83 ሽሕ ኤርትራውያን "ስደተኛታት" አበይ አበሉ? ስለምንታይ አሳያስ ወ/ገርጊስ ካብ ስልጣኑ ተአልዩ?

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 29 May 2016 12:57:05 +0200
83 ሽሕ ኤርትራውያን "ስደተኛታት" አበይ አበሉ?
ስለምንታይ አሳያስ ወ/ገርጊስ ካብ ስልጣኑ ተአልዩ?
May 29, 2016
Source: Meskerem.net
Breaking News
 
ስለምንታይ አሳያስ ወ/ገርጊስ ካብ ስልጣኑ ተአልዩ? እቲ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምልከቶን ንሱ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈቱን ብሙሱና (ጉቦ) ስለ ዝተኸሰሰን ጭብጢ ስለ ዝተረኸቦን እዩ።

አብዘን 4 መዓስከራት ስደተኛታት (ሸመልባ: ማይ ዓይኒ: ዓዲ ሐሪሽ: ሕንጻጽ) አብ መዝገብ UN ተመዝጊቦም ዘለው 120 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን እዮም። ካብዚአቶም 83 ሽሕ ዝኾኑ አብቲ መዝገብ ደአ አለው እንበር ብአካሎም ግን የለውን። (ንአብነት አብ መዓስከር ዓዲ ሓርሽ እቲ መዝገብ 40 ሽሕ ስደተኛታት አለው ክብል ከሎ: ብተግባር ግን አብቲ መዓስከር ዝነብሩ 7 ሽሕ ጥራይ እዪም።)

Image result for names of eritrean refugee camps in ethiopiaእዞም ኩሎም ስደተኛታት ናበይ አበሉ? ስለምንታይኸ ንወከልቲ UN አብ ግዚኡ ክንደይ ሰብ ከምዘሎን ናበይ ገጹ ይኸይድን አሎ ዘይሕበር? (UN አብ ርእሲ ክራይ ናይቲ መሬት ብቁጽሪ ብዝሒ ስደተኛታት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ገንዘብ ስለ እትኸፍል)። እዚ ጉዳይ ከም አርእስቲ ዝተላዕለ ቤት ጽሕፈት ኢሳያስ ሰብ በዚሑና ኢሉ ሐዲሽ መዓስከር ንኽኸፍት ን UN ምስ ሐተተ እዩ። ናይ ኤውሮፓውያን ስለላ ትካላት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቀረባ ይከታተልኦ ስለ ዝነበራ (ሆላንድን አውስትርያን) ከአ አሉታዊ ምኽሪ ሂበን። ብድሕሪዚ UN ናታ መጽናዕቲ ጀሚራን ገዚፍ ጉድ ቀሊዓን።

 83 ሽሕ ኤርትራውያን አበይ አበሉ? (ብዘይ ፍቃድ ናብ መላእ ሃገር ፋሕ ዝበሉን ንሱዳን ዝኸዱን እዩ እቲ ዝተጨበጠ መልሱ) አብቲ መጽናዕቲ ናብ ሱዳንን ንሊብያን እስራኤልን ዝልእኹ ደላሎ አብ መዓስከራት ዓዲ ሐሪሽን ማይ ዓይነኒን ዳርጋ ቤት ጸሕፈት እዮም ከፊቶም ኔይሮም። አብ ዝሐለፈ ወርሒ አብዚ መዓስከራት 24 ደለሎ ኩሎም ተጋሩ ብሰንኪ እዚ መጽናዕቲ ተታሒዞም እዮም። እቶም አብ መላእ ሃገር ፍሕ አሎም ዘለውኸ! ነዚ ብጩቡጥ ንምቁጽጻር ብጠለብ UN ከም እንደገና ክቁጸር ንኹሉ ኤርትራዊ ስደተኛ ጻዊዒት ክግበረሉን ከም በሐዲሽ ክቁጸርን ይግበር አሎ። ድሮ አብ አዲስ አበባ ንዘሎን ከይተሰከፈ ሕራይ ክቁጸር ድሉውየ ዝበለ ይምዝገብን መንቀሳቀሲ ወረቀት ይወሃቦን አሎ። እቲ ድሉው ዘይኮነ ንኽቁጸር ዝፈርሐንኸ ስለምንታይ?

አቀዲሙ ቅድሚ እዚ ጉዳይ ምፍላጡ ብዘይ ፍቃድ ናብ አዲስ አበባ ዝመጸ: ብጉቦ ካብ 10 ክሳብ 15 ሽሕ እናኸፈለ ሕጋዊ መንቀሳቀሲ ወረቀት ዝገዝአን ገሊኡ ከአ ናብ መዓስከር ንኸይምለስን እዩ። እቲ ሕጋዊ መንቀሳቀሲ ወረቀት ካብ ቤት ጽሕፈት አራ ይገዝኦ ከምዝነበረ ብጭቡጥ ተፈሊጡን በጀካ ሐንቲ ሰብ ኩሎም አብዚ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሑ ደስኪሎም አለውን ብሐድሽ ገጽ ተተኪኦም አለውን።

ካብ ሐለፍቱ ናብ ኢሳያስ ዝቀረበ
  • እቲ ቀዳማይ ሕቶ UN እዚ ኹሉ መጽናዕቲ ክትገብር ቤት ጽሕፈትካ አበይ ነበረ?
  • እቲ ካልአይ ሕቶ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት አራ እዚ ኩሉ ገንዘብ ብጉቦ ከእትው አበይ ነበርካ?
  • እቲ ሳልሳይ ሕቶ እዞም ተታሒዞም ዘለው ደላሎ ከምድላዮም እናሰርሑ ስለምንታይ ዘይዓገትካዮም?
  • እዚ ኹሉ ከአ ይሕበረካ ኔይሩ ስለምንታይ ክተዓብጦ ፈቲንካ ዝብል እዩ።
ካብ  ርጡበት ምንጭታት ከባቢ UN...
እቲ ዝተዘርግሐ ፍላየር ስለምንታይ ከም በሐዶሽ ምምዝጋብ ከምዘድለየ ይሕብር
Received on Sun May 29 2016 - 06:57:06 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved