ECSS-Online.com: ቃል ክቡር ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ – 2016

From: Berhane Habtemariam <Berhane.Habtemariam_at_gmx.de_at_dehai.org>
Date: Sun, 29 May 2016 12:48:39 +0200

ቃል ክቡር ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ – 2016

May 29, 2016

may-24-news-president-16ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፡ ንኹሎም ኣብ ጐኒ ሓርነታዊ ቃልሲን ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብምሕዝነት ደው ዝበሉ ፈተውቲ፡ ዮሃና! እንቋዕ’ዚ ረኣና!

ነዚ ዕዙዝ ኣጋጣሚ ርዝነቱ ንምምዕራግ ካብ ወጻኢ ዝነገዱ ኤርትራውያን ኩሎም፡ ብምውህሃድ ኮሚሽን ባህሊን ስፖርትን፡ ሓያል ጻዕሪን ኣደናቒ ኣበርክቶን ዝገበሩ፡ ህጻናት መንእሰያት ተማሃሮ፡ ናይ ወጻኢን ዘቤታዊን ጥበባውያን፡ ስፖርተኛታት፡ ኩሎም ካልኦት ኣድማዒ ኣበርክቶ ዝገበሩ ልዑል ምስጋና።

25 ዓመታት ወይ ርብዒ ዘመን “መኸተን ልምዓትን”፡ ካበይ? ኣበይ? ናበይ?

ካበይ ከምዝተበገስና፡ ኣበይ ከምዘሎናን ከምዝሃሎናን፡ ናበይ ከምንግስግስን፡ . . . መኸተናን ልምዓትናን ብኸመይ? ስለምንታይ’ከ ይዕወት? ናጽነት ብኸመይ ተጨቢጡ? ብኸመይከ ይሕሎን ይህነጽን? ዝብል ሕቶታትን ጉዳያትን ምልዓል፡ ኣማቲ መርሓ-ጐደናና ስለዝኸውን፡ ኣብ ደቂቕ ዝርዝራት ከይኣቶኹ፡ ኣብዚ ዕዙዝ ዕለት፡ ቈላሕታ ኣዕዋፍ ክህብ ክፍትን’የ።

መኸተ ባህሊን ቅርሲን’ዩ። ባህሊ ከኣ፡ ኣብ ዝተወሳሰበ ስርዓተ-ክብሪታት (value system) ዝንደቕ’ዩ። ስርዓተ ክብሪታት፡ ኣብ ሓደ ህሞት ወይ እዋን፡ ብሃንደበት ወይ ብዕድል ዘይኰነ፡ ግዜ ኣብ ዝወስድ ከቢድ በዳሂ መስርሕ ዝውህለልን፡ ዝዕቀብን፡ ዝወራረስን’ዩ። ኣይግዛእን ኣይጸዓድን ኣይዋረድን፡ ምባል ምክብባርን ምትሕልላይን፡ ሓድነትን ስኒትን ውህደትን፡ ትብዓትን ተወፋይነትን ሓርበኛነትን መስዋእትነትን፡ ስራሕን ዓያይነትን ኣፍራዪነትን ተባላሓትነትን፡ ጽንዓት ኣብ ገጽ ፈታኒ ብድሆታት፡ . . . ሕላገታት ክብሪታትናን፡ ምስጢራት ዓወታትናን’ዮም። መኸተናን ገስጋስ ልምዓትናን ከኣ፡ ብኣታቶም ዝልካዕን ዝረጋገጽን’ዩ።

ርብዒ ዘመን ናጽነት፡ ኣብ መኸተን ልምዓትን፡ ኣብ ናይ 50 ዓመታት ጽኑዕ ዝመሰረቱ ዘሐብን ታሪኽ ዝተነድቀ’ዩ። እቲ 50 ዓመታት፡ ከም ሓደ ህዝቢ ክንህነጽን ክንከውንን ዝበቓዕናሉ መዛዘሚ መስርሕ ስለዝዀነ፡ ትርጉም ናይ ርብዒ ዘመን ናጽነት ይኹን፡ ዝስዕቦ መዋእል ብግቡእ ክንግንዘብ ምእንቲ፡ ነቲ ንፈልጦ መዛግብቲ ደጊምና ክንገናጽል ግቡእ’ዩ። እዚ ማለት፡ ናብ ጥንታዊ ዛንታ ከይረሓቕና፡ ቅድሚን፡ ኣብ መዋእለ መግዛእቲ ጣልያንን፡ ኣብነታውያን ጀጋኑ ኤርትራውያን፡ ኣንጻር መግዛእቲ ጣልያን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን ቦታታትን ዝፈጸሙዎ ቅያ መኸተ፡ ከይረሳዕና ማለት’ዩ።

ኤርትራ፡ ከም ዳርጋ ኩለን፡ ፖለቲካዊ ዶባተን፡ ካብ መወዳእታ 19 ዘመን ጀሚሩ ብሓይሊታት መግዛእቲ እናተሓንጸጸ ዝተመስረታ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምስ ምዝርዛር መግዛእቲ፡ ድሕሪ 2ይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ 1941፡ ንናጽነታ ባብ ክርሖ ነይርዎ፡ ኣብቲ እዋን፡ “ኤርትራ ንእስትራተጂያዊ ረብሓታት ኣሜሪካ ኣይተገልግልን’ያ” ስለዝተባህለ፡ . . . ካብ 1941 ክሳብ 1952፡ ኣብ ትሕቲ “ሞግዚትነት” እንግሊዝ፡ መሰል ናጽነት ንምብርዓን፡ ቁጠባን ትሕተ-ቕርጺን ብዘንቀደ ከምዝዓኑ ኰይኑ፡ ኣሕዋት ኣናቚትካ መኸተ ንምግምማዕ ከኣ፡ መርዛም ሽርሒታት ተኻዪዱ እዩ። . . . ካብ 1952 ክሳብ 1962፡ ብስም ፈደራላዊ ምቚራን፡ ንኤርትራን ህዝባን፡ ኣብ ናይ ውክልና መግዛእቲ ንምልሓቕ መቐጸልታ ውዲት ተፈቲኑ። ካብ 1962 ክሳብ 1974፡ መግዛእቲ ብውክልና ክዉን ንምግባርን፡ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ንምጭፍላቕን፡ ብኣሜሪካን ናይ ዞባ ሰብ ኪዳናን፡ ንስርዓት ሃይለስላሰ ብምድጋፍ፡ ወራራትን ግፍዒታትን ተፈጺሙ’ዩ። . . . ካብ 1974 ክሳብ 1991፡ ብሕብረት-ሶቭየት ነበርን ሰብ ኪዳናን፡ ፍትሓዊ ቃልሲ ንናጽነት ብገዚፍ ወተሃደራዊ መኪና ንምድሃኽ፡ ናይ ከንቱ ህቀና ተኻዪዱ’ዩ። ኩሉ’ዚ ፍጻሜታት’ዚ፡ መሰረት 50 ዓመታት፡ ናይዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ናጽነትና’ዩ።

ኣብዚ ኣዝዩ ዘይተመጣጠነ ምዕሪት (equation) ጽምዶ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቶም እናተበራረዩ መሰል ናጽነቱ ንምቑጻይ ዝበድሁዎ ዓለማውያን ሓይሊታትን ከደምቶምን፡ ብኸመይ ስዒሩዎም? ልዕሊ ኩሉ ወናን ሓቂን ኣብ ሓላል መሬቱን ስለዝዀነ፡ ብቐንዱ ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ 50 ናይ መኸተ ዓመታት፡ ናይ መኸተ ባህሉን፡ ስርዓተ ክብሪታቱን እናዀልዐ፡ ንቕሓት እናዕሞቐን እናበረኸን፡ ውዳቤኡን ኣሰላልፋኡን እናወርጸጸ፡ ዕጥቁን ብልሓት ውጥናቱን እናራቐቐ፡ ካብ ውዲታት ክድዓትን ጥልመትን ወሽለኽለኽን ብክልናን ውሻጠ’ውን፡ እናተማህረን እናለበመን፡ ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ መኸተኡ እናሓየለ ስለዝኸደ’ዩ፡ እቲ ምዕሪት ጽምዶ፡ ናብ ረብሓ ሓቂን ናጽነትን ወዲቑ። ምስዚ ጽኑዕ መሰረት ተዛሚዱ ከኣ’ዩ፡ ናይዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን መኸተን ልምዓትን ዝግምገም።

ኣብ ርብዒ ዘመን ናጽነት’ከ?

እቲ ኣብ 1941 ኪርሖ ዝነበሮ መሰል ናጽነት፡ ድሕሪ ናይ 50 ዓመታት መዘና ዘይርከቦ መኸተ፡ ብዘይ ዘራያትን ተሓለቕቲን፡ ኣብ ዓውዲ ኲናት፡ ብመስዋእቲ ልዕሊ 65 ሽሕ ብሉጻት ጀጋኑ ሓርበኛታት ደቂ’ዛ ሃገር ክዉን ምስ ኰነ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ወጻኢ ካብ ብድዐ ሓይሊ፡ ፍትሒን ልዕልና ሕጊን ኣኽቢሩ፡ ብረፈረንዱም፡ ልዑላዊነቱ ከምዝረጋገጽ ገይሩ፡ ንናጽነቱ ድርብ ክብሪ ኣልቢሱ’ዩ።
ሃገር ምህናጽ ቀዳማዊ ዕማም’ኳ እንተነበረ፡ ህንጸት ኣብ ውሽጢ ዝሰፍሐ ዞባዊ ምትሕብባርን፡ ጥዑይ ሃዋሁን ኪሰስን ምእንቲ፡ ቅድሚ ዝዀነ ካልእ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝገፍሐ መኣዲ ከኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ማእከላይ-ምብራቕን፡ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ህዝቢን መንግስቲን፡ ብሃናጺ ጽምዶ ኪነጥፍ ተበጊሱ። እቲ እዋን፡ ዝሑል ኲናት ዘኸተመሉን፡ ንሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ገፊሕ ዕድል ዝተኸስተሉን ኣጋጣሚ ስለዝነበረ’ውን፡ ተስፋ ዝህብን ኣተባባዒን’ዩ ነይሩ። እቲ ዝተቐየሰ ዞባዊን ዘቤታዊን ሸቶታት፡ ካብ ስምዒታዊ ሰናይ-ድሌት ወጻኢ፡ ወድዓዊን ኪጭበጥ ዝኽእልን’ዩ ነይሩ።

ሃንቀውታን ተበግሶታትን ግን፡ ምስ ክዉን ምዕባለታት ኣይተጠዓዓመን፡ ስለምንታይ?

ድሕሪ ምኽታም ዝሑል ኲናትን፡ ክስተት ሓድሽ መዋእልን፡ ሓደ ካብቲ ንዝተፈላለየ ምዕባለታት ዞባና ሓያል ኣሉታዊ ጽልዋ ዝገበረ ዘሕዝን ተርእዮ፡ ምስ ምብትታን ሕብረት-ሶቭየት ነበር፡ ስርዓት ኣሜሪካ ዝመርሖ ቀጽሪ፡ ነቲ ክስተት ከም ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ንዕብለላ ክምዝምዞ ስለዝሰስዐ፡ ብዝንቡዕ ኣናብባ፡ ደጊም ዓለም ናትና’ያ! ተባሂሉ፡ . . . ጸጋታትን ሃብቲን ዓለም ብሒትካ ንምግባት፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝዳረግ ዝኾነ ከይትስእ፡ . . . ተወዳደርቲ ኪኾኑ ንዝኽእሉ (potential) ምቕያድ፡ . . . ልዑል ቴክኖሎጂን፡ ማእከላት ፍልጠትን ባህሊን፡ መዘርግሕ-ሓበሬታን፡ መራኸቢ ብዙሃንን ምቁጽጻር፡ . . . ዓለም ኣብ ዞባታት ከፋፊልካ፡ ብኩላት ብመልሕቓት ወይ መጋበርያ ምምሕዳር፡ . . . ሕጊን፡ ልዕልና ኣህጉራዊ ሕጊን ረጊጽካ፡ ዓለማዊን ዞባዊን ውድባት፡ ናብ ላቔባን መጋበርያን ትካላት ምቕያር፡ . . . ዝዓይነቱ፡ ናብ ዕብዳን ዝቐረበ፡ ዓንዳሪ ስነሓሳብ ዝመርሖ ፖሊሲታትን ስጉምቲታትን ስለዘንቀሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ኣብ ዞባናን ካልእ ዞባታት ዓለምን፡ ነውጺን ህውከትን ሽበራን ዘሪኦም፡ ቅልውላዋትን ዕንወትን ህልቂትን ኣንጊሶም ኣለዉ። ናይ ርብዒ ዘመን ክዉንነት ብድሆታትን ተጻብኦታትን ናጽነትና ከኣ፡ ምስኡ ብወድዓዊ ተዛማድነት ዝርአ’ዩ።

ኣብ ፈለማ 1996፡ ቅድሚ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ተላዒሉ ዘይፈልጥ ጉዳይ ልዑላዊነት “ ሓንሽ” ተወሊዑን ተሳዊሩን። ዘስደምም ሕጋዊ መደምደምታ ተገይርሉ ከኣ ተዓጽዩ። እቲ ዛንታ ነዊሕ’ኳ እንተኾነ እቲ ዕላማ ሓደ ካብ ንኤርትራ ኣብ ዕንክሊል ዶባዊ ግጭትታት ኣእቲኻ ብሰንፈላል ኣዳኺምካ ናብ ኣጀንዳ ዕብለላ ንምርዓም ዝተሃንደሰ መጻወድያ ምንባሩ ግን ትንታነ ዝሓትት ኣይኮነን።

ኣብ 1998 ከም መቐጸልታ ናይ ሓንሽ ኣጀንዳ ዝኾነ ሕጋዊን ፖሎቲካውን ምኽኑይነት ዘይነበሮ ብቡራኬን ቀጥታዊ ምትእትታውን ዋሽንግተን ብምስምስ ዶባዊ ምስሕሓብ “ባድመ” ካልእ ኲናት ተኣዊጁ። ንኽልተ ዓመታት ብዝኾነ መጎት ዘይምኽነ ክሳራታት ከምዝወርድ ኮይኑ። ንክብረት ናጽነትን ልዑላዊነትን ኤርትራ ኣስታት 19 ሽሕ ጀጋኑ ዜጋታት ተሰዊኦም። ክልተ ዓመታት ብዝወሰደ ዳንነት ኣብ 2002 “ናይ መወዳእታን ቀያድን” ውሳኔ ተዋሂቡ። እንተኾነ ብቕሉዕ ምትእትታው ዋሺንግተን ውዕላትን፡ ኣህግራዊ ሕግን ውሳኔን ተረጊጹ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ንልዕሊ 14 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ወራር ኪዓኑ ጸኒሑ’ሎ። እዚ ከም ዝኾነ ተራ ፍጻሜ ዘይረአ፡ እስትራተጂያዊ ዞባዊ ነውጺ ንኣጀንዳ ዕብለላ ኣቃሊልካ ዘይረአ መኽሰባት ነይርዎ’ዩ። ምኽንያቱ ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሕዝነት ሰቢሩ፡ ንዞባዊ ዕድላት ለውጢ ኮሊፉ፡ በቲ ሓደ ኢድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ መጋበርያን ንዕብለላ ዝኸውን ብኩል ስርዓት ስለዘውሓሰ’ውን በቲ ኻልእ። ጃንዳ ወያነ’ውን ካብ ኣብ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝነበሮ ስግኣት ዘናግፍ ንኤርትራ ገንሸል ጌርካ ሞግዚትነት ኣሜሪካ ስለዘውሓሰ።

ነቲ ድሕሪ፡ “ናይ መወዳእታን ቀያድን” ብይን ዝቐጸለ ቅሉዕ ወራርን ግህሰት ልዕልና ሕግን ዓባቢጥካ ንምህሳስ ንኤርትራ ከኣ ካልእ ወጣጢ ግንባር ከፊትካ ኣብ ቀጻሊ ቅልውላው ንምቕርቃር ምእንቲ ክጥዕም፡ ኣብ ዝኾነ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ድሕሪ ናጽነት ጅቡቲ ኣብ 1977 ተላዒሉ ዘይፈልጥ ዝኾነ ሕጋዊ ባይታ ዘይነበሮ ካልእ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኣብ 2008 ተፈብሪኹ፡ ከም ኣካል ናይቲ ዝገፍሐ ኣጀንዳ ጽዑቕ ናይ ምድንጋርን ጸቕጢን ዲፕሎማስያዊን ዜናዊን ዘመተታት ኪካየደሉ ጸኒሑ’ሎ።

ናይ ጁብቲ ናይ ዶብ ሕንክሮ ወሲኽካ’ውን ጭንቀት ሰብ ኣጀንዳ ኣይቀሰነን። ኣብ 2009 ብድራማቲካዊ ናይ ጠቐነ ምህዞ ጽውጽዋይ “ሸባብ”፡ ኣብ ድሮ ክርስቲማስ ንብዙሓት ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ኣብ ኒዮርክ፡ ብምድህላልን ምድንጋርን ጸቕጥን ብስም ባይቶ ጸጥታ ውሳኔ እገዳ ከምዝሓልፍ ተገይሩ። ቀንዲ ዕላምኡ ንዕብየት ወተሃደራዊ ናይ ርእሰ ምክልኻል ዓቕሚ ኤርትራ ቀይድካ ምስናፍ’ኳ እንተኾነ፡ ንዝያዳ ፖሎቲካዊን ዲፕሎማስያውን ምንጻል ባይታ ከስፍሕ እንተሓገዘ’ውን ተባሂሉ’ዩ። ዝዓበየ ታሪኻዊ ስግኣት ተጻባእቲ ኤርትራ፡ ወትሩ ሓይሊ ህዝባ ስለዝኾነ ሰባዊ ጸጋታት ኤርትራ ንምብትታንን ምህውታትን “ንግዲ ፍልሰት ሰባት” ንግዲ ባሮት 21 ዘመን ከምዝበሃል ብስም “ፍቓድ ዑቕባ” ከም ኣገዳሲ ቀዳምነት ብጻውዒት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ወግዓውነት ለቢሱ ዝተወደበ ገበን ፍልሰት ድርኺት ከምዝውስኽን ብጽዑቕ ዳንኬራ ፕሮፓጋንዳዊን ዲፕሎማስያውን ዘመተ ተሰንዩ ክሳብ ናይ ስልበጣ መኽሰሲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝዓረገ ዕቡድ ጎስጓሳት ይካየደሉ ኣሎ።

ድኽነትን ጥምየትን ፈጢርካ ቅልውላው ንምብግጋስ ተሓገዘ ተባሂሉ ወግሐ-ጸብሐ ዝካየድ ቁጠባዊ ሽርሒታት ካብ 2% ዝበሃልን ሓዋላን ሓኒቕካ፡ ናይ ዕደና ንጥፈታት ደው ምባልን ምዕናውን ክሳብ ዝኾነ ግዳማዊ ሓገዝን ወፍርን ንምእጋድ ዝካየድ ሃለኽለኽ ንቡር ዋኒን ጃንዳ ዋሽንግተን’ዩ።

ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጥታት ንምዝያድን ዘተኮረ ጥሙር ንጥፈታት መኸተን ልምዓትን ንምዝራው መልክዕ ኤርትራ ንምድዋን ዝካየድ ኣሰይጣኒ ዜናዊ መጥቃዕትታት ኮነ መሳርዕ ንምዝራግ ዝካየድ ናይ ከንቱ ፖለቲካዊ ህቀናታት ኣብቲ ሓደ ጫፍ፡ ሓቀኛ ስእሊ ኤርትራ ንኸይፍለጥ ዝግበር ናይ ምዕፋን ሓጹራት በቲ ካልእ ምስናይ ሕስረቱ እናዛየደ ይኸይድ ምህላዉ’ውን ርኡይ’ዩ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን

ብኣሕጽሮት ኪዝርዝሮ ዝፈተንኩ ዝደጋገም ሓቅታት ናይ’ዚ ዝሓለፈ ናይ ርብዒ ዘመን ተጻብኦታት ኣብ ልዕሊ ናጽነትን ልዑላውነትን ዝተወሳሰበን ተዛማድነትን ዘለዎ ስእሊ ምእንቲ ኪህብ’ዩ። እቲ ዝያዳ ዘገድስ ግን ብድሆታትን ተጻብኦን ዝመሰለ ይምሰል በንጻር መኸተናን ልምዓትናን እንታይ ይመስል?

ባህልናን ስርዓተ ክብሪታትናን መሊሱ ሃብቲሙን ተኾሊዑን’ዩ። ኩሉ ጎናዊ (ሕጋዊ፡ ፖሎቲካዊ፡ዜናዊ፡ዲፕሎማስያዊ፡ ድሕነታዊ) መኸተና ደርሚሱ’ዩ። ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን ናይ ልምዓት መኸተና ከኣ ምስናይ ድርቱነት ጸጋታትን ቀጻሊ ዕንቅፋታትን ኣገደስቲ መድረኻት ሰጊሩ ኣብ ዝበረኸ ባይታ ደይቡ፡ ናብ ዝዓበየን ዝሰፍሐን ፕሮግራማት ንምስግጋር ኣብ ምምራሽ ይርከብ። ኣብ’ዚ ቅንያትን ዝሓለፈ መዓልታትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻኢን ብትእምርታዊ መሰናድኦታት ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከኣ ስእላዊ መግለጺ’ዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ናይ ርብዒ ዘመን ናጽነት፡ መኸተን ልምዓትን’ሲ ርኢና፡ ኣስተማቒርና። ናይ’ቲ ዝመጽእ ርብዒ ዘመንከ?

ደጊመ ንመጻኢ ከነማዕዱን መርሓ-ጎደናና ከነነጽርን ምእንቲ ናይ’ቲ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን መኸተን ልምዓትን ዝርዝራት በብዓውዶም ብደቂቕ ተዘርዚሮም ኪስነዱ እናዘኻኸርኩ (ሓደ ሓደ ፈተነታት ተገይሩ’ኳ እንተኾነ) ካብ’ዛ መዓልቲ ጀሚርና ኣብ ኩሉ ግንባራትን ክንፍታትን ጽፍሕታትን እነካይዶ ሕጋዊን ዲፕሎማስያውን ዜናውን ፖሎቲካውን መኸተ፡ ብዓጸፋ ሓይሊን ድርኺትን ዝበለጸ ውዳበን ምውህሃድን ክንግስግሰሉ፡ ንሰፊሕ ልምዓታዊ መኸተና ብዝምልከት ከኣ፡ ኣብ’ዚ ጸቢብ ኣጋጣሚ ንምዝርዛሩ’ኳ ተዘይተኻእለ፡ ናይ መጻኢ ዓበይቲን ሰፋሕትን ፕሮግራማት፡ ከም ወትሩ ብሰፊሕ ሱታፌ ህዝቢ ክሰላሰል ስለዝኾነ ሓላፍነትና ንምልዓል ብምልኣት ድሉዋት ከምዘሎና ጥራይ ከረጋግጽ እፈቱ።

ዘልኣለማዊ ክብሪ ነቶም ናጽነትን ልዑላዊነትን ዘውሓሱ ጀጋኑ ሰማእታት!
ክብርን ሓበንን፡ ንዘይጸዓድ ህዝቢ ኤርትራ!
ምስጋናን ሞሳን፡ ንመሪሕ መኸተን ልምዓትን ሓይልታት ምክልኻል!
ኣብ ወርቃዊ እዮቤል’ዩ የራኽበና!

Received on Sun May 29 2016 - 06:48:40 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved