥራሕ እያ፡ ታሪኽን ዓስብን ዘይብሉ ኣማውታ።

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡s Foto.
Received on Sun May 29 2016 - 12:10:45 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved