"ኣርቲስት ተጋዳሊት ፍረወይኒ ሰለሙን ተሰዊኣ"ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን..

From: Aklilu Abraham <adalvoice_at_gmail.com_at_dehai.org>
Date: Wed, 25 May 2016 14:35:04 +0000

ኣርቲስት ተጋዳሊት ፍረወይኒ ሰለሙን ብዝሓደራ ሕማኣም ኣብ ከተማ ለንደን ሕክምዊ ክንክን ክግበረላ እኳ እንተጸንሖ
ኩነታት ጥዕንኣ ክምሓየሽ ብዘይ ምክኣሉ ብ 23 ግንቦት 2016 ብተሰዊኣ።

ኣርቲስት ተጋዳሊት ፍረወይኒ ሰለሙን ካብ ዞባ ደቡብ ኣብ 1978 ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰዉራ ተጸንቢራ ስጋብ ዕድሚኣ
ዝኣክል ድማ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰዉራ ዓቢያ ዕድሚኣ ምስ ኣከለ ሱሩዕ ፖለቲካዉን ወተሃደራዉን ታዕሊም ብምቅሳም ኣብ
ዝተፍላለዩ ኣሃዱታት ተመዲባ ስጋብ ዕለተ ናጽነት ድማ ናጽነት ጋሕዲ ንምግባር ብጅግንነትን ተወፋይነትን ጽንዓትን
ቆራጽነትን ምእንቲ ሕዝባን ሃገራን ተጋዲላ።

ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ብምምጻእ ንእተፍቅሮ ሞያ ናይ ካሜራ ስእሊ ንምምዕባሉ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ
ጹዑቅ ትምህርቲ ተጸሚዳ ትምህርታ ብዓወት ዛዚማ።

ኣርቲስት ተጋዳሊት ፍረወይኒ ሰለሙን ብዝቀሰመቶ ሞያ ንንጥፍታትን መከተን ሕዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ
ምስናድ ስጋብ ዕለተ መስዋእታ ብዘይ ዝኮነ ይኩን ጻማ ብተወፋይነት ንሕዝባን ሃገራን ኣገልጊላ ንውሉድ ዎለዶ ዝምሓላለፍ
ብኣማኢት ዝቁጸር ንጥፍታት ኤርትራዊያን ብናይ ደረቅ ስእሊ ሰኒዳ ሓሊፋ'ላ፤ ሙሉእ ታሪክ ህይወት ኣርቲስት ተጋዳሊት
ፍረወይኒ ሰለሙን ምስ በጽሓና ከነቅርቦ ኢና።

በዚ ኣጋጣሚ ቤት/ጽ ኢምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ብምክኒያት መስዋእቲ ኣርቲስት ተጋዳሊት ፍረወይኒ ሰለሙን
ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ብምግላጽ ንስድራቤታን ፍተዉታን መቃልስታን ቡጾታን ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

ኣዳል ድምጺ ኤርትዊያን


​ንዝያዳ ዜና ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል ድምጺ ኤርትራዊያን ንምብጻሕ ኣብዚ ኣድራሻ ጠውቁ-
https://adalvoice.wordpress.com/


1uMt4TG6wZkj__1_11.png
(image/png attachment: 1uMt4TG6wZkj__1_11.png)

Received on Wed May 25 2016 - 10:35:05 EDT

Dehai Admin
© Copyright DEHAI-Eritrea OnLine, 1993-2013
All rights reserved